Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML ትግርኛ

ሕሩይ ክፍሎም ተስፋማርያም ዝተባህለ ወዲ 20 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ ብስርዓት ህግደፍ ብጥይት ተቐቲሉ።

Captured
2026-10-30T16:47:23.565570+00:00
Source status
captured · HTTP 200
Original source ↗

http://www.ehrea.org/kfggf.php

Read in the document library →

ሕሩይ ክፍሎም ተስፋማርያም ዝተባህለ ወዲ 20 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ ብስርዓት ህግደፍ ብጥይት ተቐቲሉ።

September 2, 2012September 2, 2012 assenna ሕሩይ ክፍሎም ተስፋማርያም ዝተባህለ ወዲ 20 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኤትዮጵያ ክሰግር ኣብ ዝፈተነሉ ግዜ ብሓይልታት ኤርትራ ብጥይት ተሃሪሙ ሂወቱ ከምዝሰኣነ ካብ ኤርትራ ዝረኸብናዩ ሓበረታ የረደእ። ሕሩይ ካብ ኣቡኡ ኣቶ ክፍሎም ተስፋማርያምን ኣዲኡ ጽሃይነሽ ፍትውን ኣብ ከተማ ዓዲ-ቐይሕ ተወሊዱ ከምኡ እውን ናይ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ዓዲ ቐይሕ ዛዚሙ። ዝሓለፈ ዓመት ካብ ሳዋ ታዕሊሙ ወዲኡ ናይ ዩኒቨርሲቲ ነጥቢ ብምርካብ ኣብ ማይ ነፍሒ ክምሃር ድሕሪ ምጽናሕ ነቶም ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መነባብሮ ተስፋ ቆሪጹም ቅድሚ 4 ዓመት ናብ ስደት ዝተሰዳዱ ሕጂ ኣብ ኣውስትራልያ ዝነብሩ ዘለዎ ስድራበቱ ንክጽንበር እዩ ነዚ ሕጅ ጠንቂ ሞቱ ኮይኑ ዘሎ መንገዲ ናብ ኢትዮፕያ ዝጀመሮ። በዚ ሞት እዚ ኣዝዩ ዝሰንበደን ዝተቖተጠዐን ህዝቢ ከተማ ዓዲ-ቐይሕ ከኣ ዘረቢኡ ብዛዕባ እዚ ፍጻሜ እዚ ኮይኑ ከምዘሎ ምንጭታትና ይገልጹ።

Source Assena.com

External references

Links to other sites. Their content is not part of this local archive.