Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML ትግርኛ

ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ንህዝቢ ዓዲ ገብራይ ብጅምላ ኣብ ከባቢ ጋሕቴላይ ሓይሩዎ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

Descriptive archival label; editorial title review pending.

Captured
Not recorded
Source status
captured · Local file exists; original HTTP status unknown
Original source ↗

http://www.ehrea.org/nna.htm

Read in the document library →

Home arrow ትግርኛ arrow ዜና arrow ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ንህዝቢ ዓዲ ገብራይ ብጅምላ ኣብ ከባቢ ጋሕቴላይ ሓይሩዎ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

  1. Source column 1

    ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ንህዝቢ ዓዲ ገብራይ ብጅምላ ኣብ ከባቢ ጋሕቴላይ ሓይሩዎ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

    Source column 2

    PDF

    Source column 3

    Print

    Source column 4

    E-mail

Wednesday, 03 June 2009

ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ጀሚሩ ንህዝቢ ዓዲ ገብራይ፡ ቆልዓ ሰበይቲ ከይተፍረፈ ብጅምላ፡ ኣብ ከባቢ ጋሕቴላይ ኣብ ኣጻምእ ኣብ ዝተደኮነ ማሕዩር ዳጕኑዎ ከምዘሎ ምንጭታት ኣፍሊጦም። ስርዓት ህግደፍ ነዚ ስጉምቲ ‘ዚ ዝወሰደ፡ ሓደ ኣብ ኣስመራ ዝዓረፈ ሰብኣይ ሓምድ ድበ ክለብስ ናብቲ ዓዲ ምስ ተላእከ፡ ህዝቢ ዓዲ ገብራይ “ወዲ ዓድና ስለዘይኮነ ኣብ ዓድና ኣይትቅበርን እዩ” ኢሉ ብሓባር ስለዝተቓወመ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ኣብሪሆም። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብታ ዓዲ ናይ መሬት ክርክር ከምዝጸንሐ ‘ውን ይጠቕሱ። እቶም ምንጭታት ከምዝጠቐስዉዎ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ሕሙማትን ቆልዑ ተማሃሮን ከይተረፈ ኣማኢት ተቐማጦ ዓዲ ገብራይ ገፊጡ ብዘይመግቢ ምሕያሩ ከይኣክል፡ ኣብ ከተማ ንዝነብሩ ደቂ ዓዶም ማይን መግብን ከቕርቡሎም ኣዚዙዎም ኣሎ። በዚ ኢሰብኣዊ ስጉምቲ ስርዓት ህግደፍ ከኣ፡ እቶም እሱራትን ዘይእሱራትን ደቂ ዓዲ ገብራይ ኩሎም ኣብ ሸገርገርን ከልበትበትን ወዲቖም ከምዘለዉ ተፈሊጡ። እቲ ህዝቢ ብሓይሊ ናይ ምቍጽጻር ሕንሕነ ዘለዎ ስርዓት ህግደፍ፡ እቲ ‘መሬት ናይ መንግስቲ እዩ’፡ ዝብል ኣብ ዝደለዮ ቦታ ድላዩ ምግባር ምእንቲ ክጥዕሞ ዝኣወጆ ፖሊሲ ስለዝተደፍረ እዩ ከምዚ ዝኣመሰለ ንሕስያ ዘይብሉ ሓይሊ ዝጥቀም ዘሎ። ብኸምዚ ዝኣመሰለ ሓባራዊ ተቓውሞ ክብዳህ ከሎ፡ ልዕሊ ኹሉ ሕጋውነቱ ብሓይሊ ምርግጋጽ ስለዘገድሶ ዝያዳ ሓይሊ ምጥቃም ብተደጋጋሚ ዘዘውትሮ ኣመል ምዃኑ ድማ ይፍለጥ። ዓዲ ገብራይ ካብ ኣስመራ ልዕሊ 20 ኪሎሜተር ርሒቓ፡ እትርከብ ዓዲ ክትከውን ከላ፡ ጋሕቴላይ ድማ መንጎ ኣስመራ ባጽዕ ዝርከብ ቆላዊ ኩነታት ኣየር ዘለዎ ኣጻምእ በረኻ እዩ።

  1. Source column 1, source header

    < Prev

    Source column 3, source header

    Next >

[ Back ]

External references

Links to other sites. Their content is not part of this local archive.