Extracted PDF page text

era-ero-prisoners-update_b.pdf

Machine-extracted derivative; not a transcript or translation. Reading order, spacing and characters have not been editorially verified. PDF page numbers are file positions, not printed page labels. No OCR has been added.

Open unchanged original PDF · Download unchanged PDF

Extraction status: partial-extraction.

PDF page 1

View this page in original PDF

Character encoding review needed: private-glyphs.

1 
 
20 ግንቦት 2012  
ንሞት ዶ ትጽበያ! 
 ናብ ራዲዮ ወጋሕታ  
 ካብ ኣስመራ 
“ንሞት ዶ ትጽበያ!” ብእትብል ቃል ዝሰደልኩም ዘለኹ ሓበሬታ፡ ጸሓፊኣ ባዕለይ  ኢየ፡፡ እቲ 
ቀንዲ ኣስዒበ ዝገልጸልኩም ዝርዝር ሓበሬታ ዘዕለለኒ ግን ዒራዒሮ  ኣብ ሓለዋ ዝርከብ 
ዓርከይ ኢዩ፡፡ ዓርከይ ንውሽጡ እንዳነብዐ ዝገለጸለይ ሓበሬ ታ ንገዛእ ነብሰይ ንዝንተ እለት 
ካብ ሕልናይ ዘይፎሓቕ ስምብራት ሓዲጉለይ ኢዩ፡፡ እቲ ኩነታት ንዓይ ደኣ’ዩ ሓዲሱኒ’ምበር 
ለካ ብመገዲ ሓደ ወዲ ኣሃዱኦም ዝነበረ ኢዮብ ባህታ ዝተብሃለ ሰብ’ሲ ተቃሊዑ፡ ምንባሩስ 
እዚ ዓርከይ  ባዕሉ’ውን ከምዝሰምዖ ገሊጹለይ ፡፡ ሕጂ’ውን እዚ ዓርከይ ኣስዒቡ “በል ንሕና 
ደጊም ዶ ካብ ሃገርና ወጺእና ካልእ መዋ ጽኦ ክሳብ ዝፈጥረልና ንግዜ ክንጽበ ኢና እሞ፡ በጃኻ 
ንዓ ንስኻ ነዚ ዘዕለልኩኻ ኩነታት ብዝኾነ ይኹን ውሕስ መገዲ ንወጋሕታ ሓብሮም ንህዝቢ 
ይግለጽሉ” ስለ ዝበለኒ ብሓሳቡን ትብዓቱን ኣመና ተገሪመ ፡ ንሱ እኳ ከምዚ ዝሓሰበ ከመይ 
ደኣ ኣነ! ብምባል  እንሆ ቃሉ ከየዕበርኩ፡ ሓበሬትኡ ከየጓደልኩ፡ እሰደልኩም ኣለኹ፡፡      
ወዲ ኣሃድኦም ዝነበረ  እዮብ ባህታ ኣብ 2010 ንዝተፈላለያ ናይ ተቃውሞ መራኸቢ ብዙሃን 
ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ካብ 18 መስከረም 2001 ብመንግስቲ ኢሳያስ ኣብ ሓደ እዋን: 
ኣብ ሓደ ሕቡእ ቦታ : ካብ ዝተኣሰሩ 35  ጠቕላላ ዜጋታት  (ላዕለዎት መራሕቲ ሰ ውራ፡ 
ገዳይም ተጋደልትን ካድረትን ኣዳለውቲ ጋዜጣታት ብሕትን) እቶም 15 ሂወቶም ከምዝሰኣኑ 
ኣቃሊዑ ከምዝነበረ ን፡ ኩሉ ሓበሬትኡ ብዘይዝኾነ ምግናን ከምዝነበረታ ከምዘቕረበ ን እዚ 
ዓርከይ ደጊሙ ምስክርነቱ ሂቡ ኣሎ፡፡   
ንመግለጺ ኢዮብ  ዝኾነ በዓል መዚ እዚ ስርዓት ከምዘይበደሀን፡ ዘይበደህሉ ምኽንያት ድማ 
እቲ ፍጻመ ሓቂ ስለ  ስለዝኾነን ኢዩ፡፡ ሕጂ’ውን እንተኾነ ሓሶት ኢዩ ዝብል በዓል ስልጣን 
ከምዘይህሉን ኣለኹ ዝብል እንተሎ ከኣ  እነሆ ሜዳ እነሆ ፈረስ  ዒራዒሮ ብዘይሻራውያን  
ኣካላት ክፍተሸ ከፍቅድ ከምዝግባእ ብምልኣት ልቢ ገሊጹለይ… !  

PDF page 2

View this page in original PDF

2 
 
ብድሕሪ ኢዮብ ንዝሰዓበ ምዕባለታት እንታይ ይመስል ኣብ ዝምልከት ድማ ከምዝስዕብ 
ገሊጽዎ፡- 
 ኣብ ልዕሊ’ዞም ዝተሰውኡ ኡሱራት እቶም ክሳብ እታ ኢዮብ ካብ ዒራዒሮ ዝወጸላ ዕ ለት 06 
ጥሪ, 2010 ብሂወት ካብ ዝሓደጎም 20 ኡሱራት እቶም 11 ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ኩነታት ጥዕና 
ከምዝሓደጎም፡ ብዛዕባ መጻኢ ዕድሎም ኣብ ሓደጋ ከምዝ ርከቡ ምግላጹን፡ ሓቁ ድማ 
ከምዝነበረን፡ እቶም ካብ ጥሪ 2010 ክሳብ ሕጂ ወርሒ 5/2012 ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ጥዕና 
ዝነበሩን ዝርከቡን ዘለው ኡሱራት ከኣ እዞም ዝስዕቡ ምንባሮም ዘርዚርዎም ኣሎ፡- 
ተ
.
ቁ 
ስም  
ሓላፍነት 
መ
ለለ
ይ  
ቁጽ
ሪ 
ኩነታቱ ንዝምልከት መብርሂ  
1 “ዶ/ር” ስራጅ ቆንስል 
ነይሩ 
26 ካድር ህ.ግ.ሓ.ኤ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ጅዳ ቆንስል ነይሩ 
ተሳሕቡ ምድቡ ከይፈለጠ እንከ ሎ ተኣሲሩ፡ ድሕሪ 
ምእሳር ኩነታት ጥዕንኡ  ኣብራኹ ሰንኪሉ ባዕሉ ክትስእ 
ኣይክእልን ነይሩ 
2 ሃይለ 
ወልደትንሳኤ 
(ድሩዕ) 
ሚ/ር 
ወጻእ 
ጉዳያት  
4 ካብቶም ላዕለዎት መራሕቲ ሰ ውራ ኢዩ፡ ሕማም ሽኰ ር 
ኣለዎ፡፡ ሰኣን ሕክምና  ክልቲኡ ዓይኑ ሽግር ገጢምዎ 
ኣሎ፡፡  
3 ኪሮስ ዓወር ዳሪክተር 
ጀነራል 
21 ካብ 1991-95 ሓላፊ ኢሜግረሽንን ዜግነትን ካብ 1996 
ዳግመ ስርር ዕ ኣብ ሚ/ሪ ቱሪዙም ዳሪክተር ጀነራል 
ዝነበረ፡ ብዕብራን ነብሰን ጽምኣት ከርስን ማሲኑ ነይሩ 
4 ስዒድ ኣባ ዓረ  ሚ/ሪ 
ዕዮን 
ሰብኣዊ 
ድሕነትን  
29 ኣብ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዳሪክተር ጀነራል ምስ ሚ/ር 
ኣስካሉ መንቆሮስ ነይሩ፡፡  ትሕቲ ሕቆኡ ለማስ ስለዝነበረ 
ብምርኩስ ጥራይ ኢዩ ዝኸ ይድ  ምርኩሱ ስለዘሕደግዎ 
ናብ ሽንቲ ቤትን ባኞን ተንፋሒኹ ዝከይድ፡፡  
5 ዳዊት 
ሃብተሚካኤል 
 ዜጠኛ 
መቓልሕ 
12 ኣብ ጋዜጣ መቓልሕ ነይሩ፡፡ ኩነታት ጥዕንኡ ነዊሕ 
ተጸሊሉ ሃተፍተፍ ይብል ነይሩ  

PDF page 3

View this page in original PDF

3 
 
6 ኢሳያስ ኣማሓዳ
ሪ ን/ዞባ  
33 እዚ ገዲም ተጋደላይን ካ ድርን ህ.ግ.ሓ.ኤ ምንባሩ ኣብ 
ን/ዞባ ማይ ድማ ወይ ዓረዛ ኣማሓዳሪ ምንባሩ ይ ሕበር’ዩ፡ 
ሰኣን ግቡእ ሕክምና ይሳቐ ኣሎ፡፡    
7 ኣልኣዛር መስፍን  ግምሩኽ 
ምንባሩ 
ይፍለጥ  
1 ገዲም ተጋ/ ህ/ግ ድሕሪ ናጽነት 1991 - 95 ሓላፊ 
ጉምሩኽ ኔሩ፡፡ ደስኪሉ ኔሩ ምስ በዓል ተስፋይ ጎመራ 2 
ዓመት ኣመሪካ ማስተሩ ሰሪሑ ምስ ተመልሰ ኣታካ 
ተኣሲሩ፡፡ ጥዕንኡ ኣብ ዓንድ ሕቑኡ መልመ ስቲ 
ኣጓኒፍዎ ለሚሱ ክትስእ ኣይክእልን ፡፡ ግቡእ ሕክምና 
ኣይረኸበን ኔሩ፡፡ 
8 ሚርያም ሓጎስ  ሓላፊት 
ሲናማታ
ት  
28 ካብ ናጽነት ኣትሒዛ ሓላፊት ሲናማታት  (ቺናማታት) 
ኔራ ደሓር ’ውን ኣብ ትሕቲ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ 
ምንባራ ትፍለጥ፡፡ ሓያል ጭንቀትን ሕማምን ኣለዋ ክሳብ 
ሕጂ ግቡእ ሕክምና ኣይረኸበትን   
9 ሜ/ጀ ብርሃነ 
ገረዝጊሄር 
ምክልኻ
ል 
7 1991-92 ምክልኻል፡ 93 ንሓንቲ ዓመት ኣብ ክፍሊ 
ኢንዱስተሪ ሓላፊ፡ ካብ 94 - ክሳብ ዝእሰር ሓላፊ ዕቑር 
ሰራዊት ሎጂስትክስ ብምዃን ኣብ ምክልኻል እንከ ሎ 
ተኣሲሩ፡፡ ሕሙም ኢዩ  
1
0 
ዓሊ  ሰራሕተ
ኛ 
ኤንባሲ 
ኣመሪካ 
3 ኣብ ኤንባሲ ኣመሪካ ሎኳል ሰራሕተኛ ኔሩ፡፡ እዚ ሓንቲ 
መዓልቲ ካብ ዒራዒሮ ወጺኡ ኔሩ ፡፡ መውጺኢኡ 
ምኽንያት ገጹ  ንምርኣይ ኣመሪካ ኢዩ ኔሩ፡፡ ወጺኡ 
ምስተመልሰ ብድሕሪ ኣዝዩ ዝጭነቕን ዝበሳጨውን ሰብ 
ኢዩ፡፡  
1
1  
ፈርኦን ወልዱ  ሓላፊ 
ህዝባዊ 
ርክባት 
ኣብ 
ንግዲ 
13 1991-ክሳብ ዝእሰር ኣብ ክፍሊ ንግዲ ሓላፊ ህዝባዊ 
ርክባት ኔሩ፡፡ ንሓንቲ ዓመት ኣመሪካ ከይዱ ኮርስ ወሲዱ 
ምስተመልሰ ተኣሲሩ፡፡ ሰብኣይ ንድምጻዊት  ኣብርሀት 
ኣንከረ’ዩ፡፡   
 
ኣብ ተኣ ፋፊ ኩነታት ጥዕና ከምዝርከቡ ኢዮብ ዝሓበሮም እዚኦም ምንባሮምን  ብመሰረት 
ሓበሬትኡ ድማ 1  ካብቶም ደሓን ዝነበሩን ፡ 4ተ ካብኣቶምን ብድምር 5 ኡሱራት ድሕሪ 
ኢዮብ ከምተሰውኡ ነጊሩኒ፡፡  

PDF page 4

View this page in original PDF

4 
 
ኣስዒቡ  ወግሐ ጸብሐ መርድእ ንህዝቢ ምቕራብ ዝመስልዎ ሕማቕ ነገር የለን፡፡ ግን ምርጫ 
የብልናን፡፡ ሸፊንካ ዘይሽፈን ገበና ት ኢሳያስ ክቕላዕ ስለዘለዎ!፡፡  ምእንተ ምንታይ ከ 
ይሕባእ! ንረብሓ መን!  
ሎሚ’ውን ኣብ ድሮ መበል 21 ዓመት በዓል ናጽነትና ድሕሪ መግለጺ እዮብ ዝተሰውኡ 5  
ኡሱራት ሓዊስካ ፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምርመራን ብይንን  ንኣስታት 11 ዓመታት 
እምባትካላን ዒራዒሮን ካብ ዝተኣሰሩ ጠቕላላ 35 ኡሱራት እቶም 20    ከምዝተሰውኡ 
ደጊሙ ኣረጋጊጹ፡፡   
ኣስዒቡ “እቶም ዝተረፉ 15 ኡሱራት ከማን ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ስለዝርከቡ ሎሚ ዶ 
ጽባሕ ንስእኖም ኣብ ዝብል ሕቶ ከም ዘለው፡፡ ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ ኮይና ሎሚ ዶ ጽባሕ 
እንታይ የጋጥሞም ዝፈልጥ ነገር ስለዘየለ ሰማይ ደጊፍ ና ንርከብ ኣለና ” ብምባል ድንጋጸ 
ብዘለዎ ልሳኑ ከዕልለካ ማራ የደንግጸካ፡፡    
ድሕሪ መግለጺ ኢዮብ ባህታ ኣሰር ብጾቶም ዝሰዓቡ 5 ኡሱራት ኣመልኪቱ ነ ዞም ዝስዕቡ 
ረቂሕዎም ኣሎ ፡፡  
ንስድራ ቤቶም፡ መቓልስቶም ፡ የዕርኽቶምን ንኩላትና ህዝቢ ኤርትን ጽንዓት ይሃበና ካብ 
ምባል ሓሊፍካ ንግዚኡ ዝበሃል እሞ እንታይ ኣሎ!! ኣስማት እቶም 5 ስውኣት ድማ፡-   
1. ኣልኣዛር መስፍን  መጽውዒ ቁጽሩ 1  ብናይ ዓንዲ ሕቖ  ጸገም፡ ሰኣን ሕክምና 
ተሰዊኡ፡፡    
2. ኪሮስ ዓወር መጸውዒ ቁጽሩ   21  ብድርቀትን ዕብራንን ሰኣን ሕክምና ተሰዊኡ  
3. “ዶ/ር” ስራጅ መጸውዒ ቁጽሩ   26 ብሕማም ሽኰር ሳኣን ሕክምና ዓሪፉ  
4. ዳዊት ሃብተሚካኤል  መጸውዒ ቁጽሩ  12 ተጸሊሉ እንዳህተፍተፈ ሰኣን ሕክምና 
ሞይቱ  
5. ተስፋይ ጎመራ መጸውዒ ቁጽሩ    16  ሓሚሙ ሰኣን ሕክምና ተሰዊኡ፡፡  
ኣልኣዛር መስፍን፡ ኪሮስ ዓወርን፡ “ዶ/ር” ስራጅን  ኣብ ውሽጢ ወርሒ 09/2011 ኣብ ናይ 
ሳልስትን ራብዕትን መዓልታት ኣፈላላይ ኢዮም ተሰዊኦም፡፡ ጋዜጠኛ ዳዊት ሃብተሚካኤልን 
ተስፋይ ጎመራን ግን  ቅድሚኦም ኣብ ሞንጎ ወርሒ 7 ተን ወርሒ 12ተን 2010 ኣብ ዝነበሩ 
እዋናት ወርሕን መዓልታን ኣብ ዘይዘከሮም እዋናት ምስወኦም  ሓቢሩኒ ኣሎ፡፡  

PDF page 5

View this page in original PDF

5 
 
መቓብሮም ንዝምልከት ዓርከይ ከምዝሕብሮ ከምቲ ኣብ ሕሉፍ ዝተገልጸ ካብ በዓል ፍሸይ 
ምራራን ወኪን ተበጊሱ ናብ ሓደ መፋስስ ተኣኻኺቡ ንቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ኣብ ክልተ 
መቒሉ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ኣንፈቱ ዝጓዓዝ ሩባ ዒራዒሮ  ከምተቐብሩ፡፡ ኣብ ወሓዚ ሩባ 
ዝቕበርሉ ምኽንያት ከኣ ኣሰር ከይርከብ ኮነ ተባሂሉ ውሕጅ መታን ክወስዶም ተባሂሉ 
ከምዝኾነ፡፡ ቀበርቶም እቶም ልሙዳት ኣዘዝቲ ጋንታ ን መራሕቲ ሓይልን እቲ መዓስከር 
ምዃኖም፡፡ ተራ ኣባል ሓለዋ ኣብ ቀብሪ ክሳተፍ ከምዘይግበር ገሊጹለይ፡፡ ስለምንታይ እቲ 
ተራ ኣባል ዘይቐብር ከምዝሞቱ ኣይፈልጥን ድዩ? ኢለ ሓቲተዮ  ነይረ፡ “እንድዒ! እዚኣስ 
ንዓና’ውን ትገርመና’ያ ፡፡ እቲ ኡሱር ከምዝሞተ ግና ኩሉ ኣባል ይፈልጥ ኢዩ፡፡ መፍለጢኡ 
ምኽንያቱ ከኣ ኣብ  ሓለውኡ መን ኣሎ የለን ክፈልጥ ናይ ግድን ኢዩ ብመጸውዒ ቁጽሪ 
መሰረት ጸብጻብ ይመሓላለፈሉ ኢዩ” ብምባል መሊሱለይ፡፡  
    
ብሓፈሻ ክሳብ’ታ ምስ’ዚ ዓርከይ ዘዕለልናላ ግዜ ጠቕላላ ተሰዊኦም ኢሉ ዝ ርዝር ኣስማቶም፡ 
ሓላፍነቶም፡ መለለይ ኮድ ቁጽሮም፡ ዕለተ  መስዋእቶምን ቦታ መስዋእቶምን ኢሉ 
ዝዘርዘረለይ ኡሱራት ዒራዒሮ በዝሖም ልክዕ 20 ምብጽሖም ኢዩ ፡፡ ብዝተኸኣለ ናይ 
ኣሰዋውእኦም ቀደም ሰዓብ እውን ኣቐሚጡለይ፡፡ ኣገባብን ምኽንያትን ኣማውቶኦም፡ 
ቀብሮም፡ ዝገለጽዎ ሓድሓደ ቃላት ኣብ ሕሉ ፍ ኢዮብ ስለዝገለጾ ምድግጋም ኣስዒቡ 
ጽሑፍካ ስለ ዘጋሕጥጥ ይትረፈና ብምባል ተረዳዲእና፡፡ ኣብዚ ኣመልኪቱ “ቅድሚ ሕጂ 
ብኢዮብ ዝተገልጸ ኩሉ ሓበሬታ ሓቂ ብዛዕባ ምኻኑ ኩሉ ክፈልጥ ሓብሮም” ክብል ግና ደጊሙ 
ተወኪሱኒ፡፡ (ኣነ ግና ዘይሰማዕኹዎ ታሪኽ ስለዝነበረ ናይ በዓል ዑቕበን ጆሽዋን  ካልኦትን 
ኣገባብ መስዋእቶምን ዝተዛረብዎም ኣገደስቲ ቃላትን ከይተረፈ ኩሉ ኣዘንቱዩለይ ኢዩ፡፡)  
ስለዚ በመሰረት ሓበሬታ ዓርከይ ጠቕላላ ናይ ዝተሰውኡን ናይ ህልዋትን ዝርዝር ኣስማት 
ከምዝስዕብ ገሊጹለይ  
 
1) ጠቕላላ ናይ ዝተሰውኡ ዝርዝር ኣስማት፡-    
ተ/ቁ ስም ሓላፍነት መለለይ  
ቁጽሪ 
ዕለት መስዋእቲ ቦታ 
መስዋእቲ 
1 ፍስሃየ ስቲፋኖስ 
(ጆሽዋ) 
ኣሰናዳኢ ጋዜጣ 
ሰቲት 
10 13.10.2002   እምባትካላ 
2 ጀነራል ዕቕበ 
ኣብርሃ 
ምክልኻል 13 13.07.2002  እምባትካላ 
3 ማሕሙድ ሸሪፎ ሚ/ር ኣማሓዳሪ 27 05/06/2003  እምባትካላ 

PDF page 6

View this page in original PDF

6 
 
ዞባታት 
4 ሳልሕ ኬክያ ሚኒስተር 6 09/06/2003 ዒራዒሮ 
5 ወ/ሮ ኣስቴር 
ፍስሃጽዮን 
ሃማድኤ ዞባ ዓንሰባ 11 13/06/2003 ዒራዒሮ 
6 የሱፍ መሓመድ ዓሊ ጋዜጠኛ 8 13/06/2003 ዒራዒሮ 
7 ሑሞድ ሕሚድ  ኣምባሳዶር ኣብ 
ሱዕዲ 
31 22/09/2003 ዒራዒሮ 
8 ተስፋገርግሽ ኣማሓዳሪ ን/ዞባ 
ጾሮና 
14 16/03/2004 ዒራዒሮ 
9 ሳህለ  32 ጥሪ 2005 ዒራዒሮ 
10 ሲዒድ 
ዓብደልቃድር 
ጋዜጠኛ   24 መጋቢት 2005 ዒራዒሮ 
11 ማቴዎስ ሃብተኣብ  ጋዜጠኛ መቓልሕ  20 2005 ዒራዒሮ 
12 መድሃንየ ሃይለ  ጋዜጠኛ 
ቀስተደመና 
8 08/02/2006 ዒራዒሮ 
13 መሓሪ ያቆብ ኣውቲስታ 15 2008 ዒራዒሮ 
14 ጀርማኖ ናቲ  ኣማሓዳሪ ዞባ  30 ጥሪ 2009 ዒራዒሮ 
15 ኪዳነ (ወዲቀሺ) ምልክት 5 ወርሒ 10/2009 ዒራዒሮ 
16 ዳዊት ሃብተሚካኤል ጋዜጠኛ 12 ወርሒ 10 - 
12/2010 
ዒራዒሮ 
17 ተስፋይ  ጎመራ “ሓኪም” 16 ወርሒ 10 -
12/2010 
ዒራዒሮ 
18 ኣልኣዛር መስፍን  1 ወርሒ 9/2011 ዒራዒሮ 
19 ኪሮስ ዓወር “09” 21 ወርሒ 9/2011 ዒራዒሮ 
20 “ዶ/ር” ስራጅ ሓኪም 26 ወርሒ 9/2011 ዒራዒሮ 
 
 
 
 
 
2) እቶም ክሳብ’ዛ መወዳእታ ወርሒ 3/2012 ብሂወት ዝርከቡ ኡሱራት፡-     
ተ.ቁ ስምን ሰጓን ሓላፍነት መለለይ 
ቁጽሪ 
መብርሂ ንህልው ኩነታቶም  
1 ሃይለ ወልደትንሳኤ 
“ድሩዕ” 
ሚኒስተር 4 ብምኽንያት ሕማም ሽኰ ር ክልተ ዓይኑ 
ጸገም ዘለዎ፡፡  
2 ጴጥሮስ ሰሎሞን ሚኒስተር 2 ክልተ ኣእዳው ለይትን ቀጥርን ብ ካቴና 
ዝተኣሰረ፡፡   
3 መ/ጀ ብርሃነ ምክልኻል 7 ኩሉ ግዜ ብፌሮ ምቁሕ ኢዩ፡፡  

PDF page 7

View this page in original PDF

7 
 
ገረዚጊሄር 
4 ስዩም ጸሃየ  ጋዜጠኛ 10 ቅድም ክ ብል ከምልጥ ፈቲኑ ካብ 
ዝተሓዝ ክልተ ኢዱ ምቁሕ ኢዩ፡፡   
5 ኢሳያስ ኣማሓደሪ 33 ኣካላዊ ድኻም ዘለዎ፡፡  
6 ባራኺ ገብረስላሰ ሚኒስተር 34 ክልተ ኢዱ ብካቴና ዝተሞቆሐ  
7 ፎርኦን ወልዱ --- 13 ብዙሕ ጥዕና ዘይብሉ ሕሙም ጸጋመይቲ 
ኢዱ ስንኩል ኢዩ፡፡  
8 ክፍሎም ሰራሕተኛ 
ኢንባሲ 
ኣመሪካ 
35 ሓያል ሽ ኮርያ ኣላቶ መዓልታዊ 
ብመድሓኒት ይነብር፡፡ ጨው ዘይብሉ 
ምግቢ ይወስድ  
9 ዳዊት ኢሳቕ  ጋዜጠኛ 36 ዜግነቱ ሸወደናዊ   
10 ሚርያም ሓጎስ   28 ጭንቅን ኩነታት ጥዕንኣ ኣብ ሕማቕ 
ኩነታት ትርከብ  
11 እድሪስ ኣባዓረ  29 ስንኩል (ካብ ሕቑኡ  ንታሕቲ ለማስ)   
ምርኩስ ነይርዎ ተሓዲጉ ብምንፍ ሓኽ 
ናብ ባኞን ሽቓቕን ይንቀሳቐስ  
12 ብ/ጀ ስቲፋኖስ 
ስዩም 
ምክልኻል 23 ለይትን ቀትርን ክልተ ኢዱ ፌሮ ዘለዎ 
13 ኣማኒኤል ኣስራት ጋዜጠኛ 
ዘመን 
25 ቀትርን ለይትን ብፌሮ ዝተኣስረ ፡፡  
14 ዓሊ ሰራሕተኛ 
ኢንባሲ 
ኣመሪካ  
14 ክልተ ኢዱ ካቴና  ዘለዎ  
15 ተመስገን “ገረየሱስ” 
(ክርቢት) 
ጋዘጠኛ 
ቀስተደመና 
22 ለይትን ቀትርን ፌሮ ዝወደየ ኢዩ፡፡  
ዝተረፉ ሕዩራት፡ ድሕሪ ሕጂ ዝመጽእ ፍታሕ የለን ኢሎም ፡ ንኩሉ ጸገማት ስለ ዝረዓምዎ 
ዝኾነ ዝዛረብዎን ዝሓትዎን ሕቶ የለን ፡፡ ክሳብ መዓልትና ንጸበ ብምባል ስባኤ ኣትዮም 
ንሞት ይጽበይዋ ኣለው፡፡  
እቲ ዝገርም ግና ይብል እዚ ዓርከይ ቃል ብቓላ ክነግረኩም “መን ኣሎን፡ የሎን ንሳንሳቶም 
ዝፈልጥዎ ነገር ፍጹም  ከምዘየለ፡፡ ኣብ ሓደ ሩባ ፡ ኣብ ሓደ ቀጽሪ ፡ ንኣስታት 11 ዓመታት 
ብዘይቅየሩ ሓለውቲ ፡ ካብ ሓንቲ ዒላ ካብ ዝተቐድሐት ማይ እንዳሰተዩ፡ ብሓንቲ ድስቲ 
ዝበስለት ጸብሒ ዓደስ እንዳተቋደሱ፡ ካብ ሓደ ፎርኖ ብዝ በስል ባኒ እንዳቋረፉ፡ ኣብ ሓደ 
ዕላማ ሓቢሮም ተጋዲሎም፡ ኣብ ሓንቲ ውዳበ ሰሚሮም መሪሖም፡ መቓልስቲ፡ የዕርኹቲ፡ 
አረ ገሊኦምሲ እንኮላይ ውላድ ዝፈጠሩ፡ መዋስብቲ…  ክንሶም ን 11 ዓመት ምሉእ ኣብ ሓንቲ 
ሩባ እንዳነበሩ፡ መን ኣሎ? መን የለን? ዘይፋለጡ ሕዩራት!!!” ይብል እሞ ኣስዕብ ኣቢሉ “ኣረ 
ናይ’ዞምስ ተዛሪብካ ዝውዳእ ኣይኮነን ኣንታ ዝገርም እኮ ’ዩ! እዞም ኡሱራት መብዛሕትኦም 

PDF page 8

View this page in original PDF

8 
 
ገዳይም ተጋደልቲ ካድረታት መራሕቲ ኢዮም ፡፡ ምናልባት’ውን ኣብ ’ዛ ኣበይ ከምዘለው 
ዝተሰወረቶምን ዓስካሬኖም ዝተደርበየላን ሩባ ዒራዒሮ ብዘበን ገድሊ ካድረ ዝተምሃሩላ፡ 
ገሊኦም ከም በዓል ደሩዕ መማህራን ካድረ ኮይኖም ዘምሃሩላ ቦታ ድያ? ኣይኮነትን እኮ 
ኣይፈልጡን!” ኢሉኒ፡፡ እንታይ’ሞ ክብል እዚ ቃላት’ዚ ኪኢላ ጸሓፋይ ስለዘይኮንኩ፡ 
ንጸሓፍቲ ታሪኽ ጥራይ ብክእለቶም ክገልጽዎ ክገድፎ፡፡ እንተ እቲ ዓርከይ ዝበለኒ ግና 
ከምዘለታ ክገልጸልኩም ይሰደልኩም ኣለኹ፡፡      
ብወገን መንግስቲ ድሕሪ መግለጺ ኢዮብ ዝተገብረ ዋላ ሓደ ለውጢ የለን፡፡ መንግስቲ 
ሂወቶም ንም ድሓን ዝወስዶ ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ’ውን ከምዘይነበረ ይገልጽ እሞ ኣስዒቡ 
ድማ፡ እዚ ኣረሜነ ሰብኣይ ድሕሪ መግለጺ ኢዮብ ን ናይ ማሕበረ -ሰብ ጫውጫውን 
ስለዘይዓጠጦ ጸማም እዝኒ ሂብዎ ትም ኢሉ ፡፡ ንእሽቶ ናይ ሰብ ርህራሄ እንተዝነብሮ 
እንተወሓደ ድሕሪ ኢዮብ ንዝተሰውኡ 5 ኡሱራት እኳ ገለ መትረፈ ዘይሰኣን ግቡእ 
ሕክምናን ክንክንን ኢዮም ሞይቶም ፡፡ እቶም ዝተረፉ ገለ ዝዓወሩን ለይትን ቀጥርን ብካቴና 
ተቐፊዶም መገላበጢ ዝሰኣኑ ን ፈተኽ መበለሎም  ወይ እወን ናብ ደሓን ኪሎማ ዘለዎ ቦታ 
መዛወሮም፡፡  ኣብ ክንድኡ ግን ከይጠፍኡን፡ ተጻብኦታት ከየጋጥምን ብቀረባ ርሕቐት ኣብ 
ዙርያ እቲ ቦታ ለይትን መዓልትን ሓለዋ ዘጽንዑ ይትረፍ ሰብ ኢራብ እኳ ዘወር ከይትብሎ 
ዝገብሩ ሰራዊት መዲቡ ኣሎ፡፡ 
ድሕሪ’ዚ ንዓርከይ ዘቕረብኩሉ ሕቶ ኣብ ኣስመራ ብዛዕባ ዝውረ ድሩዕ ፡ ሸሪፎ፡ ወዲ ሰሎሞን 
ሓሚሞም ንሕክምና ወጺ ኦም ወዲ ሰሎሞን ተጸሊሉ ንሕክምና ኣውጺኦምዎ ሪ ኢናዮ ዝብል 
ወረ ከመይ  ኢዩ፡ በልኩዎ፡፡ ሲሒቑኒ “ክላ በጃኻ ዘይ እታ 03 እያ ተውሪ ዘላ፡፡  ክሳብ ’ዛ 
ሎሚ እዞም ዝበልካዮም ሰባት ይኹኑ ካል ኦት ኣይወጹን፡፡ ምናልባት ንካልእ ድሌታቶም 
2008 ይመስለኒ ካብ ዒራዒሮ ዓሊን ፡ ክፍሎምን ዝበሃሉ ኣብ ነነበይነን መካይን ኣብ ሓደ 
ለይቲ ኣውጺም ኣስመራ ኣብጺሖም ቀጥታ ኣብታ ለይቲ  ንሳ መሊሶምዎም ሓዲሮም፡ ንሳ 
ከማን ንኣመሪካ ከእምኑ ንዲፕሎማሲ ሃልኪ ከምዝገበርዋ ካብቶም ኡሱራት ሰሚዕናያ  ኢና፡፡ 
ካልኣይ ከኣ ኣብ 2002 ይመስለኒ ዑቕበ ኣብርሃ ነብሰቅትለት ምስፈተነ ኣርኪቦምሉ 
ንሕክምና ግላስ ኣብጺሖም ከምዝመለስዎ ንፈልጥ ፡፡ ካብዚ ወጻእ ኩሉ  ሓሶት ኢዩ ” ክብል 
መሊሱለይ፡፡   

PDF page 9

View this page in original PDF

9 
 
ዓርከይ ኩነታት ኣባላት ሓለዋ ኣመልኪቱ ክገልጽ ከሎ  “ዘይንሕናስ ኡሱራት ኢና ! 11 
ዓመትና ካብ ዘይንቕየር፡ ኣበይ ኣለና; እንታይ ንሰርሕ፡ ኣፍና ካብ እንልጎም ዓመታት 
ኣቑጺርና፡፡ ቅስምና ተሰይሩ እንታይ ኮን ይረ ኽበና ትንፋስና ኣብ ጽፍርና ኢያ ተቐርቂራ 
ዘላ፡፡ ኣበይ ኣለኻ እንታይ ከ ትሰርሕ ኢ ሉ ንዘሓተካ ቤተሰብ ኩሉ ሳዕ መልሲ የብልካን 
ወይ’ውን ሓሲኻ ኢኻ ትነግ ሮ፡፡ ሎሚ እኮ ዝወለደ ት ትውለድ ኢለ ኢየ ዝድሕድሐልካ 
ዘለኹ፡፡ ብሰንኪ ስክፍታን ኣሻቓሊ ሓሳብን ናይ ቀጻሊ ሂወቱ እናስተንተነ ባዕሉ ዝሞተ ኣባል 
ሓለዋ ኣሎ፡፡ በዚ እኮ 4 ብጾትና ሲኢና ኣሎና ፡፡ ብሃሩርን ካልእ ምኽንያት ሓሚሙ ዝሞተ 
ኣሎ፡፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ማሕበራዊ ፍታሕን ምሕደራን ብወገንን ድሑር ከባቢያዊነት በዓ ል 
ወዲ ሓኪም ኣዚና ተበዲልና፡፡ ካቴናን ወይ ’ውን እታ ኣብ 3 ብ3 ሜትሮ ስፍሓት ዘለዋ  
መቓብር ትምስል ቤት ኢና ዘይተሓየርና እምበር ዘይንሕናስ ኡሱራት ኢና፡፡ ካብ ኩሉ 
ንላዕሊ እኮ ሰብ ንሕልንኡ ኢዩ ዝነብር ፡፡ ንሕና ግና ኣብ ዝቆሰለ ሕልና ኢና ንነበር ፡፡ ጽባሕ 
ጽባሕ ዝጎሓፍ ሬሳ ብዓይንና እንዳረአና ከመይ ኢልካ ይቕሰን፡፡ ኣብ መወዳእትኡ ዓራቒ ግዜ 
ተሎ ተዘይመጺኡ እዚ መንግስቲ ነዞም ኡሱራት ምስ ኣጽነተ ሚስጥሩ ክዕቅብ ንዓና ’ውን 
ብድሕሪኦም ከምዝውደኣና ኣይንጠራጠርን፡፡ ውላድ ናብራ  እንዲና ንድሕሪት ጎቲቱና 
ከምቶም ዝሃድሙ ዘይሃደምና እምበር ሕልፈት ዶ ንሓልፍ ኣለና ኢና … ” ብምባል 
ንምፍጣርካ ብዘጽልእ ኣገላልጻ ገሊጹለይ፡፡  
ኣስዒቡ ኣብቲ ሓለዋ 2 ሓይሊ ከምዘለዋ፡፡ ኣብ መጀመሪያ ዝነበረ ዓቕሚ ሰብ ጠቕላላ 120 
ነይሩ ሕጂ ግና ተደማሚሩ እንኮላይ ሓለውቲ ኣጣል፡ ኣከናወንቲ ሕርሻ፡ ኣረይቲ ዕንጸይቲ፡ 
ኣፍሓምቲ ፈሓም፡ ጸረብቲ ጣውላ ን ዓራትን  ናይ ሌ/ኮ ወዲ ሓኪም ሓዊስካ 60 ሰብ ኣለና፡፡ 
እንታይ ግድኻ ለይትን ቀትርን ኣብ ሓለዋ ዝተጸመድና ኣብ ሕድሕድ ሓይሊ 24 ሰብ 
ጠቕላላ 48 ሰብ ጥራይ ኢና ዘለና ፡፡ ለይትን ቀትርን በብእብረ ንምሕላው ዕረፍቲ ዝበሃል 
የብልናን፡፡  
ስለዚ ካብ መጀመርታ ዝተኣሰሩ 35 ኡሱራት 20 ሞይቶም 15 ተሪፎም፡፡ ኮታ 5 7% 
ሃሊቖም 43% ተሪፎም ኣለው፡፡ ኣባላት ሓለዋ’ውን ካብ 120 ሰብ ልዕሊ 15 ሃዲሞም 4 ሰባት 
ባዕሎም ቀቲሎም 3 ዝኾኑ ሓሚሞም ሞይቶም ዝተረፉ ኮብሊሎምን ምናልባት ናብ ተመሳሳሊ 
ስራሕ ተቐይሮም ይኾኑ ኣይፈለጥናን ዝተረፍና 60 ሰብ ኢና  እንርከብ፡፡ 50% የለን 50% 
ከምቶም ኣብ ጸበባ ዝርከቡ ኡሱራት ተሪ ፍና ኣሎና፡፡ ናይ ’ዚ መጻኢ ዕድል ካብቲ ዝሓለፈ 
ዝፍለ ኣይኮነን፡፡            

PDF page 10

View this page in original PDF

10 
 
ብሓፈሻ ኣብቲ ቦታ ብጀካ እቲ ሰብ ድ ዩ ኣራዊት ንምግማቱ ዘጸግም፡ ማእለያ ዘይብሉ 
ህልቂት ሰባት ብዓይ ኑ እንዳረኣየ ንውልቃዊ ረብሓታቱ ሃነፍነፍ ዝብል ሌ/ኮ ወዲ ሓኪም 
ካልኦት ኩሎም ኣዘዝቲ ሓይሊ፡ ጋንታ፡ መሳርዕን ተራ ኣባ ላትን በዚ ግፍዒ እዚ ቀሲኑ ደቂሱ 
ዝሓድር ኣባል የለን፡፡ ምናልባት ምግናን ከይመስለካ ’ምብር… ደሓን ልዕሊ ’ዚ ዘይንሓስብ 
ኣይኮናን፡፡  
ንዓርከይ ዘይተረደኣትኒ እዛ ትስዕብ ሕቶ ኣቕረብኩሉ  ዝመላለስዎም ዝሓትሎም የዕርኽቶም 
ዝነበሩ ሓለፍቲ መንግስቲ ኣለው ዶ; ንምዃ ኑ መርመርቶም ኩነታት ጥዕንኦም ዝከታተሉ 
ላዕለዎት ሓካይም ከ ኣለው ዶ; በልኩዎ  
ኣስዒቡ “ንገለገሊኡ ሕቶኻ ዓንተዎይ የዕሊለካ ኢየ፡፡ ዝከታ ተሎም ላዕለዋይ ሓኪም 
እንተዝነብር እዚ ኩሉ ሰብ ምሃለቐ ኢልካ ትሓስብ፡፡ ኣይነበረን፡፡ እንተ እቶም መርመርቲ ዶ 
ገለ ዶ ትብሎም ካብ መስከርም 18/2001 ኣብ እምባትካላ ክሳብ ”ዛ ሕጂ ኣብ ዒራዒሮ ዋላ 
ሓደ መርማሪ ሪኢናን ሰሚዕናን ኣይንፈልጥን፡፡ ሓለፍቲ ግና እንተወሓደ በዓል መንን 
ኡሱራት ኣለው ብቀረባ ዝፈልጡ እንተ ኣብ ምእሳር ወይ ’ውን ካብ እምባትካላ ናብ ዒራዒሮ 
ኣብ ምጉዓዝ፡ ቤት ማእሰርቶም ኣብ ምስራሕን ብዝደልደለ ክስራሕ ኣብ ምግባርን ምዕዛብን 
ዝተሳተፉ ማእከለዎት ሓለፍቲ እዞም ዝስዕቡ ምንባሮም 
1) ሌ/ኮ ኢሳቕ ኣርአያ (ወዲ ሓኪም) ሓላፊ እቲ ቤት ማእሰርቲ 
2) ብ/ጀ ሚኪኤለ ሓንስ (ወዲ ሓንስ) ሕጂ ኣዛዚ ክ/ሰ 26 ዘሎ  ካብ እምባትካላ ናብ 
ዒራዒሮ ኣብ ምምልላስ ተሳቲፉ  
3) ኮ/ል ወዲ ወለላ ሕጂ ስለያ ተወርዋሪ ሓይልታት ምስ ፍሊጶስ ዘሎ ይመስለኒ እዚ”ውን 
ኣብቲ ምጉዓዝ ተሳቲፉ 
4) ኮ/ል ገሬ ዝበሃል ሓላፊ ትካል ሰንበል ዕንጸይትን ሓጺንን  እዚ”ውን ብኢሳያስ ተኣዚዙ 
እዘን ኣብ ዓለም ተሰሪሐን ዘይፈልጣ ሰፈር ደርሆ ዝመስላ ገዛውቲ ብኮንቴኔር ሰሪሑ 
ኣብ ልዕሊ ዋዒ ዒራዒሮ ሞቶም ክቀላጠፍ ዝገበረ ኢዩ፡፡  
5) ሜ/ጀ ውጩ ኣዛዚ ምብራቓዊ እዚ ዓሰብ ኢዩ ዘሎ፡፡ ኣብቲ እዋን ኣዛዚ ስርሒት 0 5 
ነይሩ ይመላለስ ነዚ ሓለዋ ይከታተሎ ንወዲ ሓኪም ኩሉ ግዜ ይረኽቦ ነይሩ፡፡  
6) ኮ/ል ሓረጎት ፍርዙን (ወዲ ፍርዙን) ኣዛዚ ክ/ሰ 22  ኣሎ እዚ ዓርክን መሳርቕትን 
ወዲሓኪም ኢዩ ዘይምልከቶ ከሎ ናብቲ ገዛ ይመላለስ ኣሎ ምናልባት ብቀረባ ርሕቐት 
ኣብ ሓለዋ ዝተዋፈረ ንሱ ኢዩ ዝመስለና፡፡  
7) ሃይለ ምሕጹን (ወዲ ምሕጹን) ሓላፊ መኮነን ጥዕና ምክልኻል ሓደ ግዜ ምስታ ሰበይቲ 
ኮ/ል ገሬ ዝበልኩኻ ሓላፊ ሰንበ ል ዕንጸይትን ሓጺንን ዒራዒሮ ከይዱ ነይሩ፡፡ ንሳ 
ከማን ኣብዚ ከተማ ኣውሪያቶ ሰሚዐ ኣለኹ ፡፡ ወዲምሕጹን ዝመጸሉ ምኽንያት 

PDF page 11

View this page in original PDF

11 
 
ክሕክም ከይመስለካ ነቶም ንመሐ ጎሲ ኣመሪካ ንሓንቲ ለይቲ ጫማ ክዳን ኣልቢሶም 
ዘውጽእዎም ክፍሎምን ዓሊን ኣከላዊ ኩነታቶም ክዕዘብ ጥራይ ኢዩ ኣቐዲሙ መጺኡ 
ተዓዚቡ ከይዱ፡፡   
ብቀንዱ ተሓተቲ ናይ’ዚ ኩሉ ግፍዒ ድማ 
1) ባዕሉ እቲ ኣረሜኒ ሰብኣይ (“ፕረዚዳንት” ኢሳያስ) 
2) ብ/ጀ ኣብርሃ ካሳ ሓላፊ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ 
3) ሜ/ጀ ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ (ነቕ ዘ) ድማ ሓላፊ ተወርዋሪ ሓይሊ ስለዝኾነ ነዚ ቦታ 
ይከታተሎ ኢዩ፡፡ ብምባል ዘርዚሩ ኣዕልሊሉኒ፡፡                 
እንታይ ኢዩ እቲ ኣብ ልዕሊ ዞም ሰባት ዝተፈርደ ብይን? ክብል ናይ መወዳእታ ሓተትኩዎ፡፡  
‘’ካብ ዘሳቕይዎም ስለምንታይ ብፍሉጥ ዘይቀ ትልዎም ዝብል ሕቶ ምልዓል ‘ውን ይከኣል 
ኢዩ፡፡ እንተኾነ  መንግስቲ ካብ መጀመርትኡ ኣትሒዙ እዞም ሰባት ቃታ ሲሕብካ 
ብዘይትኮስን ኣብ ወረቐትን ሰብን ብዘይርከብ  ክሃልቁ  ኢዩ እቲ ብይን፡፡ ናይ ቅትለት ብይን  
ግን ካብ ወሳኒ ኣካል ናብ ኣተግባሪ ኣካል ሰንሰለት ሒዛ ምውራዳ  ስለ ዘይተርፋ ኣብቲ ውረድ 
ተዋረድ  ሰንሰለት ዝርከብ ሰብ፡  ሰብ ኢዩ እሞ :  ቃታ ሲሒ ብካ ምቕታል፡ ን ቃልዕ ስለ  
ዝዳርግ ፡ ጽባሕ፡ ድማ ካልእ መዓልቲ ምዃ ና ስለዘይተርፋ፡ መርማሪ፡ ወሳንን፡ ኣተግባርን 
ዘይብሉ ሞት (silence Killer) ተበይንዎም፡፡  ጽባሕ ብሕጊ ንዝሕተ ት ሕቶ መን ? ንመን 
ኣዚዙ ኣቕቲሉ? “ሃገር ንወያነ ኣሕሊፎም ክህቡ ተረኺቦም፡ ምእንተ ድሕነት ሃገር ኣብ ቀይዲ 
ውዒሎም፡ ንምውሓስ ሃገር ቀዳምነት ኣብ እንሰርሓሉ ዝነበርና እዋን ብዘጓነፎም ባህሪያዊ 
ሕማም ሞይቶም” ንምባል ያኢ ኣርሒቑ ዝተሓሰበ ደርሆ ጻሕቲራ ትረኽቦ ውዲት ተፋሕስዎ 
ዝፍጸም ዘሎ ተግባር ኢዩ፡፡ ኩሉ ህዝብና ድማ ብኣግኡ ክፈልጦ ዘለዎ ተንኮል ኢዩ ” ክብል 
ብሕራነ መለሰለይ፡፡ 
 ሓበሬታ፡- እዚ ጽሑፍ ብዝተኸኣለ መጠን ቃል እቲ ኣብ ሓለዋ ዝርከብ ዓርከይ ዘዕለለኒ 
ከምዘለዎ ከሕልፎ ፈቲነ ኣለኹ፡፡ እንተኾነ ግና ከምቲ ብዓይኑ ዝረኣየ ን ኣብቲ ቦታ ዝወዓለን 
ዝነገረኒ ሰብ ስምዒት ከምዘይከውን ርዱእ ኢዩ፡፡ ብሓቂ ’ውን ከም ቲ ንሱ ንዓይ ዝገለጸይ 
ክንደየናይ ገሊጸዮ ከይከ ውን ብዝኾነ ግን ንቃሉን ትብዓቱን  ከየዕበርኩ ናተይ ትብዓት ’ውን 
ሓዊሰ ይልእኸልኩም ኣለኹ ንዝተፈጥረ ሕድገታት ኣይትሓዙለይ፡፡   
ዓርከይ ኣብ መጠቃለሊ ርእይቶኡ፡ ክሳብ’ዛ ሓበሬታ ዝገለጸላ ዕለት ብሂወት ንዘለው ኡሱራት 
ተቐላጢፉ ንምድሓን ዝንቀሳቐስ ኣካል እንተዝርከብ  ንሃገርን ንስድራ ቤትን ዝተርፉ፡ ታሪኽ 

PDF page 12

View this page in original PDF

12
!!: :
ምንጪ ሓበሬታ፡-
መርበብ ኣሰና
! –  (Update)
May 27, 2012 assenna
Accessed on: 29 May 2012
https://docs.google.com/viewer?url=http://assenna.com/wp-content/uploads/2012/05/era-ero-
prisoners-update.pdf&embedded=true
OR
http://assenna.com/%E1%8A%95%E1%88%9E%E1%89%B5-%E1%8B%B6-
%E1%89%B5%E1%8C%BD%E1%89%A0%E1%8B%AB-
%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%93%E1%8B%8A-
%E1%88%93%E1%89%A0%E1%88%AC%E1%89%B3-update-
%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3/