Extracted PDF page text

ሽርበት ተጋዳሊት መርያም ሓጎስ፡ በቲ ቅቡል “ኤርትራዊ ልምዲ”

Machine-extracted derivative; not a transcript or translation. Reading order, spacing and characters have not been editorially verified. PDF page numbers are file positions, not printed page labels. No OCR has been added.

Open unchanged original PDF · Download unchanged PDF

Extraction status: extracted-unverified.

PDF page 1

View this page in original PDF

•••• ••••• •••• •••• •• ••• “••••• •••”
ድኽነትሲ ይብዳህ እዩ፡ ኣተሓሳስባ እዩ እቲ ፈልሲ፡
ፊቅሪ እንድዩ ሕመረቱ፡ መሪር ናይ ምንባር ቃልሲ፡
ኣየወ ነዚ ጽባሕ ሓመድ ዝበልዖ ነብሲ…… 
 
ኣተሓሳስባና እንተሃብቲሙ፡ ዎዮ ድኽነትና ሽዑ እዩ ኣኽቲሙ!!!!
 
ኣብራሃም ኣፈወርቂ
 
Home About Meseley •• Articles ••• •••• ••• Multimedia Downloads Cartoons
•••• ••••• •••• •••• •• ••• 
“••••• •••” 
 
  
  
Written by ••• •••• •••    
Saturday, 14 February 2009 17:34 
ማሓዛይ መርያም ሓጎስ፡ ኣብ “ቤት ማሕቡስ” ኣላ ኢለ ንኽኣምን 
ዛጊት ኣይከኣልኩን። ኣንስ ኣብ “ቤት ማሕቡስ” ኣላ ይብል፥ 
ግና’ኸ፡ እቲ ዓቢ ግድልሲ፡ ብርግጽ ኣበይ ከምዘላ ‘ኸ ይፈልጥ 
ድየ፧ ኣይፋለይን፡ ብሓቂ ኣብይ ከምዘላ ዝፈልጦ ነገር የብለይን። 
እቲ ኣነ ዝፈልጥጦስ፡ እታ ሰሓቂት፣ ተዋዛይትን ምጭውትን 
ማሓዛይ፡ ኣብ ክበጽሓ፣ ክዛረባን ክርእያን ዘይክእለሉ ቦታ ምህላዋ 
ጥርይ እዩ። ኣብ ቤት ማሕቡስ ‘ዶ ትሁሉስ፡ ዋላስ ካብዛ ዓለም 
ብሞት ተፈልያ፧ እንዲዒ፡ ብዛዕባ ‘ዚ ‘ውን ዝፈልጦ ነገር 
የብለይን። 
እቲ ዘሕዝን፡ ኣነ ዘይምፍላጠይ ጥራይ ኣይኮነን። እታ እንኮ 
ውላዳ ‘ውን እትፈልጦ ነገር የብላን። ኣዲኣ ወላዲታ ‘ውን 
እንተኾና፡ ሃለዋት ጓለን ከይፈለጣ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየን። 
ሓደ’ኳ ካብ መሓዙታ፡ ከምኡ እውን ቤተሰባ፡ ብዛዕባ ሃለዋታ 
ዝፈልጥ ሰብ የለን። እታ ምጭውቲ ማሓዛይ፡ በቃ! ኣብዚ ኣትያ 
ከይተባህለት ተሰዊራ ተሪፋ። ኣብ ቤት ማሕቡስ ዘላ እንተኾይና፡ 
ንምንታይ ዝኾነ ሰብ ክርእያ ዘይክእል፧ ንምንታይ ግን እታ 
••••• •••••
 
ነፍስ-ወከፍ ጸጋ ከይትባኽን
ዘዝበርሀት ሽምዓ ከትቕህም
ዘዝቦቖለት ተኽሊ ከትኹምርር
ዘዝነቀለት ክንትቲት ከይትዳኸም
file:///D|/ResoumDocs/Documents/meriam.htm (1 of 5) [12/04/2009 18:25:55]

PDF page 2

View this page in original PDF

•••• ••••• •••• •••• •• ••• “••••• •••”
ሓንቲ ጓላ ነዛ ዓይና ክትርያ ዘይከኣለት? ካብ 2001 ኣትሒዙ፡ ንሸሞንተ ዓመት መመላእታ፡ ሓደ እኳ ዝርኣያ 
የለን። “ንሳቶም” እንተኾነ፡ ኣላ ይብሉና።
እታ እንኮ ጓላ፡ ንመርየም ክትርእያ፣ ደብዳቤ ክትጽሕፈላ፣ ከተዛርባ ዋላ’ውን ብስልኪ ክትረኽባ፡ ሓንሳብ ድዩስ 
ክልተሳብ ዋላስ ልዕሊ ሰለስተ ግዜ ሓቲታ ከምዝነበረት ሰሚዔ። እቲ ብተደጋጋሚ ዝተዋህባ መልሲ፡ ኣዲኣ 
ብሂወት ከምዘላን፡ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኸኣ ጽቡቕ ክንክን ይግበረላ ከምዘሎን እዩ። ብኣካል ንኽትርእያ፣ ደብዳቤ 
ክትጽሕፈላ ይኹን ቴሌፎን ክትድውል ግን፡ ከምዘይፍቀድ ተነጊርዋ። ነዊሕን ቃንዛ ዝመልኦን ሾመንተ ዓመት፡ 
በቃ! ከምዛ ዋዛ ሽርብ ኢሉ። 
ሓደ ረፍዲ እዩ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ክልተ ተራ ዝመስሉ ሰባት፡ ዝኾነ ዓይነት ዩኒፎርም ዘይተኸድኑ፡ ናብ 
ቤት ጽሕፈት መርያም ብርግኣት ብምእታው፡ ሒዞም ወሲዶማ።
መን ‘ዮም ኔሮም እቶም ሰባት፧ ዋላ ሓደ ዝፈልጥ የለን! ናበይ ወሲዶማ፧ ሕጂ ‘ውን ዋላ ሓደ ዝፈልጥ የለን! 
ንምንታይ ወሲዶማ፧ ዋላ ሓደ ‘ኳ ዝፈልጥ የለን። ልክዕ እዩ፡ ሰባት ነናቶም ግምታት ክህልዎም ይክእል እዩ። 
ግና’ኸ፡ ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣስ፡ መንነት ናይቶም ንመርያም ዝወሰዱ ሰባት፡ ናበይን ንምንታይን 
ከምዝወሰድዋ፡ ብጭቡጥ ዝፈልጥ ዋላ ሓደ እኳ ካብ መቕርባ፣ ቤተሰባ፣ መሓዙታ ከምኡ እውን መሳርሕታ 
የለን። 
ንመርያም ካብ ቤት-ጽሕፈታ ክወስድዋ ከለው፡ ክልተ ካብ መሳርሕታ ኣብኡ ነበሩ። ጸኒሖም ንሳቶም፡ ክልተ 
መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ናብ ቤት ጽሕፈት መጺኦም ሒዞም ከምዝወሰድዋን፡ መርያም ምስኦም 
እንዳኸደት ከላ ኸኣ፡ ንክልቲኦም ዓይኒ ዓይኖም እንዳጠመተት፡ “በቃ! መጺኦም ከምዝወሰዱኒ ንገሩለይ” 
ኢላቶም ከምዝኸደት ሓቢሮም። እታ ተፈታዊት ማሓዛይ መርያም፡ ብድሕር ‘ዚ፡ ንኻልኣይ ግዜ ከይተራእየት 
ተሸሪባ።
ሾመንተ ዓመት ኮይኑ! እቶም ክልተ ሰባት መን’ዮም፡ ንመርየም ‘ከ ንምንታይ ይወስድዋ ኣለዉ ኢሉ ዝሓተተ 
ዋላ ሓደ እኳ የለን። ንሳቶም ንባዕሎም ‘ውን መን ምዃኖምን፡ ንመርያም ከኣ ናበይ ይወስድዋ ከምዝነብሩን 
ኣይገለጹን። መብርሂ የለ፡ ይቅረታ ምሕታት የለ፡ ካልእ ማልእ የለ። በቃ ከምዛ ዋዛ ወሲዶማ። ሾመንተ ዓመት 
ኮይኑ! ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ኸኣ፡ ነታ ተፈታዊት መርያም ማሓዛይ ዋላ ሓደ ኳ ዝርኣያ የለን። 
ሰባት ንኸምዚ ዓይነት ዛንታ፡ መጽሓፍ እዮም ዝጽሕፍሉ። እወ፡ ይጽሕፍሉ። እሞኑኒ፡ ናይ መርያምን ናይ 
ካልኦት ተመሳሳሊ ተረኽቦ ዘጋጦሞም ሰባትን ዛንታ፡ ናይ ብሓቂ መሳጢን መስደመምን ጽሑፍ መውጽአ ኔሩ። 
ጸሓፍቲ ኸኣ፡  “ሽርበት ወይዘሪት እከለ ወይ ኣቶ እከለ” ወይ ድማ “ናይ መወዳእታ ምስጢራዊት መዓልቲ 
ወይዘሪት እከለ…” ዝብሉ ኣዝዮም መሰጥቲ ኣርእስቲ ምሃብዎ ኔሮም። ኣነ ድማ ከም ሚስጢራዊ ትሕዝቶ 
ዘለዎ፡ ናይ ኣጋታ ክሪስት መጻሕቲ ምንባብ ዝፈቱ መጠን፡ ናይ ካልእ ሰብ ዛንታ ኮይኑ እንተዝረኽቦ 
ብተመስጦ መንበብክዎ።
እዚ ግን፡ ኣይኾነን ከንብቦስ፡ ብዛዕብኡ ‘ውን ክዛረብ ኣይደልን እየ፥ ከመይ መሪር ቃንዛን ስቃይን 
ስለዝፈጥረለይ። እወ! መወዳድርቲ ዘይርከቦ ኣዝዩ ዘሳቒ ጉዳይ ስለዝኾነ። ምስ ግዜ ኩሉ ስቓይ ተረሳዓይ ‘ዩ 
ዝብል ብሂል ኣሎ። እወ፡ ቅኑዕ እዩ። ሓዘን ሞት እተፍቅሮ ሰብ ’ውን ምስ ግዜ ይርሳዕ እዩ። እዚ ኩነታት 
መርያም ዘስዓቦ ቃንዛ ግን፡ ብቐሊሉ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ክርሳዕ ዘይክኣል ጥራይ ‘ውን ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ 
እቲ ቃንዛ ምስ ግዜ እንዳገደደን እንዳባኣሰን እዩ ዝኸይድ።
እዚ ኾይኑ ግን፡ ቃንዛ ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘየገድስ፡ ኣብ ኣሜሪካ ወይ ኣብ ካልኦት ኣማኢት ሃገራት ዓለም 
እንተዘጋጥም፡ ሰባት ምጻሓፍሉ ካልኦት ከኣ መንበብዎ ኔሮም። ብፍላይ ከኣ፡ ከምዚ ናይ መርያም ዘይፍትሓዊ 
ኩነታት እንተዘጋጥም፡ ህዝቢ ቁጥዐኡ ንምግላጽ ናዕብታት መካየደ፡ ፍትሒ ንክረጋገጽ ከኣ ብዓውታ ምጸውዐ። 
ንላዘብ ዶ ኣሎና ንመኻኸር
ንሰምር ዶ ኣሎና ንተሓናገር
ኣተሓሳስባና እንተሃብቲሙ
ወዮ ድኽነትና ሽዑ እዩ ኣኽቲሙ!!!!
file:///D|/ResoumDocs/Documents/meriam.htm (2 of 5) [12/04/2009 18:25:55]

PDF page 3

View this page in original PDF

•••• ••••• •••• •••• •• ••• “••••• •••”
ኣብቲ ፍትሒ ዝተጓዕጸጸሉ፡ ኣብ ኤርትራ ግን፡ ከምዚ ኣይተገብረን። 
እወ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ማሓዛይ መርያም ሓጎስ ብዘይ ገለ ኣሰር ተሸሪባ። እወ፡ ኣብ ኤርትራ- ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ 
ደቃቕ ሃገር ዳርጋ ዋላ ሓደ ዘይፈልጣ፡ እንትርፎ ንኢትዮጵያ ጠቂስካ እሞ ኸኣ ጎረቤታ ሙዃና ሓቢርካ፡ 
ምናልባት ከኣ ኣብ ሓደ እዋን ኣካል ኢትየጵያ ዝነበረት ኣብ 1991 ናጻ ዝኾነት ሃገር ዝብል ወሲኽካ፡ ካብ 
ኣሽሓት ሰባት ሓደ፡ “ኣሃ ኤርትራ” ዝብላ።
እወ! ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ - ኣብታ ንእሽቶ ሃገር፡ ህዝባ ኣብ ሓደ እዋን፡ (ነዊሕ ከማን ኣይገበረን) ኢትዮጵያ 
ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ስለ ዘየኽበረትሉ፡ ንሰብኣዊ ሓርነቱን ንናጽነት ካብ ኢትዮጵያን ዝተቓለሰ። 
እወ፡ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ - ግና’ኸ ንምንታይ ዘይተገረምኩ፧ ልክዕ እዩ፡ ሓሪቐ፣ ተጎዲኤ፣ ሓዚነ፣ ተቖጢዐን 
ተበሳጭየን፡ ግና’ኸ ብዙሕ ኣይገረመንን። ግን ንምንታይ ዘይተገረምኩ፧ ምኽንያቱ፡ በቲ ቅቡል “ኤርትራዊ 
ልምዲ” ስለዝተፈጸመ። ዝኾነ ሰብ “አረ ስለ እዝግሄር ኤርትራዊ ልምዲ ‘ኸ እንታይ ማለት እዩ፧” ዝብል ሕቶ 
ከልዕል ይኽእል ይኸውን። ኤርትራዊ ልምዲ ማለት ዶ፧ እወ፡ ንሱ ከምቲ በቲ ቅቡል ኤርትራዊ ልምዲ 
ንማሓዛይ መርያምን ካልኦትን ዘጋጠሞም ማለት እዩ። ንሱ ኸኣ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ልምዲ ማለት እዩ - 
ንሱ ኸኣ ናይ “ተጋደልቲ” ልምዲ ማለት እዩ። 
እወ፡ ናይ ተጋደልቲ ልምዲ! ናይ ተጋደልቲ - ናይቶም ንናጽነት ካብ ኢትዮጵያ ዝተቓለሱ፣ ናይቶም ንፍትሒ፣ 
ንሓርነት፣ ንሰብኣዊ መሰላትን ንሰብኣዊ ኽብርን ዝተቃለሱ እሞ፡ ጸኒሖም ግን መንግስቲ ኤርትራ ዝኾኑ። 
እወ፡ ኣይገረመንን፥ እቲ ምንታይ ‘ሲ ኩሉ ነገር፡ ብመሰረት ናይ ተጋደልቲ ልምዲ ክፍጸም ስለዝጸንሐ። እወ፡ 
ኩሉ ነገር ከምኡ ኢሉ ‘ዩ ክኸይድ ጸኒሑ። ሕግን ስርዓትን እንታይ ይጠልቡ ብዘየገድስ፡ ደስ ዝብለካ ኣብ ደስ 
ዝበለካ ግዜ ምፍጻም። ንዓይ ግን ብዙሕ ኣይዓጀበንን፥ ምኽንያቱ ሕግን መምርሕን ረጊጽካ ዝግበሩ ስረሓት 
ኩሉ ግዜ ስለዝርእዮምሲ፡ ለሚደዮም እየ። 
እቲ ዝባኣሰ ዝገብሮ፡ ምስ ግዜ ምንዋሕ፡ እዚ ናይ ተጋደልቲ ልምዲ፡ ኣበር ከምዘይብሉ ኮይኑ ክርአ ምጅማሩ 
እዩ። ንጉዳያት ብናይ ተጋደልቲ ልምዲ ምሓዞም ከም ቅኑዕ ኣገባብ ክውሰድ ጀሚሩ። ኣነ ጥራይ ግን 
ኣይኮንኩን። ዳርጋ ዅሉ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰብ፡ እዚ ብተጋደልቲ ዝቘመ መንግስቲ ዝወሰዶ ዝኾነ ስጉምቲ፡ 
ዓይነቱ ብዘየገድስ፡ ቅቡልን ቅኑዕን እዩ። ዋላ ‘ኳ ጌጋ ኾይኑ እንተተሰማዓካ፡ ቅኑዕ እዩ። ከምኡ እዩ ኔሩ ዅሉ 
ግዜ።
ብዙሓት ነገራት ኣሉታዊ ስምዒት ይፈጥሩ ኔሮም፡ ግን ቁኑዓት እዩም። ንሓደ ሰብ ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ 
ትእዛዝ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ጌጋ ምዃኑ ትርዳእ፡ ኣሉታዊ ስምዒት ከኣ ይፈጥር። መንግስቲ 
ንመርያምን ካልኦትን ንሓንቲ ማዓልቲ ‘ውን ትኹን ኣብ ቤት ፍርዲ ከየቅረበ ኣብ ቤት ማሕቡስ ምስዝዳጉኖም 
ግን፡ ቅቡልን ቁኑዕን ይኸውን። 
መንግስቲ ሃለዋቶም ንምንጋር ፍቓደኛ ካብ ምዃን ይሕንግድ ይኸውን። ጌጋ ምዃኑ ትርዳእ ኢኻ፡ ግን’ከ ቁኑዕ 
እዩ። መንግስቲ ንእሱራት ቤተሰቦም ንኸይርእይዎም ይኽልክል፡ ጌጋ ኾይኑ ከአ ይሰማዓካ፡ የሕዝነካ ‘ውን፡ ግን 
ቅቡልን ቅኑዑን እዩ። ከመይ፡ እዚ እቲ ቅቡል ኤርትራዊ ልምዲ ስለዝኾነ። ደጊመ እንተሓሲበሉ፡ ምናልባት 
ናይ “ኤርትራ ልምዲ” ገዲፈ ናይ “ተጋደልቲ ልምዲ” ክብሎ ይመርጽ ይኸውን። 
እዚ ግን ኣብ ኤርትራ ጥራይ እምበር፡ ኣብ ካልእ ቦታ ከጋጥም ኣይክእልን እዩ። እቲ ፋሽሽታዊ ኢልና 
ንኹንኖ ዝነበርና ስርዓት ደርግ ከማን፡ ንእሱራት ቤተሰቦም ንኽበጽሕዎም የፍቅድ ኔሩ። ኣብ ኤርትራ ግን፡ 
ንሓደ ሰብ ወሲድካ ን48 ሰዓታት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንመዓልታት፣ ሰሙናት፣ ኣዋርሕን ዓመታትን እንተዳጎንካዮ 
ሽግር የብሉን።  
file:///D|/ResoumDocs/Documents/meriam.htm (3 of 5) [12/04/2009 18:25:55]

PDF page 4

View this page in original PDF

•••• ••••• •••• •••• •• ••• “••••• •••”
ንቤተሰቦም፣ መቕርቦም፣ ደቖም፣ ብዓል-ቤት፣ ብዓልቲ-ቤት፡ ከምኡ እውን ንመሓዙት፡ ነቶም ዘፍቅርዎም ሰቦም 
ኣበይ ከም ዝኣሰርካዮም ዘይምንጋር ‘ውን ጸገም ዘለዎ ነገር ኣይኮነን። ከምኡ እውን፡ ኣበይን ንምንታይ 
ምኽንያትን ከም ዝኣሰርካዮም ዘይምንጋር ቅኑዕን ቅቡል እዩ። ልክዕ ከም ናይ “ሽሑረኛ ዘንጊ” ማለት እዩ፡ ነቲ 
ዘንጊ ተርገብገቦ እሞ፡ ንኸም በዓል መርያም ማሓዛይ ዝኣመሰሉ ሰባት ከኣ ኣብ ኣየር ከምዝስወሩ ትገብሮም፡ 
ድሕሪኡ ዋላ ሓደ ዝሓተካ የለን፡ ንስኻ ‘ውን መብርሂ ንክትህብ ዘድልየካ ኣይኮነን። ከመይ፡ ሹሑራዊ ስርሓት 
ስለዝኾነ።
እዚ እዩ ኸኣ እቲ ኣዝዩ ዘሻቕልን ዘርዕድን ነገር። ብጩቕ ዝብል የለ፥ ገለ ነገር ዝገብር የለ። ኵሉ ይቕበሎ፡ 
ህይወት ከኣ ከም ቀደማ ትቕጽል። እዚስ ዘደንጹ ‘ዶ ኣይኮነን፧ ብጩቕ ዝብል የለ፥ ዝጽሕፍ የለ፥ ብሕት ኢሉ 
ኸማን ዝመያየጥ የለን። 
እዚስ ኣየርዕድን ‘ዶ፧ ከምቲ ብዛዕባ ዘይተወልደ ሰብ ዘይሕተት፡ በቃ! እሱራት ድማ ከም ዘይነበሩ፡ ከም 
ዘይህልዋት፡ ከም ዘይተፈጥሩ ይሃጥሙ። እታ ምጭውቲ ማሓዛይ መርያም ብቀሊሉ ብምሽራባ፡ እሞ ኸኣ እቲ 
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስቕታ ኣዝዩ ስለዝበዝሐስ፡ ንመርያም ብሕልመይ ዝፈጠርክዋ ደኣ እምበር፡ ብሓቂ ኣብዛ 
ዓለም ዘይተፈጥረት ኮይኑ ክስመዓኒ ጀሚሩ። እዚ ኸኣ ኣዝዩ የስቖርቁረንን የሕዝነንን። 
ግን ከመይ ጌሮም እዮም ከምኡ ዝገብሩ፧ አረ ኸመይ ጌሮም እዮም ከምኡ ከም ዝስምዓና ዝገብሩ፧ ንእነፍቅሮም 
ሰባት ንኽንርስዖም፡ ከምኡ እውን ቅኑዕን ጌጋን ክንፈላሊ ኣብ ዘይንኽለሉ ደረጃ ንኽንበጽሕ። ኣብ ልዕሌና 
በደል ስለዝተፈጸመ ‘ዶ ኣይኮነን ንዓመታት ዝተቃለስና፧ ኣበይ ደኣ ኣበለ ሕጂ እቲ ብሉጽ ናይ ምቅላስ 
መንፈስ፧ 
እዝንኹም ጡጥ ወቲፍኩም ዓይንኹም ድማ ዓሚትኩም፡ ንመሰል እዞም ግዳያት፡ ከምኡ እውን ከም ህዝቢ 
ንገዛእ መሰልኩም ምቅላስ ኣቢኹም እዮም ዝብሉና ዘለው። ሾመንተ ዓመት ኮይኑ፡ ብርግጽ ትም መሪጽና። 
እዚ ህልም ዝበለ ስቕታ ኸኣ፡ ከም ጸማማት ንኽንውሰድ ኣኽኢሉና። 
ኣነ ከም ሓንቲ ውልቀ ሰብ፡ ነታ ክብርትን ዘፍቅራን ማሓዛይ መርያም እንታይ ክገብረላ ከምዝኽእል ካብ 
ምሕሳብ ኣየቋረጽኩን። መርያም ማሓዛይ…እንታይ ክገብረልኪ፧ ኩል ግዜ ‘ዶ ክዝክረኪ፡ ፈጺመ ኸኣ 
ከይርስዓኪ፧ እዚ እሞ፡ ንዝሓለፉ ሾመንተ ዓመታት፡ መዓልታዊ ዝፍጽሞ ነገር እንድዩ። ከመይ ጌረ ክርስዓኪ 
መርያም ማሓዛይ፧ 
ግና’ኸ፡ እዚ ‘ውን ዋላ ሓንቲ ኣይፈየደን። እሞ መርያም፡ ኣብ ልዕሌኺ ዝፍጽምዎ ዘለው ነገር፡ ዘይቅኑዕን 
ዘይፍትሓዊን ምዃኑ ምእንቲ ክርድኦምሲ፡ ብዛዕባኺ ‘ዶ ክጽሕፍ፧ ምጽሓፍ ሓጋዚ እንተኾይኑስ፡ ማዓልታዊ 
ክሕንጥጥ እየ።
ግና’ኸ፡ ምጽሓፍ ‘ውን ሓጋዚ ከምዘይኮነ ይፈልጥ እየ። ቅድመይ ብዙሓት ወጻኢ ካብ ኤርትራ ዝነብሩ ሰባት 
ብዛዕባኺ ከምኡ ‘ውን ብዛዕባ ካልኦት ጽሒፎም እዮም። እዚ ግና ዋላ ኣይሓገዘን። እወ፡ ክሕግዝ ‘ውን 
ኣይክእልን እዩ፥ እቲ ምንታይ ‘ሲ፡ ብዘይሕከት “ናይ ትማሊ ብጾትና ስለዝኾኑ፡ ምእሳሮም ልዕሊ ዝኾነ ሰብ 
ዝሓዝን ንሓና ኢና” ምስ ዝብሉ ሰባት ንዛረብ ስለዘሎና።  
ኣብ ልዕሌና በደል ስለዝወረደ ‘ዶ ኣይኮነን ንዓመታት ዝተቃለስና፧ እቲ ናይ ምቅላስ መንፈስ ደኣ ሕጂ ናበይ 
ኣበለ፧
ትስእልዎ ‘ዶ ኣለኹም! በቃ ከምኡ ዓይነት ሰባት እኮ እዮም። ከምኡ ምዃኖም ግን ብዙሕ ከገርመኒ የብሉን። 
ምኽንያቱ፡ ኣነን ንዓይ ዝመስሉ ኣሽሓትን ኢና ተሓጋጊዝና ከሙኡ ንክኾኑ ጌርናዮም። 
file:///D|/ResoumDocs/Documents/meriam.htm (4 of 5) [12/04/2009 18:25:55]

PDF page 5

View this page in original PDF

•••• ••••• •••• •••• •• ••• “••••• •••”
እቲ ዘሕዝን፡ ንሕና ‘ውን እቲ ሕጂ ለቢስናዮ ዘሎና ባህሪ ብገዛእ-ፍቃድና ምዃኑ እዩ። ሓደ ነገር ክግበር 
ዝግብኦ እዋን፡ እቲ ጌጋ ክስምዓና ኸሎ “ዋላዃ ጌጋ ሙዃኑ እንዳፈለጥና፡ ቅቡል እዩ” እንበለሉ ዝነበርና ግዜ 
እዩ። እወ፡ ሽዑ እዩ ኔሩ እቲ ግዜ። እሰከ ገለ ዶ ከበሉኒ በጃኹም!
ማሓዛ ሚርያም ሓጎስ 
 
Last Updated on Saturday, 14 February 2009 17:48 
  
Add your comment
Your name: 
Subject: 
Comment: 
Post Preview 
 
file:///D|/ResoumDocs/Documents/meriam.htm (5 of 5) [12/04/2009 18:25:55]