Extracted PDF page text
Microsoft Word - Dokument5
Machine-extracted derivative; not a transcript or translation. Reading order, spacing and characters have not been editorially verified. PDF page numbers are file positions, not printed page labels. No OCR has been added.
Open unchanged original PDF · Download unchanged PDF
Extraction status: extracted-unverified.
PDF page 1
View this page in original PDF
ገዲም ተጋዳላይ ኮሎኔል
ተስፋልደት ስዩም (ወዲ ስዩም) ተሰዊኡ።
Monday, 05 January 2009
ገዲም ተጋዳላይ ኮሎኔል ተስፋልደት ስዩም (ወዲ ስዩም) ብሪኢቶኡ ምስ ጉጅለ 15 ዝተዛመደ ኢዩ ተባሂሉ ምስ ሓዉ
ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ደሞክራስን ፍትሕን ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን ዝነበረ ብሪጋደር ጀነራል
እስቲፋኖስ ስዩም ኣብ መስከረም 18 2001 ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ ብዝወረዶ ኣስካሕካሒ ኣተሓሕዛ ኣብ ትሕቲ
ሕክምና ሓይሊ ኣየር ግዝያዊ ሕክምና እናተገብረሉ ብ 26 ታሕሳስ 2008 ሰዓት 9 ፡47 ብመስዋእቲ ከም ዝሓለፈ
ምንጭታትና ሓቢሮም።
ስርዓት ህግደፍ ምስጢር ክሓብእ ክብል፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን መሰነይታ ብሰላሕመላሕ ሓመድ ከምዘልበሶ እቶም
ምንጭታት ብተወሳኺ ኣፍሊጦም።
ኮሎኔል ተስፋልደት ስዩም ኣብ ሕክምና ሓይሊ ኣየር ኣትዩ ከምዝቐነየ ኣሰና ኣብ እዋኑ ጠቒሳ ነይራ እያ።