Extracted PDF page text
syriaa.pdf
Machine-extracted derivative; not a transcript or translation. Reading order, spacing and characters have not been editorially verified. PDF page numbers are file positions, not printed page labels. No OCR has been added.
Open unchanged original PDF · Download unchanged PDF
Extraction status: extracted-unverified.
PDF page 1
View this page in original PDF
ቅልዕቲ መልእኽቲ
ናብ ሓው ተስፋይ ተምነዎ
6ይ ክፋል
ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት ከመይ ትቕንዩ። ኣብ
ዝሓለፈ ጽሑፈይ ብዛዕባ ሓው ተስፋይ ተምነዎ ዝተዛረቦን ከም ታሪኽ ዝሓተሞን
ብዘይ ተገብረ ነገር ብዙሓት ጀዋስስ ንኢሳያስ ኣፈወርቅን ንሰለሙን ወልደማርያምን
ክቐትሉ ተላኢኾም ዝመጹ ኔሮም ኢሉ ታሪኽ ብግልባጥ ስለ ዝጸሓፈ ይእርሞ ስለ
ዘለኹ ምናልባት እቲ ጽሑፈይ ኣውራጅዊ መሲሉ ይረኣየኩም ይኸውን ኣነ ግን እታ
ታሪኽ ከምዘላታ እየ ዘቐምጣ ዘለኹ። ሓው ተስፋይ ተምነዎ ሕቡእ ታሪኽ የውጽእ
እንዳበለ ንገበናት ኢሳያስን መሻርኽቱን ዝኾነ ሰለሙን ወልደማርያም መሊሱ
ኣወሽጡ ክቐብሮ ተታሒዙ፡ ዝፈልጥ የለን ማለቱ ዲዩ ኣይዛረቡን እዮም ኢሉ
መልሲ ባዕሉ ይሃብ። ከምቲ ኩሉ ዝሰመዖን ዘንበቦን ሓይሉ ኣብ ምጽላም ደቂ
ኣከለጉዛይ ስለ ዘተኾረ ተጋጊኻ እየ ዝብሎ ዘለኹ’ሞ ክቕጽል። ግን ሓንቲ ኣብ 4ይ
ኽፋል ብጌጋ ስም ጠቒሰ ስለ ዝነበርኩ እቲ ሓው ተስፋይ ተምነዎ ኣብ ሱዳን ቤት
ብልዒ ከፊቱ ከሎ እንዳ ተመላለሰ ዘዕልሎ ዝነበረ ናይ ፈዳይን ሱዳን ሓላፊ መሓሪ
ዑቕባዝጊ ዘይኮነስ ግርማይ መሓሪ ኢልኩም ክትርድእዋ እላቦ።
ብዛዕባ እቲ ኣኼባ 11 ተጋደልቲ ናይ ሰልፊ ናጽነት ዝበልካዮ ኣነ ከይገረመኒ
ኣይተረፈን። መጀመርያ ዝኾነ ተጋዳላይ ናይ ሰልፊ ናጽነት ኢሳያስ ዘይፈልጣ ዝኾነ
ይኹን ዘረባ ወይ ስጉምቲ ኣይወስድን ኣይዛረብን ክትብል ጸኒሕካስ ኣነ’ውን ምሳኻ
ይሰማማዕ እየ። ግን ኩሎም ደቂ ኣከለጉዛይ ስለ ዝነበሩ ንሰለሙን ወልደማርያም
ወገናዊ ኣውራጃዊ ኢሎም ወንጂሎሞ ኢልካ። እምበኣር እቲ ኣኼባ መበገሲ ኔሩዎ፡
ዕላማ ኔርዎ፡ ብሰለስቲኡ ወገን ክበጽሕዎ ዝደልዩ ሾቶ ኔሩ፡ ነዚ ከተብርሆ ኔሩካ።
ንኣብነት እቶም ምሁራት ኣካላት ከምቲ ባዕልኻ ዝገለጽካዮ ሰብ ማለት ተጋዳላይ
ብዘይ ፈጸሞ ብዘይ ወዓሎ ጃሱስ እንዳ ተባህለ ይሕረድን ብዝተፈላለየ ኣገባብ
ይቕተልን ስለ ዝነበረ ሎሚ ንሰለሙን እንተ ኣድሒናዮ ብድሕሪኡ መንገዲ ንጸርግ
ፍሉይ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ከነቕውም ሓጋዚ ክኾነና ካብ ዝብል ሕልና ስለ
ዝነበረ ስው/ ሙሴ ተስፋሚካኤል ካብ ሰራዊት ሓሊፍኩምስ እምበኣር ኣብ
ነንሕድሕድኩም ምትሕርራድ ጀሚርኩም ዝበለ። እምበኣር እቲ ታሪኽ ኩሉ ከም PDF page 2
View this page in original PDF
ዝፈልጦ እዚ እዩ። መጀመርያ ተወልደ ኢዮብን ኣስመሮም ገረዝጊሄርን ስለ ምንታይ
ምስ ሰለሙን ወልደማርያም ናብ ባእሲ በጺሖም ከተብርሆ ኔሩካ። እቲ ባእሲ ኣብ
ጀብሃ ከለዉ እዩ ተጀሚሩ። ተወልደ ኢዮብ ካብ ወጻኢ ወተሃደራዊ ትምህርቲ
ወዲኡ ምስ ተመልሰ ቀጥታ ንሜዳ እዩ ኣትዩ ኩሎም ኣብ ከሰላ ገለ ምስ ቤተሰቦም
ገለ ምስ ኣዕሩኽቶም ከዕርፉ ተሪፎም ገለ ከኣ ስድራና ክንርኢ ኢሎም ንከበሳ
ወጺኦም። ንኣብነት ስዉ/ ኣብርሃ ዓንደብርሃን ሓማሴናይ ስለ ዘበረ ናብ ባሕሪ
ከይዱ ምስ ስድርኡ ነዊሕ ተቐሚጡ ኔሩ፡ ከምኡ ስዉ/ ወልደንኪኤል ሃይለ ከምኡ
ስድርኡ ክርኢ ናብ ዓላ ገጹ ከይዱ። ተወልደ ኢዮብ ግን ቀጥታ ክቃለስ መሪጹ
ሜዳ ምስ ኣተወ ኢሳያስ ሓላፍነት ስለ ዝነበሮ ከም ዝመጽእ ዘሎ ይፈልጥ ኔሩ ስለዚ
ንኣስመሮም ገረዝጊሄር ሊኢኹ ኣብ ሞንጎ ተወልደ ኢዮብን ሰለሙን
ወልደማርያምን ባእሲ ከም ዝፍጠር ጌሩ። ምኽንያቱ ናይ ምፍንጫል ዕላማ ስለ
ዝነበሮ እዞም ክልተ ብኡሳት ሒዙ እንተ ኸይዱ ክቐስን እዩ። ስለዚ ተወልደ ኣብ
ከባቢ ሓጋዝ ምስ በጸሐ ምስ ኣስመሮም ገረዝጊሄርን ሰለሙን ወልደማርያምን
ይራኸብ’ሞ ኩነታት ሜዳ ይሓቶም፡ ኣስመሮም ተቐቢሉ ናይ ስርያ ኣዲስ ብሰንኪ
ሰለሙን ከም ዝተረሸኑ ኩሉ ዘርዚሩ ይሕብሮ ተወልደ ሓሪቑ ንሰለሙን ይሃርሞ፡
ደጋጊሙ ይቕጥቅጦ። በዚ እታ ባእሲ ትጅምር። ብዝኾነ ግን እቶም 11 ገዳይም
ተጋደልቲ ዝበልካዮም ደቂ ኣከለጉዛይ ጥራይ ኣይነበሩን ንኣብነት ኪዳነ ጎቦዝ፡
ጸጋይ ቀሺ፡ መስፍን ሓጎስ፡ ሓደ’ውን ሽሙ ረሲዐዮ እምበር ኔሮም እዮም ካብ
ሓማሴን። እቲ ይኹን እዚ ንሳቶም ዘቕረብዎ ዘረባ ኢሳያስ ዝመዓዶም ወይ ኢሳያስ
ጽሒፉ ዝሃቦም እምበር ካብ ርእሶም ሚሂዞም ዘቕረብዎ ኣይነበረን። ዘረባኻ
ነንሕድሕዱ ይዋቓዕ ኮይኑ። በዚ ኢሳያስ ንዝኾነ ባዕሉ እዩ ዝፍጽሞ ትብል በዚ ደቂ
ፍሉያት ኣውራጃ ውንጂሎሞ ትብል፡ ነዚ ኹሉ ግን ኢሳያስ ዝገብሮ ዝነበረ ደኣ
እምበር ንሱ ዘይደልያን ዘይፈልጣን ክትከውን ከም ዘትኽእል ባዕልኻ’ውን
ተዛሪብካ ኢኻ። እምበኣር እቲ ታሪኽ ኩሉ ክፈልጦ እንሆ ሓንቲ ከየትረፍኩ ክገልጾ
እየ። ብዝያዳ እኳ ኣቦይ ሃብትማርያም ኣብርሃ ከምኡ ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ
ብርሃን ብላታ ኣብቲ መድረኽ ስለ ዝነበሩ እንተ ዘብርህዎ ምጸበቐ። ሰለሙን
ወልደማርያም ናይ ገንዘብ ሓላፊ (ኣሚን ኣል ማልያ) ኮይኑ ኣብ ከበሳ ዝንቀሳቐሰሉ
ዝነበረ ግዜ ገሪንኪኤል ምክትሉ ኪዳነ ጎበዝን በራኺ ንጉሰ (ወዲ ፈንቅልን)
ዓጀብቱ (ጦፍ) ኮይኖም ይንቀሳቐሱ ኔሮም። ከምቲ ልሙድ ናብ ሰውራ ዝስለፉ PDF page 3
View this page in original PDF
ብመንገዲ ኣስመራ ስለ ዝነበረ ኣብቲ ሰዓት እቲ ብቑጽሪ 150 ዝኾኑ ካብ ኣዲስ
ኣበባ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ ሰራሕተኛታትን ክጋደሉ ምስ ወጹ ኢሳያስ ዓቕሉ
ጸቢቡዎ ክንድዚ ዝኣክል ምሁር ወዲ ከበሳ እንተ ተሰሊፉ ቦታ ኣይክረክብን እዩ፡
ስለዚ ነዚኦም ከሕቅቖም መሪጹ። ብኸመይ? ብሽም ደቂ መታሕት ሓሪደሞም
ኢሉ። ስለዚ ሰውራ ማዕቢሉ ኣብዚ ደረጃ ኣብ ዝበጽሓሉ ጸላኢ ብዙሓት ሰለይቲ
እዩ ዝሰድድ እንዳበለ ነቶም ገዳይም ደቂ መታሕት ግን ትምህርቲ ዘይነበሮም
ተዛሪቦም ዘስምዑ ስጉምቲ ክወስዱ ደጋጊሙ ይደፋፍኦም ኔሩ። ከም ዝፍለጥ ስዉ/
ስዒድ ሳልሕን ስዉ/ ዓብደልቃድር ሮሞዳንን ካልኦትን ኣጥቢቖም ይቃወምዎ
ኔሮም። እዚ ሰብዚ ምስ ኣሕዋትና ደቂ ከበሳ ከባእሰና እዩ፡ ጃሱስ እዩ ይብሉ ኔሮም
ግን ተሰማዕነት ኣይረኸቡን። ኢሳያስ ቀንዲ ተሰማዕነት ክረክብ ዝገበሮ እግሩ ሜዳ
ምስ ረገጸ ካብዚ ኹሉ ወዲ ከበሳ ተቐዳዲሙ ትግረን ዓረብን እዩ ተማሂሩ። ማዕረ
ዚያዳ ተሰማዕነት ክረክብ ክዳውንቲ እቶም ሓለፍቲ ይሓጽብ ኔሩ። እዚ ንባዕሉ
ሓለፋታት እዩ ኔሩ፡ ሓደ መዓልቲ ግን ስዉ/ ስዒድ ሳልሕ ደቂ መታሕት ክዳኖም
የሕጽቡኒ ኔሮም ኢልካ ደሓር ከይትኸሰና ኢሉ ከም ዝሃረሞ ይዝንቶ። ስለዚ በቶም
መራሕቲ ተሰማዕነት ረኺቡ። በዚ ከኣ ደብዳበ ሰዲዱ ማዕረ ኣብ ሓይልታት
ተሓዊሶም ዝነበሩ ብወገን ባርካን ጋሽን ፖለቲካውን ወተሃደራውን ስልጠና ክወስዱ
ብዝብል ሰራም ምስጢር ናብ ኣዶብሓ ከም ዝሰሓቡ ይገብር። ገዲም ተጋዳላይ
ስዉ/ ዓፋ ኣሕመድ (ኩናማ) ከም ዝሓበረኒ ኢሳያስ ነቶም ደብዳቤ ሒዞም ዝኸዱ
ተጋደልቲ ደቂ መታሕት ኣብ ሓደ ጽላል ንበይኖም ንነዊሕ ከዛርቦም ከሎ ኣማዕድየ
ይርእዮ ኔረ፡ ብዛዕባ እንታይ ይዛረቦም ኔሩ ግን ኣይፈለጥኩን ይብለኒ። ታሪኽ
ሰለሙን ወልደማርያም እምበኣር ካብዚ እያ ትጅምር። ስርያ ኣዲስ ኩሎም 186
ተጋደልቲ እዮም ኔሮ እምበኣር እቶም 36 ተጋደልቲ ብወገን ጋሽ ባርካ ኣብ
ሓይልታት እንዳ ተዓለሙ ዝተመደቡ እዮም ኔሮም። ካብ ሓይልታቶም ተሳሒቦ
ናብ ኣዶብሓ እንዳ መጹ እቲ ዝነበረ ሃዋሁ ደስ ስለ ዘይብሎም ኣብ ከቢድ ጥርጣረ
ተሸሚሞም ሓደ ስጉምቲ ክወስዱ ዝተገደዱ እዮም ኣብዚ’ውን ኢሳያስ ዓቢ ኢድ
ከይነበሮ ኣይተርፍን ዝብል ጥርጣረ ኣለኒ። ምኽንያቱ ኣብቲ ሓይልታት ከለዉ ከም
ተጋዳላይ ነጻ ኮይኖ ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም ንታዕሊም ምስ ተባህሉ ግን ከም ጀዋስስ
ብሓለዋ ክኹኾቡ ጀሚሮም በዚ ዝመጸ ጥርጠራ ምስቶም ሓለውቶም ብለይቲ
ብደናጉላ ገጢሞም 11 ጥራይ ናብ ጸላኢ ኢዶም ሂቦም። ካልእ ኩሎም ኣብቲ PDF page 4
View this page in original PDF
ዝተፈጥረ ዕግርግር ተረሺኖም። ገለ ካብቶም ናብ ጸላኢ ኢዶ ዝሃቡ’ውን
ብ1975ዓም ናብ ጀብሃ ክሲ ኣለና ኢሎም ነቲ ዝረኸቦም ጸገም ክሕብሩ መጺኦም
ሓደ ካብኦም ብርሃነ ይበሃል ምሳይ ዝጋደል ዝነበረ ግን ብድፍኑ ሽለል ተባሂሉ
ምሳና ይቃለሱ ኔሮም። ይቕጽል…..
ካብ መኮነን ዓንደሚካኤል
ቶሮንቶ ካናዳ