Extracted PDF page text

1703DE2-02IT.pdf

Machine-extracted derivative; not a transcript or translation. Reading order, spacing and characters have not been editorially verified. PDF page numbers are file positions, not printed page labels. No OCR has been added.

Open unchanged original PDF · Download unchanged PDF

Extraction status: extracted-unverified.

PDF page 1

View this page in original PDF

1
ምስ ሓርበኛ ሳልሕ ሓዮቲ ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ
ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ምስ ሓደ ካብ’ቶም ገዳይም 
ተቓለስቲ ዝኾኑ ሓርበኛ ኣቦና፡ ዝገበርናዮ ሰፊሕ ቃለ-መጠይቕ ናብ ጽሑፍ ገልቢጥና ናባኹም 
ነብሎ ኣለና። ሰናይ ንባብ ክኾነልኩም ድማ እምነትና’ዩ።
ክቡር ጋሻና’ውን ናይ ብዙሕ ዓመታት ውህሉል ናይ ቃልሲ ተመክሮኻ ከተካፍለና ፍቓደኛ 
ብምዃንካ፡ ብስም ኩሎም ሰማዕቲ ኣመስግነካ።
ክቡር ሓርበኛ ኣቦና ምሉእ ስምካ ትውልዲ ዓድኻን ኣተዓባብያኻን ንሰማዕትና እንተተገልጸልና?
ስመይ ሳልሕ ሰይድ መሓመድ ሓዮቲ ይበሃል። ኣብ ከባቢ ከረን ኣብ ትርከብ ሓንቲ ንእሽቶ 
ቁሸት ዓዲ ሓሸል ትበሃል፡ ኣብ ትሕቲ ጎቦ ላልማባ ትርከብ ተወሊደ። ወዲ ሸውዓተ ዓመት ኮይነ 
ትምህርቲ ክጅምር እንከለኹ ናብ ውሽጢ ከተማ ከረን ኣቲና ኣብኡ ይመሃር ነይረ። 8ይ ክፍሊ 
ድማ ኣብ ኣቑረደት ተማሂረ። ኣብ 1962 ኣብ ዝተገብረ ናይ ማትሪክ /ጀነራል ኤግዛምኔሽን/ 
ገይርና ግን ከኣ መሕለፊ ነጥቢ ኣምጺእና እንከለና ኮነ ኢሎም ኣትሪፎምና። ተቖጢዕና ድማ 
ብሓቂ ጽቡቕ ኣይተጸመዓናን። ሽዑ ገድሊ ጀሚሩ ነይሩ። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ደቂ-17 ዓመት 
መንእሰያት ነይርና። ኣነን ምሳይ ዝነበሩ ኣሕዋተይን ክንሓልፍ እንዳተገበኣና ብዘምጻእናዮ ነጥቢ 
ስለ ዘይሓለፈና፡ ምኽንያቱ እንታይ’ዩ ኢልና ክንሓስብ ተገዲድና። ናይ ሃይማኖት ናይ ወገን 
ኮይኑ ድማ ተሰሚዑና። እቶም ካባና ዝዓብዩ ዝነበሩ ኣሕዋትና ቁሩብ ናይ ፖለቲካዊ ኣፍልጦ ስለ 
ዝነበሮም፡ ጸጸኒሖም ኩነታት ናይ ገድሊ ወረታት የምሉቑልና ነይሮም። ንሕና ከኣ ወረ ንከታተልን 
ዘምጽኡልና ሕቡእ ጽሑፋት ነንብብ ነይርና። ስድራና ግን ዋላ ገንዘብ ከፊልና ከነምህረኩም 
ትምህርትኹም ቀጽሉ፡ ዝመጽእ ዓመት ክትሓልፉ ትኽእሉ ኢኹም ኢሎምና ነይሮም። ኣብ’ቲ 
እዋን’ቲ ዝነበረ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ድማ ኣብ ኣስመራ’ዩ ነይሩ፡ ቀሃዝ ወይ ልዑል 
መኮነን ተባሂሉ ዝፍለጥ ማለት’ዩ። እንተኾነ ግን ንሕና በቲ ኣብ ርእሲና ዝተፈጸመ ተቐይምና ስለ 
ዝነበርና ክንዋግእ ኣለና ምስ’ቶም ዝዋግኡ ዘለው ኣሕዋትና ዝብል ኣተሓሳስባ ኣሕዲርና። 
መብዛሕቲኡ ንረኽቦ ዝነበርና ሓበሬታ ብስም ኢድሪስ ዓወተ’ዩ፡ በዓል ዑመር እዛዝ፣ ኣቡ ጥያራ፣ 
ሓመድ እድሪስ ሓጅ፣ በዓል ሳልሕ ኢያይ’ውን ዋላ’ኳ ንሕና ብቐጥታ ንረኽቦም እንተዘይነበርና 
ምስ’ቶም ዓበይቲ ኣሕዋትና ይራኸቡ ነይሮም፡ ኣብ ከረን ወረቓቕቲ ይብትኑ ከም ዝነበሩ ንፈልጥ 
ነይርና።
ስለዚ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ዝወሃበና ዝነበረ ዘይስሩዕ ሓበሬታት ናይ ቃልሲ ኒያትካ ዘበራብር ነይሩ። 
ኣብ 1963 ከኣ፡ ነቶም ዝራኸቡና ዝነበሩ ኣሕዋትና ንሕና ናብ ገድሊ ክንከይድ ንደሊ ኣለና 
ኢልናዮም። ኣብ 1964 ሕጂ!ግዜኹም’ዩ ኪዱ!ኢሎምና!ካብ!ከረን ተበጊስና፡!ኣብ!ኣቑርደት ምስ 
በጻሕና መምህር ማሕሙድ!መሓመድ ሳልሕ ዝበሃል ረኺብና።!ኣብ!ኣቑርደት!ክልተ!ለይቲ!ኣብ!
ሓደ ኣጉዶ!ኣሕዲሮምና።!ብድሕሪኡ ገለ ኣባላት ፈዳይን መጺኦም!ሒዞምና!ከይዶም። እግረ 
መንገድና ከሰላ ከይኣተና እንከለና ኣብ ጥቓ ተጎርባ ብኢብራሂም መሓመድ ዓሊ ዝተባህለ ካብ 
ሃደንደዋ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ክቡና ፈቲኖም። ሽዑ ግን፡ ብዕድመና’ውን ናእሽቱ ስለ ዝነበርና፡ 
ናብ ሶርያ!ወይ!ዒራቕ!ንትምህርቲ!ክኸዱ’ዮም ኢለሞ ማለት’ዩ። ኣብ’ቲ ግዜ’ዚ ናይ ጀበሃ መራሒ!
ዝነበረ ኢል ሳለም ጣህር!ይበሃል!ነይሩ። ንሱ!ከሰላ!ኣእትዩና።!ምስ’ቶም ካልኦት!መራሕቲ!ማለት!
ምስ በዓል ዑመር ሳልሕ፡ ምስ በዓል ሓመድ ኣደም ገሲር፡ ምስ በዓል እዛዝ፡ ምስ በዓል ቲናይ 
ኣለልዩና። ሽዑ ኢሎምና ንሳቶም በርገስ ኮይኑ ክመሃር ዝደለየ ከም ድላይኩም ኣነእሽቲ ኢኹም 
ዘለኹም ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ከነምህረኩም ኢና። ወተሃደራዊ ትምህርቲ ዝደለየ ከኣ ወተሃደራዊ 
ትምህርቲ ክወስድ ይኽእል’ዩ ኢሎምና። ወተሃደራዊ ትምህርቲ ዝመረጽና ድማ ብዙሓት ነይርና።
ኣብ ሱዳን!ካብ!ዝተፈላለየ!ዓድታት!ዝመጹ!ብዙሓት!ሰባት!ረኺብና።!ኣብ!lmno!ካብ!ሰላላብ

PDF page 2

View this page in original PDF

2
ትበሃል ኣብ ጥቓ ፖርት ሱዳን!ዘላ!ንእሽቶ!ዓዲ!ክሳብ!ጂዳ፡!ንመላለስ!ነይርና!ድሓር!ምስ!በዓል!ሳበ!
ተሰማሚዖም!ጂዳ!ኣእትዮምና።!ጂዳ!ምስ ኣተና ምስ መሓመድ ዓሊ ዑማሮ ኣብ ሱሩያ!ዝተናህሩ!
ረኺብና ብዛዕባ ኩነታት ሶርያ ገለ ሓበሬታ ሂቦምና።። ብድሕሪኡ ወተሃደራዊ  ኣብ ጂዳ!ካረቲና 
ዓቢ ካንሸሎ ዝነበሮ ቤት ጽሕፈት ናይ ጀብሃ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ምሂሮምና። ኣብኡ ኣስታት 
ሓደ ወርሒ!ጸኒሕና።!ካብኡ!ንሶሪያ!ወሪድና ክልተ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ደማስቆ!ጸኒሕና፡!ናብ 
ቀጠና ዝተባህለ መዓስከር ወሲዶምና!n!ወርሒ!ድማ!ተማሂርና።!መሊሶም!ሓጺር!ትምህርቲ’ውን 
ክመሃሩ ኣለዎም!ስለ!ዝበሉ ሚንጣዕ!ዝበሃል!ጸረ-ነፈርትን፡ ሕክምናን ብጉጅለታት!ተመቓቒልና፡ 
ናይ ሰለስተ ወርሒ!ዝኸውን!ትምህርቲ!ወሲድና!ድማ!ተመሊስና።!ምሳና!ዝተበገሰ!ብረት!ነይሩ!ግን!
ተታሒዙ፡!ይዝከረኒ ገለ ኣባላት ላዕለዋይ ባይቶ በዓል ሳበን ኢድሪስ ገላድዮስን ዘለውዎም!ምሳና!
መጺኦም። ንሕና ብቐጥታ ንከሰላ ከይድና፡ ኣብኡ ምስ ከድና ሕጂ!ክትወጹ!ኢኹም!ግን!ክትምለሱ!
ኢኹም፡ ስለምንታይ ጀብሃ ናብ ሰለስተ ኣርባዕተ ክፍልታት ክትመቓቐል’ያ ኢሎምና። ሽዑ ንሕና 
ብሸነኽ በዓል ሆሚፕ!ባርካ!ታሕታይ ምስ በዓል ዓብደላ ጸጋይ ወጺእና ማለት’ዩ። ኢሎም እዞም!
ሶሪያ!ዝነበሩ! የመለሱ፡!ወተሃደራዊ ትምህርቲ ስለ ዘለዎም መዝነት ክወስዱ’ዮም፡ ኤርትራ ነቲ 
ገድሊ ብዝጥዕም ኣብ 4 ክፍሊታት ክትምቀል’ያ ኢሎምና እንደገና ተመሊስና ንሱዳን። ኣብ ሱዳን!
ምስ ተመለስና በዓል ኢድሪስ ሓመድ ኣደም በዓል ሳበ በዓል ገላዲዮስ፡ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ንሳቶም 
ቀይዳል ሰውሪያ ትበሃል መስሪቶም ነይሮም። መራሒኣ!ድማ!መሓመድ!ሳዓድ ኣደም ይበሃል 
ነይሩ። ብዝኾነ ኣበይ ከም እንኸይድ ሓቢሮምና ኣነ ድማ ኣብ ራባዓይቲ ክፍሊ ምስ በዓል ዑማሮ 
ተመዲበ ነይረ።
ሕቶ ሕራይ ሓርበኛ ኣቦና ሳልሕ ሓዮቲ፡ ብንጹር!ንምቕማጥ!መታን!ክከኣል!ኣብ!ሰውራ!መዓስ!
ተሰሊፍካ፡ ቅድሚ!ምስላፍካ!ኣባኻን!ኣብ’ቶም ናይ ሽዑ መንእሰያትን ዝነበረ ፖለቲካዊ ንቕሓት፡ 
ብመግዛእቲ ዝገጥመኩም ዝነበረ ግብረ መልስን ከመይ ነይሩ እንተተገልጸልና?
ሓርበኛ ሳልሕ ሓዮቲ፡- ዝተሰለፍኩሉ ብ1964’ዩ። ኣቐዲመ ከም ዝገለጽክዎ!ፖለቲካዊ!ንቕሓት!
ብዙሕ ኣይነበረናን። የግዳስ ኢትዮጵያ!ዓድና!ሒዛ!ከምዘላ ኣብ መንጎና ፋሕ ብትን ንምእታው 
ትሰርሕ ኣላ  ዝብል ዘይዕግበታት ነይሩና። ስለዚ ከኣ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ!ክትወጽእ
ኣለዋ በሃልቲ ኢና ነይርና።
ሕቶ፡ ንቕሓተ ሕልና ናይ ሽዑ መንእሰይን ናይ ሎሚን ብምንጽጻር ከመይ ትገልጾ«
ሓርበኛ ሳልሕ ሓዮቲ፡- ሽዑ ብዙሕ ንቕሓት ነይሩ ክብል ኣይክእልን’የ። ካብ’ቲ ኣብ ኣፍልጦ 
ዝተሰረተ ንቕሓት እቲ ስምዒት’ዩ ዝዓቢ ነይሩ። ፖለቲካዊ ንቕሓት ደሓር’ዩ ቀስብቐስ መጺኡ።
ነቲ ንቕሓት ግዜ ስለ ዝውሰኖ እዚ ናይ ሎሚ ንቕሓት ክዓቢ ይኽእል ይኸውን። ነገር ግን፡ እቲ 
ንቕሓት ኣበይ ዝተሰረተ’ዩ ዝብል ምርኣይ ዘድልዮ ይመስለኒ። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ናይ ዓሌት!
ሃይማኖት ወገን ዝበሃል ኣተሓሳሳብ ኣይነበረናን ንሕና። ብርግጽ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ዝነበርና 
ተጋደልቲ ንበዝሕ ኣመንቲ ምስልምና ኢና ነይርና፡ የግዳስ ንኤርትራ ኢና ንሓሳብ ዝነበርና’ምበር 
ከም’ዚ ሕጂ!ዝረአ!ዘሎ!ስምዒታት!ኣይነበረናን።!ክላስ ኣክቲቪቲ!ናተይ!ከማን!ወልደየሱስ!ዓማር!
ኣብ መጽሓፉ ገሊጽዎ!ከም!ዘሎ፡!ንፉዓት!እንዳሀለና!ኣብ!ጀነራል!ኢግዛምኔሽን!ንውጻዕ!ኣለና!ዝብል 
ቅረታ’ዩ ናብ ገድሊ ገጽና ክንርኢ ገይሩ መጀመረያ። ወልደየዩስ ዓማር ኣብ’ቲ መጽሓፉ ብዓል 
ሓዮቲ መማህርተይ ነይሮም ንፉዓት ነይሮም ኣስላም ስለ ዝኾኑ ግን ከሕልፍዎ!ኣይከኣሉን፡!ንሕና!
ግን ክርስትያን ስለ ዝኾና ኣሕሊፎምና ክብል ብግልጺ ኣቐሚጥዎ!ኣሎ።!ስለዚ እዚ ስምዒት’ዚ 
ዝገዝኦ!ንቕሓት’ዩ ነይርና። ደሓር ግን ነቒሕና!ክሳብ!ካበይ!ዓሌት!ወገን!ምዃና!ትኹረት!ንህቦ!
ኣይነበርናን። ካልእ ግደፎ በቲ ሃይማኖት ሸነኽ ከማን ይዝከረኒ፡ ስለምንታይ ካብ ክርስትያን 
ኣሕዋትና ብብዝሒ!ዘየለው!ኢልና!ንሓስብ!ነይርና። መታን ኣብ’ቲ ክርስትያን ኣሕዋትና ዘለውዎ!

PDF page 3

View this page in original PDF

3
ዓድታት ክንኣቱ እንከለና ምትእምማን ክንፈጥር ደቆም!ምዃና!ከነረጋግጽ!ማዕተብ!ገይርና
ኣስማትና’ውን ብክርስትያን ቀይርና ብኣድረበ ወሪድና ዓዲ ንኣምን ዓዲ ተኽላይ ደቂ-ዓንዱ!
ክንከይድ ይዝከረኒ በዓል ዑስማን ዓጂብ፡!በዓል!ቸኪኒ!በዓል!ዓብደልቃድር!ሮሞዳን፡!በዓል!ስዒድ!
ሳልሕ ብከም’ዚ ዓይነት ጥበብ ተጠቒምና!ክንጋደል እንከለና። ዑስማን ዓጂብ!ክትሓብኦ!እንተደለኻ!
ዘይሕባእ ጥባሕ ጥባሕ ስለ ዝነበሮ ነታ ዝገበርናሉ ማዕተብ በቲኽናሉ ከይፍለጥ ኢልና ደሓር ሓደ 
ኣስላማይ ጥራሕ ከም ዘለና እቶም ካልኦት!ክርስትያን!ኢና!ኢልና!ምስ!ህዝቢ!ንለላ!ነይርና።!ክሳብ!
ከም’ዚ ኢና ንገብር ነይርና። ህዝቢ ኤርትራ ሃይማኖት ወይ ወገን ኣይኮነን ዘዐውቶ፡!ናይ!ሕጂ!
እንተረኣኻዮ ግን ድሕሪ 4Î ዓመት ወድመን ኢኻ ኣበይ ዓሌትካ!ወገንካ ዝበሃል ነገር 8Ð!ዓመት!
ንድሕሪት ተመሊስና ኣለና ማለት’ዩ። ብርግጽ እቶም ከምኡ ዝብሉ ዘለው ገለ መሰል ጎዲልዎም!
ክኸውን ይኽእል፡ ግን ኣነ ከም’ዚ ዓይነት ብዙሕ ኣየዕግበንን። ኤርትራ ብዘይ ከበሳን መታሕትን 
ብዘይ ኣስላም ክርስትያንን ኣይትመጽእን ኣይትረግእን’ያ። ሽዑ ንሕና ንጥቀመሉ ዝነበርና ደርፊ 
“ኣስላማይ ክስታናይ ወዲ-ቆላ!ደጋ!ንምኽሪ!ጸላኢ!ኣይትሃቦ!ዋጋ!ኣይትሃቦ!ዋጋ!ከይትኸውን!ዕዳጋ”!
እናደረፍና ኢና ንኸይድ ዝነበርና፡ ኣብ ውግእ ንኣቱ ዝነበርና ከምዚ እናደረፍና ኢና ፈዳይን ኮይና 
ኣብ ኩሉ ብሃገራዊ እምነት ንዕወት ዝነበርና። 
ሕቶ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ /ተሓኤ/ ኣባል ኣመራርሓ ከም ዝነበርካ’ዩ ዝሕበር ካብ መዓስ 
ክሳብ መዓስ ኢኻ ኣባል ኣመራርሓ ነይርካ፡ ምስኡ ኣተሓሒዝካ!ነዚ!ናይ!ሎሚ!ወለዶ!ብኣወንታ!
ይኹን ብኣሉታ እንታይ ተመክሮ ከተመሓላልፈሉ ትኽእል?
ሓርበኛ ሳልሕ ሓዮቲ፡- ኣቐዲመ ከም ዝገለጽክዎ!እተን!ኣርባዕተ!ክፍልታት!ክቖማ!እንከለዋ!ኣብ’ታ 
ራባዓይቲ ክፍሊ’የ ተመዲበ ነይረ። እንተኾነ ግን ሓሚመ ንድሕሪት ተመሊሰ፡ ኣነ ኣብ ካርቱም 
ኣብ ሆስፒታል!እንከለኹ!ኣብ!ካልኣይቲ ክፍሊ ከምዚ የድልየና ስለ ዘሎ ናብኡ ክትከይድ ኢኻ 
ኢሎምኒ ሕራይ ኢለ ድማ ሕክምናይ ምስ ወዳእኩ ኣብ ካልኣይቲ ክፍሊ ከይደ። እቲ ንዓይ 
ዝወሃብ መዝነት ቸኪኒ!ሒዝዎ!ስለ!ዝነበረ፡!ንስኻ!ምስ!ክልተ!ሰለስተ!ሰብ ኮይንካ ኣብ ቁሸታት 
ከይድኩም ህዝቢ ክተነቓቕሑ ኣለኩም ኢሎምኒ። ናይ ውድብ ቁጠባ’ውን ከተውጽኡ ኢኹም 
ኢሎምና። እታ ካልኣይቲ ክፍሊ ካብ ባርካ ላዕላይ ክሳብ ሓማሴን!ከምኡ’ውን ክሳብ ሳሕል ሰፊሕ 
ቦታ ትሽፍን ነይራ። በቲ ዝተዋህበና ዕማም መሰረት በርገስ ክዳን ተኸዲና ብለይቲ መጺእና 
ንህዝቢ ንእክቦ ንውድቦ ነነቓቕሖ ነይርና። ብድሕሪኡ፡ ኣብ ኣድርባ ብ196ß!ውግእ!ገይርና።!
ማሕሙድ!ጀንጀር ናይ ካልኣይቲ ክፍሊ ናይ ፖለቲካ ሓላፊ ዝነበረ ተሰዊኡ፡ ንሱ!ምስተሰወኣ!
ንመሕሙድ!ቸኪኒ!ኣብ!ቦትኡ!መዲበሞ!ማለት!ናይ!ፖለቲካዊ!ሓላፊ!ናይ’ቲ ክፍሊ ገይረሞ። ንዓይ 
ድማ ኣብ ቦታ ቸኪኒ!ናይ መኻበራት ወይ ጸጥታ ገይሮምኒ። ነገር ግን ኣነ ኣይተቐበልክዋን ፈዳይ 
ክኸውን ኢለ ምክትል ናይ ፈዳይን ሓላፊ ኮይነ ድማ ተመዲበ። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ክልቲአን!
ማለት ናይ ፈዳይን ጸጥታን መራሒ!ገይሮም!መዲቦምኒ፡!እዚ!ኣብ!l966 ምዃኑ’ዩ።
ደሓር ከኣ፡ ኣብ ካልኣይ ክፍሊ 4ይ ሰብ ኮይነ። ማለት እቲ ዝዓበየ መራሒ!ክፍሊ!ዑመር!እዛዝ!
ነይሩ፡ ምክትሉ መሓመድ ዑመር ኣደም ነይሩ፡ ሳልሳዩ መሓመድ ቸኪኒ!ነይሩ!ናይ!ፖለቲካ!ሓላፊ።!
ራብዓዩ ኣነ ነይረ ናይ ፈዳይንን ጸጥታን ሓላፊ። ሓሙሻይ!ድማ!ናይ!ፋይናንስ!ሓላፊ!ሓምድ!
ኣሕመድ ነይሩ። ስለዚ ኣነ ኣብ’ቲ መዝነት ኣብ ካልኣይቲ ክፍሊ መበል ራብዓይ ሰብ ነይረ። ነገር 
ግን፡ እቲ ስራሕና ብርቱዕ ስለ ዝነበረ ኣብ ካልኣይ ክፍሊ ኮነ፡ ኣብ ካልኦት!ስመይ!እንዳተፈልጠ!
መጺኡ። እዚ ተሓቢአ ዘይኮነ ብረድዮ ንህዝቢ ዝዛረቦ ዘለኹ’ዩ። እቲ ቀይዳል ዓማ ዝወጸትሉ ጉባኤ!
ኣዶብሓ’ውን ንሕና ናይ ካልኣይቲ ክፍሊ ኢና ኣዳሊናዮ። ኣሰናዳዊት ሽማግለ ኣውጺእና፡ ነቲ 
ኣልዋሕዳ ስላስያ ዝበሃል ዝነበረ ሽዑ ሰለስተ ሽማግለታት ወጺአን!ነይረን።!እታ!ሓንቲ!ናብ!
ቀዳማይ ክፍሊ ሰዲድና’ያ። በዓል ዓብደላ ዲጎል፡ ሓሊብ ሰታ፡ ዓብዳል ረቒብ መሓመድ ሙሳ፡!
በኺት! ሓሸሊ፡! እዚኣቶም!ናብ’ተን ሰለስተ ብሓንሳብ ዝነበራ ናብ ሳልሳይ ራብዓይ ሓምሻይ 

PDF page 4

View this page in original PDF

4
ክፍልታት ሰዲድና’ዮም። ተስፋይ ተኽለ፡ ሳልሕ ጀምጃም፡ ሓሰን ሳልሕን መሓመድ ኣደም 
ድውሓን ዘለውዎም!ድማ!ናብ!ቀዳማይ!ክፍሊ!ሰዲድናዮም።
ድሕሪ ሓልሓል መስዋእቲ ናይ ዑመር እዛዝ፡ እታ ካልኣይቲ ክፍሊ ኣነን ቸኪኒን!ሒዝናያ!ነይርና።!
እቲ መራሒና!ዝነበረ!ምስ!ተሰወአ!ምኽትሉ መራሒና!ገይርናዮ!ንመሓመድ ዑመር ኣደም 
ማለት’ዩ። ያሲን መሓመድ ዓሊ ዝበሃል ድማ ምክትሉ ነይሩ። ብዝኾነ ግን ነካይዶ!ዝነበርና!ኣብ’ቲ 
ግዜ’ቲ መናእሰያት ዝነበርና ኢና። እዚ መድረኽ’ዚ ብዙሕ ሕማቕን ጽቡቕን ዘለዎ’ዩ። ናተይ 
ጥራሕ ኣይኮነን እዚ ታሪኽ’ዚ  ናይ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። ግዜ እንተሎ ከኣ ብሰፊሑ ንዛረበሉ 
ክኸውን’ዩ። ብመጽሓፍ ደረጃ’ውን ክስንዶ!መደብ!ኣለኒ’ዩ። እዞም!ሎሚ!ዘለው!መንእሰያት ከመይ 
መጺእና እንታይ ንገብር ነይርና ክፈልጥዎ!ኣለዎም።!
ሕቶ፡ ጉባኤ!ኣደቡሓ ከመይ ተበጊሱ!ከመይ’ከ ተዛዚሙ፡!ድሕሪ!ምዝዛሙ!ውጽኢቱኸ!ኣብ!ተግባር!
ከመይ ነይሩ?
ሓርበኛ ሓዮቲ፡- ጉባኤ!ኣደቡሓ ድሕሪ መዕረከት ሓልሓል’ሲ ገለ ግርጭት!ነይሩና!ምስ’ቶም ስለስተ 
ሓድነት ዝገበሩ ሳልሳይ ራብዓይ ሓምሻይ ክፍሊታት። ከምኡ ከኣ ምስ’ታ መሓመድ ቲናይ 
ዝመርሓ ዝነበረ ቀዳማይ ክፍሊ’ውን ገለ ጸገማት ነይሩና። ምሕዝነት ኣይንገብር ኢና ገለ ገለ 
ይብሉ ነይሮም። ኣብ ፈለማ ንሕና’ውን ከም መጠን ካልኣይ ክፍሊ ኣብ ሓልሓል ክንዋጋእ 
እንከለና ንሳቶም ዑመር እዛዝ ክስዋእ እንከሎ ኣብ ቦታ ካልኣይ ክፍሊ ኦሮቶ!ኮይኖም!!ዘጣቕዑ!
ዝነበሩ ካብ ዝብል ብዙሕ ተቐይምና ነይርና። ደሓር ግን ተመሊስና ምስረኣናዮ፡ ሓደ 
እንተዘይኮይና ኣየዋጽኣናን’ዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሕና። ካብ’ቶም ዝመርሑና ዝነበሩ 
ኣባላት ላዕለዋይ ባይቶ ክመቓቕሉና ምስ ጀመሩ ብፍላይ፡ ንሕና ምንም’ኳ ኣብ ውሽጥና ገለ 
ርእይቶታት እንተሃለወና ግን ከም መንእሰያት ክንፈላለ የብልናን ንሕና ኣብ ሜዳ!ንዋሳእ!ዘለና!
ወተሃደራት ኢና ስለዚ ከኣ ሓደ ክንከውን ኣለና ኢልና ርኢና። ስለዚ ከኣ ወተሃደራዊ ጉባኤ!
ኣዶብሓ! ክገበር ወሲና። ኣበይ ቦታ ከም ዝኸውን’ውን ንሕና ካልኣይቲ ክፍሊ ኢና መሪጽናዮ። 
ምሳና ዝነበሩ ብዓል ሑሰን ከሊፋ ይኹን ሳልሕ ጀምጃም ቦታ ድለዩ ኢልናዮም። መነ መንዮም 
ዝካፈሉ ድማ ንሕና ኢና ወሲናዮ። ካብ መራሒ!ክፍሊ!ክሳብ!መራሒ!ናይ!ጨንፈር!ክሳተፉ!
ኣለዎም።!እቶም!ሰለስተ!ውህደት!ዝገበሩ!ክንድ’ዚ ከሳትፉ ኣለዎም።!ክንድ’ዚ ካብ ቀዳማይ ክፍሊ 
ክንድ’ዚ ድማ ካብ ናትና ካልኣይቲ ክፍሊ ክኸውን ኣለዎ!ኢልና!ርኢና።!ቀዳማይ ክፍሊ ነዚ 
ጉባኤ’ዚ ክንሳተፎ ኢና ሕራይ ኢሎምና። ጉባኤ!መታን ክዕወት ብቑጠባ ይኹን ብጸጥታ ይኹን 
ኣበይ ክኸውን ከም ዘለዎ!ክንፈልጥ!ክንሳተፍ!ኣለናን!ኢሎም።!ነገር ግን ኣበይ ከም ዝኸውን 
ክንደይ ከም ዝጸንሕ ንሕና ወሲናዮ ኣብ ኣደቡሓ ገይርናዮ፡ ስለምታይ ኣዶብሓ!ካብ!ጸላኢ!ርሕቕቲ!
ስለዝነበረት። 
ኣደቡሓ ብካልእ መዕቀኒታት’ውን ካብ ሱዳን!ርሕቕቲ!ኣይኮነትን ማይ ድማ ኣለዋ። ብዝኾነ 
መዓልቲ ኣኺሉ!ጉባኤ!ጀሚርና።!ኣብ’ቲ መጀመርታ ንሳትኩም ተዛረቡ፡ ከምኡ’ውን ናይ ጉባኤ!
ሰክሪታሪያ ክትወጽእ ኣለዋ ኢሎምና፡ ኣነ ድማ ተሲአ!ተዛሪበ።!ናይ!ጉባኤ!ሰክሪታሪያ!ድማ!
ኣውጽኢና። ካብ’ቶም ኣባላት ሰክሪታሪያ ናይ ጉባኤ!ዝዝክሮም፡!ተስፋይ ተኽለ፡ ሓሊብ ሰተ፡ ያሲን 
ኣልሓጅ፡ ዑስማን ዓጂብ፡ ዓብደል ቃድር ሮሞዳን፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣሕመድ ኣደም ዑመር፡ 
ሳልሕ ሓዮቲ፡ ትሸዓተ ዲና ዓሰርተ ንኸውይን ነይርና። ኣቦ-መንበር ናይ ሰክሪታሪያ ንምረጽ ምስ 
በሉ፡ ሳልሕ ሓዮቲ ክኸውን ኣለዎ!ኢሎም!መሪጾምኒ!ኣቦ-መንበር ናይ ጉባኤ!ኣዶቡሓ ነይረ። 
ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ንሕናን ቀዳመይቲ ክፍልን ኣንጻር’ቶም ሰለስተ ክፍልታት ሓደ ኢና ነይርና። እቲ 
ግርጭት!ዝነበረ!ክፍታሕ!ምስ!ጀመረ!ነንሕድሕድና!ክንረዳዳእ!ምስ!ጀመርና፡!ነቶም ላዕለዋይ ባይቶ 
ዝበሃሉ ናይ ወገናት ገለ ዝበሃል ኩሉ ንግደፎ፡ ካብ’ዚ መራሕትና ንግበር? ኣብ ሜዳ!ካብ!ካልእ!

PDF page 5

View this page in original PDF

5
ዘይትጽበ ርእሳ ዝኸኣለት ወተሃደራዊት መሪሕነት ነውጽእ፡ ከም’ዚ እንተዘይገይርና 
ክመቓቕሉና’ዮም ዝደልዩ ዘለው ኢልና። ድሕሪ ብዙሕ ክትዓት ዓብደላ ኢድሪስ እንታይ ኢሉ፡ እዛ 
ትወጽእ መሪሕነት 38 ቁጽሪ ይሃልዋ፡ ስማ ድማ፡ ኣልቕያዳል ኣልዓማ ፊል ሜዳን!ክትከውን!ኣለዋ!
ኢሉ። ሓመድ ዓሊ ዑማሮ ከኣ ኣልቕይዳል ዓማ ፊል ሜዳን!ክትከውን!ኣለዋ!ኢሉ።!እቶም!ኣባላት!
ሰክሪታሪያ ዝነበርና’ውን ከምኡ ብዙሕ ርእይቶታት ቀሪቡ ነይሩ።
ኣብ መውዳእታ ግን፡ ኣልቕያዳል ዓማ ልጀብሃል ታሕሪር ኤርትራ ፊል ሜዳ!መሪጽና።!ካብ’ቶም 
ሰክሪታሪያ ዝነበርና ተቓዊሙ!ዝተዛረበ ኣይነበረን። ሓደ እምባየ መዓሾ!ዝበሃል!ኣብ!ኣዶቡሓ ኮይና 
ሕጂ!መዝነት!ናይ!ላዕለዋይ!ባይቶ!ንወስድ!ኣለና!ክብል!ተዛሪቡ።!ኣይፋል!ላዕለዋይ ባይቶ ዳርጋ 
ብተግባር መይቱ’ዩ ነይሩ። ስለምንታይ’ሲ እቶም ኣብ ውሽጢ ከተማታት ዝሰርሑ ዝነበሩ፡ ናይ
ኣብያተ ጽሕፈታት ሓላፍነት ዝነበሮም ባዕሎም ኣቚሞም!ነይሮም፡!ብኣደም!ኣክተ ዝበሃል’ያ 
ትምራሕ ነይራ። ንሳቶም ድማ ብዓል ቶቲል በዓል ሳልሕ ኢያይ በዓል፡ ዑመር ቦናሕታ በዓል 
ኣደም ሓመድ ሳልሕ፡ በዓል ስዒድ!ሳብር፡!በዓል!ኢብራሂም!መሓመድ!ዓሊን!ካልኦት!ኮታ!ቁጽሮም!
ክሳብ 3™!ዝኾኑ!ነይሮም። ነቲ ጉባኤ!ንድግፎ!ኢና!ኢሎም ናባና ድማ ደብዳቤ ጽሒፎም!ነይሮም።
ሽዑ ግዜ ድማ ካብ ላዕለዋይ ባይቶ ወርቐት መጺእትና ነይራ። እታ ደብዳቤ ናይ ኩሎም ኣባላት 
ላዕለዋይ ባይቶ ኣይኮነትን ናይ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ምስ ቁሩብ ገንዘብ’ያ መጺኣ ነይራ። 
ኢብራሂም ዓፋ ተሰዊኡ’ዩ ኣብ ሻዕቢያ፡ መንሱር!ስዒድ፡!መንሱር!ስዒድ!ሕጂ!ኣብ!ዓዲ!እንግሊዝ!
ኣሎ፡ ምስኦም!መጺኣትና!ብቅሉዕ’ዶ!ከነብባ!ኢልና!ሓቲትና!እቲ!ድሑር!ሕማማት!ቁሩብተይ!ነይሩ!
እንድዩ፡ ላእ ኣይኮነን ፋሕ ብትን ከየእትወልና ሰክሪታሪያ ጥራሕ ትርኣያ ስለ ዝተባህለ ንሕና 
ርኢና’ያ። እቲ ጉባኤ!ናይ!ኣዶቡሓ ናይ ወተሃደራት ጥራሕ’ዩ። እዞም!ኣብ!ኣብያተ!ጽሕፈታት!
ኣብ ሱዳን!ዘለው!ወተሃደራት!ኣይኮኑን።!ኣብ’ቲ ጉባኤ’ውን ገለ ግዜ ዘካታዓና ወተሃደራት ዘይኮኑ 
ክልተ ሰባት ነይሮም’ዮም። ብዝኾነ እታ ቕያዳል ዓማ፡ 38 ቁጽሪ ክህልዋ ኣለዎ!ዝብል!ኣብ!
ስምምዕ ተበጺሑ። እሞ ካበይ ይወከሉ ኣብ ዝብል ድማ ነዊሕ ተኻቲዕና፡ ቀዳማይን ካልኣይን 
ክፍሊ ነብስ ወከፈን ዓሰርተ ዓሰረተ ክወስዳ፡ እቶም ዝተረፉ ሳልሳይ ራብዓይ ሓሙሻይ!ክፍልታት
ድማ 18 ክወስዱ!ተራእዩ።!ብርግጽ!ንሳቶም’ውን ኣዓሰርተ ክወስዱ!ነይርዎም!ግን!ውሑዳት’ዮም 
ነይሮም ተጋደልቲ ብዙሕ ኣይነበሮምን። ከም’ቲ ናትና’ውን ዝተጠርነፉ ኣይነበሩን ስለዚ ከኣ 
ንሳቶም’ውን 18 ክወስዱ!ተቐቢሎም!³´!ኮይና!ማለት’ዩ። ኣብ 38 ዑማሮ ክምርጽ ነይርዎ!ነገር!
ግን ሽዑ ግዜ እንታይ ኣሕሊፍና ነይርና፡ መራሒ!ናይ!ክፍሊ!ምክትሉ ናይ ፖለቲካ ሓላፍን 
ክምረጹ!የብሎምን!ምኽንያቱ ኣብ ሜዳ!ኤርትራ ብዙሕ ገበናት ተፈጺሙ’ዩ፡ ናይ’ዚ ተሓተቲ ድማ 
ንሳቶም’ዮም፡ ስለዚ መጀመርያ እንታይ ከም ዝፈጸሙ!ነጻ!ምዃኖምን!ዘይምዃኖምን!ብፍርዲ!
ጉዳዮም!ክረአ!ኣለዎ፡!ነጻ!ዝኾነ!ኣብ’ቲ ዝመጽእ ይመጽእ እቲ ዝፍረድ ድማ ክፍረድ ኣለዎ!ዝብል!
ነይሩ።
ደሓር ግን እንታይ ኣምጺኦም!እዞም!ፖለቲካ!መራሕቲ ዝነበሩ ክሳብ ቤት ፍርዲ ዝምስረት  
ክሕግዙና ኣለዎም!ኢልና!ኣዐሪናያ።!ሽዑ!ካብ’ቶም 38 ሓደ ኣነየ ነይረ ምርጽ መን ይኹን መራሒ!
ኢሎምኒ፡ ኣነስ ኢለ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ብቑዕ ዝነበረ መሓመድ ኣሕመድ ዓብዱ!ይኹን!ኢለ!ኩልና!
ድማ መሪጽናዮ። ምክትላቱ ኮይኖም ዝሰርሑ ክልተ ሰባት ማለት ተስፋይ ተኽለን ኣሕመድ 
ኢብራሂምን መሪጽና፡ ናይ ጸጥታን ፈዳይንን ከም ካልኣይ ሰብ ንዓይ ኣቕሪቦምኒ። ናይ ወተሃደራዊ 
ዝነበረ ዓብደላ ኢድሪስ’ዩ ከም ሳልሳይ ሰብ ቀሪቡ። ኣብ ፖለቲካ ዝነበረ ቸኪኒ’ዩ ከም ራብዓይ ሰብ 
ቀሪቡ። ናይ ሕክምና ዝነበረ ዓብደል ቃድር ሮሞዳን፡ ናይ ገንዘብ ዑስማን እዛዝ፡ ድሕሪኡ ከኣ፡ 
ናይ ትምህርቲ ገይርናዮ ዝነበርና ዑስማን ዓጂብ’ዩ። እቶም ካልኦት!ኣብ!ጉጅለታተ!ክመቓቐሉ!
ኣለዎም!ኢልና!ማለት’ዩ። ኣነ ኣብ ጸጥታ ምሳኻ ዝሰርሑ ሕረ ምስ በሉኒ፡ ምኽትለይ ስዒድ!ሳልሕ!
ናይ ፈዳይን ዎ!ናይ!ጸጥታ!ኣሕመድ!ኣደም!ዑመር!ዝበሃል!ክልተ!ስለ!ዝነበረ፡!ኣሕመድ ኢብራሂም 
ኣብ በይሉል ደንከልያ ቀቲለሞ፡ ዑስማን ዑመር ሻዕባ ሓሚሙ!ተሰዊኡ፡!ኮታ!ካብ’ቶም 38 ×!ኣብ!
ጸጥታን ፈዳይንን ኮይና።

PDF page 6

View this page in original PDF

6
ዓብደላ ኢድሪስ’ውን ሕረ ምስ በልዎ፡!ወተሃደራዊ!ክእለት!ዝነበሮም!በዓል ኣደም ሳልሕ፡ ሳልሕ 
ጂምጃም፡!ዓፋ!ሓመድ!ሓምድ፡ ኢብራሂም ዓብደላ ሓርዩ። ቸኪኒ ድማ፡ ኣብ ፖለቲካ ክእለት 
ዘለዎም መሓመድ ብርሃን ብላታ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ መሓመድ ስዒድ!ሽነቲ!ኣቕሪቡ።!ስለዚ!
ፈጻሚት ዝነበርና 7 ኢና እቶም ዝተረፉ 31 ድማ መቓቒልናዮም!ማለት’ዩ። ከምዚ ክንገብር
እንከለና በብኽእለትና ማለት ክዋጋእ ዝኽእል ክጽሕፍ ዝኽእል ፈዳይን ክኸውን ዝኽእል ናይ 
ሕክምና ክኸውን ዝኽእል ናይ ትምህርቲ ክኸውን ዝኽእል ኢልና ኢና ተመቓቒልና።!ሓመድ ዓሊ
ዑማሮ ብዙሕ ዕጉብ!ኣይነበረን!ስለምንታይ!ኣብ’ቲ መሪሕነት ክመጽእ ይደሊ ነይሩ። ነገር ግን 
መራሒ!ክፍሊ!ስለ!ዝነበረ!ኣይከውንን!ተባሂሉ።!እቲ ብሳበ ዝመጸ ገንዘብን ደብዳቤን ተፈሊጡ!ስለ!
ዝነበረ፡ ሰክሪታሪያ ከኣ ኣብ’ቲ ጉባኤ!መጺኡ!ከምዘሎ!ኣይሓበረት!ጸኒሓ። ሽዑ ንሕና እዛ ወጺኣ ዘላ 
መሪሕነት ናይ ካልኦት ሰባት ኣይኮነን ናትካዩ ኢልናዮ። ነቲ ዝተገበረ ጉባኤን!ውጽኢቱን!ኣብ!
ሱዳን!ዝነበሩ!ደጊፎምና!ኣብ!ምዕራባውያን ሃገራት ዝነበሩ’ውን ብዙሓት ደገፎም ገሊጸሙልና።
ብፍላይ ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ዝነበሩ ተመሃሮ ኣጀኹም ኢሎምና። ካብ ኢትዮጵያ’ውን በዓል 
ወለደየሱስ!ዓማር!ሸዓቢያ!ዝቐተለቶ!ውዲ!ከረን!ሃይለ!ጋርዛ!ሚካኤል!ጋብር!እዚ!ዝወሰድክሞ!
ዘሕጉስ’ዩ ንሕና ኣብ ጎኒኹም ኣለና ኢሎም ጽሒፎምልና።!ተጋድሎና ብቕዓት ዘለዎም ተመክሮ 
መንእሰያት ክመርሕዎ!ብጣዕሚ!ዘሐጉስ’ዩ ዝብል ካብ ብዙሕ ቦታታት ደብዳቤ መጺኡና’ዩ። ካብ 
ኤውሮጳ!ንኣብነት!ብዓል!ሕሩይ!ተድላ!ባይሩ፡!በዓል!ኢድሪስ!ባድመ!ጽሒፎምልና።!እቲ!ጉባኤ!
ተኻይዱ!መሪሕነት!ምስተመረጽና!ከኣ!እንታይ ኢልና፡ ነቲ ቅድም!ክብል!ኣብ!ሜዳ!ኤርትራ!
ዝተፈጸመ ገበናት ተጻሪ፡ ኣጻርያ ድማ ድሕሪ ክልተ ዓመት ክትግበር መደብ ናብ ዝተታሕዘሉ 
ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ!ተቕርብ፡ ካብ’ቲ መሪሕነት ዘይኮነ ካብ’ቲ ጉባኤ!ኮሚቴ!ክትወጽእ!ኣለዋ!
ኢልና። ንሳቶም ድማ ዑስማን ኣድሓና፣ መሓመድ ሽካይ፣ ኣደም ግንድፍል ዝበሃሉ ዝርከብዎም!
1ù!ዝኾኑ!ነይሮም።
ኣሰናዳዊት ሽማግለ ናይ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ!ካብ!በርገስን!ተጋደልትን ክትከውን ብምስምማዕ 
መዚዝና። ገለ ዝዝክሮም ካብ ተጋደልቲ፡ መሕሙድ!ሓሰብ፣!ዓብደላ!ዲጎል፣!እምባየ!መዓሾ፣!
መሓመድ ኢብራሂም ዝበሃሉ ዝርከብዎም ሽዑ መሪጽናያ። ብተመሳሳሊ እታ በርጌስ’ውን ንስኹም 
ቕያዳል-ዓማ ምረጽዋ ስለ ዝበሉና፡ ካብ’ቶም ዝድግፉና ዝነበሩ ዓቕሚ ዝነበሮም ምሁራት ሕሩይ 
ተድላ፣ ኢድሪስ ባድመ፣ ሓመድ ዓሊ ልባብ፣ ስውእ ፍጹም'ስም'ኣቦኡ'ረሲዐዮ፣'እምባየ'እዚ’ውን 
ስም ኣቦኡ ኣይዝክሮን ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ፣ ኢብራሂም ቶቲል፣ ወዲ እድሪስ መሓመድ 
ኣደም ኢብራሂም ዝርከብዎም'መሪጽና'ኣብ'ግዝይኡ'ከኣ'ገይርናዮ። ኣብ’ቲ መሪሕነት ዘይነበሩ 
ማለት’ዩ።
ካብ ኣደቡሓ ምስ ተበገስና ኩሉ ሰብ ናቱ ስራሕ ከስርሕ ኣለዎ፡'ነቶም'ኣብ'ወጻኢ'ዘለው’ውን 
ከነዕግቦም ኣለና። ንሕና ናይ ወገን ኣይኮናን ኣልቕያዳል ዓማ ጀብሃ ታሕሪር ኣብ ሜዳ'ንበሃል'ወይ'
ጠቕላሊት መሪሕነት ናይ ተሓኤ ንሕና ኢና ኢልና ነዚ ዘረድኡልና ሰለስተ ሰባት ሰዲድና። 
መራሕን ሰክሪተር ናቱን ናይ ወተሃደራዊ ሓላፍን ሰዲድና፡ ስለምንታይ ናይ ወተሃደር ነገር መታን 
ክሓቱልና። ሓመድ ኣሕመድ ዓብዱ፡'ዓብደላ'ኢድሪስ፡'ተስፋይ'ተኽለ'ሰዲድና።'ዑስማን ሳሊሕ ሳባ 
ከኣ ነታ ደብዳቤኡ መልሲ ኣይሃብናዮን ነይርና ዓቢ ስልጣን'ከኣ'ነይርዎ።'እዚ'ኣቶም'ዓረብ'
ኣይኮኑን ጸረ-ገድልዮም፡ ኮሚኒስቲ’ዮም ኣንጻር ኣስላም’ዮም ኢሉ ኣትሒዝዎም።'ኣብ ሶሪያ'ሒዞም 
ኣሲረሞም ካብኡ ንሉብናን ሰጒጎሞም። ንሕና ድማ መን ምዃኖም ንምንታይ ይንቀሳቐሱ'ከም'
ዘለው ንሶሪያውያን'ክንገሮም'ንሳልሕ'ሕያይ ሰዲድና’ዮ። ምስ ነገሮም  ካብ ሉብናን መሊሶም ከም 
ብሓድሽ ተቐቢለሞም። ንበዓል ሓፍዝ ኣልኣሰድ ሓገዛት ድማ ረኺቦም' ናብ' ደቡብ' የመን'
ሰዲድናዮም፡ ካብኡ’ውን ሓገዛት ረኺቦም'ተመሊሶም።'ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ እቲ ወተሃደራዊ ሓላፍን 
ሰክረተርን ስለዘይነበሩ ናይ ሜዳ'ንዓይ'ሓላፍነት ሂቦምኒ። ስለዚ እንታይ ኢልና እቲ ተጋዳላይ 
ተሓዋዊሱ'ከም'እንደገና'ስርርዕ'ገይሩ'በቦትኡ'ክሕዝ'ኣለዎ'ኢሎም።'ከምኡ'ክንገብር'እንተኾይና'

PDF page 7

View this page in original PDF

7
ኮሚቴ'ክትወጽእ'ኣለዋ'ኢሎም'ድማ'መራሒ'ናቱ'ኮይነ’ውን ተመዲበ። ምሳይ ከኣ ዑስማን ዓጂብ፡'
ዓብደል ረቒብ መሓመድ ሙሳ'ኢሳያስ'ኣፈወርቂ፡ ሓመድ ብርሃን ብላታ፡ ስዒድ'ሳልሕ፡'ሳልሕ'
ዓምር ከኪያ፡'ኢብራሂም'ያሲን ጅመል ሸውዓተ ሰባት ኢና ነይርና። ሽዑ ግዜ በዙሕ ግዜ ካብ 
ህዝቢ ኢና ንቕለብ ነይርና። ጨና'ፍራት'እከለን'እንከለን'ኢልና'ኣብ'ሓደ'ቦታ'ንጽውዖም’ሞ 
ንሕውሶም።' ንኣብነት' ካብ' ቀዳመይቲ' ካልኣይቲ'ሳልሰይቲ' ሓንቲ'ሓንቲ' ጨናፍራት'ንጽውዕ'
ንውሕሰን እንደገና ኣብ ሰለስተ ቦታ ንምድበን’ሞ ናብ ዝተፈላለየ ቦታት ንሰደን ነይርና። ጽቡቕ 
ድማ ይካየድ ነይሩ ግን፡ ዑማሮ ህርፋን ናይ መሪሕነት ነይርዎ'ነቶም'ካብኦም'ናባና'ዝመጹ'ምሳና'
ተወሃሂዶም'ከይኸዱ'ይምርዞም'ነይሩ። እዚ ኢብራሂም ያሲን ጂመልን ሳልሕ ዓምር ከኪያን
ዝበልኩኻ፡ ካብ ቀይሕ ባሕሪ’ዮም ነይሮም።
ኣብ’ቲ ተጋደልቲ ክንሕውስ እነከልና ይመጹና'ኣይነበሩን'ክልተ'ሰለስተ'መዓልቲ'ጸኒሖም'ይመጹ’ሞ 
ጌጋ'ገይርኩም'ድማ'ይብሉና፡'እሞ'ቆጸሮ'ነይሩና'ኣብኡ'ኣይመጻእኩምን'ካብ'ህዝቢ'ከኣ'ንበልዕ
መን ክቕልበና’ዩ ኣብ’ዚ ኮፍ ኢልና ኣብ’ቲ ቆጸራ ክትመጹ'ነይርኩም፡'ሕጂ'እቶም'ኣብ'ወጻኢ'
ኮይዶም'ዝነብሩ'ሰለስተ ብጾት'ማለት'በዓል መሓመድ ኣሕመድ ዓብዱ፡ ዓብደላ ኢድሪስ’ውን 
ይመጹ'ስለ'ዘለው'ኣብ'ታሕራ ንግበሮ ቀጻሊ ኣኼባ'ኢልና'ርኢና።'ኣብኡ'ድማ'ተራኺብና'
ንሳቶም ኢሎም እቲ ኣቐዲምኩም ዝገብርኩሞ ናይ ተጋደልቲ ምትሕውዋስ ጌጋዩ'ክምለስ'ድማ'
ኣለዎ' ኢሎምና ደጊሞም፡' ዋእ' እቲ' ዝተሓዋወሰ ኣብ ዝተመደበሉ ቦታ ከይዱስ' ውግኣት'
ኣጋጢምዎስ' ገለ' ተሰዊኡ' ገለ' ድማ' ሰንኪሉ' ኣብ' ስራሕ’ዮም ዘለው ብከመይ ከምኡ ትብሉ 
ኢልናዮም። ዑማሮ ብጣዕሚ' ካልእ' መንገዲ' ሒዙ ብኣሉታ ይጉስጉሶም ስለ ዝነበረ 
ኣይተሰማማዕናን። ቅድም'ክብል'ሮሞዳን'መሓመድ'ኑር'ኣብ’ቲ ጉባኤ ናይ ኣደቡሓ ከይመጸ 
እንከሎ፡ ሰክሪታሪያ ናይ ጉባኤ'ተሓርዩ፡'መሪሕነት'ተሓርዪ'ሜዳ'ከይኣተወ'ንደቡብ'የመን'ከይዱ።'
ምስ ሳበ ተሰማሚዖም'ካልእ'መሪሕነት'ከውጽኡ'ሓሳብ'ነይርዎም።'ንሕና'ኣብኡ'ኣብ'ታሕራ'
ዝነበርና እቶም ናብ ወጻኢ ተላኢኾም ዝነብሩ ብጾት'እንታይ'ኣጋጢምዎም ከመይከ ሰጊረሞ'
ጸብጻብ ኣቕሪቦምልና። እቶም ብዑማሮ ዝተመረዙ እዚ ኩሉ ትብልዎ'ዘለኹም’ሲ ኣይንሰማማዓሉን 
ይብሉ እሞ እንታይ ንግበር ሕጂ'ይበሃሎም፡'ገለ'ሰባት'ክቕተሉ'ኣለዎም'ዝብሉ'ነይሮም። ገለ ድማ 
እዚ ጌጋ’ዩ ንቕድሚት ኣብ ውሽጥና ውህደትን ምትእምማንን ዝበና ኣይኮነን ዝብል ሓሳብ 
ኣቕሪቦም። ስለዚ ክሳብ’ቲ ጉባኤ'ወይ'ዝኾነ'ዝኸውን'ኣብ’ዚ ቦታ’ዚ ንሓዞም'ኢልና። ናይ ጸጥታ 
ሓላፊ ስለ ዝነበርኩ ንስኻ ኢኻ ትሕዞም'ኢሎምኒ'ሕራይ'ኢለ፡'ንበዓል'ኣሕመድ'ኣደም'ዑመር፡'
ስዒድ'ሳልሕ፡ ጸዊዐዮም። ነቶም ካድራት ናይ ጸጥታ ዝነበሩ ከኣ በዓል መሓሙድ'ሓሰብ'ሓምድ'
ጂምዕ ዝበሃሉ፡ ከመይ ገይርና ኢና ክንሕዞም'ዝብል'ሕቶ ኣቕሪቦም ኣብ’ቲ ኣኼባ'ሓደ'ሜላ'ድማ'
ፈጥሪና። ንኹላትና ኢድኩም ኣልዕሉ ኢሎም በትሪ ዘለና ብረት ዘለና ሽጉጥ'ዘለና'ከግድፉና፡
ብድሕሪኡ ነቶም ዝተደልዩ ሰባት ኣብ ቁጽጽር ከእትውዎም'ዝብል፡ ከምኡ ድማ ተገይሩ እቶም 
ዝተታሕዙ ድሒሩ'ተረድእዎም'ነይሩ።'በዓል'ኢሳያስ'ኣፈወርቂ'ድማ'ኣይማኸርኩምናን'ኢሎምና።'
ትማሊ ምሸት ሰሚዕኩሞ እንዲኹም ከመይ ከም ዝነበረ ነይርኩም እንዲኹም ኢልናዮም። ብዝኾነ 
ጸኒሖም ኣነ ሓሚመ ንሕክምና ኣብ ዝኸድኩሉ ግዜ ከምኡ’ውን ናይ  ሓደ ደሊጌሽን'መራሒ'
ኮይነ ንወጻኢ ኣብ ዝኸድኩሉ ተፈቲሖም’ዮም።
ካልኣይ ክፋል ይቕጽል