Extracted PDF page text

Dihnet.pdf

Machine-extracted derivative; not a transcript or translation. Reading order, spacing and characters have not been editorially verified. PDF page numbers are file positions, not printed page labels. No OCR has been added.

Open unchanged original PDF · Download unchanged PDF

Extraction status: extracted-unverified.

PDF page 1

View this page in original PDF

          ድሕነት ድሕነት ጨንያ መሬት 
                                      መበል 18 ክፋል 
                                           ብገዛኢ ኪዳነ 
ሰላም ከመይ ቀኒኹም ተከታተልቲ መርበብ ኢንተርነት፡ ኣብ ዝሓለፈ መበል 17 ክፋል ጽሑፈይ ብዛዕባ ኣበዓዕላ ቅዱስ 
ዮውሃንስን መስቀልን ዝምልከት ኣብ ባህላውን፡ መንፈሳውን እምነትን ልምድን ናይ’ቲ ህዝቢ ክሳብ ክንደይ ጥቡቕ 
ዝምድና ከም ዘልዎ ብስእሊ ዝተሰነየ መግለጺ ናይ’ቲ በዓል ኣቕሪበ ከም ዝነበርኩ ይዝከር።  
ድሕሪ በዓላት ቅዱስ ዮውሃንስን መቀልን ምሕላፉ ግን፡ እቲ ዝያዳ ዓብሊሉ ዝነበረ ዛዕባ፡ ጉዳይ 2ይን ሓድነታውን 
ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኢዩ ዝነበረ። ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሕዳር 4ይ ስሩዕ ኣኸባ ባይቶ ግንባር 
ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ክጅመር ስለ ዝነበሮ፡ ኣባላት መሪሕነት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብ ርሑቕን ቀረባ 
ክተኣኻኸቡ ጀመሩ። 
መርሕነት ኪእከበሉ ዘሎዎ መዓልቲ ኣትዩ 4ይ ስሩዕ ኣኸባኡ ጀመረ። ኣኸባ ናይ ሰለስተ ዓመት ናይ ስራሕ ጸብጻባት 
ፈጸምቲ ቤት ጽሕፈታት ባይቶ ክሰምዕ ድሕሪ ምቕናይ፡ ነቲ ዝቐረበ ናይ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈታት ጸብጻባት ባይቶ 
ንዘይበርሀ ብሕቶን መልስን እናበርሀን፡ እናተዓጋገበን ከደ። ኣብ ርእሲ እዚ ብዛዕባ ክተኣታተዉ ዘሎዎም ሓደስቲ ናይ 
ስራሕ መደባትን፡ ውድብና ህዝብን ሃገርን ንምድሓን መሪሕ ግደኡ ከትሕዝዎ ዝኽእሉ ዓበይቲ ውሳኔታትን ኣብ ምውሳን 
ኣብ ብርቱዕ ናይ ሓሳብ ምቕብባልን ምምኽኻርን ኣተወ። ኣብ መጨረሻ ድሕሪ 10 መዓልታት ባይቶ ኣብ ናይ ሓብር 
ዕግበት በጺሑ ኣኸባ መሪሕነት ተደምዲሙ  ጉባኤ ኣብ መዓልቱን ሰዓቱ ንምክያድ ኣብ ስራሓት ጉባኤ ተኣትወ። 
ኣደራሽ ናይ ጉባኤ በቶም ንጡፋት መሰረታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ተሰላሊሙ መናብር ተዘርጊሑ ኢዩ።’’ 
ድሕነት ህዝብን ሃገር ልዕሊ ኩሉ’’ ዝብል ማከላይ ጭርሖ ውድብ ብትግርኛን ዓረብ ተጻሒፉ ኣብቲ መንድቕ ናይ’ቲ 
ኣዳራሽ ተሰቒሉ ኢዩ። እታ ብየምንን ጸጋምን ብኣውሊዕ ተኸቢባ ኣብ ማእከላ ሃልሃልታ ሽግ ዘሎዋ ኣርማ ናይ ውድብና 
ኣብ ልዕሊ እቲ መድረኽ ተሰቒላ ነቲ ኣዳራሽ ፍሉይ ድምቀት ሂባቶ ኢያ።ምሳኡ ድማ 2ይን ሓድነታውን ጉባኤ ግንባር 
ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን፡ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስን ዝብል ብዓበይቲ ፊደላት ተጻሒፉ ብዓጀባ ኣብቲ ልዕሊ 
መድረኽ ይረአ።  
2ይን ሓድነታውን ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዕለት 12 ሕዳር 2012 ኢዩ ጀመሩ። ኣብ ፈለማ መዓልቲ 
መኽፈቲ ጉባኤ ካብ ዝተፈላለየ መዓዝናት ዓለም ዝመጹ ብጾት ኣባላት ጉባኤን፡ ዕዱማት ኣጋይሽን፡ ኣባላት ኤርትራዊ 
ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢን፡ ኣባላት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን መሪሕነታትን ካድራትን ውድባት ዝተረኸብሉ፡ 
ዉዕዉዕ ጅምር ናይ ጉባኤና ኢዩ ነይሩ። 
ነቲ መኽፈቲ ጉባኤና በታ ታሪኻዊት መዝሙር ‘’ኤርትራ ናይ ጽባሕ’’ ጀሚሮም ዝያዳ ድምቀት ዝሃቡዎ ድማ እቶም 
ወናማት ስነ ጥበባውያን ኣባላት ጉጅለ ባህሊ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኢዮም። ድሕሩ ድማ ኣባል ግንባር ሃገራዊ 
ድሕነት ኤርትራ ዝኾነ ወናም ኤርትራዊ ኣርቲስት ብጻይ ብርሃነ ተኹሉ በቲ ልቢ ሰብ ዝመስጥ ድምጹን ክራሩን ገይሩ 
ነቲ በሪሁ ዝነበረ ድምቀት ናይ’ቲ ጉባኤ መሊሱ ወለዖ። ጉባኤ ድማ በዚ ፈንጠዝያ እዚ ሓሊፉ ኣጋይሹ ኣፋንዩ ኣብ ስሩዕ 
መደባት ናይቲ ጉባኤ ኣተወ። ኣባላት ጉባኤ ካብ ሱዳን፡ ካብ ኢውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ካብ ማእከላይ ምስራቕ፡ ካብ እስራኤል 
ካብ ካናዳን ካብ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ መደበር ስደተኛታትን፡ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኢትዮጵያን ዝመጹን ኢዮም። 
ኣብ ርእሲ እዚ ጉባኤ ካብ ዝጅምር ክሳብ ዝውዳእ ምኽሪ ዝህቡን፡ ነጻ ኮይኖም ሓሳቦም ዘቕርቡን ዝነበሩ ኤርትራውያ 
ተዓዘብቲ ኣጋይሽ እውን ነይሮም ኢዮም። 
በዚ መሰረት ጉባኤ በታ ዝመረጻ ሰክረታርያ ተመሪሑ ነዊሕ መዓልታት ዝወሰደ ክትዓትን ልዝባትን ድሕሪ ምክያድ፡ 
ንሰለስተ ዓመት እትመርሕ ሓዳስ መሪሕነት ውድብ ብድሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ ኣብ ናይ መጨረሻ መዛዘሚ መዓልቲ 
በጽሐ። 

PDF page 2

View this page in original PDF

 
   ኣባላት ጉባኤ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መርሕነት ውድብ ኪመርጹ ከለዉ።  
ኣብዚ ናይ መጭረሻ መዛዘሚ መዓልቲ ጉባኤ ድማ ብዙሓት ተዓዘብቲ ኣጋይሽን፡ መራሕቲ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ 
ለውጥን፡ መራሕቲ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን፡ መራሕቲ ውድባትን ካድራት ኣብ ዝተረኽብሉ፡ እታ ታሪኻዊት 
መዝሙር ሓደ መስከረም ብሓባር ድሕሪ ምዝማር፡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጹ ሓደስቲ መሪሕነት ውድብ ምስ 
ህዝቢ ድሕሪ ምልላይ ኣብ ዉዕዉዕን ድሙቕን ዝኾነ ብክፍሊ ባህሊ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ነቲ መዛዘሚ ጉባኤ 
ዘዳለወቶ ጸወታን ሳዕሳዒትን ኢዩ ተኣትዩ።ክሳብ ምሸት ድማ ብዘይ ዕረፍቲ ጸወታን ሳዕሳዒትን ቀጸለ። በዚ ኣገባብ እዚ 
ድማ ፍጻሜ ናይ ጉባኤና ኮነ። 

PDF page 3

View this page in original PDF

 
ኣብ 2ይን ሓድነታውን ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሓዳስ ዝተመርጸት መሪሕነት። 
ድሕሪ’ዚ ኣኸባታት ሓዳስ መሪሕነት ቀጸለ፡ ጉባኤ ዘሰከማ ሓላፍነት ንምትግባር ድማ ሸውዓተ ዝኣባላታ ፈጻሚት 
ሽማግለ መሪጹ ኣብ ስራሕ ተዋፈረ። ቅድሚ ኩሉ ግን ኣቦ መንበር ባይቶ ብጻይ መሓመድ ስዒድ መፍለስን፡ ኣቦ መንበር 
ፈጻሚ ቤት ጽሕፈታት ብጻይ ዑቑባዝጊ ድቡስን ኣብ ቅድመ ግንባር በጺሖም ምስ ሰራዊት ኣኸባታት ከካይዱ ከም 
ዘልዎም ብባይቶ ሓሳብ ቀሪቡ ስለዝነበረ ጉዕዞኦም ናብ ቅድመ ግንባር ኮነ። በዚ መሰረት ኣብ ሰራዊት ዕዉት ዑደት 
ኣካይዶም ተመልሱ። 

PDF page 4

View this page in original PDF

 
 
ኣቦ መንበር ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብጻይ መሓመድ ስዒድ መፍለስን ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈታት ብጻይ ዑቑባዝጊ 
ዱቡስን ኣብ ቅድመ ግንባር ተረኺቦም ምስ መራሕቲ ሰራዊት ልዝብ ከካይዱ ከለዉ። 
ድሕሪ እዚ ኣኸባታት ባይቶ ቀጺሉ ናይ ስራህ መደባት ተሓንጺጹ ኩሎም ኣባላት መሪሕነት ጉባኤ ዘሰከሞም ሓላፍነት 
ንምትግባር ብመሰረት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዘውጽኦ ናይ ስራሕ መደባት ኣብ ምንቅስቃስ ይርክቡ። 
ከምዚ ኢሉ እምበኣር 2ይን ሓድነታውን ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብዓወት ተጽንቢሉ ሓዲሽ ኣሰራርሓን 
ሓዲሽ መሪሕነትን መሪጹ ከምቲ ማእከላይ ጭርሖኡ ቅድሚ ኩሉ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ኣብ ምርብራብ ዝርከብ 
ዘሎ። ካብቶም ጉባኤ ዘጽደቖም ኣገደስቲ ውሳኒታት ድማ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም። 
1.  ውድብና ግንባር ሃገርዊ ድሕነት ኤርትራ ካብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ጠቕሊሉ ክስሕብ ወሲኑ፡ 
2. ወተሃደራዊ ክንፊ ብዝምልከት ምስ ወተሃደራዊ ክንፊ ዘለወን ሓልታት ብሓባር ክሰርሕ ወሲኑ፡ 
3. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሰራዊቱ ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክርስያዊ ለውጢ ክጥርነፍ 
ወሲኑ፡ 
4. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ምስ ኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ክሰማምዑሉ ዝኽእሉ 
ነጥብታት ሓቢሩ ክሰርሕ ምዃኑ  ወሲኑ ኢዩ። 
እዚ 2ይን ሓድነታውን ጉባኤ ናይ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን፡ ኤርትራዊ ህዝብዊ ምንቅስቃስን እምበኣር ንካልኦት 
ሓይልታት ኣብነት ኮይኑ፡ ሓድነት ንባዕሉ ሓይሊ  ስለዝኾነ ካልኦት ናይ ተቓውሞ ሓይልታት እውን ነዚ ኣብነት እዚ 
ክስዕባኦ ጽቡቕ ኢዩ። 
 

PDF page 5

View this page in original PDF

 
           መስዋትና ዋጋ ሓርነታዊ ቃልስና’ዩ ኢሉ ዝተላዕለ ሰራዊት  
 ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብከፊል፡ ምስ ሓላፊ ወተሃደራዊ ክንፊ ብጻይ ፍስሃየ ሃይሉ። 
እዚ ካልኣይን ሓድነታውን ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ በዚ ጥራሕ ደው ዝብል ኣይኮነን፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ 
ዝተቐስክዎ ሓድነት መቀላጠፊ ዓወት ስለዝኾነ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብቀጻሊ ምስ ዘለዋ ሓይልታት ኤርትራ 
ኣብ ሓድነት ክበጽሕን፡ ብስኒት ሓባራዊ ስራሓት ክሰርሕን ኣፍ ደገኡ ርሑው ምኻኑ ኣስሚሩሉ ኢዩ። 
ብፍላይ ድማ ውድብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ነቲ ኣብዚ መድረኽ እዚ ክበጽሕ ንነዊሕ ዓመታት ዝተቓሰሉ 
ንኽሉ ሓይልታትን ሲቪክ ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን ዝሓቖፈ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ንዲሞክራስያው ለውጢ ብዝያዳ 
ንምሕያሉ ሎሚ’ውን ከም ወትሩ ዝከኣሎ ክሰርሕ ምዃኑ ብዘየማትእ ኣገባብ ኣስሚሩሉ ጥራሕ ዘይኮነንስ ሰራዊቱ ኣብ 
ትሕቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ  ክጥርነፍ ፈቓደኛ ምዃኑ ኣሚቱ ኢዩ። በዚ መሰረት 
ድማ ኩለን ወተሃደራዊ ክንፊ ዘሎወን ውድባት ኤርትራ ነዚ ብግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ተተሊሙ ዘሎ ናይ 
ሓድነት ጎደና ክኽተላኦ ትጽቢት ይንበረለን። ምኽኒያቱ ሎሚ ናይ ኩለን ውድባት ጥራሕ ዘይኮነስ ሲቪክ ማሕበራትን 
ውልቀ ሰባትን ጠርኒፉ ክመርሕ ሓልፍነት ተሰኪሙ ዘሎ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኢዩ። 

PDF page 6

View this page in original PDF

ብጻይ መሓመድ ስዒድ መፍለስን ብጻይ ዑቑባዝጊ ድቡስን ምስ መራሕቲ ሰራዊት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ። 
ህዝብን ሃገርን ንምድሓን እምበኣር ኣብቲ ኩልና ረዲና ዘቖምናዮ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተጠርኒፍና፡ ኩሉ 
ዓቕምታትና ኣወሃሂድና ክንሰርሕ እዚ ዘሎ መድረኽ ይጠልበና ኣሎ። ቅድሚ ዝኣገረ ኣውያት ህዝብናን ክንሰምዕን፡ 
ወዲቕዎ ዘሎ ኣደራዕ ክንርኢን ኣጸብቑ ክስቆረናን ይግባእ። እዚ ስለዝኾነ ኢዩ ውድብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ‘’ 
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ልዕሊ ኩሉ’’ ዝብል ማእከላይ ጭርሖኡ ኣቐዲሙ ዝቃለስን ዘሎ። ብሓቂ ድማ ቅድሚ 
ኩሉ ህዝብን ሃገርን ክድሕን ኣሎዎ። 
ህዝብን ሃገርን ዝድሕን ድማ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ፡ ዓቕታትካ ጠርኒፍካን ኣወሃሂድካን እምበር ተነጻጺልካ 
ኣይኮነን። ሎሚ ኣብ ምንጽጻል’ውን ዘብጽሕ ነገር የለን፡ ንኹልና ዝሓቁፍን ዝጥርንፍን ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ 
ለውጢ ኣሎና። ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ዘሎ ሰራዊትናን ዓቕምናን ኣስሚርና ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ክንሰርሕ ይግባእ። እዚ 
ኢዩ ትጽቢት ናይ ህዝብና።  
ሎሚ እዚ ብዛዕባኡ እንዛረበሉ ዘሎና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝኸፍኤ ናይ መናባብሮ ደልሃመት ኣትዩ፡ ካብ ሃገሩ ወጺኡ 
ኣብ ስደት ጓና ከይኑ ክነብር ዝመርጸሉ ዘሎ እዋን ኢና በጺሕና ዘሎና። ህዝቢ ኤርትራ ውድበይ ውድባካ ዘይኮነስ 
ሃገረይ ህዝበይ ዝብል ድምጺ ሓርበኛታት ደቁ’ዩ ኪሰምዕ ዝደሊ ዘሎ። ውድበይ ውድብካ፡ ሰልፈይ ሰልፍኻ ዝበሃለሉ 
እዋን ናይ ባዕሉ መድረኽ ኣልዎ፡ ሕጂ ካብዚ ጨካን ደልሃመት ዝኾነ ሂይወት ኣድሕኑኒ’ዩ እቲ መልእኽቲ ናይ ህዝብና፡ 
እዚ ኢዩ ጸዋዒት ህዝብና’ሞ ብሙሉእ ልቦና ኣእዛና ኩር ኣቢልና ንስማዓዮ። 
እዚ’ዩ እምበኣር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ‘’ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ’’ ዝብል መሪሕ ጭርሖ ተሓንጊጡ 
ኣንጻር ጃንዳ ህግደፍ ንምግጣም ሓይልና ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣወሃሂድናን ኣስሚርናን ነቲ 
ንህዝብና ደም ዘንብዕ ዘሎ እኩይ ጃንዳ ህግደፍ ንግጠም ዝብል ዘሎ። እዚ ጸዋዒት እዚ ኩሉ ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ 
ኤርትራዊ ኪሰምዖ ኣሎዎ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ግብራዊ መልሲ ክህበሉ ይግባእ። 
ካሊእ ነዚ ናይ ሓድነትን ሓቢርካ ናይ ምስራሕን ድሌት ዘይብሉ እንተልዩ ግን፡ ህዝብና ክፈልጦ ዓው ኢልና ክንዛረበሉ 
ኣሎና። ምኽንያቱ ሓባእ ቁስሉ ሓብእ ፈውሱ ከይኾነና።  “ኣንጭዋ ትሕለፍ ምእንቲ መጎጎ” ኢልካ ንነገራት ሸፋፊንካ 

PDF page 7

View this page in original PDF

ምሕላፍ፡ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ምድሓን ኣብ እንገብሮ ቃልሲ ክሃስየና ይኽእል ኢዩ። ብዓንዳርእሱ እውን ካብ’ቲ ዋና 
ናይቲ ጉዳይ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ዝሕባእ ነገር ክህሉ ኣይግባእን። ሕብእብእ ተሪፉ ጉሉጽነት ክህሉ ኣሎዎ። ግሉጹነት 
እንተልዩ ድማ ምትእምማን ይህሉ፡ ምትእምማን እንተልዩ ድማ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ቀላጽምና ኣስሚርና ንምስራሕ 
ዝኽልክለና ነገር የለን። ሰሚርካ ምስራሕ እንተልዩ ድማ ዓወት ክህሉ ናይ ግድን ኢዩ። 
                   ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!! 
                                      ይቕጽል…….