Extracted PDF page text
ብዛዕባ’ዚ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓሳት ሓጺር ድሕረ ባይታ ንምሃብ እዩ፣ ምኽንያቱ እዞም ዘለው መንእሰያት ኣብቲ ዝሓለፈ መድረኽ ቃልሲ ዝተሰግረ ፖለቲካዊ ሕልኽላኻት ብዙሕ ስለዘይፈልጥዎ። እዞም ሕ
Machine-extracted derivative; not a transcript or translation. Reading order, spacing and characters have not been editorially verified. PDF page numbers are file positions, not printed page labels. No OCR has been added.
Open unchanged original PDF · Download unchanged PDF
Extraction status: extracted-unverified.
PDF page 1
View this page in original PDF
7
ታሪኽ ኣይንረስዕ፡ ጉዕዞና ክቐንዕ
ካልኣይ ክፋል
1.4 ካልኣይ ጉባኤ ጀብሃን ውዲታት ዓብደላን
ኣብ 2ይ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፣ ኣብ ውድባዊ ፕሮግራም ብዙሕ ለውጢ
እዩ መጺኡ። ኣብ መንጎ እቲ 1ይን 2ይን ጉባኤ ብዙሕ ፍልልያት እዩ ነይሩ። ኣብ 2ይ
ጉባኤ፣ ሰልፊ ዕዮ (ለበር ፓርቲ) ዋላ ካብ ገዛእ ፕሮግራሙ ኣንሳሒቡ ክበሃል ይከኣል
እዩ። ገለ ገለ ካብቲ ዘሰሓሕብ ዝነበረ ነጥብታት ንምዝካር፣ ኣብ ፕሮግራም ናይቲ
ቀዳማይ ጉባኤ፣ ኣብ ሕቶ ቋንቋታት፣ ትግርኛን ዓረብን ወግዓውያን ቋንቋታት ኮይነን፣
ናይ ኩለን ቋንቋታት ኤርትራ መስልን ማዕርነትን ክሕሎ ዝብል ነጥቢ ነይሩ እዩ። እዚ
ነጥቢ’ዚ ድሓር በቶም ዓቃባውያን ወገናት፣ ከም ኣንጻር ዓረብ ዝቐንዐ ውዲት እዩ
ተራእዩ። “እዚአን ቋንቋታት ኣይኮናን ዲያለክትስ እየን” ዝብል ምጉት ኣምጺኦም። ከም
ውጽኢት ናይዚ ኣመለኻኽታ’ዚ፣ ኩሉ ተጋዳላይ ጀብሃ ከምዝዝከሮ፣ ድሕሪ 2ይ
ውድባዊ ጉባኤ፣ ኣብ 1975 ኣብቲ ውድብ ዝነበረ ንመምሃሪ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ
ትግረ መጻሕፍቲ ተቓጺሉ እዩ። ኣብ መዓስከር ሳዋ ዝነበሩ መማህራን፣ ካልኣይ ቋንቋ
ናይ ኤርትራ ትግረ’ዩ ብዝብል ገርሃዊ ኣተሓሳስባ እዮም ብትግረ መምሃሪ መጻሕፍቲ
ኣዳልዮም። እዚ ምስተሰምዐ፣ ኣብ ኣኼባ ፈጻሚት ሽማግለ ጀብሃ “ናይ ትግረ
መጻሕፍቲ ክጸሓፍ የብሉን” ዝብል ውሳነ ሓሊፉ ከምዝቃጸል ተገይሩ። እቲ ውሳነ ኣብ
ገለ መራሕቲ ጀብሃ ዝነበረ ናይ መንነት ቅልውላው ዘንጸባርቕ እዩ ነይሩ።
ብዘይካ’ዚ ናይ ቋንቋታት ጉዳይ፣ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ጀብሃ ኣካታዒ ዝነበረ
ኣርእስቲ፣ ንዝምድና ሰውራ ኤርትራን ሃገራት ዓረብን ዝምልከት ኣርእስቲ እዩ። ኣብቲ
ቀዳማይ ጉባኤ ዝጸደቐ ፕሮግራም፣ ንሃገራት ዓረብ ክጠቅስ እንከሎ “ዓረባዊ ዓለም”
(Arab World) እዩ ዝብል ነይሩ። ምስ ዓረባዊ ዓለም ዘሎና ታሪኻዊ፣ ባህላዊ
ጂኦግራፍያዊ ምትእስሳር ምድልዳል ዝብል ፕሮግራም እዩ ነይሩ። ኣብ ካልኣይ ጉባኤ
ግን እዚ ኣገላልጻ’ዚ፣ ካብ ዓረብነት ከም ምርሓቕ እዩ ተወሲዱ። እቲ ዝምድና ጥቡቕ
ምዃኑ ብዘመልክት ካልእ ቃል ማለት ብ“ኣልኡማ ኣልዓረቢያ” ከምዝትካእ ድማ
ተገይሩ። “ናብ ዓረብ ዝቐረብና ኢና” ዝዓይነቱ ኣቀራርባ እዩ። እዚ እውን ምስቲ
ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣብ ገለ መራሕቲ ጀብሃ ዝነበረ ናይ መንነት ቅልውላውን ሕማምን
ዝተኣሳሰረ እዩ። ብርግጽ ድማ፣ ዘይኮንካዮ ክትከውን ምፍታን፣ ብዘይካ ሕማም ካልእ
ክበሃል ኣይከኣልን።
ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ ለበር ፓርቲ ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ከምቲ ትጽቢት ዝግበረሉ
ዓቢ ተራ ክጻወት ኣይከኣለን። ከም ውጽኢት ድኻም ናይቲ ሰልፊ ድማ፣ ኣብዚ 2ይ
ጉባኤ፣ ዓብደላ ኣቦ -መንበር ክኸውን ንሕጸ ቀሪቡ። ዓብደላ ግን ጎራሕ ፖለቲከኛ
ስለዝኾነ፣ ነቲ ሕጸ ኣይተቐበሎን። ኣብቶም ተጋደልቲ ተቐባልነቱ ገምጊሙ፣ ንሱ ኣብ
ቅድሚት ክመጽእ እዋኑ ከምዘይኮነ ኣረጋጊጹ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብ ቅድሚት
እንተመጺኡ፣ በቲ ሓድሽ ሓይሊ ጽሉእ ምስ ምዃኑ ብቐጥታ ክጥቃዕ ምዃኑ
ኣይሰሓቶን። ስለዚ፣ “ኣሕመድ ናስር ኣለኩም ኣቦ መንበር ክኸውን ዝኽእል” ዝብል
ሓሳብ ኣቕሪቡ። ኣሕመድ ናስር ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ኣብ ዝተመርጸ ወተሃደራዊ
ሽማግለ ምስኡ እዩ ነይሩ። ጽቡቕ ገይሩ’ዩ ዝፈልጦ። ንመሪሕነት ብቑዕ ሰብ ከምዘይኮነ PDF page 2
View this page in original PDF
8
እናፈለጠ ከኣ፣ ኣቦመንበር ክኸውን ሓጽይዎ። ብድሕሪት ኮይኑ ከም ድላዩ ክቈጻጸሮን
ክጠዋውዮን ከምዝኽእል ኣይሰሓቶን። በዚ ድማ ንኣሕመድ ኣብ ቅድሚት ኣምጺኡ፣
ንሱ ነታ ወተሃደራዊ ሽማግለ ሒዙ ክጸንሕ መሪጹ። ብዝኾነ ኣብዚ ካልኣይ ጉባኤ፣
ኣሕመድ ኣቦመንበር ኮይኑ፣ ሕሩይ ተድላ ካብ መሪሕነት ተኣልዩ። ኣብ ውድባዊ ቅርጺ
ምልውዋጥ ተገይሩ፣ 9 ዝኣባላታ ፈጻሚት ሽማግለ ተመሪጾም።
1.5. ጽልዋታት ወጻኢ
ኣብ መስርሕ 2ይ ጉባኤ ተ.ሓ.ኤ.፣ ሓደ ኣብ ታሪኽ ከይተጠቕሰ ክሕልፍ ዘይግብኦ
መስደመም ተርእዩ ነይሩ እዩ። ናይ ኣባላት ሰልፊ በዓስ ዒራቕ ምትእትታው። ኣቡል
ዓላ ዝበሃል ዒራቓዊ ወኪል ሰልፊ በዓስ፣ ከም ተዓዛቢ ክሳተፍ መጺኡ ነይሩ። ብግብሪ
ግን ተዓዛቢ ጥራይ ኣይነበረን። ኣብ መስርሕ’ቲ ጉባኤ ሰባት እናጸውዐ፣ ጉጅለታት
እናኣከበ ከዘራርብ ይውዕልን ነቲ ጉባኤ ብግዳም ኮይኑ ክዝውሮን ድማ ይጽዕር ነይሩ።
ኣብቲ ጉባኤ ብዘይካ ኣቡል ዓላ፣ ጃዕፈር ኣልኣሳድ ዝበሃል ሓደ ኤርትራዊ ወዲ ናራ
“ዓረብ እየ፣ ኣባል በዓስ እየ” ዝብል እውን ካብ ዒራቕ ክሳተፍ መጺኡ ነይሩ። ናይ
በዓስ ፕሮግራም ሒዙ እዩ መጺኡ። ነቲ ፕሮግራም ኣብቲ ጉባኤ ዘርጊሕዎ። ኣብ
መሪሕነት እውን ክምረጽ ፈቲኑ ነይሩ። ግን ኣይሰለጦን። ምትእትታው ሰልፊ በዓስ
ዒራቕ፣ ኣብ ፖለቲካ ጀብሃ እምበኣር ክሳብ ክንድኡ ዓቢ እዩ ነይሩ። እዚ ከምዚ
ዓይነቱ ምትእትታውን ጽልዋታትን ሓይልታት ወጻኢ ከኣ፣ ሓደ ቀንዲ ፖለቲካዊ
ድኻማት ጀብሃ እዩ ነይሩ።
1.6 ድሕሪ 2ይ ጉባኤ
ኣቐዲመ ከምዝጠቐስክዎ፣ 2ይ ጉባኤ ተ.ሓ.ኤ. ብዙሕ ጸገማት ዝነበሮ እዩ። ክንዲ
ዝኾነ ፖለቲካዊ ኩነታት ጀብሃ ድሕሪቲ ጉባኤ መሊሱ እናኸፍአ ከይዱ እምበር
ኣይጥዓየን። እቲ ሓድሽ ሓይሊ ነቲ ዓቃባዊ ሓይሊ ይቕበሎ ኣይነበረን። እቲ ዓቃባዊ
ወገን እውን ከምኡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓድሽ ሓይሊ ጥዑይ ኣጠማምታ ኣይነበሮን።
ድሕሪ’ዚ ጉባኤ’ዚ፣ ኣብ ሜዳ ወሳኒ ተራ ሒዙ ዝቐጸለ ዓብደላ እድሪስ እዩ። ኣቦ
መንበር ኣሕመድ ናስር እኳ እንተኾነ፣ ኣሕመድ ግን ኣብ ሜዳ ዳርጋ ኣይነበረን። ካብ
1975 ክሳብ 1981 ኣሕመድ ኣብ ሜዳ ዝተራእየለን ተደማሚረን ካብ ኣዋርሕ ዝሓልፋ
ኣይኮናን። ካብ ግዳም ንኣኼባታት ተጸዊዑ ንሜዳ ክመጽእ ከሎ፣ ቀልጢፉ ምእንቲ
ክምለስ ኩሉ ሳዕ መምለሲ ዝኾኖ ቆጸራታት ገዲፉ ምስ መጸ እዩ። ድሕሪ ኣኼባ ድማ፣
“ከምዚኣ ዝኣመሰለት ቆጸራ ኣላትኒ” ኢሉ ይኸይድ። ኣብ ሜዳ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት
ኣቦ-መንበር፣ ምክትል ኣቦመንበር ዝነበረ ኢብራሂም ቶቲል እዩ ዘካይዶ ነይሩ። ኣብቲ
ውድብ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮ ግን ዓብደላ እድሪስ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፣ መራሒ
ናይ ጀብሃ ኣሕመድ ናስር ዘይኮነ ዓብደላ እድሪስ እዩ ነይሩ። ብዓንተቦኡ እውን፣ ነዚ
ገምጊሙ እዩ ንኣሕመድ ናስር ኣብ ቅድሚት ኣምጺእዎ።
ዓብደላ ብግብሪ እቲ ቀንዲ መራሒ ናይ ጀብሃ ይኹን እምበር፣ ብሓደስቲ
ተጋደልቲ ብፍላይ ኣብ ሰራዊት ኣዝዩ ዝተጸልአን ዝተፈንፈነን ሰብ እዩ ነይሩ። ዓብደላ
ጸረ-ስምረት፣ ጸረ-ሓድነት ወገናዊ ሰብ ምዃኑ ኩሉ እዩ ዝፈልጥ። ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብ
መፋርቕ 1975 ምስ ጉጅለ ሳልሕ ሳበ ኣብ ባቕዳድን በይሩትን ርክባት ምግባሩ PDF page 3
View this page in original PDF
9
ተጋዳላይ ኣይተቐበሎን። ድሕሪኡ፣ ኣሕመድ ናስርን ካልኦትን ኣብ መስከረም 1975
ነቲ ስምምዕ ኣብ ካርቱም ክታሞም ኣንቢሮምሉ። ነቲ ዝፈርምዎ ስምምዕ ግን ኣብ ሜዳ
ዝነበረ ተጋዳላይ ፍጹም ኣይተቐበሎን። ተጋዳላይ ጀብሃ ምስ ሻዕብያ ብዛዕባ ዝግበር
ርክባት ጥራይ እዩ ክሰምዕ ዝደሊ ነይሩ። ብኣንጻሩ ዓብደላ ምስ ሻዕብያ ልዝብ ክግበር
ድሌት ኣይነበሮን። ኣብ ተጋደልቲ ናይ ጀብሃ ዝነበረ ስምዒት የንብቦ ስለዝነበረ፣
ኣናብባኡ ድማ ወገናዊ ብምንባሩ፣ ነቲ ኣብ ተጋደልቲ ዝነበረ ናይ ስምረት ጠለብ
ክደፍኣሉ ይደሊ ኣይነበረን። ከም ውጽኢት ናይዚ ኣብ መሰረታውያን ተጋደልቲን
መሪሕነትን ዝነበረ ዝተፈላለየ ባህግን ድሌትን፣ ኩሉ ኣድህቦ መሪሕነት ጀብሃ ኣብ
ክንዲ ናብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ስራሕ ናብ ደገ እዩ ኮይኑ። ብፍላይ ድማ ዓብደላ
እድሪስ ውጽኢት ጉባኤ ንፈተውቲ ሃገራት ንምግላጽን ካልእን ብዝብል ምስምሳት ናይ
ሜዳ ስርሑ ጠንጢኑ ኣብ ደገ ኰለል ዝብለሉ እዋን ብዙሕ እዩ ነይሩ።
1.7 ምትፍናን ዓብደላን መሰረታትን
ብዝሒ ናይቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ሓድሽ ሓይሊ፣ ካብቲ ናይ ቅድም ኣባል ጀብሃ ኣዝዩ
ዝተዓጻጸፈ እዩ ነይሩ። መራሕቲ ጀብሃ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓድሽን ውዑይን ሓይሊ
ብሃገራዊ መስመር ክውድብዎ ክኢሎም ነይሮም እንተዝኾኑ፣ ኩነታት ጀብሃ ፈጺሙ
ምተቐየረ፣ ዓቢይን ኣወንታዊን ለውጢ ድማ ክመጽእ ምኸኣለ። መሪሕነት ጀብሃ ግን፣
(ብሕልፊ ከኣ ዓብደላ እድሪስ)፣ ካብ ፈለማ ብስግኣትን ፍርሒን ዝኣክል ምስዚ ሓድሽ
ሓይሊ ክቀራረቡ ኣይደለዩን። ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሮም እናሃለወ ከምዘይናቶም እዮም
ዝጥምትዎ ነይሮም። ኣብዚ ሓድሽ ሓይሊ ዘካይድዎ ሓያል ፖለቲካዊ ስራሕ
ኣይነበረን። እዚ ሓድሽ ሓይሊ ብወገኑ፣ መንእሰይ ብምዃኑ፣ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝነበረ
ምክፍፋል ኮነ ኣብ መሪሕነት ጀብሃ ብዛዕባ ዝነበረ ጸገማት ዓሚቚ ፍልጠት ኣይነበሮን።
ኣብቲ ውድብ ለውጢ ክመጽእ ከምዘለዎ ግን ይኣምን ነይሩ። ለውጢ ክብል ከሎ፣ ነቲ
ላዕሊ ላዕሊ ዝርእዮ ዝነበረ ጸገማት ንምእራም እምበር፣ ካልእ ኣይነበረን። ምኽንያቱ
እቲ ሱር ዝስደደ ድሑርን ክፍወስ ዘይክእልን ጸገማት ናይቲ ውድብ ኣጸቢቑ ይፈልጦን
ይርድኦን ኣይነበረን። ንኹሉ ዘሳትፍ ኣብ ማዕርነት ዝተመርኰሰ ኣከያይዳ ክህሉ ጥራይ
እዩ ዝጠልብ ነይሩ። ንጹህ ዝኾነ ጠለብ። የግዳስ በዓል ዓብደላ ነዚ ቅኑዕ ጠለብ ናይዚ
ሓድሽ ሓይሊ ከም ተጻብኦ እዮም ጠሚቶሞ። ብፍላይ ዓብደላ እዞም ሓደስቲ ተጋደልቲ
መብዛሕትኦም ደቂ ከበሳ ብምንባሮም ጠለባቶም ይብርሆ ኣይነበረን። ንሳቶም ከኣ፣
ንኽፉእ ኣተሓሳስባኡን ተግባራቱን ተዓዚቦም፣ “እዚ ሰብ’ዚ ኣድሓርሓሪ እዩ” ይብልዎ
ነይሮም። ንዓብደላ ምሒር ብምጽላእ ንሕሩይ (ወዲ ተላ) ከም ኣማራጺ ዝርእይሉ
ኩነታት እውን ነይሩ። ምኽንያቱ ሕሩይ ኣብ ወጻኢ እዩ ዝነበረ። ብወረ እንተዘይኮይኑ
ድማ ብቐረባ ይፈልጥዎ ኣይነበሩን።
እዚ ኣብ ጀብሃ ዝነበረ ሓድሽ ሓይሊ፣ ኣንጻር ጸላኢ ክገጥም ልዑል ድሌትን ወኒን
እዩ ነይሩዎ። ምስ ተጋዳላይ ሻዕብያ ስምረት ክግበር እሞ፣ ኩሉ ሃገራዊ ሓይሊ ብሓባር
ኣንጻር ጸላኢ ክገጥም ልዑል ባህጊ ነይሩዎ። ካብዚ ዝተበገሰ ኣብ ኣኼባታት ተጋደልቲ
ተ.ሓ.ኤ.፣ ጉዳይ ስምረት፣ ዓቢ ሕቶ እዩ ነይሩ። ሓደ ካብቲ ጸገም እቲ ተጋዳላይ ነቲ
ጸረ-ሓድነት መርገጺ ናይ መሪሕነቱ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ኣይነበረን። ኣብ ሕቶ ሃገራዊ
ሓድነት ብዛዕባ ዝነበረ መርገጺን ርእይቶን ናይቲ ውድብ ኣነጺሩ ዝገልጸሉ ኣካል እውን
ኣይነበረን። እቶም ላዕለዎት መራሕቲ ዝበሃሉ፣ ኣብ ዕለታዊ ህይወት ናይቲ ተጋዳላይ
ንጡፋት ኣይነበሩን። ብግብሪ መራሒ ናይቲ ውድብን ሰራዊትን ዓብደላ እድሪስ እኳ
እንተኾነ፣ ንሱ ግን ብዘይካ፣ ኣብ ረሳሕ ፖለቲካ ጥሒሉ ሰባት ክጎጃጅልን ተንኰላት PDF page 4
View this page in original PDF
10
ክኣልምን፣ ከም ወተሃደራዊ ሓላፊ ዝሕንጽጾ ስትራተጂን ብቐጻሊ ዘሰላስሎ ወተሃደራዊ
ስርሒታትን ዳርጋ ኣይነበረን። እቶም ዝካየዱ ዝነበሩ ውግኣት መብዛሕትኦም ብተበግሶ
ናይተን ኣሃዱታት ዝፍጸሙ እዮም ነይሮም። ብሓጺሩ ጀብሃ ኣዝዩ ዝተወደበን
ዝተወሃሃደን ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ንጥፈታት ኣይነበራን። ብውሽጣዊ ፖለቲካዊ
ቅልውላው እትሕመስ ውድብ እያ ነይራ።
1.8 ዝሩግ ውድባዊ ሃዋህው
ጀብሃ ኣብ ከምዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ዝሩግ ሃዋህው እናሃለወት፣ ኣብ ልዕሊ
ተጋደልቲ ዝፍጸም ዝነበረ ምምሕዳራዊ በዳላት ማእለያ ኣይነበሮን። ኣብ ዕለታዊ
ህይወት ናይተን ኣሃዱታት ብቀለልቲ ጉዳያት ዝተላዕለ ብዙሕ ጸገማትን ግርጭታትን
እዩ ዝኽሰት ዝነበረ። እቲ ግርጭት ዝበዝሕ ግዜ ኣብ መንጎ እቶም ገዳይምን ሓደስቲን
እዩ ዘጋጥም። ንኣብነት ሕቶ ምብላዕ ስጋ ይመጽእ። እዚ ንምክፍፋል ምኽንያት
ይኸውን። ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ብዙሕ ደቀቕቲ ጉዳያት እናጓሃረ ዓቢ ምጉጅጃል
ይፈጥር። ዝኣልዮ መሪሕነት ስለዘይረክብ ድማ፣ ዝበዝሕ እዋን ሃይማኖታዊ መልክዕ
ይሕዝ። ላዕለዋይ መሪሕነት ኣብ ንጡፍ ኣመራርሓን ቁጽጽርን ስለዘይነበረ፣ ኣብ መንጎ
ተጋደልቲን ታሕተዎት መራሕትን ዝፍጠር ግጭታት እውን ንጹር ናይ ኣፈታትሓ
ስርዓት ኣይነበሮን። ከም ውጽኢቱ ድማ ሰባት ብዘይፈጸምዎ በደል ወተሃደራዊ ትእዛዝ
ጥሒስኩም እናተባህሉ ይእሰሩን ብዙሕ ግፍዒታት ይወርዶምን ነበረ።
ናብ ዓብደላ እድሪስ ምስእንምለስ፣ ዓብደላ ምስ ጉጅለ ሳበ ኣብ ባቕዳድን በይሩትን
ርክብ ድሕሪ ምክያዱ፣ ምስ ጉጅለ ሳበ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ተጋዳላይ ኣይተቐበሎን።
ብዛዕባ’ቲ ስምምዕ ንተጋደልቲ ንምግላጽ ኣኼባታት ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ድማ ብርቱዕ
ተቓውሞ ተላዒሉ። ኣብቲ እዋን’ቲ ዓብደላ፣ ኣብ ሰራየ ምምሕዳር 9 እዩ ኣኼባ
ኣካይዱ። ኣብቲ ኣኼባ፣ ተጋደልቲ “ስለምንታይ ምስ ሳበ ትራኸቡ? ስለምንታይ’ከ ካብ
ሜዳ ወከልቲ ዘይከዱ? እዚ ውዲት እዩ” ኢሎም ኣንጸርጺሮም። ዓብደላ ከመኻኒ እኳ
እንተፈተነ፣ እቶም ተጋደልቲ ብመልስታቱ ኣይዓገቡን። እቲ ኣኼባ ናብ ዕግርግር
ተቐይሩ። ኣብ መወዳእታ ንዓብደላ ኣኽቢቦም ኣሲሮሞ። ድሓር ግን ኣብኡ ዝነበሩ
ካድረታት ነቲ ነገር ኣዘሓሒሎም ከምዝለቀቕ ገይሮሞ። ንሳቶም እንተዘየገላግልዎ፣
ምናልባት እቶም ተጋደልቲ ምስቲ ዝነበሮም ሕርቃን ምቐተልዎ ነይሮም። ዓብደላ
እድሪስ ድሕሪ’ዚ ፍጻመ’ዚ ምሒር ሰንቢዱን ርዒዱን እዩ። ኣብ ርእስ’ቲ ካብ ቅድም
ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ እዚ ሓድሽ ሓይሊ ዝነበሮ ጽልኢ፣ እዚ ምስተወሰኾ፣ እዚ ሓይሊ’ዚ
ንህይወቱ እውን ሓደገኛ ምዃኑ ገሚቱ፣ ጽልኡን ስግኣቱን ዝያዳ ዓሪጉ።
1.8 ምንቅስቓስ ፋሉልን ናይ ቅንጸላ ስጉምቲን
ድሕሪ’ዚ ዕርግርግር’ዚ፣ ሰውራዊ ባይቶ ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ሓምለ 1976፣ ሳልሳይ
ኣኼባኡ ኣብ ዘካየደሉ፣ እንጽርጽሮት ተጋደልቲ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ነቲ ምስ ሳበ
ዝተገብረ ስምምዕ ንምምኽናይ፣ “ሻዕብያ ኣብ ክልተ ተመቒላ እያ፣ ስለዚ ድማ ምስ
ክልቲኦም ወገናት ኢና ክንላዘብ ዘለና” ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ። እቲ መግለጺ ነቲ
ተቓውሞ መሊሱ ጓህሪ ወሲኹሉ እምበር ኣይዝሓሎን። እዚ ተቓውሞ’ዚን ቅድሚኡ
ክውህለል ዝጸንሐ ምረት ናይ ተጋደልቲን ተደማሚሩ ድማ እዩ፣ ንምንቅስቓስ ፋሉል
ዝወለደ። ናይ ፋሉል ምንቅስቓስ ምስ ተላዕለ፣ ዓብደላ እድሪስ ነግ ፈረግ ኣይበለን። PDF page 5
View this page in original PDF
11
ብቐጥታ ናይ ቅንጸላ ስጉምቲ ክውሰድ እዩ ኣዚዙ። ቀዳመይቲ ግዳይ ናይቲ ቅንጸላ
ዝኾነት ከኣ ቦጦሎኒ 149 እያ ነይራ። እቲ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊኣ እዩ
ተወሲዱ። 261 ትበሃል ናይ ስዒድ ሳልሕ ቦጦሎኒ እውን ተመሳሳሊ ዕድል
ኣጋጢሙዋ። ካልኦት ሓያሎ ኣሃዱታት እውን ቀይዲ በቲኸን ተባሂለን መጥቃዕቲ
ዝተፈጸመለን ነይረን። ከም ሳዕቤን ናይቲ ዝተወስደ ቀንጻሊ ስጉምቲ፣ ኣብቲ ውግእ
ዝስዋእ ተሰዊኡ፣ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ተጋደልቲ ድማ ንስደት ናብ ሱዳን ኣምሪሖም።
ኣስታት 1200 ዝኾኑ ተጋደልቲ፣ ምስ ምሉእ ዕጥቆም ካብ ጀብሃ ተፈልዮም ናብ
ሻዕብያ ተጸምቢሮም። ገለ ከኣ፣ ናብ ጀብሃ ተመሊሶም መቕጻዕቶም ዝተቐበሉ
ነይሮም። ድሕሪ’ዚ፣ ብዓንተቦኣ ኣብ ሕምርግርግ ዝነበረት ጀብሃ በዚ ውሽጣዊ
ግጭት’ዚ ዝያዳ ተሓሚሳ። መሪሕነት ጀብሃ ነቲ ዝተፈጥረ ሕንፍሽፍሽ ክኣልዮ
ኣይከኣለን። ሕንፍሽፍሽ ናይ ጀብሃ ድማ ንዓብደላ እድሪስ ምቹእ ኣጋጣሚ ኮይኑዎ።
ኣብ ውሽጢ’ቲ ዕግርግር፣ ነቶም ስግኣት ዝኸንዎ ንምጥፋእ ነታ ፍልጥቲ ናይ ምቕንጻል
መስመሩ ሒዙ ቀጺሉ።
ሕሩይ ተድላ ባይሩ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ሱዳን እዩ ዝነበረ። እቲ ናይ ፋሉል
ምንቅስቓስ ሕሩይ ኣለዓዒልዎ ተባሂሉ እውን ይሕመ ነይሩ። ግን እቲ ሓቂ ከምኡ
ኣይኮነን። ሕሩይ ምስ ምንቅስቓስ ፋሉል ቀጥታዊ ርክብ ኣይነበሮን። እቲ ተቓውሞ
ብፍኑው ዝተላዕለ ናይ መሰረታውያን ተጋደልቲ ተቓውሞ እዩ። ርግጽ እዩ ገለ ምስ
ወዲ ተላ ርክብ ዝነበሮም 40 ወይ 50 ዝኾኑ “ማርክሳዊ ጉጅለ” ወይ “ማጉ” ተባሂሎም
ዝፍለጡ ሰባት ኣብቲ ተቓውሞ ነይሮም እዮም። ግን ንሳቶም ነቲ ተቓውሞ ክመርሕዎ
ይኹን ከማእዝንዎ ዝኽእሉ ኣይነበሩን። እዘን ቀይዲ በቲኸን ተባሂለን ፋሉል ዝተጸውዓ
ኣሃዱታት፣ ነቲ ምንቅስቓስ ምስ ኣልዓላ፣ ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ 1977 ኣብ ቃቕብዳ
ኣኼባ ገይረን መሪሕነት እውን ክመርጻ ፈቲነን ነይረን እየን። ግን ካብ ፈለማ ውዳበን
ናይ ሓባር ርእይቶን ስለዘይነበረን ክሰልጠን ኣይከኣለን። እቲ ብፍኑው ዝተላዕለ
ተቓውሞ፣ ክትጥርንፎ ኣብ ዘይክኣለ ደረጃ በጺሑ፣ ዝርግርግ ዝበለ ሃዋህው እዩ
ተፈጢሩ። ኣብቲ እዋን’ቲ፣ “ኣንቢብካ ኣሕልፍ!” እናተባህለ ዝሰጋገር፣ መን
ከምዝጽሕፎ ዘይፍለጥ ጽሑፋት ይዝርጋሕ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። መን ከምዘበገሶ
ዘይፍለጥ ዝተፈላለየ ንጥፈታት እውን ይካየድ ነይሩ። ንኣብነት ብሸነኽ ኣከለ ጉዛይ
ሓንቲ ጋንታ ነይራ፣ ጥርዓናት ናይ ተጋደልቲ ጥራይ እትእክብ። “ከምዚ ተበዲለ፣
ከምዚ ገይሮሙኒ” ናይ ዝብሉ ሰባት ጉዳያት እትምዝግብ። ዝመዘዛ ኣካል ዝነበረ
ኣይመስለንን። ነቲ ዝነበረ ጸገማት ናብ መሪሕነት ንምብጻሕ ኢላ ዘንቀለቶ፣ ናይ ገዛእ
ርእሳ ተበግሶ እዩ ክኸውን ዝኽእል።
ኣብ 1976-77 ኣብ ጀብሃ ዝተኸስተ ሕንፍሽፍሽ፣ ተጋዳላይ ንኣመራርሓ ጀብሃ
ስለዘይተቐበሎን ግብራዊ መሪሕነት ኣብ ባይታ ስለዘይነበረን ዘጋጠመ እዩ። እቲ
ተጋዳላይ መብዛሕትኡ ሓድሽ እዩ። ናይ ሓደ ዓመት ክልተ ዓመት ተሞኩሮ ዝነበሮ
መንእሰይ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ርሱን ናይ ቃልሲ መንፈስን ስምዒትን እዩ ነይሩዎ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ሓድሽን ስምዒታውን ሓይሊ ዝመርሖን ዝውድቦን ብቑዕ ኣካል
ምስዝስእን ክፍጠር ዝኽእል ሕንፍሽፍሽ ንምግማቱ ኣየጸግምን።
1.9 ዘይቅዱው መሪሕነት
እዚ ናይ መሰረታውያን ተጋደልቲ ፍኑው ምልዕዓላት እናሃለወ፣ መሪሕነት እውን
ንባዕሉ ምቅዳው ኣይነበሮን። ኣብ መሪሕነት ጀብሃ ንዓብደላ እድሪስ ዘይቅበሉ ወገናት PDF page 6
View this page in original PDF
12
ነይሮም እዮም። ዓብደላ ነዚኣቶም ናይ የማን ሓይልታት እዩ ዝብሎም። ኢብራሂም
እድሪስ (ወዲ እድሪስ መሓመድ ኣደም) ድሓር ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ፣ ኣብ 2ይ
ጉባኤ ኣመሓዳሪ ባርካ ዝኾነ ሓደ ካብኦም እዩ። ካልኦት እውን ነይሮም። እዚ ከምዚ
ኢሉ እንከሎ ሳልሕ ሳበ እውን፣ ኣብ ልዕሊ ጀብሃ ናቱ ውዲታት ነይሩዎ። ሳበ ካብ
ሻዕብያ ምስ ተፈለየ ብዋጋ ጀብሃ እዩ ክዓቢ ፈቲኑ። ነቲ ዓቃባዊ ወገን ናይ ጀብሃ
ማለት ንከም በዓል ዑመር መሓመድን ስዒድ ሑሴንን ክኸስቦም እዩ ዝጽዕር ነይሩ።
ዑመር መሓመድ ኣብ 1973 ኣብ ኣስመራ ንሓደ ጀነራል ክቕትል ዝተወግአ ፍሉጥ
ተጋዳላይ እዩ። ስዒድ ሑሴን ድማ፣ ኣብ 1956 ኣብ ውግእ ስወዝ ካናል ኣብ ጎድኒ
ሰራዊት ግብጺ ተሰሊፉ ዝተዋግአ፣ ሓደ ካብቶም ኣብ ምምስራት ጀብሃ ዝተዋስኡ ናይ
ካይሮ ተማሃራይ ኮይኑ፣ ኣብ 1963 ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ምስ ገለ ተጋደልቲ
ኮይኑ ሓንቲ ስርሒት ክፍጽም ኣብ ዝፈተንሉ ተታሒዙ ዝተኣስረ፣ ድሓር ኣብ 1975
ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጸ ገዲም ተጋዳላይ እዩ። ኣብቲ ዝነበረ ሕንፍሽፍሽ እዚኣቶም
ምስ ሳበ ብምትሕብባር ካብ ጀብሃ ናይ ምፍላይ ፈተነ ገይሮም ነይሮም። ኣብ ደንከል
ሓደ ወተሃደራዊ ጉጅለ ክምስርቱ እውን ፈቲኖም። ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ዓሊ ኢሳቕ፣
ምስኦም ከምዘሎ መሲሉ ንተግባሮም ክከታተል ድሕሪ ምጽናሕ ንጀብሃ ምስ ሓበረ
ከኣ፣ ኣሃዱታት ተዳልየን ጸኒሐን ደምሲሰንኦም።
ገለ ዓቃባውያን መራሕቲ ጀብሃ፣ “እዚ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሓድሽ ሓይሊ ናይ ቀደም
ጀብሃ ኣይኮነን። ብኮምኒስት ዝተዓብለለ እዩ። ስለዚ ምስ ሳበ ምምሕዛው ይሓይሽ።
ንሳበ ኣንጻር ሻዕብያ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና” እናበሉ ንሳበ ክኸስብዎ ክፍትኑ ከለው፣
ሳበ ብወገኑ ናይ ጀብሃ ድኻማትን ሕንፍሽፍሽን መዝሚዙ ካብ ውሽጢ ጀብሃ ንገሊኦም
መራሕቲ ከሲቡ ክዓቢ እዩ ዝህቅን ነይሩ። በዚ ድማ በዓል ዓብደላ እድሪስ ንገለ ኣባላት
መሪሕነት ክሳብ ምእሳር በጺሖም። ጃዕፈር ኣልኣሰድ ሓደ ካብቶም ሽዑ ዝተኣስሩ እዩ።
በዓል ዓብደላ እድሪስ ነቲ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ኣብ ተጋደልቲ ቀሪቦም ከመኽንይሉ
ከለው፣ “ጀብሃ እቲ ቅኑዕ መስመር ሒዛ እንከላ፣ ብጥሩፋት የማናውያንን ጸጋማውያንን
ሓይልታት ትጥቃዕ ኣላ” እዮም ዝብሉ ነይሮም።
1.10 ዓብደላን ጸረ-ስምረት ውዲታቱን
ዓብደላ ከም ወተሃደራዊ ሓላፊ፣ ኣብ ውሽጢ ጀብሃ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ተቐናቐንቱ፣
ናይ ሓይሊ ስጉምቲታት እናወሰደ ኣብ ዝቕጽለሉ ዝነበረ፣ ብኣንጻር ድሌት ናይ
መብዛሕትኦም መሰረታት፣ ኣንጻር ሓድነት ደው ምስ በለ እዩ ነይሩ። ምስ ህዝባዊ
ግንባር ስምረት ዝበሃል ነገር ክሰምዕ ይደሊ ኣይነበረን። ኣብ ሚያዝያ 1977 ኣቢሉ ኣብ
ዛግር ምስ ህዝባዊ ግንባር ናይ መሪሕነት ርክብ ተገይሩ ነይሩ። ኣብቲ ርክብ ቶቲልን
ተስፋማርያምን ተሳቲፎም ነይሮም። ብድሕሪኡ መሪሕነት ናይ ሻዕብያ ንሃዋሻይት
መጺኦም፣ ኣብ እውን ርክብ ተገይሩ። ቅድሚ’ዚ ርክባት’ዚ፣ ብደረጃ ሰልፊታት ኣብ
ዓደን ዝተገብረ፣ ብዙሕ ዘይሰለጠ ርክብ ነይሩ እዩ። ዋላ እኳ ዓብደላ እድሪስ ኣንጻር
ስምረት ይሰርሕ እንተነበረ፣ እቲ ርክባትሲ ይካየድ ነይሩ እዩ። ከም ውጽኢቱ እውን
ስምምዕ 20 ጥቅምቲ መጺኡ። በቲ ስምምዕ መሰረት ከኣ፣ ናይ ሓባር ወተሃደራዊ
ስርሒት ምክያድ ተጀሚሩ። ናይ ባረንቱ መጥቃዕቲ ብሓባር ተፈቲኑ፣ ኣይሰለጠን።
እዚ ኹሉ ናብ ስምረት ዝደፍእ ስጉምቲታት እናተወስደ፣ ዓብደላ ነቲ መስርሕ ክዕንቅጽ
ዘይፍንቅሎ እምኒ ኣይነበረን። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ጀብሃ ዝተፈጥረ ንስምረት ዝጠልብ
ገዚፍ ሓይሊ ኣንጻረይ እዩ ዝብል ግምት እዩ ነይሩዎ።
PDF page 7
View this page in original PDF
13
ሰውራ ኤርትራ ብሰንኪ ምትእትታው ሕብረት ሶቭየት ካብ ብዙሕ ከባቢታት ሃገር
ኣዝሊቑ፣ ህዝባዊ ግንባር ንሳሕል ጀብሃ ንባርካ ደጀን ገይሮም ክንቀሳቐሱ ኣብ
ዝጀመርሉ ግዜ፣ ብኣንጻር ዓንቃጺ ተራ ዓብደላ እድሪስ እቲ ናይ ስምረት መስርሕ
ጽቡቕ እዩ ዝስጉም ነይሩ። ድሕሪ 1978 ናይ ክልቲኡ ውድባት ላዕለዋይ ፖለቲካዊ
መሪሕነት ቈይሙ፣ ናይ ሓባር ሽማግለታትን ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን መደባትን
ምሕንጻጽን ምትግባርን ተጀሚሩ ነይሩ። ደረጃ ብደረጃ ሰራዊት ናይ ክልቲኡ ውድባት
ብምውህሃድ ናይ ሓባር ሰራዊት ንምቛም ድማ፣ ጀብሃ ኣወዳድባ ሰራዊታ በቲ ናይ
ህዝባዊ ግንባር ቅርጺ ክትቅይሮ ስምምዕ ተበጺሑስ፣ ካብ ጀብሃ ክልተ ብርጌዳት
ንሳሕል ብምኻድ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ህ.ግ. ክስለፋ፣ ካብ ሻዕብያ ድማ ብተመሳሳሊ
ክልተ ብርጌዳት ናብ ባርካ ኪኸዳ ተመዲቡ። ነዚ መስርሕ’ዚ ንምትግባርን ምዕባለኡ
ንምክትታልን ከኣ ወተሃደራዊ ርክባትን ቆጸራታትን ይግበር ነይሩ። ኣብቲ ቀዳማይ
ቆጸራ ዓብደላ እድሪስ ሓንቲ ምኽንያት ፈጢሩ ኣይተረኽበን። ብዝከኣሎ መጠን፣ ነቲ
መስርሕ ንምፍሻል እዩ ዝጽዕር ነይሩ። ብሓጺሩ ነቲ ስምረት ፈጺሙ ኣይደለዮን።
ምኽንያት ከኣ ነይሩዎ እዩ። ዓብደላ ነቲ ኣብ ትሕቲኡ ዝነበረ ሰራዊት ብወገናዊ
ኣመለኻኽታ ይጥምቶ ስለዝነበረ ፈጺሙ ይኣምኖ ኣይነበረን። ንዝበዝሐ ተጋዳላይ ጀብሃ
ከም ዕቑር ናይ ሻዕብያ ሓይሊ እዩ ዝርእዮ ነይሩ። ካብዚ ብምብጋስ “እንተድኣ ሓድነት
መጺኡ ንሕና ቦታ ኣይክህልወናን እዩ” ዝብል ከቢድ ስግኣት ነይሩዎ እዩ።
ካብዚ ኣመለኻኽታ’ዚ ነቒሉ፣ ተ.ሓ.ኤ. ተሳዒራ ካብ ሜዳ ዝወጻትሉ ናይ 1981
ደምዳሚ ውግእ ሓድሕድ ደይ መደይ ኢሉ ዝወልዖ፣ ወተሃደራዊ መራሒ ዓብደላ
እድሪስ እዩ። እቲ ኣብ ሰሜን ደንከል ከባቢ ኢንገል ኣብ ስነ 1980 ዓ.ም. ብኣሃዱታት
ጀብሃ፣ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ህዝባዊ ግንባር ዝተወስደ መጥቃዕቲ ዓብደላ ብፍላጥ
ዝኣዘዞ እዩ። ሓሰን ከሊፋን ደጊጋን እውን ምስኡ ነይሮም እዮም። እቲ ግጭት ናይ
ኣጋጣሚ ኣይነበረን። ብፍላጥ ዝተወልዐ እዩ። ምኽንያቱ ሽዑ ብዛዕባ መስርሕ
ምውህሃድ ሰራዊት ንምዝርራብ ቆጸራ ተታሒዙ ነይሩ። እቲ ርክብ ተኻይዱ
እንተዝኸውን፣ መስርሕ ስምረት ንድሕሪት ኣብ ዘይምለሰሉ ደረጃ ምተሰጋገረ፣ ሓይሊ
ሰውራ ኤርትራ ድማ እምብዛ ምበርትዐ ነይሩ። ከምዚ ዓይነት ምዕባለ ግን ንዓብደላ
ዘቕስን ኣይነበረን። በዚ ምዕባለታት’ዚ ተሰናቢዱ ድማ እዩ፣ ነዚ ናይ ደንከል ግጭት
ዝወልዐ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ኣሃዱታት ተ.ሓ.ኤ. ንገለ ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር ኣጥቂዐን
ከቢድ ማህሰይቲ ኣውሪደናለን። ድሕሪ’ዚ ሓይልታት ሻዕብያ ተወዳዲበን ብምምጻእ ጸረ-
መጥቃዕቲ ኣካይደን። ዓብደላ ነቲ ጽቡቕ ዝስጉም ዝነበረ ናይ ስምረት መስርሕ
ዝዕንቅፍ ኩነታት ስለዝተፈጥረ ባህጉ ሰሚሩሉ። “ሻዕብያ ውግእ ስለዝኸፈተትልና፣
ሓይልታትና ክንእከበን ኣለና” ዝብል ምኽንያት ድማ ኣምጺኡ። በዚ ኣመሳሚሱ፣ እተን
ኣብ ድፋዓት ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ኣብ ጎድኒ ሓይልታት ህ.ግ. ዓሪደን ዝነበራ
ኣሃዱታት ተ.ሓ.ኤ. ዕርድታተን ገዲፈን ክወጻ መምርሒ ሂቡ። ኣብኡ ከይተሓጽረ፣
ንሓይልታት ህ.ግ. ብድሕሪት ናይ ምጥቃዕ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ተ.ሓ.ኤ.ን ህ.ግ.ን
ድማ ናብቲ ምድምሳስ ጀብሃ ዘኸተለ ሰፊሕ ውግእ ኣትየን። እቲ ዘገርም ኣብቲ ግዜ’ቲ
ውሽጣዊ ሕንፍሽፍሽን ዝርገትን ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ፣ ጀብሃ ኣይኮነን
ንመጥቃዕቲ ንምክልኻል ዝኸውን ዓቕሚን ሃዋህውን ኣይነበራን። ውሽጣዊ ፖለቲካዊ
ኩነታት ጀብሃ ኣዝዩ ሕማቕ እዩ ነይሩ።
ዓብደላ ነዚ ውግእ’ዚ ምስ ወልዐ ምኽንያት ፈጢሩ ብኡ ንብኡ ንደገ እዩ ከይዱ።
ነቲ ተጋዳላይ ኣብ ውግእ ጠቢሱ ንሱ ሃዲሙ። ኣብ ክንድኡ ንቶቲል፣ መልኣከን PDF page 8
View this page in original PDF
14
ኢብራሂም መሓመድ ዓሊን ወተሃደራዊ ሽማግለ ኮይኖም ነቲ ውግእ ከካይድዎ
ብመሪሕነት ከምዝወከሉ ገይሩ። እቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ማለት መራሕቲ ብርጌዳትን
ካልኦትን ነዚኣቶም፣ “መራሕቲ ቀይሕ መስቀል” ዝብል ስም እዮም ኣጥቢቖምሎም።
“እዚኦም ሲቪል እዮም ከመይ ጌሮም ይመርሑና” ዝብል ስምዒት ስለዝሓደሮም።
ብግብሪ እውን እታ ሽማግለ ኣብቲ ውግእ ኣየድምዐትን። እቲ ውግእ እናቐጸለ
እንከሎ፣ መሪሕነት ጀብሃ ሓንሳብ ገምጋም ኣካዪዱ ነይሩ። እቲ ገምጋም ቀምሽ ኣደይ
ሓንኲሉኒ ዝዓይነቱ እምበር ትርጉም ኣይነበሮን። መሪሕነት ንሓድሕዳ ኣብ ምጥቕቓዕ
እያ ኣትያ። ኣብ ዝተሳዕረ ሓይሊ ዝፍጠር ባህርያዊ ተርእዮ ድማ እዩ። ብዝኾነ
ድሕሪ’ቲ ገምጋም፣ ዝጸንሐ ጌጋታት ንምእራም ብኣቦ መንበር ጀብሃ ኣሕመድ ናስር
ዝምእከል ወተሃደራዊ መሪሕነት ይቑም ተባሂሉ። ብኻልእ ኣዘራርባ ዓብደላ ክመርሕ
ማለት እምበር፣ ኣሕመድ ናስር ክመርሕ ከምዘይክእል ፍሉጥ እዩ ነይሩ። ስለዚ ለውጢ
ዘምጽእ ውሳነ ኣይነበረን። ዝዓሰወ እንጌራ ኣብ ሓድሽ መሶብ እዩ። ብዓንተቦኡ ብቑዕ
ወተሃደራዊ ኣመራርሓ ኣይነበረን፣ ድሕሪኡ’ውን ዝመጸ ለውጢ ኣይነበረን። ጀብሃ
ክዋጋእ ዝኽእል ዓቕሚ ኣይነበራን። እቲ ተጋዳላይ ነቲ ውግእ ፈጺሙ ኣይኣመነሉን።
ፖለቲካዊ ቅልውላው ጀብሃ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ እዩ በጺሑ። ኣብቲ ሰራዊት ናይ
ምውጋእ ወኒ ይኹን ሞራል ፈጺሙ ኣይነበረን። ስለዚ ድማ ነዊሕ ኣይጸንሐን፣ ኣብቲ
ዝቐጸለ ውግእ ጀብሃ ብምልኣታ ተጸሪጋ ሱዳን ኣትያ። ጠንቂ ውድቀት ጀብሃ እምበኣር
ብቐንዱ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ስእነት መሪሕነትን እዩ ነይሩ።
2. ቅድሚ ስዕረት ዝተጋህደ ተንበርካኽነት
(ኣብ ሳልሳይ ክፋል ይቕጽል)