Extracted PDF page text

ብዛዕባ’ዚ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓሳት ሓጺር ድሕረ ባይታ ንምሃብ እዩ፣ ምኽንያቱ እዞም ዘለው መንእሰያት ኣብቲ ዝሓለፈ መድረኽ ቃልሲ ዝተሰግረ ፖለቲካዊ ሕልኽላኻት ብዙሕ ስለዘይፈልጥዎ። እዞም ሕ

Machine-extracted derivative; not a transcript or translation. Reading order, spacing and characters have not been editorially verified. PDF page numbers are file positions, not printed page labels. No OCR has been added.

Open unchanged original PDF · Download unchanged PDF

Extraction status: extracted-unverified.

PDF page 1

View this page in original PDF

 1 
ታሪኽ ኣይንረስዕ፡ ጉዕዞና ክቐንዕ 
             
                            ተኽሎም ንርኣዮ  
 
  (እዚ ጽሑፍ’ዚ፣ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ተጋዳላይ ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ዝነበርክሉ እዋን፣ 
ከምኡ’ውን ተ.ሓ.ኤ. ድሕሪ ምብትታና ኣብ ዝሰዓበ መድረኽ ካብ ዘዋህለልክዎ ውልቃዊ 
ትዕዝብቲ ምርኩስ ብምግባር ዘዳለኽዎ እዩ። ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ካባይ ንላዕሊ ኣፍልጦን 
ደቂቕ ትዕዝብትን ዘለዎም ሰባት ከም ዘይስኣኑ እኣምን። ኩልና እቲ ንፈልጦ ሓቂ 
እንተንገልጽ ድማ፣ ልቦና ተካእቲ ወለዶታት ክንደይ ኮን ምሃብተመ እብል።)  
                
 
መቕድም፣- 
 
  ሓደ ዘሕፍር ተግባር ክርእዩ ወይ ብወረ ክሰምዑ ከለው፣ “ወይ ጉድ….! ኣንታ መን 
ክሓፍረሎም’ዩ!” ኢሎም ኣብ ክንዲ’ቶም ዝወዓልዎ ሰባት ብሕፍረት ኣብ ጽፍሮም 
ዝኣትው ወረጃታት ኣለው። ብርግጽ ድማ ገለ ገለ ነውርታት ኣይኮነን’ዶ ንዝወዓሎ 
ንሰማዓይ እኳ ዘሕፍር እዩ። ብሕልፊ እቲ ሕስረት እናተደጋገመ፣ “እከለ እምበር ከምዚ 
ገይሩ፣ እከለ እምበር ከምዚ ኢሉ” ክብሃል ከሎ ምሒር ዘሸቚርር እዩ። ጉድ ክንሰምዕ 
ዕድመ ሂቡና፣ እናሻዕ ጉድ እናሰማዕናን እናተዓዘብናን ንነብር ኣሎና። እንሓንሳብ 
ፍሽኽ ኢልና ንሓልፎ። እንሓንሳብ ግን፣ “ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ቆርበት 
ኣንጽፉለይ በለ” ዝዓይነቱ ምውርዛይ ይኸውን እሞ፣ ትፈልጦ ክትገልጽ ትድረኸሉ 
እዋን ኣሎ። እቲ ምንታይሲ፣ ወዮም ኣበሳኦም ከዊሎም፣ ብጹኣን መሲሎም፣ ኣብ 
መድረኽ ዝቐርቡ፣ ንዘይፈልጥዎም ከየደናገሩ ስለትስከፍ።  
 
   ጽሑፈይ ነቶም ምሉእ ዕምሮም ኣብ ደምበ ክድዓትን ዕሱብነትን ዘብለዩ የግዳስ ገና 
ዘይበለየሎም ገለ ወገናትና ዝምልከት ምዃኑ ኣይሰሓትኩሞን። ካብቲ ዕድመ ዝሃቦ 
ገዲም ተጋዳላይን ካልእ ዜጋን፣ በዞም ሰባት እዚኣቶም ዳግም ክደናገር ዝኽእል ዘሎ 
ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ልቦና ዘለዎ ሓንሳብ እዩ ዝዕሾ። እንተኾነ ግዳ፣ ኣብ ቃልሲ 
ንሓርነት ብዛዕባ ዝተሰግረ ፖለቲካዊ ሕልኽላኻት ዘይፈልጡ ንኣሽቱን ንጹሃትን ኣሕዋት 
ኣለውና። እዞም ምሉእ ዕምሮም ኣብ ደምበ ክድዓት ዝተመራስሑ ሰባት፣ ኣብ 
ቅድሚ’ዚ መንእሰይ ወለዶ ጨለ መደረ ከይለምዱ እምበኣር፣ ነቲ ክትዛረበሉ ዘሐፍር 
ውልቃዊ ታሪኾምን ፖለቲካዊ ግደኦምን ምግላጽ ግድን ኣድላዪ ይገብሮ። እዞም ሕጂ 
“ተቓወምቲ ኢና” ኢሎም ኣብ ትሕቲ’ቲ ጽላል ወያነ ኣብ ኣዲስ -ኣበባ ከምኡ’ውን ኣብ 
ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ከውደኽድኹ እንዕዘቦም ዘሎና፣ ብልክዕ እንታዎት እዮም? 
ሓደ ብሓደ ድሕረ ባይታኦም እንታይ ይመስል? ኣብ እዋን ቃልሲ’ኸ እንታይ ግደ 
ነይሩዎም? መንእሰይ ወለዶ ኣዳቒቑ ክፈልጦ ዝግባእ እዩ። 
 
   ፖለቲካዊ ተቓውሞ ካብ ዕላማን ራእይን ስለዝብገስ፣ ምድንጋር ከይፈጥር፣ ቅድም 
ቀዳድም፣ ተቓውሞ ናይዞም ሰባት’ዚኣቶም ፖለቲካዊ ተቓውሞ ከምዘይኮነ ምብራህ 
ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ፣ እዞም ሰባት’ዚኣቶም ሓደ ብሓደ በዓል መን እዮም? ኢልካ 
እንተፈቲሽካ፣ ብምሉኦም ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ብዝተፈላለየ መልክዕ 
ተቐልቂሎም ዝኸሰሩ፣ ዝተሳዕሩ፣ ኣብ ትሕቲ ጸላኢ ዝተምበርከኹ፣ መጋበርያ ዝኾኑ፣ 
ብሉል ታሪኽ ዘለዎም ሰባት እዮም። ብሓጺሩ፣ ዛጊት ንነብሶም ተቓወምቲ ኣጠሚቖም 

PDF page 2

View this page in original PDF

 2 
ክተኣኻኸቡ ዝረኣናዮም ኩሎም፣ እቶም ዝጠፈሹን ዝነደዩን ባ እታታት ጥራይ እዮም። 
ካልኦት ሓደስቲ ኣይረኣናን። ናይዞም ሰባት እዚኣቶም ተቓውሞ ከኣ፣ ካብ ዝኸሓነ 
ቂምታ፣ ቅርሕንቲን ቅብጸትን ዝብገስ ብምዃኑ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ክበሃል 
ኣይከኣልን። ምኽንያቱ ብኸምዚ ዓይነት ስምዒት’ዚ ተደሪኽኻ፣ ጥዑይ ፖለቲካዊ ስራሕ 
ክስራሕ ከምዘይክኣል ፍሉጥ እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፣ ብምኽንያት ተደጋጋሚ 
ፍሽለቶምን ንድየቶምን ብምረትን ነብሰ-ምትሓትን ምሒር ዝቐርዓኑ እዮም። ኣዒንቶም 
ሓቂ ከይርኢ ብመጋረጃ ጽልኢ ዝተጎልበበ እዩ።  
 
   ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፣ ዝነበርና ኩልና ተጋደልቲ ከምእንዝክሮ፣ ገለ 
ካብዚኣቶም፣ “ብሻዕብያ ካብ ዝመጽእ ናጽነት መግዛእቲ ይሓይሽ” ኢሎም ዝባኖም 
ቀሊዖም ተምበርካኺ መንፈስ ዝነዝሑ ዝነበሩ እዮም። ኣብ ፖለቲካ ከምዚ ዝኣመሰለ 
ጥሩፍ ስምዒታት ሓድሽ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ፍሽለት ናብ ዕብዳን ስለዘምርሕ፣ 
ዝኸሰረን ዝተሳዕረን ኣእምሮኡ ስሒቱ ከዕበድብድ ምርኣይ ዘገርም ኣይኮነን። ኣብ 
ከምዚ ዓይነት ኩነት ዝወደቐ ፖለቲከኛ’የ በሃሊ፣ ክውንነት ክቕበል የጸግሞ እዩ። ነቲ 
ኣብ ባይታ ዘሎ ክውን ሓቂ ተረዲኡ፣ ኣካይዳኡ ኣሪሙ ኣብ ቅኑዕ መስመር ዝምለስ 
ዝወሓደ እዩ። ብዙሓት፣ ተስፋ ቈሪጾም ካብቲ ቃልሲ ብምግላል፣ ጸግዖም ሒዞም፣ 
ግዜኦምን ጉልበቶምን ናብ ካልእ ውልቃዊ ዋኒኖም ዘውዕልዎ ኣለው። እዚ፣ ብኻልእ 
መዳይ ክውንነት ምቕባል እዩ። ክንደይ ዓሻ ድማ ኣሎ፣ ኣብ ክንዲ ጸግዑ ዝሕዝ፣ 
ኣንጻር ክውንነት ደው ብምባል፣ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ሕስረትን ዕሱብነትን ወሪዱ ክቡር 
ግዜኡን ኣእምሮኡን ጉልበቱን ዘባኽን።  
 
   ጀብሃ ተሳዒራ ካብ ሜዳ ኤርትራ ካብ እትወጽእ ኣስታት 28 ዓመት ኮይኑ ኣሎ። 
ዳርጋ ክንዲ’ቲ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝወሰዶ ዓመታት ምዃኑ እዩ። እዞም 
ሰባት እዚኣቶም፣ ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ካብ ሃገራዊ ቃልሲ ዝዀብለሉ እዮም። ነቲ 
ዝተፈጥረ ሓድሽ ክውንነት ተቐቢሎም ኣብ ሃገራዊ መስመር ተጸምቢሮም ግደኦም 
ከበርክቱ ትብዓት ኣየጥረዩን። ከም ብዙሓት ካልኦት እውን ጸግዖም ኣይሓዙን። ኣብ 
ክንድኡ፣ ምስ ዝመጸ ንሃገር ዝጻባእ ግዳማዊ ሓይሊ እናተጸግዑን ኣብ እግሩ 
እናሰገዱን፣ ኣብ መዲናታት ጎረባብቲ ሃገራት ክዛውኑ፣ እናተጸዋውዑ በብዓይነቱ 
ኪዳናት ክምስርቱን ነዊሕ ከይጸንሑ ክፈናጥሑን ዕድመና ምሉእ ተዓዚብና። ኣብዚ 28 
ዓመታት እንታይ ዘሪእኩም እንታይ ሓፊስኩም ዝብል ለባም ሓታቲ እንተዝረኽቡ፣ 
እንታይ መልሲ ኮን ምሃቡ? ጽልኢ ዘሪኦም ውርደት ክሓፍሱ እምበር ካልእ 
ኣይረኣናን። ኣነ ርግጸኛ እየ ምስ ነብሶምን ሕልናኦምን እውን ሰላም ዘለዎም ሰባት 
ኣይኮኑን። ምህርቶም፣ ውርደት ጥራይ እናኾነ ግን፣ ነውራም ተግባሮም ይቕጽልዎ 
ኣለዉ። ሕጂ’ውን ፖለቲካዊ ሩካን ምግምዳሕ ኣይገደፉን። እቲ ዝኸፍአ ከኣ፣ ኣብ 
እግሪ ጸላእቲ እናሰገዱ መሳርሒ ግዳማዊ ተጻብኦ ብምዃን ክብረት ህዝቢን ሃገርን 
የዋርዱ ምህላዎም እዩ።   
 
   እዞም ሰባት እዚኣቶም፣ ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝውክልዎ ነናቶም 
ፍሉጥ መስመር ኣለዎም። ናይ ወገንነት፣ ክድዓት፣ ሃሱስነት፣ ኩርኩርነት፣ ዕሱብነት፣ 
መስመር እዮም ዝውክሉ። ነዚ ንምርዳእ ምእንቲ ክሕግዝ ናይ ገለ ካብኣቶም ድሕረ 
ባይታ ተመሊስካ ምፍታሽ ኣገዳሲ እዩ። ካብ 1981 ማለት ተ.ሓ.ኤ. ካብ እትብተን 
ንድሓር ጥራይ ዘይኮነ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ መድረኽ፣ ተራ ናይዞም ሰባት እዚኣቶምን 
ዝውክልዎ ፍሉጥ መስመርን ሓደ ብሓደ ምርኣዩ፣ ብኡ ኣቢልካ ድማ ነቲ ብሰንኪ 
እዞም ሰባት እዚኣቶም ዝተኸስረ ወርቃዊ ግዜን ዝባኸነ ገዚፍ ሃገራዊ ዓቕሚን፣ (እምብዛ 

PDF page 3

View this page in original PDF

 3 
ዘሕዝን እኳ እንተኾነ) ከም ታሪኽ ምፍላጡ ንተካእቲ ወለዶታት ጠቓሚ ኣስተምህሮ 
እዩ።  
 
 
 
1. ተጻባኢን ወገናዊን መስመር ዓብደላ እድሪስ  
 
   ብንእስነቱ ኣብ ቃልሲ ንሃገራዊ ናጽነት ዝተሰለፈ ዓብደላ እድሪስ፣ ኣብ ካልኣይ ወይ 
ሳልሳይ ዙርያ ኣብ ሶርያ እዩ ተዓሊሙ። ኣብ 1967 ኣቢሉ ድማ ንሜዳ ኣትዩ። ዓብደላ 
ፈለማ ኣብ 5ይቲ ክፍሊ ተ.ሓ.ኤ. እዩ ተመዲቡ። ኩልና ገዳይም ተጋደልቲ 
ከምእንፈልጦ፣ 5ይቲ ክፍሊ ከም ውጽኢት ናይቲ ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ተ.ሓ.ኤ. ዝነበረ 
ቁርቁስ፣ በቲ ናይ ሽዑ ፖለቲካ ንደቂ ከበሳ ተባሂላ ዝቘመት ክፍሊ እያ። ኣብቲ 
እዋን’ቲ ዝነበረ መምርሒ (ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ማለት እዩ) ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ፣ 
ኣባላታ ሓደ ሲሶ ደቂ ዞባኣ ኪኾኑ፣ እቶም ካልኦት ግን ተወልድቲ ካልእ ከባቢታት 
ኪኾኑ ዝብል እዩ። ግን ብግብሪ ከምኡ ኣይተሰርሓሉን። ኣቋውማ ናይተን ክፍልታት 
ወገናዊ እዩ ነይሩ። ኣብቲ መድረኽ’ቲ እድሪስ ገላውዴዎስ ን5ይቲ ክፍሊ ብመገዲ 
2ይቲ ክፍሊ ክቈጻጸራ እዩ ዝፍትን ነይሩ። 5ይቲ ክፍሊ ዓቕሚ ስለዘይነበራ 2ይቲ 
ክፍሊ እያ ትምውላ ዝነበረት። እቲ ድሓር ብዙሓት ተጋደልቲ ቀቲሉ ተባሂሉ ዝኽሰስ 
ምክትል ወልዳይ ካሕሳይ ዝነበረ ሕሻል ንኣብነት ካብ 2ይቲ ክፍሊ ዝመጸ እዩ። 
ብሓጺሩ ን5ይቲ ክፍሊ መቐጸልታ 2ይቲ ክፍሊ ንምግባራ እዩ ዝፍተን ነይሩ።  
 
   ኣብ 5ይቲ ክፍሊ ዝነበረ ዓብደላ እድሪስ፣ ስለስቲአን ክፍልታት ማለት 3ይቲ፣ 
4ይቲን 5ይቲን ሰሚረን ን”ዋሕዳ ስላስያ” ኣብ ዘቘማሉ ጉባኤ ዓንሰባ፣ ኣባል መሪሕነት 
ስሉሳዊ ሓድነት ኮይኑ ምምራጹ ዝፍለጥ እዩ። ካብቲ እዋን’ቲ ኣትሒዙ ድማ እዩ፣ 
ወገናዊን ትሕተ ሃገራዊን ኣመለኻኽታኡ፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ ናይ ዕሱብነት ባህርያቱ 
ክግሃድ ዝጀመረ። ነዚ ዘረጋግጽ ጭቡጥ መርትዖ ኣሎ። ድሕሪ ምቛም ግዝያዊ 
መሪሕነት ሱሉሳዊ ሓድነት፣ ካብቶም ኣብ ጉባኤ ዓንሰባ ዝተመርጹ ኣባላት መሪሕነት፣ 
ዑማሮ፣ ኢሳይያስ፣ ኣቡጥያራ፣ ንሱዳን ብምኻድ፣ ነቲ ዝተወስደ ናይ ስምረት ስጉምቲ 
ደገፍ ንምርካብ ንሓደ ሽዱሽተ ወርሒ ዝኣክል ኣብ ሱዳን ኣኼባታት እናካየዱ የጓሳጉሱ 
ነይሮም እዮም። ዓብደላ እድሪስ ጎስጓስ ከካይድ ዝመዘዞ ኣይነበረን። ይኹን’ምበር 
ደድሕሪኦም፣ ብሕማም ኣመሳሚሱ ንሱዳን ብምኻድ፣ ኣንጻሮም ከጎሳጒስ ጀሚሩ። 
ምስተን ዘይሰመራ ወገናት ማለት 1ይቲን 2ይቲን ክፍልታት ኪዳን መስሪቱ፣ ንባዕሉ 
ኣብ ውሽጢ ስሉሳዊ ሓድነት እናሃለወ፣ ኣንጻር መሪሕነት ስሉሳዊ ሓድነት ክንቀሳቐስ 
ተራእዩ። 
 
   ዓብደላ እድሪስ፣ ከም ጉሉሕ ፖለቲካዊ ባእታ ዝተቐልቀለሉ፣ ኣብቲ ብድፍኢት 
መሰረታውያን ተጋደልቲ ሓሙሽተአን ክፍልታት ተ.ሓ.ኤ. ዝሰመራሉ ጉባኤ ኣዶብሓ 
እዩ። ኣብ መስርሕ’ቲ ጉባኤ፣ እቲ ኣቐዲሙ ዝሰመረ ሓይሊ፣ ማለት ስሉሳዊ ሓድነት 
(ዋሕዳ ሰላስያ) ብርኡይ ኣብ ክልተ እዩ ተገዚዑ። ዓብደላ እድሪስ ዝነበሮ ሓደ ወገን 
ምስ ርእይቶ 1ይቲን 2ይቲን ክፍሊ ወጊኑ። ኣብኡ ዝተጋህደ ገዛዛዒ ውዲትን ጸይቂን 
ላዕለዋይ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ. ገዲፍና ግን፣ ኣብቲ ጉባኤ ሓድሽ ኪዳን ተመስሪቱ፣ 
ዓብደላ እድሪስ ድማ ወተሃደራዊ ሓላፊ ኮይኑ ብጉባኤ ተመሪጹ። ሓዮቲ እውን ናይ 
ጸጥታ ሓላፊ ኮይኑ ተመዚዙ ክልቲኦም ወሰንቲ ቦታታት ሒዞም።  
 

PDF page 4

View this page in original PDF

 4 
 
 
 
1.1. ጉባኤ ኣዶብሓን ዘስዓቦ ቅልውላውን 
 
   ጉባኤ ኣዶብሓ፣ ቅንዕና ዘይነበሮ ውዲታዊ ጉባኤ ብምንባሩ ብኡ ንብኡ እዩ 
ፈሺሉ። ቅያዳ ኣልዓማ ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣትያ፣ ኣብ ሜዳ ብዙሕ 
ሕንፍሽፍሽ ተፈጢሩ። ከም ውጽኢቱ ቅትለትን ማእሰርቲን ተጋደልቲ በዚሑ። ሓያሎ 
ንሃገራዊ ናጽነት ክቃለሱ ዝመጹ ንጹሃት ተጋደልቲ፣ በቲ ዝተፈጥረ ጸገማት ተስፋ 
ቈሪጾም ካብ ሜዳ ክሃድሙ ተራእዮም። እቲ እዋን’ቲ፣ ከም በዓል ኪዳነ ክፍሉን 
ወልዳይ ግደይን ዝኣመሰሉ ንለውጢ ዝቃለሱ ዝነበሩ ተጋደልቲ ዝተቐንጸልሉ፣ ስርያ 
ኣዲስ-ኣበባ ተባሂሎም ዝፍለጡ ሓደስቲ ተጋደልቲ ብእኩብ ዝተረሽረሽሉ ሕማቕ እዋን 
እዩ። ወልዳይ ኣብ ከሰላ ኣባል ቅያዳ ሰውርያ ዝነበረ እዩ። ኪዳነ ድማ ኣብ ከሰላ ኣብ 
ቤት ጽሕፈት ዜና ይሰርሕ ነይሩ። ክልቲኦም ንጡፋት ኣባላት እዮም ዝነበሩ። ብፍላይ 
ኪዳነ ሓደ ካብ ብሉጻት ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ናይቲ ግዜ’ቲ ዝነበረ፣ በሊሕ ሰብ እዩ። ገለ 
ካብቲ ንሱ ዝጽሕፎ ዝነበረ ጽሑፋትን ናብ ፈለጥቱ ዝሰዶ ዝነበረ ደብዳበታትን ኣብ 
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተሰኒዱ ዝጸንሐ ኣሎ። ሓደ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ፣ ኣብቲ 
እዋን’ቲ፣ ንኪዳነ ክፍሉ ኣብ ከሰላ ረኺቡ ቃለ -መጠይቕ ኣካይድሉ ነይሩ። ብድሕሪኡ 
ነዊሕ ኣይጸንሐን ኪዳነ ተቐቲሉ። “ኪዳነ ክፍሉ ምስተቐትለ ድሕሪኡ ብዛዕባ ሰውራ 
ኤርትራ ተስፋ ቈሪጸ” ይብል፣ እቲ ጋዜጠኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ። ወልዳይን 
ኪዳነን ኣብቲ ናይ ምእራም ምንቅስቓስ ልዑል ግደ ዝነበሮም ኮይኖም፣ ቅትለት 
ናይዞም ክልተ ሰባት፣ ሓደ መርኣያ ናይቲ መሪሕነት ጀብሃ ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ለውጢ 
ዝፍጽሞ ዝነበረ ብዙሕ ቅንጸላታት እዩ። እቲ ቅልውላው ድማ ኣብ መወዳእታ ምፍላይ 
ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ኣኸቲሉ።  
 
 
1.2 ወሳኒ ተራ ዓብደላ ሓደ ካብ ጠንቅታት ዘሕዝን ታሪኽ ጀብሃ 
 
  ኣብ 1970፣ ህዝባዊ ሓይልታት ካብ ጀብሃ ተፈልዩ፣ ቀዳማይ ወገን ብስዱሕ ዒላ ኣብ 
ዝተቐልቀለሉ እዋን፣ ዓብደላ እድሪስ ወተሃደራዊ ሓላፊ ኮይኑ ኣብ ኣከለጉዛይ እዩ 
ዝነበረ። ነተን ኣብ ከባቢኡ ዝነበራ ኣሃዱታት ድማ፣ ኣንጻር’ቲ ዝተፈንጨለ ሓይሊ ናይ 
ቅንጸላ ስጉምቲ ክወስዳ ተሪር ትእዛዝ ሂቡ። ይኹን’ምበር እቶም ተጋደልቲ፣ ዓብደላ 
ዝሃቦም ትእዛዝ ክፍጽሙ ሕልናኦም ኣይገበረሎምን። “ከመይ ጌርና ኣብ ልዕሊ 
ኣሕዋትና ጥይት ንትኩስ” ኢሎም ኣትሪሮም ስለዝተቓወምዎ እኩይ ትእዛዝ ዓብደላ 
እድሪስ ኣይተተግበረን። ካብዚ ሓቂ’ዚ እንግንዘቦ፣ ዓብደላ እድሪስ፣ ካብ ፈለማ ናይ 
ቅንጸላ፣ ጎነጽን ዓመጽን መስመር ይኽተል ምንባሩ እዩ። እቲ ዝኸፍአ ድማ 
ኣመለኻኽታኡ፣ ካብ ሓልዮት ንውድባዊ ጥምረት ዝብገስ ዘይኮነ ካብ ድሑር፣ ትሕተ -
ሃገራዊ፣ ጸቢብን ወገናዊን ኣተሓሳስባ ዝምንጩ ምዃኑ እዩ።  
 
  ሓቀኛ ስምዒትን ኣተሓሳስባን ዓብደላ እድሪስ ከምዚ ዝተጠቕሰ ጸቢብን ወገናዊን 
ኮይኑ፣ እቲ ግርምቢጥ ዓብደላ ኣባል ሰልፊ ዕዮ (ለበር ፓርቲ) እዩ ነይሩ። ሰልፊ ዕዮ 
ኣብ 1968 ኣብ ውሽጢ ጀብሃ ዝተመስረተ፣ ማርክሳዊ መስመር ዝኽተል ሰልፊ እዩ። 
ዓብደላ ከኣ፣ በቲ ሓደ ወገን ምስ ዕላማታት ናይቲ ሰልፊ ዘይከይድ ትሕተ -ሃገራዊን 
ወገናዊን ስምዒታት ሒዙ፣ በቲ ካልእ ማርክሳዊ ኮይኑ፣ ኣብ ክልተ ዝተፈናተተን 

PDF page 5

View this page in original PDF

 5 
ኣንጻራዊን መስመር ረጊጹ ይጓዓዝ ነይሩ። ክንዲ ዝዀነ፣ ሓያሎ ካብ ኣባላት ሰልፊ 
ዕዮ፣ ማርክሳዊ ገስጋሲ ባህግታት እኳ እንተነበሮም፣ ከም በዓል ዓብደላ እድሪስ 
ዝኣመሰሉ ብትሕተ-ሃገራዊን ቀቢላውን ኣተሓሳስባ ንድሕሪት ዝጎትዎም ኣድሓርሓርቲ 
ባእታታት ሒዞም ኣብ ዝበጽሕዎ ኣይነበሮምን። ሓደ ካብ ጠንቅታት ዘሕዝን ታሪኽ 
ጀብሃ ንሱ እዩ። እቲ ለበር ፓርቲ ናይ ብሓቂ ከምቲ ሓደ ገስጋሲ ሰልፊ ኪዄኖ 
ዝግብኦ፣ ዕላማታቱ ንምዕዋት ብንጹር ፕሮግራምን ትብዓትን እናተመርሐ ክጓዓዝ 
ክኢሉ ነይሩ እንተዝኸውን፣ ናይ ጀብሃ ታሪኽ ፍጹም ካልእ መልክዕ ምሓዘ። ንዓብደላ 
ኣብ መሪሕነቱ ሒዙ ዝኸይድ ሰልፊ ግን፣ ብፍጹም ገስጋሲ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። 
ሰልፊ ዕዮ ጀብሃ እምበኣር፣ ጽላሎቱ ኣብ ማርክሰነት፣ ቀንዲ ህላወኡ ኣብቲ ዓቃባዊ 
ወይ መስፍናዊ ዓለም እዩ ነይሩ።  
 
   ድሕሪኡ ዝቐጸለ ታሪኽ፣ ዓብደላ እድሪስ ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ተ.ሓ.ኤ. ኮይኑ ወሳኒ 
ተራ ዝተጻወተሉ እዩ። ብግብሪ ኣቦ-መንበር ጀብሃ ንሱ እዩ ነይሩ እንተተባህለ እውን 
ነቲ ሓቂ ከምዘለዎ ምምስካር እምበር ምግናን ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ኩሉ ናይ ጀብሃ 
ውሳነታት ወሳኒ ተራ እዩ ነይሩዎ። ኣብ ገርግር ሱዳን፣ ሓይሊ ኣኪቡን ንተጋደልቲ 
ኣጎስጒሱን ንሻዕብያ ከጥፍእ ጓህሪ ኲናት ሓድሕድ ክውልዕ ዝተሃንደደ ብቐንዱ 
ወተሃደራዊ ሓላፊ ዓብደላ እድሪስ እዩ። ግን ኣይተዓወተን። ኣብቲ ውግእ ንባዕሉ 
ተወጊኡ፣ እቲ ስርሒት ድማ ብዘሕፍር መልክዕ ፈሺሉዎ። ኣብዚ ናይ ገረግር ሱዳን 
ፍጻመ፣ ወተሃደራዊ ምርጫ ከምዘይሰርሕ ተረጋጊጹ እዩ። ምኽንያቱ ኣብኡ ዝተሳተፈ 
ሓይሊ ናይ ጀብሃ ምስ ሻዕብያ ብምንጽጻር ቀሊል ኣይነበረን። ደምሳሲ ክኸውን 
ዝተሓስበ ብርቱዕ ውግእ እዩ ነይሩ። መሪሕነት ጀብሃ ንሓቂ ክቕበል ትብዓት 
እንተዝነብሮ፣ ድሕሪ’ዚ ውግእ’ዚ፣ ኣብ ክንዲ ናብ ምቕንጻል ናብ ፖለቲካዊ ፍታሕ 
ብምድፋእ ንኹሉ ሃገራዊ ሓይሊ ንምስማር ክሰርሕ ምተገብአ። ከምኡ ዝዓይነቱ ናይ 
ለባማት ምርጫ እንተዝወስድ ነይሩ፣ ሃገር እምብዛ ምረብሐት። እንተኾነ ከምቲ “ዓሻስ 
ክሳብ ገበጣ ዝውዳእ ይጻወት” ዝበሃል፣ ዓብደላ እድሪስ፣ ድሕሪ’ዚ ዓቢይን ዘሕፍርን 
ፍሽለት እውን ናይ ቅንጸላ ኣተሓሳስባኡ ኣይቀየረን። ኣብ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ. ዝነበረ 
ንሻዕብያ ናይ ምጥፋእ ድሌትን ኣተሓሳስባን ዝያዳ ድርኺት ካብ ዝፈጥረሉ ዝነበረ 
ረቛሒታት ሓደ፣ እዚ ካብ ወገናዊ ኣተሓሳስባ ዝመንጨወ ውልቃዊ ጽልኢን 
ቅርሕንቲን ዓብደላ እድሪስ እዩ እንተተባህለ ኣይተጋነነን።  
 
 
1.3 ዋሕዚ ሓድሽ ሓይሊን ስግኣት ዓብደላ እድሪስን 
 
   ካብ 1973 ክሳብ 1975 ዓ.ም . ኣብ ዝነበረ መድረኽ፣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ 
ብሓደስቲ ተጋደልቲ እናተዓብለለ እዩ መጺኡ። እዞም ተጋደልቲ እዚኣቶም ብሓያል 
ሃገራዊ ስምዒት ንናጽነት ክቃለሱ ዝመጹ፣ ኣብ ዝኾነ ድሑር ፖለቲካ ዘይተመራስሑ 
ንጹሃት መንእሰያት እዮም። ብዘይካ መስዋእቲ ከፊልካ ናጽነት ኤርትራ ምምጻእ ድማ፣ 
ካልእ ድጉል ተጻባኢ ዕላማን ድርኺትን ኣይነበሮምን። ይኹን እምበር፣ እዚ 
ምዕባለታት’ዚ ንዓብደላ እድሪስ ኣይተበርሆን። ካብቲ ድሑርን ወገናዊን ኣጠማምታኡ 
ዝብገስ፣ ነዞም ሓደስቲ ተጋደልቲ ፍጹም ኣይፈተዎምን። ብዓይኒ ጽልኢን ስግኣትን 
እዩ ጠሚትዎም። ከም ንኣሽቱ ኣሕዋቱ፣ ከም ወገኑን ጸግዑን ኣይርኣዮምን። 
ምኽንያቱ፣ እዞም ሓደስቲ ተጋደልቲ መብዛሕትኦም ተማሃሮ እዮም። ብዙሓት 
ካብኣቶም ድማ ደቂ ከበሳ። ዓብደላ እድሪስ፣ ምምጻእ ናይዚ ሓድሽ ሓይሊ ከቢድ 
ጥርጣረን ፍርሒን እዩ ኣሕዲሩሉ። እዚ ፍርሒን ስግኣትን’ዚ ድማ፣ ናብ ክቱር ጽልኢ 
ኣድሂብሉ። እዚ ሓድሽ ሓይሊ ብሸነኹ፣ ንወገናዊን ድሑርን ኣተሓሳስባ ዓብደላ 

PDF page 6

View this page in original PDF

 6 
እድሪስ ቀልጢፉ ቆብ ስለዘበሎ፣ ንዓብደላ ከም መራሒ ክቕበሎ ኣይከኣለን። ዓብዳላ፣ 
ከም ግብረ-መልሲ ናይ ኣመላኻኽታኡ በዚ ሓድሽ ሓይሊ ኣዝዩ ዝተጸልአ ሰብ ክኸውን 
ግዜ ኣይወሰደን። ዓብደላ ሰፊሕን ንኹሉ ሃገራዊን ዝሓቊፍ ኣመለኻኽታ እንተዝነበሮ፣ 
እቲ ተጋዳላይ ንዕኡ ብፍሉይነት ዘጽልእ ምኽንያት ኣይምነበሮን። ኣብ ጀብሃ ምጽእ 
ዝበለ ሓድሽ ተጋዳላይ ግን፣ ብዛዕባ ውሽጣዊ ፖለቲካ ጀብሃ መጀመርታ ዝሰምዖ ዘረባ፣ 
“ዓብደላ እድሪስ ኣድሓርሓሪ እዩ፣ ባዓስ እዩ” ዝብል ምንባሩ፣ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ዝነበርና 
ኩልና ኣጸቢቕና እንፈልጦ እዩ።  
 
   ናብቲ ድሕሪኡ ዝቐጸለ ኣካይዳ ምስ እንምለስ፣ ዓብደላ ኩሉ ሳዕ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ 
ሓይልታት ጥሩፍ ዝኾነ መርገጺ ሒዙ እዩ ዝኸይድ ነይሩ። “ህዝባዊ ሓይልታት ካብ 
ሜዳ ኤርትራ ክትጠፍእ ኣለዋ” ዝብል ጥሩፍን ተጻባኢን መርገጺኡ፣ ፍጹም ተለዊጡ 
ወይ ለዚቡ ኣይፈልጥን። ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ጀብሃ ከኣ፣ ዓብደላ ንናይ ሕሩይ 
ተድላ (ወዲ ተላ) ዕሽልነትን ሕንቃቐን ክጻወሮ ዝኽእል ኣይነበረን። በዚ ድማ ኣብ 
ውሽጢ ጀብሃ ንሕሩይ ከም መቐናቕንቱ ጠሚቱ ኣንጻሩ ይሰርሕ ነበረ። ንሕሩይ ካብ 
ፈለማ ኣይተቐበሎን። ብሓቂ እውን (ጸኒሕና ክንመጾ ኢና) ሕሩይ ክትቅበሎ ትኽእል 
ዓይነት ሰብ ኣይኮነን። 
 
 
1.4 ካልኣይ ጉባኤ ጀብሃን ውዲታት ዓብደላን 
 
 
(ኣብ ካልኣይ ክፋል ይቕጽል)