Skip to content
EHREADocument library

Interface: EnglishDocuments retain their original language

HTML ትግርኛ

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብወገን ኢትዮጵያ ዶብ ኪሰግሩ ረኺበዮም ዚበሎም ክልተ መንእሰያት ከምዝረሸነ ምንጭታት ሓቢሮም።

Captured
Not recorded
Source status
captured · Local file exists; original HTTP status unknown
Original source ↗

http://www.ehrea.org/trekij.php

Read in the document library →

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብወገን ኢትዮጵያ ዶብ ኪሰግሩ ረኺበዮም ዚበሎም ክልተ መንእሰያት ከምዝረሸነ ምንጭታት ሓቢሮም።

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብወገን ኢትዮጵያ ዶብ ኪሰግሩ ረኺበዮም ንበሎም፡ ተድሮስ ተኽለ ከምኡ ውን የማነ መሓሪ ዝተባህሉ ክልተ ደቂ ዓዲ ዃላ ከምዝረሸነ፡ ካብ ሞት ኣምሊጡ ሓደ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ መኻይዶም ሓቢሩ።

እቶም መንእሰያት ናብ 16 መጋቢት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ሸውዓተ ሩባ ዝተባህለ ቦታ እንዳዝማች ዑቕቢት እዮም ተረሺኖም።

እቶም መንእሰያት ብጠቕላላ ኣርባዕተ እዮም ነይሮም። እቲ ሓደ ሃዲሙ ኢትዮጵያ ክኣቱ ከሎ፡ እቲ ራብዓዮም ድማ ብልኡኻት ስርዓት ህግደፍ ተታሒዙ ኣብ ማእሰርቲ ይርከብ ኣሎ።

እቲ ጨካን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ሃገሮም ቀሲኖም ከይነብሩ ኩርኳሕ ኮይኑ፡ ኮኒኑዎም ኳ እንተሎ፡ ብወገን ምዕራብ (ሱዳን) ራሻይዳን ተሓባበርቶምን ከም ድላዮም ዝጨውዩሉ ነጻ ቦታ ብምኽፋት፡ ብወገን ኢትዮጵያ ድማ ብቐጻሊ ክርሽኖም ይረአ።

source http://assenna.com/

External references

Links to other sites. Their content is not part of this local archive.