Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML ትግርኛ

Remembering on Marty’s Day the forgotten Eritrean Hero Amanuel Yohannes/

Captured
2026-10-30T16:47:10.453912+00:00
Source status
captured · HTTP 200
Original source ↗

http://www.ehrea.org/amade.php

Read in the document library →

ኤርትራ፡ ሓደ ብእምነቱ ዝተኣሰረ ውልቀ ሰብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህይወቱ ሓሊፉ 4 መስከረም 2019

ተኪኤ ተስፋዮውሃንስ ዝተብሃለ ኣማኒ ጴንጠቆስጣል ብእምነቱ ድሕሪ ምእሳሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህይወቱ ምሕላፉ፡ ዳይሬክተር ንናይ እምነት እሱራት ዝማጎት ማሕበር 'ረሊዝ ኤርትራ'፡ ዶክተር ብርሃነ ኣስመላሽ ሓቢሩ። ብ 10 ግንቦት፡ 14 ቆልዑት ዝርከብዎም 104 ደቂ ኣንስትዮን 23 ሰብኡትን ብሓፈሻ 141 ዝኾኑ ምእመን ጴንጠቆስጣል ኣብ ኣስመራ፡ ማይተመናይ ኣብ መንበሪ ገዛ መንፈሳዊ ኣኼባ ክገብሩ ተረኺቦም ምእሳሮም ዝገለጸ ዶክተር ብርሃነ፡ ተኪኤ ሓደ ካብ መንጎኦም ምንባሩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እቶም እሱራት ብምልኦም ናብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ዓቤቶ ተወሲዶም እኳ እንተነበሩ፡ ፍርቆም ጸኒሖም ከም ዝተፈትሑ ዶክተር ብርሃነ ገሊጹ።

ተኢኤ ኣስታት 55 ዝዕድሚኡ በዓል ሓዳር፡ ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን ኣካላዊ ስንክልና ዝነበሮን እዩ ነይሩ። ንተኪኤ ብውልቂ ከም ዝፈልጦ ዝሓበረ ተጣባቒ መሰላት ኣቶ ሃኒባል ዳንኤል፡ "ተኪኤ ብስንክልንኡ ከይተታሕዘ" ክልተ ስራሕ ሰሪሑ ስድርኡ ይናቢይ ምንባሩ ገሊጹ። "ካብ ንፈላለ ነዊሕ እኳ እንተኾነ፡ ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ፡ ተኪኤ ጻዕረኛን፡ ብስንክልንኡ ምኽንያት ከማርር ሰሚዐዮ ዘይፈልጥን እዩ" ኢሉ። ኣቶ ሃኒባል፡ ካብ ኤርትራ ሓበሬታ ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ብልክዕ መዓስ ሞይቱ፡ ግቡእ ሕክምናዊ ረድኤት ረኺቡ ነይሩ ደዩ? ዝብሉ ሕቶታት መልሲ ከም ዘይብሉ ገሊጹ። ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ'ውን ፍጹም ዝተብሃለ ሰብን ካልእ ኣቦን ብእምነቶም ካብ ባጽዕ ምስ ተኣስሩ፡ ኣብ ቤትማእሰርቲ ዳህላክ ከም ዝሞቱ ሓደ መንነቱ ክንዕቅበሉ ዝሓተተ ውልቀሰብ ሓቢሩ። መግለጺ ቪድዮ, ራፕ ዝገብር ቀሺ

https://www.bbc.com/tigrinya/49575838

ehrea

ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com

External references

Links to other sites. Their content is not part of this local archive.