Extracted PDF page text
Microsoft Word - klte.doc
Machine-extracted derivative; not a transcript or translation. Reading order, spacing and characters have not been editorially verified. PDF page numbers are file positions, not printed page labels. No OCR has been added.
Open unchanged original PDF · Download unchanged PDF
Extraction status: extracted-unverified.
PDF page 1
View this page in original PDF
ክልተ ሓለዋ ቤትማእሰርቲ ዒራዒሮ
ዝነበሩ ዜጋታት ብሓይልታት ጸጥታ
ህግደፍ ካብ ሊብያ ተጨውዮም።
Friday, 02 January 2009
ክልተ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ምስ ክልተ ኣባላት ጸጥታ ሊብያ ተሓባቢሮም ብዘካየዱዎ ናይ ጭውያ ስርሒት፡ ካብ
ኤርትራ ኣምሊጦም ኣብ ጉዕዞ ስደት ሊብያ በጺሖም ንዝነበሩ ክልተ ኣባላት ሓለዋ ቤትማእሰርቲ ዒራዒሮ ነበር ፡ ብ16
ሕዳር 2008 ጨውዮም ናብ ኤርትራ ብምምላስ ኣብ እምባትካላ ኣሲሮሞም ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ
ሓቢሮም።
ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ ሓደ ካብቶም ግዳያት ዝኾነ ጠዓመ መንግስ፡ ጉርጂ ካብ ዝተባህለ ቦታ ክጭወ ኸሎ፡ ሓኪም
ቀዳማይ ረዲኤት ኮይና ኣብ ቤትማእሰርቲ ዒራዒሮ ተገልግል ዝነበረት ራሄል ይግዛው ድማ ኣቡ-ነፊስ ካብ ዝተባህለ
ቦታ እያ ተጨውያ።
እዞም ግዳያት ጭውያ ኮይኖም ዘለዉ ክልተ ዜጋታት፡ ኣብ ትራብሎስ ዝብሃል ከተማ ሊብያ ን10 መዓልታት
ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ብጽኑዕ ሓለዋ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ምስ ዓረፉ ብቐጥታ ናብ እምባትካላ ተወሲዶም
ከማዝተኣስሩ እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ቤትማእሰርቲ ዒራዒሮ፡ እቶም መንግስቲ ዲምክራስያዊ ለውጢ ክግበር ብግህዶ ዝጠለቡን ዝተቓወሙን ብ ‘ጉጅለ
15’ ዝፍለጡ ሚኒስተራትን ኣባላት ባይቶን ተኣሲሮምሉ ስለዝነበሩ ብጽኑዕ ዝሕሎ ቤትማእሰርቲ እዩ። ስለዝኾነ ኸኣ፡
ስርዓት ህግደፍ ሓበሬታ መታን ክይጸልቆ ነቶም ሓለውቲ ንገዛእ ርእሶም ‘ውን ጽኑዕ ሓለዋ እዩ ዝገብረሎም።
ብኻልእ ወገን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ሱዳን ተዋፊሮም ዝቐነዩ ሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ብተመሳሳሊ መንገዲ 16
መንእሰያት፡ ንመብዛሕትኦም ካብ ካርቱምን ከሰላን፡ ጨውዮም ናብ ኤርትራ ብምምላስ ኣሲሮምሞም ከምዘለዉ
ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የፍልጥ።
ዛጊት ናይ ኣርባዕተ ካብኣቶም ኣስማት ተረኽቡ ኣሎ። ንሳቶም ከኣ፡
1. ተመስገን በላይ (ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ዝነበረ)
2. ተመልሶ ተስፋጼን
3. ዑመር መሓመድ
4. ተስፋማርያም ሓድጉ እዮም።