Extracted PDF page text
ብዛዕባ’ዚ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓሳት ሓጺር ድሕረ ባይታ ንምሃብ እዩ፣ ምኽንያቱ እዞም ዘለው መንእሰያት ኣብቲ ዝሓለፈ መድረኽ ቃልሲ ዝተሰግረ ፖለቲካዊ ሕልኽላኻት ብዙሕ ስለዘይፈልጥዎ። እዞም ሕ
Machine-extracted derivative; not a transcript or translation. Reading order, spacing and characters have not been editorially verified. PDF page numbers are file positions, not printed page labels. No OCR has been added.
Open unchanged original PDF · Download unchanged PDF
Extraction status: extracted-unverified.
PDF page 1
View this page in original PDF
22
ታሪኽ ኣይንረስዕ፡ ጉዕዞና ክቐንዕ
ራብዓይ ክፋል
3.2 ምልሶት ወዲ ተላ
ሕሩይ ተድላ ባይሩ ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ተ.ሓ.ኤ. ምክትል ኣቦ መንበርን ናይ
ፖለቲካ ሓላፊን ኮይኑ ድሕሪ ምምራጹ፣ ንወጻኢ ከይዱ ክሳብ 1974 ንሜዳ
ኣይተመልሰን። “ምክትል ኣቦመንበር ናይ ጀብሃ እየ” እናበለ ፈቖድኡ ኰለል ክብል
እዩ ግዜኡ ዘሕልፎ ነይሩ። ምናልባት ሓደ ክልተ ግዜ ቅልቅል ኢሉ ተመሊሱ
እንተዘይኮይኑ፣ ገጽ ሜዳ ርእይዎ ኣይፈልጥን። ወዲ ተላ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ፣ እንታይ
ይግበር ነይሩ እውን ዝፈልጥ ኣይነበረን። ኣቦ -መንበር ኮይኑ ዝተመርጸ እድሪስ
መሓመድ ኣደም ንባዕሉ፣ ድሕሪ’ቲ ጉባኤ ንሜዳ ገጹ ኣይተቐልቀለን። ወተሃደራዊ
ሓላፊ ዓብደላ እድሪስ እውን እንተኾነ፣ ካብኦም ድኣ ይሓይሽ ቅሩብ ይመላለስ ነይሩ
እምበር፣ ዳርጋ ዝበዝሕ ግዜኡ ኣብ ደገ እዩ ዘሕልፎ ነይሩ።
ሕሩይ ኣብ 1971 ኣብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ተሳቲፉ ንወጻኢ ድሕሪ ምኻዱ፣
ጀብሃ ብብዙሓት ሓደስቲ ተጋደልቲ ኣብ ዝተዓበለለትሉ እዋን፣ ማለት ኣብ መወዳእታ
1974 እዩ ናብ ሜዳ ኤርትራ ተቐልቂሉ። ኣብ በቕሊ ተወጢሑ ንከበሳ ብምውጻእ
ድማ፣ ኣብ ሃዘጋ እንዳ ራእሲ ሰፊሩ። ኣብኡ ቤት ጽሕፈት ገይሩ። ዊስኪ እናጨለጠ
ሓደ ክልተ ወርሒ ዝኸውን ተቐሚጡ። መብዛሕትኦም እቶም ሽዑ ዝቐረብዎ ካደረታት
ጀብሃ፣ ኣተሓሳስባኡ መዚኖም ንዒቖሞ እዮም። ቁምነገር ዘለዎ ሰብ ከምዘይኮነ
ቀልጢፎም ገምጊሞሞ። እቲ ሓድሽ ተጋዳላይ ግን ብወረ ከም ኣባል መሪሕነት ጥራይ
እዩ ዝፈልጦ ነይሩ። ብዛዕባ ዓቕሙን ብቕዓቱን ኣፍልጦ ኣይነበሮን። ከም ሓደ ምሁር
መራሒ እዩ ዝርድኦ ነይሩ። ኣባላት ሰልፊን ካድረታትን ጀብሃ ግን ኣጸቢቖም
ስለዝመዘንዎ፣ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ኣብ መሪሕነት ከየምጽእዎ ወሲኖም። ይኹን’ምበር
ኣብ መሪሕነት ናይቲ ሰልፊ ጸገም ነይሩ እዩ። ኣብ ሰነ 1974 እቲ ሰልፊ ኣብ ከሰላ
ቀዳማይ ጉባኤኡ ኣብ ዘካየደሉ፣ ኣብ ልዕሊ ሕሩይ ዕቃበታት እኳ እንተነበሮ፣ ድሕሪ
ብዙሕ ክትዕ ኣብ መሪሕነት ኣእትዮዎ እዩ። ስለዚ ሕሩይ ኣብ መሪሕነት ናይቲ ግንባር
ይእቶ’ዶ ኣይእቶ? ክበሃል ከሎ፣ ድሮ ኣብ መሪሕነት ናይቲ ሰልፊ ኣትዩ ነይሩ እዩ።
እቲ ጽቡቕ ነገር ግን ኣብቲ 2ይ ጉባኤ ኣብ መሪሕነት ናይቲ ውድብ ማለት ኣብ
ሰውራዊ ባይቶ ከይመጽእ እቲ ሰልፊ ወሲኑ።
ሕሩይ ኣብዚ 2ይ ጉባኤ ካብ መሪሕነት ናይቲ ግንባር ይተኣለ እምበር፣ ኣባል
ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ፓርቲ ኮይኑ’ዩ ቀጺሉ። እቲ ዘገርም ምስቲ ኩሉ ሰብ
ዝዕዘቦ ዝነበረ ሃለውለዋቱ፣ ኣብ ሓምለ 1976 ኣብ ዝተገብረ ጉባኤ ናይቲ ሰልፊ
እውን፣ እንደገና ኣባል መሪሕነት ክኸውን መሪጾሞ። ኣብዚ ናይ 1976 ጉባኤ እቶም
ኣባላት ሰልፊ ንሕሩይ ኣብ መሪሕነቶም ዘእተውዎ ምኽንያት፣ “ምናልባት ኣብቲ ሓድሽ
ሓይሊ ጽልዋ ይህልዎ ይኸውን” ኢሎም ስለዝገመቱ እዮም። ንሱ እቲ ጉባኤ
እናተኻየደ እንከሎ፣ ኣብዚ ሓድሽ ሓይሊ ማጉ (ማርክሳዊ ጉጅለ) ዝተባህለ ምትእኽኻብ
ከምዘሎ ሓበሬታ ኣሎኒ፣ ዝብል ጸብጻብ ኣቕሪቡ ነይሩ። እቲ ጉጅለ ንሱ ባዕሉ ዝወደቦ
ውሑዳት ሰባት ዝሓዘ ግምት ዘይወሃቦ ጉጅለ እዩ ነይሩ። ወዲ ተላ ከኣ ባዕሉ ወዳቢ
ባዕሉ ጸብጻብ ኣቕራቢ ብምዃን ኣብቲ ምርጫ ንኽኣቱ ተጠቒምሉ። PDF page 2
View this page in original PDF
23
ወዲ ተላ ኣብዚ ጉባኤ’ዚ እውን ከም ልማዱ፣ ንጉባኤኛታት “ሓደ ሓድሽ ሓሳብ
ሒዘልኩም መጺአ ኣለኹ” እዩ ኢሉዎም። “ናይ ስደት መንግስቲ ከነቕውም ኢና፣
ሻዕብያ እንተተሳተፈቶ ጽቡቕ፣ እንተዘይኮነ በይንና ከነቚሞ ኢና” ዝብል ድንቂ
ሓሳብ። ከምዚ ሕጂ ዝብሎ ዘሎ ሃለውለው እዩ። ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ክውንነት
ዘይከይድ፣ ክልሰ ሓሳባዊ ህውተታ ስለዝነበረ ድማ ዝሰምዖ ሰብ ኣይነበረን። እቶም
ካድረታት ነጺጎሞ። ወዲ ተላ ኣብ ዘለዎ ቁም ነገር ምዝራብ ኣይከኣልን እዩ። ኣብ
ሕልምታት እዩ ዝነብር። ቅድሚኡ እውን፣ ኣብ 1972 “ስትራተጂ ንሓርነት” ዝብል
ሓደ ሰነድ ኣቕሪቡ ነይሩ። እቲ ዘቕረቦ ሰነድ ከመይ ጌርካ ብቐሊሉ ንኤርትራ ሓራ
ትገብራ ዘርኢ ንድፊ እዩ። ብሃጠው ቀጠው ዝተመልአ ሰነድ እዩ። እቲ ሰነድ ክሳብ
ሕጂ ምስ ገሊኦም ከይሃለወ ኣይተረፍን። መጀመርታ ከመይ ጌርካ ነቲ ናብ ዝተፈላለየ
ኩርናዓት ኤርትራ ዝዝርጋሕ ጽርግያታት ትቖርጾ፦ ካብኡ ቀጺልካ ከመይ ጌርካ መገዲ
ባጽዕ በቲኽኻ፣ ንኣስመራ ተኽብባ፦ ድሕሪኡ ከመይ ጌርካ ግዝያዊ መንግስቲ ተቐውም
ዝዓይነቱ ዋላሓንቲ ወተሃደራዊን ፖለቲካውን እንዶ ዘይብሉ ሕልማዊ ሓሳባት ዝሓዘ
ሰነድ እዩ። ቅድም ቀዳድም ወዲ ተላ ብዛዕባ ውትህድርና ዝፈልጦ ነገር የብሉን።
ንሜዳ ድማ ሳሕቲ ከም ቱሪስት እዩ ዝቕልቀል ነይሩ። ናብራ ገድሊ እንታይ እዩ?
ተጋዳላይ እንታይ’ዩ? ውግእ እንታይ’ዩ? ዓቕሚ ጸላኢ ክሳብ ክንደይ እዩ? ዋላሓንቲ
ዝፈልጦ ነገር ኣይነበሮን። ግን ኩሉ ሳዕ ብነብሱ ስለዝምሰጥ፣ በቲ ዘቕረቦ ሰነድ ምሒር
እዩ ተሓቢኑ። ዋላ እቶም ዘርኣዮም ሰባት ብኣተሓሳስባኡ እንተንዓቕዎ፣ ንሱ ግን
ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረ ኮይኑ እዩ ተሰሚዕዎ።
ድሕሪ ናይ 1976 ጉባኤ ለበር ፓርቲ፣ ኩነታት ጀብሃ እናኸፍአ እዩ ከይዱ። ነዊሕ
ኣይጸንሐን ከኣ እቲ ሕንፍሽፍሽ ናይ ፋሉል ምንቅስቓስ ኣስዒቡ። ጸገማትን
ሕልኽላኻትን ጀብሃ እናዓበየ ምስ ከደ ድማ፣ ወዲ ተላ ክጻወሮ ይኽእል ስለዘይነበረ፣
ሃዲሙ ንደገ ምስ ከደ ብኡ ገይሩ ኣይተመልሰን።
4. “ዓወትና ግድን ክኸውን ናይ ግድን ድዩ?”
ዘይትርሳዕ ጥቕሲ
ኣቐዲሙ ከምእተገልጸ፣ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ.፣ ነቶም ሃረርታ ናጽነት ደሪኽዎም፣
መስዋእቲ ክኽፍሉ ናብ ደምበኡ ዝተጸምበሩ ሃገራውያን መንእሰያት፣ ብዓንተቦኡ
ብዓይኒ ጽልኢ ስለዝጠመቶም፣ ኣብ ልዕሊኦም ዘካይዶ ሓያልን ጸላዊን ፖለቲካዊ ስራሕ
ኣይነበረን። እቲ መሪሕነት ካብቲ ዝብድሆ ዝነበረ ሓድሽ ሓይሊ ክሃድም ጥራይ እዩ
ግዜኡ ዘሕልፎ ነይሩ። በዚ ድማ፣ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ስትራተጂ ሓንጺጹ፣
ብስርዓት ወዲቡ ኣንጻር ጸላኢ ከቃልሶም ኣይከኣለን። ብሓጺሩ መሪሕነት ጀብሃ፣ ዓቢ
ሃገራዊ ዓቕሚ ዘባኸነ ልሙስ መሪሕነት እዩ።
ነቲ ኣብ መሪሕነት ጀብሃ ዝነበረ፣ ፍጹም ልኡምነትን ድኻምን ዘይፈልጡ ሰባት፣
ኣብቲ ውድብ ቅሩብ ሓሳብካ ንኽትገልጽ ዘፍቅድ ደሞክራሲያዊ ሃዋህው ከምዝነበረ
ገይሮም ይርድእዎ ይኾኑ። የግዳስ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ሃዋህው መርኣያ ግሉጽነትን
ደሞክራሲን ዘይኮነ መርኣያ ስንፍናን ልምሰትን ናይቲ ውድብ እዩ። እቲ መሪሕነት
ንጹር ፖለቲካዊ መስመር ከይሓዘ፣ በብዝመጸ ሓሳባት እናተገፍዐ፣ ኣብ ድንጉር ሃዋህው PDF page 3
View this page in original PDF
24
እዩ ዘዕገንግን ነይሩ። ከምዚ ዓይነት ኣከያይዳ ሒዝካ ድማ ክትዕወት ዝሕሰብ ኣይኮነን።
ከም መርኣያ ድኻም ናይቲ ውድብ፣ ኣብ ጀብሃ ዝዕቈር ምስጢር ኣይነበረን። ሓደ ኣብ
ኲናት ዝርከብ ውድብ፣ ምስጢር ናይ ምዕቃብ ባህሊ ክህልዎ ዝግባእ እዩ። ኣብ ጀብሃ
ግን ከምኡ ዝበሃል ነገር ኣይነበረን። ዲሲፕሊን ኣዝዩ ዝሉቕ እዩ። ውሽጣዊ ኩነታት
ጀብሃ ዝኾነ መልክዕ ናይ ደሞክራሲ ኣይነበሮን። በዚ ድላይካ ትዛረብ፣ በቲ ካልእ ድማ
ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን ጉዳያት ብህልኽ ሰባት ይእሰሩን ይቕተሉን ነይሮም። ኩሉ’ዚ
መትሓዚ ዘይብሉ ፍኑውነት መርኣያ ውድባዊ ድኻም እምበር መርኣያ ደሞክራሲ
ኣይነበረን። ሕግን ስርዓትን ኮነ ኣባላትካ ዝምርሕሉ ዲሲፕሊን ኣብ ዘይብሉ ድማ፣
ኣይኮነን ኲናት ከተካይድ፣ ዝኾነ ካልእ ቀሊል ዕማም እውን ክትፍጽም ዝከኣል
ኣይኮነን።
ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ እንተመጺኻ እውን፣ ጀብሃ ንጸላኢ እትምክተሉ ፍሉጥ
ወተሃደራዊ ስትራተጂ ኣይነበራን። ዝተወሃሃደን ቀጻልነት ዘለዎን ወተሃደራዊ ንጥፈታት
ተካይድ ኣይነበረትን። ኣብ ገሊኡ ዝካየድ ውግኣት፣ ናይተን ኣበየ ከባቢኡ ዝነበራ
ሓይልታት በይናዊ ተበግሶ እዩ ነይሩ። ንኣብነት ኣብ ግዜ ምዝላቕ ኣብ ከባቢ መረብ
ዝተኻየደ ውግእ ነይሩ። ሓይልታት ጀብሃ ንወርሒ መመላእታ ኣበርቲዐን መኪተን
እየን። ገለ ወተሃደራዊ ኣጽዋር፣ መካይንን ታንክታትን እውን ማሪኸን። እዚ ፍጻመ’ዚ፣
ብጀብሃ ካብ ዝተኻየደ መኸተ እቲ ዝሓሸ እዩ። ኣብ ከባቢ ኦምሓጀር እውን ድሓን
መኸተ ተኻይዱ ነይሩ። ድሕሪኡ ግን ብጀብሃ ዝተኻየደ ዝጠቅም መኸተ ኣይነበረን።
ድሕሪ’ዚ ሓጺር ግጥም፣ ጀብሃ ብኡ ኣቢላ እያ ፋሕፋሕ ኢላ። ዋላ እቲ ምንስሓብ
እውን ውዱብ ኣይነበረን። ዛሕዛሕ እዩ። ምኽንያቱ መሪሕነት የለን፣ ዘወሃህድ የለን፣
ብኸመይ እቲ ወራር ይምከት? ኣበይ ቦታ እንታይ ይግበር? ዝኾነ ወተሃደራዊ ውጥን
ኣይነበረን።
ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ፣ ኣብ ሰራዊት ጀብሃ ሓደ ፍቱው ሰብ እዩ ነይሩ። ምስ
ዓብደላ እድሪስ ድማ ኣንጻር እዮም ነይሮም። ኢብራሂም ዝሓሸ ኣመለኻኽታ፣ ኣብ
ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ብመጠኑ እምነት ዝነበሮ ሰብ እዩ። እቲ ካድር ኮነ እቲ ተጋዳላይ
ንዓብደላ እድሪስ ከም ሓደ ኣድሓርሓሪ ሰብ ክጥምቶ እንከሎ፣ ብኣንጻሩ ንኢብራሂም
ከም ሓደ ገስጋሲ መራሒ እዩ ዝርእዮ ነይሩ። ኣብ ልዕሊኡ ዳርጋ ዕውር እምነት
ዝነበሮም ካድረታት ነይሮም እዮም። ብሓቂ ድማ ኣብ ዝጠቅምን ዘይጠቅምን ጉዳያት
ምትእትታው ዝገብር ዓይነት ሰብ ኣይነበረን። ኢብራሂም፣ ኣብ 1979 ኣብ ኣኼባ
ዝተዛረባ፣ ተጋደልቲ ወትሩ ዝዝክሩዋ ዘይርትሳዕ ዘረባ ኣላ። ኢብራሂም “ቃልስና ነዊሕ
እዩ፣ ዓወትና ናይ ግድን እዩ ዝብል ጭርሖ ኣለና፦ ግን ዓወትና ናይ ግድን ክኸውን
ግድን ድዩ?” ዝብል ሕቶ ብምልዓል፣ “ንዓወት ዘብቅዕ ኣሰራርሓን ኣወዳድባን እንተለና
ጥራይ እዩ ዓወትና ግድን ዝኸውን እምበር፣ ዕላማና ቅኑዕ ስለዝኾነ ጥራይ ቃልስና
ክዕወት ይኽእል እዩ ማለት ኣይኮነን። ዘይብቑዓት እንተዄንና ክንዕወት ኣይንኽእልን
ኢና። ጀብሃ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መካነክ-ረውሕ እያ ዘላ፣ ጋም ማን እያ ትብል ዘላ”
ኢሉ ተዛሪቡ።
ኣብቲ እዋን’ቲ ንዝነበረ ኩነታት ጀብሃ ብልክዕ እተንጸባርቕ መግለጺት እያ።
ኢብራሂም ግን ነዛ ርእይቶ’ዚኣ ድሕሪ ምዝራቡ፣ ነቲ ዝነበረ ድንጉር ሃዋሃው ንምቕያር
ዝገበሮ ነገር ኣይነበረን። ነቲ ጀብሃ ዝነበረቶ ተስፋ ዝተሳእኖ ሃዋህው ንምልዋጥ ኣብ
ዝግበር ቃልሲ ክመራሳሕ ክጨማለቕ ክጓነጽ ኣይደለየን። ከምኡ ዓይነት ሰብ እውን
ኣይነበረን። ኣብቲ ዝቐጸለ ኩነታት እውን ተራ ኣይነበሮን። ልክዕ ከም ጲላጦስ ኢዱ
ሕጹብ እዩ ነይሩ። ብሓጺሩ ኩነታት ጀብሃ ኣብ 1979 ናይ ዲሞራላይዘሽን ኩነታት እዩ PDF page 4
View this page in original PDF
25
ነይሩ። ዓብደላ ድማ ንውሽጣዊ ኩነታት ጀብሃ ከዕሪ ድሌት ኮነ ሓሳብ ኣይነበሮን። ንሱ
ሓንቲ ሓሳቡ፣ እቲ ምስ ሻዕብያ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ሓድነት መስርሕ ከምዘይዕወት
ምግባር ጥራይ እዩ። ነዛ ዕላማ’ዚኣ ድግድጊት ተዓጢቑ ሒዙዋ። ኣብ መወዳእታ ድማ
ተዓዊቱላ።
ብኣንጻር ዓብደላ እድሪስ፣ እቲ ካልእ ሰብ፣ ተራ ተጋዳላይ ይኹን ካድር፣ ኣብቲ
ውድብ ዝነበረ ሕንፍሽፍሽን ልምሰትን ክዕረ ካብ ልቢ እዩ ዝምነ ነይሩ። ገለ
ጽገናታትን ለውጢን ክግበር ከምዘለዎ ድማ ይሰማማዕ ነይሩ። እንታይ ክግበር ይከኣል
ግን ብንጹር ይፈልጥ ኣይነበረን። መሪሕነት ጀብሃ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ብግብሪ
ህላወ ኣይነበሮን። ካብኡ ዝገደደ ጸገም ድማ፣ ኣብቲ ውድብ መሪሕነት ከምዘየለ
ዝፈልጥ ዳርጋ ኣይነበረን። እቲ ዝበዝሕ ተጋዳላይ መሪሕነት ዘሎ እዩ ዝመስሎ ነይሩ።
ብሓጺሩ ናይ ምኽርዛዝን ልምሰትን እዋን እዩ። ካልእ ኣብ ፖለቲካ ናይ ጀብሃ ዓቢ
ዕንቅፋት ዝኸውን ዝነበረ ኣተሓሳስባ፣ ናይ ዕርቂን ዋጋ ዕዳጋን (ኮምፕሮማይዝ)
ኣተሓሳስባ እዩ። እዚ ኣመለኻኽታ’ዚ፣ ኣብ ገለ እዋን ጽቡቕ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ከምቲ
ጀብሃ ዝነበረቶ ሕንፉሽን ልሙስን ሃዋህው ግን ክሰርሕ ዝኽእል ኣይኮነን። ጀብሃ ሱር
በተኽ ለውጢ ብምምጻእ ጥራይ እያ ክትዕረ ትኽእል ዝነበረት። የግዳስ ኣብቶም
ደለይቲ ለውጢ ከምኡ ዝዓይነቱ መሰረታዊ ለውጢ ናይ ምምጻእ ሓሳብን ቅሩብነትን
ኣይነበረን። ከም ውጽኢቱ ድማ፣ “ጀብሃ ኣደ ሰውራ እያ፣ ናይ ሓድነት ሕላገት እያ፣
ደሞክራቲክ እያ፣ ናይ ሻዕብያ ኣቃውማ ሰክታርያን እዩ” እናተባህለ ብዘይ ቁም ነገር
ሓሽውየ ጥራይ ኮይኑ። እዚ ህውተታ’ዚ ድማ፣ መወዳእታኡ ንጀብሃ ብዓባያ ለኪምዋ
ጠፊኡ።
ኣብ ጀብሃ ዝነበረ ዓቕሚ ቀሊል ኣይነበረን። ኣብቲ ውድብ ንሃገራዊ ናጽነት ክጋደሉ
ኢሎም ብልዑል ወኒን ስምዒትን ብንጽህና ዝመጹ ኣሽሓት መንእሰያት እዮም
ነይሮም። ግን ሓያልን ውፉይን መሪሕነት ኣይረኸቡን። መሪሕነት ክኸውን ዝኽእልን
ዝግብኦን ሰብ ስለዝተሳእነ ኣይኮነን። እቲ ክመርሕ ዝኽእል ግን ዕድል ኣይረኸበን።
ኣቦ-መንበር ጀብሃ ኣሕመድ ናስር ኣዝዩ ድኹም ሰብ እዩ ነይሩ። ዓብደላ ብፍላጥ እዩ
ንዕኡ ኣብ ቅድሚት ኣቐሚጡ ነቲ ውድብ ከም ድላዩ ዝገናዘየሉ ዝነበረ። ኣዜን ያሲን፣
ጥዑይ ሰብ እኳ እንተነበረ፣ ነብሱ ዝገትእ ሰላማዊ ሰብ እዩ ነይሩ። ምሁር እዩ፣
ክትንትን ይኽእል፣ ክጽሕፍ ይኽእል። ግን ኣብ ግብራዊ ቃልሲ ኣትዩ ክጓነጽ፣ ላዕልን
ታሕትን ክብል ዝኽእል ኣይነበረን። ተስፋማርያም ከኣ ካብ ኣዜን ዝገደደ። ንሱ’ውን
ክጽሕፍ ክትንትን እንተዘይኮይኑ ክመርሕ ዝኽእል ዓይነት ሰብ ኣይነበረን። ካብቶም
ዝነበሩ መራሕቲ ንዓብደላ ቅሩብ ክብድህዎ ዝኽእሉ ኢብራሂም ቶቲልን መልኣከ
ተኽለን እዮም ነይሮም። ንሳቶም እውን ነቲ ተራ ኣይበቕዕዎን።
5. ጀብሃ ኣብ ስደት
ኣቐዲመ ከምዝገለጽክዎ፣ መሪሕነት ጀብሃ፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ሓድሕዱ ዝነበሮ ናይ
ስልጣን ውድድርን ድኹም ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ኣመራርሓን ውዳበን “ዓወትና ናይ
ግድን እዩ” ኢሉ እናጨርሐ ተሳዒሩ። ኣሽሓት ብንጽህና ንሃገራዊ ናጽነት ክቃለሱ
ዝመጹ መንእሰያት ተጋደልቲ ለኪሙ ድማ ተበታቲኑ። ጀብሃ ሱዳን ድሕሪ ምእታዋ
ድሕሪ ቅሩብ ሰሙናት ሱዳናውያን፣ “ወይ ርሓቑልና ወይ ብረትኩም ኣውርዱልና…
ክንዲዚ ዝኣክል ዕጡቕ ሓይሊ ኣብ ውሽጢ መሬትና ከነስፍር ኣይንኽእልን ኢና” PDF page 5
View this page in original PDF
26
ኢሎም። ሓቆም እዮም። ኣስታት 15 ሺሕ ዝኸውን ተጋዳላይ እዩ ነይሩ። ምስ መዓት
ጋዕልገልጠሙ፣ ኣብ ከባቢ ከሰላ እዩ ሰፊሩ። መራሕቲ ጀብሃ ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገር
ኣይነበረን። ኣብ ሽዑ በጺሖም በዓል ዓብደላ እድሪስ እቲ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት፣
ንኣሕመድ ናስር እዮም ረጥሪጦምሉ። ኣሕመድ ናስር ከኣ፣ ኣይኮነን’ዶ ኣብ ከምኡ
ዝዓይነቱ ናይ ሕንፍሽፍሽ እዋን፣ ኣብ ንቡር ግዜ እውን ክመርሕ ብቕዓት ዝነበሮ ሰብ
ኣይኮነን። ዋላ ነቲ ሰነዳት ናይቲ ውድብ እውን ክዕቅቦ ኣይከኣለን። ዳርጋ ኩሉ ስነዳት
ናይቲ ውድብ ድማ ብትእዛዙ ተቓጺሉ። ብዙሕ ብረትን ንብረትን ናይቲ ውድብ
መንግስቲ ሱዳን ወሲድዎ።
ኣብ ሱዳን ምስተኣትወ፣ ፈጻሚት ሽማግለ ጀብሃ፣ “ፈሺልና ኢና፦ ናይቲ ፍሽለት
ተሓተትቲ ድማ ካልእ ዘይኮነ ብቐንዱ ባዕላትና ኢና” ዝብል ናይ ንስሓ ኣዋጅ
ኣውጺኣ። በብቕሩብ ድማ ፋሕ-ፋሕ ምባል ተጀሚሩ። ገሊኦም መራሕቲ፣ ምስ ገለ
ብረት ዝዓጠቑ ተጋደልቲ ካብ ከባቢ ከሰላ ርሒቖም። ግን ካብ መሬት ሱዳን
ኣይወጹን። “ንሜዳ ተመሊስና ነይርና” ክብሉ ይስምዑ እኳ እንተኾኑ፣ ዶብ ሱዳን
ሰጊሮም መሬት ኤርትራ ኣይረገጹን። ንሜዳ ክምለሱ ድሌት ኮነ ትብዓት ኣይነበሮምን።
ካልኦት ዝበዝሑ ተጋደልቲ ድማ ናብ ኮረኮንን ታህዳይን ከይዶም። ሓያሎ ካልኦት
ከኣ፣ ብረቶም ኣውሪዶም፣ ፋሕ ፋሕ ኢሎም። ልክዕ ኣብዚ ግዜ’ዚ፣ ዓብደላ እድሪስ
ተፈልዩ በይኑ ናቱ ጉጅለ ከምዝመስረተ ወረታት ክናፈስ ጀሚሩ። “ተፈንጪሉ ድዩ?”
እንተበልካ “ኣይተፈጨለን ኣሎ” ይበሃል። ግን ብግብሪ ናቱ ጉጅለ ከቕውም እዩ
ዝፈታትን ነይሩ።
ብድሕሪ’ዚ ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ፣ ናብቲ ዓብደላ ዝነበሮ ቦታ ከይዶም ምስኡ ናይ
ዕርቂ ኣኼባ ገይሮም። ኣብ መዓስከር ጉጅለ ዓብደላ ድማ፣ 6ይ ኣኼባ ሰውራዊ ባይቶ
ተኻይዱ። ኣብቲ ኣኼባ፣ “እታ ዝጸንሐት ፈጻሚት ሽማግለ ክትሰርሕ ኣይከኣለትን።
ጠንቂ ናይቲ ፍሽለት ንሳ እያ፣ ስለዚ እዛ ፈጻሚት ሽማግለ’ዚኣ ስለዝፈሸለት ክትቅየር
ጥራይ እዩ ዘለዋ” ብዝብል ምኽንያት ዓብደላ ክወዳደሩኒ ይኽእሉ እዮም ዝበሎም፣ ከም
በዓል መልኣከ፣ ቶቲል፣ ተስፋማርያም፣ ዓብደላ ሱሌማን ካብታ ፈጻሚት ሽማግለ
ከምዝእለዩ ገበረ። ኣብ ክንድኦም ካልኦት ሓደስቲ ተመሪጾም። ኣሕመድ ግን
“ኣይጓዳእን እዩ” ስለዝተባህለ፣ ኣብቲ መሪሕነት ቀጺሉ። ደጊጋ እውን ከምኡ
“ኣይጓዳእን እዩ” ተባሂሉ ኣብቲ መሪሕነት ቀጺሉ። ካልኦት ግን ኩሎም ሓደስቲ እዮም።
ምክትል ናይ ኣሕመድ ናስር ዶክተር ሃብተ ኮይኑ። ተስፋይ ተኽለ፣ ናይ ጸጥታ፣
ሳልሕ እያይ ወጻኢ ጉዳይ፣ ዮሃንስ ዘርእማርያም ሓላፊ ዜና ኮይኖም። ወተሃደራዊ
ሓላፊ ድማ፣ ኣብ ክንዲ ዓብደላ እድሪስ፣ ሑሴን ከሊፋ ከምዝኸውን ተገይሩ። ዓብደላ
ብመደብ ዝገበሮ እዩ። ኣብታ ካብ 1969 ጀሚሩ ዘይለቐቓ መንበሩ፣ ናቱ ሰብ እዩ
ኣቐሚጡ። እቲ ምርጫ “እከለ ናተይ፣ እከለ ናትካ” እናተባህለ ብዋጋ ዕዳጋ እዩ
ተኻይዱ።
ድሕሪ’ዚ 6ይ ኣኼባ ሰውራዊ ባይቶ፣ ንተጋደልቲ ሰሚናራት ይካየደሎም እሞ፣
ድሕሪኡ ጉባኤ ክግበር ተባሂሉ። በቲ ውሳነ መሰረት ውድባዊ ሰሚናራት ክካየድ
ጀሚሩ። ግን ኣብቶም ተጋደልቲ እምነት ዝበሃል ኣይነበረን። ኣብ ኮረኮንን ታህዳይን
ዝነበሩ ተጋደልቲ ንኣብነት፣ ምትእምማን ስለዘይነበሮም፣ ናብቲ ዝካየድ ሰሚናራት
ብዘይ ብረት ኣይንኣቱን ኢና ኢሎም ተቓዊሞም። ብዝኾነ እቲ ሰሚናራት ዘምጽኦ ፍረ
ኣይነበረን። ጀብሃ ካብ ዝርግርግ ናብ ዝበኣሰ ሕምርግርግ እያ ተመርሕ ዝነበረት።
ኣብቲ ግዜ’ቲ ንጀብሃ ንምድሓን ሓደ ናይ ስዑድያ ልኡኽ ንሱዳን መጺኡ ነይሩ።
“ብሃብረ” ዝበሃል ኣብ ትካል ጸጥታ ስዑድያ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓላፊ እዩ። ብሃብረ PDF page 6
View this page in original PDF
27
ንዓብደላ ከም ወተሃደራዊ መራሒ እዩ ዝፈልጦ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዝተጋነነ ትጽቢት
ነይሩዎ። ዓብደላ “15 ሺሕ ኣባላት ዘለውዎ ሓደ እስላማዊ ሰራዊት ክምስርት ይኽእል
እዩ” ዝብል እምነት ነይሩዎ። ዓብደላ እውን ካብ ሱዕድያ ሓገዝ እንተረኺቡ፣ ንሻዕብያ
ዝወዳደር ሰራዊት ክምስርት ከምዝኽእል ይገልጸሉ ነይሩ።
ኣብ ከምዚ ዓይነት ሃዋህው፣ መሪሕነት ጀብሃ ኣብ ስለስተ ተጎጃጂሉ እዩ ዝኸይድ
ነይሩ። በዓል መልኣከ፣ ቶቲል፣ ተስፋማርያም ሓደ ጉጅለ እዮም። ዓብደላ ናቱ ጉጅለ
ነይሩዎ። ኣብቲ ሓደ ድማ ኣሕመድ ናስርን ኢብራሂም መሓመድ ዓሊን ዝነብርዎም
እቶም ዝበዝሑ ነይሮም። ኣሕመድ ናስር ዝነበሮ ጉጅለ ቲያር፣ ካልኣይ ጉጅለ ዓብደላ፣
እቲ ሳልሳይ ከኣ እቲ ድሓር ሳግም ተባሂሉ ዝተጸውዐ ጉጅለ በትን ምዃኖም እዩ።
ትያር ንነብሶም ኣብ ማእከል ኣቐሚጦም፣ ነዞም ክልተ ጉጅለታት ናይ የማንን ጸጋምን
ጥሩፋት እዮም ዝብልዎም ነይሮም። “ትያር ኣልዓም፣ ንጀብሃ ንውክል፣ ንለበር ፓርቲ
ንውክል ንሕና ኢና” ድማ ይብሉ ነይሮም።
5.1 ምትፍናን ዓብደላን መልኣከን
መልኣከ ተኽለ፣ ከም ሰብ ብኹሉ ባህርያቱን ጠባዩን ኣንጻር ወዲ ተላ እዩ። መልኣከ
ናይ ብሓቂ ተጋዳላይ እዩ። ከም ኩሎም ናይ ሽዑ መንእሰያት ብንጽህና ካብ ዩኒቨርሲቲ
ንሃገራዊ ናጽነት ክጋደል ዝመጸ እዩ። ኣዝዩ ተዋጋኣይ ድማ እዩ። ብኣንጻር ብዙሓት
ናይ ጀብሃ መራሕቲ፣ መልኣከ ንነብሱ ብቐዳምነት ከም ተጋዳላይ እዩ ዝርእያ። ኣብ
1975 ኣብ ጉባኤ ንመሪሕነት ክምረጽ እንከሎ፣ ናይ 4 ዓመት ተሞኩሮ ነይሩዎ። ሽዑ
ናይ ጸጥታ ሓላፊ ኮይኑ ተመሪጹ። ሕሩይ ተድላ፣ ንመንፍዓትን ተቐባልነትን መልኣከ
ተኽለ ምስተዓዘበ ካብ ፈለማ ኣይፈተዎን። ወዲ ተላ ንነብሱ ከም ወኪል ናይ ከበሳ
ይሓስባ ስለዝነበረ መልኣከ ከይወዳደሮ ከም ተቓናቓኒኡ ብምጥማት፣ ካብ ፈለማ
ከጥቅዖ እዩ ዝፍትን ነይሩ። መልኣከ ብወገኑ ንናይ ወዲተላ ሕንቃቐ ይቕበሎ
ኣይነበረን። በዚ ድማ መልኣከ ብግስ ከይበለ፣ ዒላማ መጥቃዕቲ ወዲተላን ዓብደላ
እድሪስን እዩ ኮይኑ።
መልኣከ ኣብ ተጋዳላይ ተ.ሓ.ኤ. ከም ናይ ለውጢ መራሒ ክርአ ዝጀመረ ዝያዳ
ድሕሪ ናይ ፋሉል ምንቅስቓስ እዩ። ቅድሚኡ ግን ናይ ጸጥታ ሓላፊ ብምንባሩ፣ ኩሉ
ሰብ ከም ተኸላኻሊ መሪሕነት እናጠመተ ይፈርሖ እዩ ዝነበረ። መልኣከ ኣብ መሪሕነት
ድሕሪ ምምጽኡ ፍልልያቱ ምስ ዓብደላ ቀስ እናበለ ክዓቢ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ 1979
ዝያዳ ጎሊሑ ክርአ ጀሚሩ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ እዋን፣ ኣብ መንጎ ቤት ጽሕፈት ጸጥታን
ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈትን ዝነበረ ፍልልይ ዝያዳ እናተጋህደ፣ ኣብቲ ውድብ እውን
ይንጸባረቕ ነይሩ። በዚ ድማ ዓብደላ ንመልኣከ ከም ሓደ ካብ መሪሕነት ክእለ ዘለዎ
ሰብ ክቖጽሮ ጀሚሩ። ሓደ ካብቲ ዝፈላለዮም ነጥቢ ኣብ ጉዳይ ሓድነት ዝነበሮም
ኣረኣእያ እዩ። መልኣከ ተኽለ ድሕሪ 1978 ንጉዳይ ሓድነት ምስ ህዝባዊ ግንባር
ኣበርቲዑ ዝደፍኣሉ ዝነበረ ሰብ እዩ። ንብዙሕ ተግባራት ዓብደላ እድሪስ ድማ ይቃወሞ
ነይሩ። በዚ ድማ ብ1980 ኣብ ዝተኻየደ 3ይ ጉባኤ ለበር ፓርቲ፣ ኣብ መሪሕነት
ካልኦት ክምረጹ ከለው መልኣከ ደይ መደይ ኢልካ ከምዘይምረጽ ተገብረ። በዓል
ዓብደላ ከቕርብዎ ኣይደለዩን። ንሱ እውን ብዙሕ ዝደልዮ ዝነበረ ኣይመስልን። PDF page 7
View this page in original PDF
28
ፍልልያት ዓብደላን መልኣከን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝበጽሐ ኣብ ውግእ ሓድሕድ
እዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ፍጹም ምርድዳእ ዝበሃል ኣይነበሮምን። ጀብሃ ሱዳን ምስ ኣተወተ
ድማ፣ ዓብደላ ንመልኣከ ምጥፋእ ቀዳማይ ዕላማኡ ገይሩ’ዩ ወሲድዎ። ኣብቲ ግዜ’ቲ
መልኣከ፣ ተጋደልቲ ፋሕ-ፋሕ ከይብሉ ክጠራንፍ፣ ኣጽዋር ብመንግስቲ ሱዳን
ከይውሰድ ክሓብእ እዩ ዝፈታትን ነይሩ። በዓል ዓብደላ ግን፣ እቲ ዝተ ፈጥረ ጸገም
ከይዓጠጦም፣ ነዚ ሰብ’ዚ ከመይ ገይሮም የጥፍእዎ ጥራይ እዮም ውዲት ዝኣልሙ
ነይሮም። ብቐጻሊ ይተናዀልዎ ምንባሮም ርኡይ ስለዝነበረ፣ ኣብ ልዕሊኡ ዝኾነ ነገር
ክፍጽሙ ከምዝኽእሉ ካብ ግምት ወጻኢ ኣይነበረን። ብድሕሪኡ ተመኽልዮም ድማ፣
ፈለማ ነተን ዝሓብአን ብረት ወሲዶመን። መልኣከ ድማ ንባዕሉ ሓደ ጸገም ነይሩዎ።
ንነብሱ ከም ተጋዳላይ እምበር ከም መራሒ ኣይጥምታን እዩ ነይሩ።
ኣብ ኮረኮንን ታህዳይን ዝነበሩ ተጋደልቲ “ብረት ከይሓዝና ናብቲ ኣብ መዓስከር
ዓብደላ ዝካየድ ውድባዊ ሰሚናር ኣይንኸይድን ኢና” ምባሎም ኣቐዲመ ጠቒሰዮ
ኣለኹ። ሽዑ በዓል ዶክተር ሃብተ መጺኦም ንመልኣከ ተኽለ “ንስኻ ኢኻ ተተባብዖም
ዘሎኻ” ኢሎሞ። ብዙሕ ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ግርጭት
ዝተባልሓሉ እዋን፣ መልኣከ ኣብቲ ንሳቶም ዝዓድምዎ ኣኼባ ዘኽይድ ኣይነበሮን። ግን
ንሱ ብዙሕ ኣይተገደሰሎምን። ዝኾነ ይኹን ኢሉ ከይዱ። እቲ ፈጻሚ ሽማግለ ብዛዕባ’ዚ
ጉዳይ’ዚ ኣብ ክልተ እዩ ተመቒሉ ነይሩ። ገሊኦም እቶም ተጋደልቲ ብረት ክዓጥቁ
ኣለዎም ዝብሉ፣ ገሊኦም ብረት ክዓጥቁ የብሎምን ዝብሉ። በዛ ነጥቢ’ዚኣ ድማ እቲ
ዝነበረ ግርጭት ዝያዳ ጉሂሩ። ዓብደላ፣ እዛ ኣጋጣሚ እዚኣ ዕልዋ ንምግባር እዩ
ተጠቒሙላ። ነቲ ብዓንተቦኡ እውን ብዓይኒ ስግኣት ዝርእዮ ዝነበረ መልኣከ ተኽለ፣
ምስ ሓደ ካልኣዩ ኣብ ሩባ ኮፍ ኢሎም እናዕለሉ ከለው፣ ሰዓብቱ ልኢኹ ተዂሲ
ከፊቱሎም። መልኣከ ተሰዊኡ፣ እቲ ምስኡ ዝነበሮ ሰብ ተወጊኡ። ኣብቲ ዝተኸፍተ
ተዂሲ፣ ናይ ስዒድ ሳልሕ ኣውቲስታ ዝነበረ እውን ተቐቲሉ። ስዒድ ሳልሕ ኣብቲ
ከባቢ እዩ ነይሩ። ንሱ እውን ተማሪኹ፣ ተኣሲሩ። እቲ ስጉምቲ ናይ ፈራሓት እዩ
ነይሩ። ተስፋይ ደጊጋን ኣቦ መንበር ጀብሃ ኣሕመድ ናስርን እውን ተኣሲሮም። ቶቲል
ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ከሰላ ስለዝነበረ እምበር ንዕኡ እውን ኣይምገደፉዎን። ኣዜን ያሲን
እውን ምስ ቶቲል ኣብ ከሰላ እዩ ነይሩ። ገለ ሰባት ከም በዓል ደንጉስ ኣረይ ኣብ ልዕሊ
ቶቲል ዝኾነ ስጉምቲ ከይውስድ ብምጥንቃቕ፣ ነቲ ኩነታት ቀቢላዊ መልክዕ እኳ
ከትሕዝዎ ፈቲኖም እንተነበሩ፣ ንቶቲል እውን ካብ ከሰላ ምስ መጸ ኣይገደፍዎን።
ኣሲሮሞ። በዚ ድማ ዳርጋ ኩላ መሪሕነት ጀብሃ ብዓብደላ እድሪስ ተኣሲራ። ብዙሓት
ዝተኣስሩ ካልኦት ካድረታት እውን ነይሮም።
5.2 ድሕሪ ዕልዋ
ዓብደላ ወገናዊን ቀንጻሊን ናይ ጀብሃ ታሪኹ፣ ብ25 መጋቢት 1982 ኣብ ራሳይ
ዝተባህለ ኣብ ዶብ ሱዳን ዝርከብ ቦታ ብዝፈጸሞ ኩዴታ እዩ ዛዚምዎ። ንመልኣከ ተኽለ
ቀንጺሉ ንመብዛሕትኣ ኣባል መሪሕነት ድሕሪ ምእሳሩ ድማ፣ ባዕሉ ኣቦመንበር ኮይኑ።
ብድሕሪ’ዚ ሰሚናራት ከምዝካየድ ገይሩ፣ ኣዋጃት ኣውጺኡ። “ጀብሃ ተረጋጊኣ፣ ኣብቲ
ቅኑዕን መበቈላውን መስመራ ተመሊሳ ኣላ። ንሕና እቲ መሰረት እዩ ዘገድስና። ጸገም
ናይ ጀብሃ ንሳቶም እዮም ነይሮም። ብቐደሙ እውን ቢቢሲ ዝጸውዓቶም (ዓወታት ምስ
ተሰምዐ ዝመጹ) እዮም። ሕጂ እውን ድሓን ቢቢሲ ምስ ጸውዓቶም ዝመጹ ካልኦት
ክህልው እዮም” ዝብል ጎስጓስ ድማ ከካይድ ጀሚሩ። እዚ ጭርቃን’ዚ ኣብ ጀብሃ PDF page 8
View this page in original PDF
29
ልሙድ እዩ ዝነበረ። እቲ ሓድሽ ሓይሊ ነቶም ገዳይም “ዘይ ቡን ትሰትዩ እምበር
እንታይ ትገብሩ ነይርኩም?” እዩ ዝብሎም ዝነበረ። ንሶም ድማ፣ ነቶም ድሓር ዝመጹ
“ቢቢሲ ዝጸውዓቶም” እናበሉ ይጨርቅሎም።
ዓብደላ ዝቕንጸል ቀንጺሉ ዝእሰር ኣሲሩ፣ መሪሕነቱ ንምርጋእ ኣብ ዝጽዕረሉ
ዝነበረ፣ ብኣንጻሩ ናይ ተጋደልቲ ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ዓብደላ እናበርትዐ እዩ ከይዱ።
ኣብ ኮረኮንን ታህዳይን ዝነበሩ ተጋደልቲ ብምሉኦም ኣንጻር ዓብደላ ደው ኢሎም።
ኣብቲ እዋን’ቲ ዶክተር ሃብተ ኣብ ጉጅለ ዓብደላ ምክትል ኣቦመንበር እዩ ነይሩ።
ነቶም ተጋደልቲ ንምትህድዳእ ድማ ምስ ስዩምን ካልኦትን ናብ ኮረኮን ተላኢኾም።
ንሳቶም ነቲ ተጋዳላይ ብቐሊሉ ዘተሃዳድእዎ እዩ መሲልዎም ነይሩ። ኣብኡ ዝነበረ
ስምዒት ግን ካብ ትጽቢቶም ወጻኢ ኮይኑ ጸኒሕዎም። እቶም ተጋደልቲ ምስቲ
ዝነበሮም ሕርቃን ዘይቀተልዎም ዕድል እዮም ገይሮም። ካብቲ ተጋዳላይ ሃዲሞም፣
ኣብ መዓስከር ናይ ሱዳን ክሳብ ዝዕቈቡ እዮም ኮይኖም። “ነዚ ሒዝኩም ትመጹና። እዚ
ኹሉ ሰብ ቀቢርኩም፣ ቅትለታት ተፈጺሙ፣ ብዙሕ ሰብ ተኣሲሩስ ያኢ፣ ንድሕነት
ጀብሃ ክንብል ምስ ዓብደላ ክንቅጽል” ብምባል እቲ ተጋዳላይ ብዙሕ ኣንጸርጺሩ።
ዓብደላ ብዓንተቦኡ ብተጋዳላይ ኣዝዩ ጽሉእ ሰብ እዩ። ዶክተር ሃብተ ተቓውሞ
ናይቶም ተጋደልቲ ምስ ርኣየ ምሒር ሰንቢዱ። እቶም ተጋደልቲ ንዶክተር ሃብተ፣
ኣንጻር’ቲ ብዓብደላ ዝተኻየደ ኩዴታ ኣዋጅ ከውጽእ ኣገዲዶሞ። “ሕራይ ኢሉ” ኣንጻር
ዓብደላ ኣዋጅ ኣውጺኡ፣ ፈሪሙ። ስለዝፈርሐ ግን፣ “በጃኻትኩም ኣነ ካርቱም
ከይበጻሕኩ ከይተውጽኡዎ” ኢሉ ለሚንዎም።
ብድሕሪ’ዚ እቲ ሰራዊት ናቱ ኣኼባታት ቀጺሉ፣ ግዝያዊ ሽማግለ መሪጹ። ብኡ
ንብኡ ድማ ኣብ መንጎ’ቲ ግዝያዊ ሽማግለ ናይ ሰራዊትን ኣባላት ሰውራዊ ባይቶን
ምፍጣጥ ተጀሚሩ። ንሳቶም “ንሕና ሕጋዊ መሪሕነት ኢና” ክብሉ ከለው፣ እቶም
ሽማግለ ናይ ሰራዊት ድማ “ከም ሕጋውያን መራሕቲ ኣይንፈልጠኩምን ኢና”
ኢሎሞም። የግዳስ ብውዲት ተረፍ መረፍ ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ፣ ኣብ መንጎ እታ
ናይ ሰራዊት ሽማግለ እውን ምክፍፋል ኣጋጢሙ፣ ኣብ ክልተ ተገሚዓ። ክሳብ
ምትዃስ እውን ተበጺሑ። ሱዳናውያን መጺኦም ኣብ መንጎኦም ናይ ጸጥታ ዞባ
ብምፍላይ፣ ነተን መዓስከራት ኣብ ክልተ መቒሎመን። እቲ ዝበዝሐ ድሓር ሳግም
ዝተባህለ ኣንጻር’ቲ መሪሕነት ጠጠው ክብል ከሎ፣ ገለ ውሑዳት ድማ ምስቲ መሪሕነት
ወጊኖም።
ኣብ ውሽጢ ከምዚ ዝኣመሰለ ምዕባለታት ተስፋምህረት ዝሓዞም ውሑዳት ተጋደልቲ
ዝርከብዎ ሓደ ንጹል ሓይሊ ነይሩ እዩ። ተስፋምህረት ጀብሃ ንሱዳን ክትኣቱ ኸላ ምስ
ውሑዳት ሰዓብቱ ኣብ ጋሽ እዩ ተሪፉ። በዓል ዓብደላ እድሪስ ነዚ ምስርኣዩ ክልተ
ጋንታ ዝኸውን ሰራዊት ኣዋጺኦም፣ ንጋሽ ከእትው ፈቲኖም ነይሮም። “ቱምሳሕ
ዝመርሖ ናይ ደባይ ኣሃዱታት ክንምስርት ኢና” እዮም ኢሎም። ቱምሳሕ ናብኡ ምስ
ከደ ግን፣ በዓል ተስፋምህረት ቀቲሎሞ። ንጠንቂ ናይቲ ቕትለት ብዝምልከት ብልክዕ
ዝፈልጦ እኳ እንተዘይብለይ፣ ከም ግምተይ ሕነ ናይ መልኣከ እዩ ዝመስል። (ኣብቲ
ድሓር ዝቐጸለ ምዕባለታት ተስፋምህረት ምስ በዓል ዓብደላ ርክብ ዘይብሉ፣ ኣብ ከባቢ
ጋሽ ከምዞም ናይ ውግእ ጎይቶት (ዎርሎርድ) ኮይኑ በይኑ እዩ ተሪፉ። መርገጺኡ
ዝያዳ ናብ ጉጅለ ትያር ዝዛዘወ እዩ ነይሩ። ድሓር ግን ምስ ትያር እውን ተባቲኹ፣
ምስ ሳበ ኮይኑ። ካብ ሳበ ተፈልዩ እውን መሊሱ ምስ ጃስር ኮይኑ። ነዊሕ ጸኒሑ ድማ
ምስ ሻዕብያ ርክብ ጀሚሩ። ፈለማ ሻዕብያ ኣይነጸግዎን። ከምዝዝከር ኣብ 2ይ ጉባኤ
ህ.ግ. ጉጅለ ጃስር ወኪል ሰዲዶም ነይሮም እዮም። ጸኒሑ ግን ተስፋምህረት መገዱ PDF page 9
View this page in original PDF
30
ስለዘይቕንዐ ምስ ሻዕብያ ተገራጭዩ። ስጉምቲ ተወሲዱሉ። መዓስከሩ ተደምሲሱ።
ኣብቲ መዓስከር ኣሲሩዎም ዝጸንሐ ናይ እንዳ ትያር ኣባላት ተፈቲሖም። ተስፋምህረት
ከኣ ኣብ ከባቢ ተከዘ ኮይኑ ክቃወም ኣብ ዝፈተነሉ ተቐቲሉ።)
ኣብ 1983 ዓብደላ ነቶም ኣብ መዓስከሩ ኣሲሩዎም ዝነበረ መራሕቲን ካድረታትን
ፈቲሕዎም። ኣብቲ እዋን’ቲ ሳግም ምስ ሻዕብያ ርክብ ጀሚሮም ነይሮም። ኣባላት
ቲያር ድማ ካብ ማእሰርቲ ዓብደላ ምስ ተፈትሑ ብቐጥታ ምስ ሳበ ተጸጊዖም። ቲያር፣
“ንሕና ገስገስቲ ሓይልታት ስለዝኾንና፣ የማናውያን በዓል ዓብደላ የጥቅዑና ስለዘለው፣
ገለ ኣድሓርሓርቲ ሃገራት ዓረብ እውን ኣንጻርና ደው ስለዝበላ፣ ምስ ሳበ ተጸጊዕና
ክንጸንሕ መሪጽና” ኢሎም እዮም ኣዊጆም። ድሕሪ ገለ እዋን፣ ሳበ ምስኡ ዝተርፉ
ኣትሪፉ፣ ዝእሰር ምስ ኣሰረሎም ካብኡ ወጺኦም። በዚ ተስፋ ቈሪጾም ድማ፣ ክሳብ ኣብ
እግሪ ጸላኢ ምስጋድ በጺሖም። ምስ ደርግ ኣብ ከሰላ ርክባት ጀሚሮም። መንግስቲ
ሱዳን ከኣ ምናልባት ነዚ ዝፈለጠ ይመስል፣ ካብ ሳበ ድሕሪ ምፍላዮም ኣሲርዎም ነይሩ
እዩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ካብታ ሃገር ጠሪዝዎም።
ኣብዚ ናይ ዕግርግርን ሕንፍሽፍን መስርሕ’ዚ ብዙሓት ሓለፍቲን ካድረታትን ጀብሃ
ተቐቲሎም እዮም። መልኣከ፣ ስዒድ ሳልሕ፣ ወልደዳዊት፣ ሓንገላ፣ ዓብደላ ጸጋይ፣
ወዲ ሓሰብን ካልኦትን። ዝበዝሕ ካብዚ ቅትለታት’ዚ ናይ ዓብደላ ስጉምቲ እዩ ነይሩ።
ገሊኡ ድማ ብኻልኦት ዝተፈጸመ ክኸውን ይኽእል።
5.3 ዝባኑ ዝቐልዐ ተንበርካኽነት
( ኣብ ሓምሻይ ክፋል ይቕጽል )