Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML ትግርኛ

ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝነበሩ 42 ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም።

Captured
Not recorded
Source status
captured · Local file exists; original HTTP status unknown
Original source ↗

http://www.ehrea.org/sudare.php

Read in the document library →

ካብ 1-31 ጥሪ 2012 ዓ.ም 1545 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ፡ ሱዳን ኣትዮም። ዝርዝር ናይ’ዞም ናብ ሸገራብ ዝኣተው 1545 ስደተኛታት ድማ፡ ከም’ዚ ዝስዕብ ኢዩ።

  1. Source column 2

    ትሕቲ 5 ዓመት

    Source column 3

    ካብ 5-18 ዓመት

    Source column 4

    ልዕሊ 18 ዓመት

    Source column 5

    ድምር

  2. Source column 1

    ደቂ ኣንስትዮ

    Source column 2

    136

    Source column 3

    175

    Source column 4

    211

    Source column 5

    522

  3. Source column 1

    ደቂ ተባዕትዮ

    Source column 2

    112

    Source column 3

    308

    Source column 4

    603

    Source column 5

    1023

  4. Source column 1

    ድምር

    Source column 2

    248

    Source column 3

    483

    Source column 4

    814

    Source column 5

    1545

ካብ 1 ጥሪ 2010 ክሳብ 31 ጥሪ 2012 ኣብ ሱዳን፡ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ፡ ዑቝባ ዝሓተቱ ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት 48,492 (46,947 + 1545) በጺሑ ኣሎ።

← ዝናን ባህታን ናጽነትን ሱቕታን! (14)

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግኣት ከምዝተኻየደ ምንጭታት ሓቢሮም። →

ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝነበሩ 42 ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም።

Posted on February 11, 2012 by assenna

ኣብ ጉዕዞ ንስደት እናሃለዉ፡ ብወተሃደራት ግብጺ ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲናይ ተታሒዞም ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዝነበሩ’ሞ ናብ ኤርትራ ብሓይሊ ናይ ምምላስ ሓደጋ ከንጸላልዎም ዝጸንሐ፡ 42 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብምትሕብባር ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ግብጺ፡ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኸዱ ምንጭታት ሓቢሮም።

ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ስደት ብግዴታ ንምዝለሱ ኤርትራውያን ናይ ምእሳርን ምስቓይን ኣመል ስለዘለዎ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ካብ ዝምለሱ ናብ ካልኦት ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም ክዕቆቡ እዮም ዝመርጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ግብጺ ይኹን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ደልሃመት ንዝኣተዉ ኣማኢት ኤርትራውያን ተቐቢሉ የዕቁቦም ምህላዉ ኸኣ ይፍለጥ።

External references

Links to other sites. Their content is not part of this local archive.