Extracted PDF page text
Microsoft Word - 191.doc
Machine-extracted derivative; not a transcript or translation. Reading order, spacing and characters have not been editorially verified. PDF page numbers are file positions, not printed page labels. No OCR has been added.
Open unchanged original PDF · Download unchanged PDF
Extraction status: extracted-unverified.
PDF page 1
View this page in original PDF
ስርዓት ህግደፍ 19 ምልሻ ኣሲሩ።
Tuesday, 30 December 2008
ስርዓት ህግደፍ ነቲ ሓረስቶት ዘፍረዩዎ እኽሊ ናብ ቆፎኦም ከየእትዉ፡ ከይሸጡን ከይልውጡን ንምእጋድ ዘውጽኦ
ግጉይ ፖሊሲ ንዝተቓወሙ 19 ምልሻ ኣብ ማይድማ ቤት ማእሰርቲ ስርሒት ሰለስተ ሓይሩዎም ከምዘሎ ምንጭታት
ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
እቶም ምልሻ ኣብ ከባቢ ዑበል፡ ማይላም፡ ሻምብቆ ከባቢ ተኾምብያ ዝዓዶም ክኾኑ ከለዉ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ
እዮም ተኣሲሮም።
እቲ ስርዓት ብኸምዚ ዝኣመሰለ ህዝባዊ ተቓውሞታት ስለዝሰግአ ዕጥቂ ምልሻታት የወርድ ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ
ብተወሳኺ ኣረዲኡ።
ስርዓት ህግደፍ፡ ሓረስቶት ነቲ ዘፍረዩዎ ምህርቲ-እኽሊ ኣብ ግራቱ ኸሎ ናብ ኢዱ ከረክቡዎ ዘመሓላለፎ ስግንጢራዊ
ትእዛዝ ተቐባልነት ኣይረኸበን። በዚ ምኽንያት ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ሃገርና ተቓውሞታት የጋጥሞ ከምዘሎ ኸኣ
ይፍለጥ።