Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML ትግርኛ

ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ንድሕነቶም ሓገዝ ማሕበረሰብ ዓለም ንምርካብ ህጹጽ ጻውዒት የቕርቡ።

Captured
Not recorded
Source status
captured · Local file exists; original HTTP status unknown
Original source ↗

http://www.ehrea.org/hgl.php

Read in the document library →

ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ንድሕነቶም ሓገዝ ማሕበረሰብ ዓለም ንምርካብ ህጹጽ ጻውዒት የቕርቡ።

Posted on February 17, 2012 by assenna http://assenna.com/

ናብ እስራኤል እናተጓዕዙ ብወተሃደራት ግብጺ ተታሒዞም ኣብ ሓሲና ዝተባህለ ቤትማእሰርቲ ግብጺ ተዳጕኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ልዕሊ 30 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ናብ ኤርትራ ከይስጎጉ ዘለዎም ስግኣት ብምግላጽ፡ ነጻ ክልቀቑን ከም ስደተኛታት መሰሎም ክሕለወሎምን፡ ንድሕነቶም፡ ሓገዝ ኤርትራውያንን ማሕበረሰብ ዓለምን ንምርካብ ህጹጽ ጻውዒት የቕርቡ።

ንሳቶም ናብ ድምጺ ኣሰና ደዊሎም ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ሓለፍቲ ናይቲ ቤትማእሰርቲ ብምስጢር ናብ ኤርትራ ክሰጉዎም ይሸባሸቡ ከምዘለዉ፡ ናብ ኤርትራ እንተተመሊሶም ከኣ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ምዃኑ ብምምልካት፡ ዝምልከቶም ማሕበራት ሰብኣዊ መሰላት ከድሕኑዎም ተማሕጺኖም።

እቶም ኤርትራውያን እሱራት፡ ካብ ኤርትራ ኣብ ዘምለጡሉ ግዜ ኣብ ሱዳን ርግጽ ምስ ኣበሉ፡ ግዳይ ጭወይቲ ራሻይዳ ኮይኖም ከም ገላዩ ካብ ሓደ ናብ ሓደ እናተሸጡን እናተለወጡን ኣብ ኢድ እቶም ጨካናት በደዊን ሲናይ ከምዝተሳቐዩ፡ እቲ ዝተሓተቱዎ ኣሽሓት ገንዘብ ከፊሎም ካብቲ ማሕዩር ምስ ወጽኡ ድማ፡ ብወተሃደራት ግብጺ ተታሒዞም እንደገና ኣብ ቤትማእሰርቲ ከምዝተዳጎኑ ገሊጾም።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ኣብታ ቤትማእሰርቲ 25 ደቂ ተባዕትዮን 8 ደቀንስትዮን ተኣሲሮም ኣለዉ።

ክቡራት ሰማዕትና ምሉእ ትሕዝቶ ጻውዒቶም ድሕሪ ዜና ኣብ ናይ ሎሚ መደብ ድምጺ ኣሰና ከነቕርበልኩም ኢና።

External references

Links to other sites. Their content is not part of this local archive.