Extracted PDF page text
Microsoft Word - Ita%20mefthi%203.doc
Machine-extracted derivative; not a transcript or translation. Reading order, spacing and characters have not been editorially verified. PDF page numbers are file positions, not printed page labels. No OCR has been added.
Open unchanged original PDF · Download unchanged PDF
Extraction status: extracted-unverified.
PDF page 1
View this page in original PDF
1
እታ መፍትሕ
ኣብ ኢድና እያ ዘላ
ንጠቐመላ ከይመረተት እንከላ
ሳልሳይቲ ክፋል
ዶክቶር ያሲን ኣበራ
እዚ ክቡር ኣያና ወዶም ንፊተውራሪ ኣበራ መሓመድ ሓጎስ ናይ ቁጠባ ምሁርን ኣብ ናይ ኣስመራ
ዩኒቨርሲቲ ናይ ቁጠባ መምህር ዝነበረ እዩ፡፡
ፊተውራሪ ኣበራ መሓመድ ሓጎስ ካብ እቶም ኣብ ዘመነ ባዕዳውያን ጸዓዱ ጣልያንን እንግሊዝን ኤርትራን
ኤርትራውያን ዝመስረቱን ላዕላዋይ ሽማግለ ምስ በዓል ራእሲ ተሰ ማ ኣስበሮም ዝነበሩ፡ ኣብ ምትሕግጋዝ
ምስራሕ ቤትክርስትያን እንዳማርያም ከኣ ብተወፋይነቶም ልዑል ተራ ዝነበሮም እዮም፡፡
ታሪኻዊ ኣቦ ሸኽ ዓብዱልቓድር ከቢረ ዝተቐትሉሉ ምስ በዓል ፊተውራሪ ኣበራ መሓመድ ሓጎስ ተኣኪቦም
ንምብጻሕ ሰነድ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ወኪሎም ካብ ዝለኣኹ ላዕላዋይ ሽማግለ እዮም፡፡
እዚን ንምልላይ ዶክቶር ያሲን ኣበራ ጠቒሰ ኣብታ ኣርእስቲ ዓንቀ ጽ ኮይና ክትጅምር ዝመደብኩዋ
ጽሕፍተይ ክኣቱ፡፡
ዶክቶር ያሲን ኣበራ ተቐቲሎም
ስለምንታይ ከ ተቐቲሎም?
መወዳእታ ጥሪ ( January) 1991 ኣብ ኣፍደገ ናጽነት ኤርትራ ዝተበጽሔ እዋን እዮም ንገዝኦም እናኸዱ
ተቐቲሎም፡፡ ቀተልቶም ከኣ ሃገር ዝቐበጹ ዓሳክር ደርግ ዘይኮኑ ዓሳክር እቶም ብጉልባብ ናጽነት ኤርትራዊ
መንነት ከጽንቱ ዝዓጠቑ እክብካብ ሸፋቱ ሎሚ ብህግደፍ ዝፍለጡ እዮም፡፡
እቲ መቕተልቲ!
ብጉልባብ ጃሱስነት (ሓሳዊ) ናይ ስርዓት ደርግ ክጉልብብዎ ስለ ዝደለዩ ጠቐርቲ ሸፋቱ ኾይኖም እምበር
ዶክቶር ያሲን ሕቡን ኤርትራዊ ብኤርትራዊ እምነቶም ነቕ ዘይብሉ ኣብ መሰረት ኤርትራ ንኤርትራውያን
ዝተጨረሓሉ ዘገስገሰሉ ዘበገሰሉ ስድራቤትን ገዛን ተወሊዶም ዝዓበዩ መን ምኻኖም እቶም ዘርከብናሎምን
ዝፈለጥናዮምን ዓውን ግትርን ኢልና እንምስክረሎም እዮም፡፡ “ኣለና እወ ናይ ብሓቂ ኣለና”
ኣብ ዘመነ ብረታዊ ቃልሲ!
ኣብ ኤርትራ ኣሽንኳይዶ ምሁር ኣብ ዝለዓለ ጸፍሕታት ትካላት መንግስቲ ዝሰርሕ እሞ ንቃልሲ ኤርትራ
ዓንቃፊ ክበሃል፡ ዓርኪ ዓስከር ኢትዮጵያ ኢኻ ተባሂሎም ዕለታዊ ተዛሕዚሖም እዮም እሞ ዶክቶር ያሲን
ዕስኩር ስርዓት ኢትዮጵያ ነይሮም እንተዝኾኑ እንታይ ንሰላሳ ዓመት ዝኸውን እዋን ንምቕታሎም ኣጸበየ? PDF page 2
View this page in original PDF
2
“ንዖኦም እትቐትል ጥይት እትስርሓሉ ፋብሪካ ስለ ዝደንጎየ ድዩ?
ዶክቶር ያሲን ኣበራ፡
ብጉዳይ መሰል ብሄርነት ጀበርቲ ካብ ዘመነ ሃይለስላሴ ኣትሒዞም ዝተኻትዑ ዝተጣበቑ ክሳዕ መጽሓፍ
ዝጸሓፉ እዮም፡፡ ብስርዓታት ኢትዮጵያን ዕሱባቶምን ብዙሕ ግዜ ተግሳጽ ስምዕታ ዝወስዱ ብጽንዓቶም ከኣ
ክሳዶም ዘየውረዱ እዮም፡፡
ኣብቲ እዋን መቕተልቶም ግን፡
ብጭቡጥ ምስክርነት ዝግለጽ፡ ወትሃደራዊ ስርዓት ደርግ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ትኹን ናይ ኢትዮጵያ ኮረሻኡ
ቀቢጹ ናበይ ገጹ ከም ዝሃድም ይሕንጽጽ ኣብ ዝነበረሉ ሰራዊት ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ ዓማጽስ ንሶጎ ኣሎና፡ ብኸመይ
ከ ምሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያ (ሰብዓ ብሄራት) ከነመሓድሮ ተሓሪሙዎ ዝነበረ መሰሉ ወሳኒ ክኸውን ንመኽሮ
ነዘክሮ ዝዓለመ ኣኼባታት - ጉባኤታት እናገበሩ፡ እክብካብ ሸፋቱ ናይ ሎሚ ህግደፍ ከኣ እቲ ናጽነት
ይኹሕኩሕ ኣሎ ህዝቢ ዋና እየ ከይብለና ብኸመይ ንከላኸሎ ኩሉ እቲ ንሽፍትነቶም ዘጥዕምን ዘጣጥሕን
ሕንጻጻት ይሕንጽጹ ነይሮም፡፡
መደቦም ኣብ ምዕማም ከኣ፡
ኣብ ሜዳ (በረኻ) ዘለውስ ብቐይድና እቶም ኣብ ከተማታት ዝጸንሑና ብሕልፊ ብሕልፊ ናይ ነዊሕ እዋን
ሰብ ታሪኽን ምሁራትን ንዓመጽና ዓገብ ከይብሉና ኣብ ዝዓለመ ቶንኮል ካብ ቅድሚ ሽድሽተ ወርሒ
ናጽነት እዮም ንመን ይቐትሉ ንመንከ ይድህሉ መዝገቦም ከፊቶም እሞ ንዶክቶር ያሲን ክቐትልዎ መደቦም፡
ብክልተ ማለት ብኣድራጋ መልሲ ንኽምልሹ ዝተጣበብዎ እዩ፡፡
ንሱ ኸኣ!
“ዝሰምዖም ዝኣምኖም እንተረኸቡ ሰላያይ ነይሩ ክብሉ፡ እሕሕ ሓሶት ዝብሎም እንተረኸቡ ኸኣ እታ ካብ
ውሉድ ወለድኡ ጽንዓት ኤርትራውነትን ንመሰል ተጣባቕነትን ዘኪሮም ወዮ መቕተልቲ ንወታሃደራዊ ስርዓት
ደርግ ኢትዮጵያ ከላግቡሉ ስለ ዝዓለሙ እዩ፡፡
እክብካብ ሸፋቱ ህግደፍ
ዓላማኦም ንምጽናት ኤርትራዊ መንነት ከም ዝኾነን ከም ዝነበረን ብብዙሕ መለክዒታት ሓቢሮምና እዮም፡፡
ተገሪህና ዲና ዓሺና ፈሪህና ዲና ሰሲዕና ግን ንእቲ ጠላም መስርሓቶም ኣብ ክንዲ ንምክቶ ወይ ትም
ሕትም ወይ ከኣ ኣብ ምምኽናይን ኣብ ገዛኻ ተሓቢእካ ኣሕ ኢልካ ምብካይን ደው በል ዘስምዖ ንእሽቶ
ውሕታ እውን ኣየስማዕናዩምን፡፡
ገለ ካብ ግፍዕታት!
ኣብ ልዕሊ ናህዳ ኤርትራ
ኤርትራውያን ናህዳ ኤርትራ እቲ ኣብ ዘመነ ባዕዳዊ ዝተሓረሞም መሰላት ሎምስ ሃገር ናጻ እያ እቲ
ዝቐውም መንግስቲ መንግስትና እዩ ኢሎም ተኣማሚኖም ብሰንኪ ዕጹቕ ባዕዳዊ መንግስቲ ኣብ ስደት
ዝነብሩ ዝነበሩ መሰሎም መሰ ል መንነቶም ክሓቱ ንኣስመራ ስለስተ ሽማግለ ልኢኾም (ብ1994) መልሲ
ዝረኸብዎ?
“ብዘይ ኢ ብዘይ ኣ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ”
ጽንዓት ናህዳ ኣዳዕዲዑ ስለ ዝፈልጥ ከኣ ኣሕዋቶም ደቂ መንነቶም ከይለዓዓሉ ኣብ ኣኽርያን ዕዳጋ ዓርብን
ገዛ ብርሃኑን ዝርከቡ ናህዳ ጀበርቲ 250 ክልተ ሚእትን ሓምሳን ዝኾኑ ደርሆ ከይነቀወት ወጋሕታ ከካብ
መደቀሲኦም ጨውዮም ወሲዶሞም ዳርጋ 17 ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ኮይኑ ኣበይ ከም ዝኣተው ክሳዕ ሕጂ
ኣይተፈልጠን፡፡ እክብካብ ሸፋቱ ህግደፍሲ ንዕላማኦም ገይሮሙዎ ውድባት ሰልፍታት ሲቪላዊ ማሕበራት
ብዛዕባ እዚ ጽንተት እዚ ክሓታ፣ ኽካትዓ ኣብ ቃልዕ ከውጽእ ተሰሚዔን ኣይፈልጠን እሞ እዚስ
ኣይተሓሳስብንዶ? ኣየቃሓሕርንዶ? ኣያ ዘይብለይ ረኺቡኒ ኣብ ዱር……. እንታይ እሞ ክገብር ኢላ ቆዚማ
ሓንቲ ግፍዒ ዝረኸበት ጓል ሄዋን ይዝንተው እሞ፡ እዞም ተጨውዮም ኣበይ ከም ዝኣትው ዘይተፈልጡን
ዘይተሓተተሎምን ዘይተነግረሎምን ከም ንፋስ በኒኖም ክተርፍ ኤርትራውያን ሙውቕ ደም ስድራቤቶም
ንሃገር ዘበርከቱ ኣይኮኑንዶ? PDF page 3
View this page in original PDF
3
መራሕቲ ተኣሲሮም ዒራዒሮ ሰፊሮም ተቐቲሎም ኢልካ ዓመት ዓመት ከም መዘከር 18 መስከረም ይዝከር
እዩ፡፡ ብዛዕባ እዞም ናህዳ ጀበርቲ ዘይምልዓል ግን እንታይ ወይ ስለምንታይ ዘየተሓሳስብ ኣይኮነን፡፡
ክኒኡ ኸ!
ነቲ ጽንተት ኤርትራውያን ዝዓለመ መደብ ሸፋቱ ህግደፍ ንምርግጋጽ ክቡር ደም ና ዘፍሰስናሉ ጽኑዕ
ኣዕጽምትና ዝኸስከስናሉ ልዑላዊት ሃገር ኣሉ ኢሎም ብሕታዊት ትካሎም ክገብርዋ መደቦም ብምቕጻል
ልዕሊ 70 (ሰብዓ) ዓመት መዘከር ታሪኻውያን ኣቦታት ኤርትራ ፊተውራሪ ዓሊ በኺት ሕመድ፡ ደጊያት
ሓሰን ዓሊ ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ባዕዳውያን ኢጣልያ ንክብረ ስም ደቀባት ኤርትራ መዘከሪን ምስክርን
ተባሂሉ ዝተመረቐ ብእንግሊዛውያን ይኹኑ ስርዓት ኢምበራጦርያ ሃይለስላሴ ይኹን ወታሃደራዊ ስርዓ ት
ኢትዮጵያ ደርግ ዘይተተንከፈ ዘይተነቕፈ ኤርትራውያን ኢና ዝብሉ ኣብ ኣኽራናት ሳሕል ቦቒሎም
ዝተንኮሉ ጋሕማጣት ዓዋሉ ካብ ንመዋእል ዝነበሮ ተነቒሉ ክድምሰስሲ ንኹልና ብሕልፊ ኣብ ከበሳ
እንፍጠር ኤርትራውያን ስኽፍ ኣይብለናንዶ? ኣስማት ብዓል መንከ ከይተተንከፈ ተሪፉ ኣሎ? መን እዮም
መን ዝሸለሞም ወይ ጎደና ዝሃቦም?
ኩሉ እቲ ድፍረታት፡
ናበይ ይዕልም ናበይከ ኣጸልሚቱ ህልም ከብል ስለ ዝተደልየን ዝዓለመን እዩ?
ከበሳ ኤርትራ!
ብሄረ ትግርና በቦታኦም ኣኣውራጃኦም ድኣ ይሃልዎም እምበር ንኤርትራውያ መለለይት ኮይና ካብ ዘመነ
ባዕዲ ተሰክፍን! ተሕምምን ኣውራጃ ሓማሴን እያ፡ ሓማሴን ክብሉ እንከለው ኤርትራውያን ይብሉ ምህላዎም
ስለዘስምዖም ህላዌ እታ ስም ስክፍታ ስለትኾኖም ካብ ዘመን ብዓል ሃይለስላሴ ኣትሒዝካ ብኸመይ ነታ ስም
ተጥፍእ ዘይተሓለነ ቶንኮል ኣይነበረን፡፡ ኩሉ ፈተነታት ስለ ዝፋሸለ ኸ ኣ፡ ካብ ኣኽራናት ሳሕል ተጸሚቑ
ተደቒቑ ዝመጸ ቶንኮል ዱብ ብምባል፡ ከምቲ ኣብ ዘመነ ሃይለስላሴ ካብ ጋንታታት ስፖርት ኩዕሶ ነተን
ጋንታታት ሓማሴን፣ ኣከለጉዛይ፣ ሰራየ፣ ኣስማት ለውጣ ተባሂለን ዝተኣዘዛ እዚኦም ከኣ፡ እዚ ኹሉ
ዓመታት ዘመነ ገድሊ ነቲ ብበዓል ሃይለስላሴ ዝተወስደ ስጉምቲ ይቃወሙዎ ከም ዘይነበሩ፡ ናጽነት ኤርትራ
ተኣዊጁ ኣብ ንቡር ኣስማት ኣውራጃታት ኣብ ክንዲ ዝመልሱ ቋንቋኛ ለዊጦም ነቲ ሓሶት ብዓል ሃይለስላሴ
ኣርጎዶም ኣዘፍጢጦም ስም ኣውራጃታትና ኣብ ምድምሳስ ሓንጢጦም፡፡
ነዚ ከይስትብሃል ከኣ እዩ፡
እቲ ክቡር ጎደናታት ታሪኻውያን ኣቦታትና ደቀባት ደቂ ኣውራጃ ሓማሴን ኤርትራ ፊተውራሪ ዓሊ በኺት
ሕመድን፣ ደጊያት ሓሰን ዓሊን ኣብ ምድምሳስ ተጓይዮም፡፡
ኩሉ እዚ ናበይ ዝኣመተን ዝጨመተን ምኻኑ ዘንጊናዮ ዲና? እናፈለጥና ፈሪህና ኣስቂጥና ዲና? ዝኾነ ይኹን
እንታይ ገደሰና ኢልና ዲና?
ብምሉእ ዓለም
ጀጋኑ ሰብ ቅያ ሃገሮም ህዝቦም ኣሕሊፎም ዘይህቡ ኣይተጸዋዕናን ዲና? እቲ ጸዋዒት ኣይብጸሓናን ድዩ?
እስኪ ምልስ ክብል ክዝክር?
እቲ ብሕንኩሊታት ቶንኮላት ባዕዳውያን ንኤርትራውያን መቓቒልካ ነቓዕ ከፊትካ ምሕቃቕ ውጥን
ብፈደረሸን ውዲት ኣብ ትሕቲ ዘውዲ ኢትዮጵያ ክንነብር ምስ ተወሰነ፡ እቲ ውሳኔ እቲ ንምጉባጥና
ምግባትና ከም ዝኾነ መጀመርያ ደወል ጻዋዒት ኤርትራውያን ኣይንገራህ! ሃገርና ከይትውረር! ንጠመር!
ኤርትራ ወይ ሞት ንበል! ኢሎም ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ኣደ ማሕበር ሸውዓተ ዝተኸሉ ዘንቀሳቐሱ መን
ድዮም?
PDF page 4
View this page in original PDF
4
ሰለምንታይ?
እዚ ሓቂ እዚ ይርሳዕ? ተረሲዑኸ መን ይረብሕ መንከ ይውጻዕ?
ኣብቲ ዘመነ ፈደረሽን
ብናህዳ (ጀበርቲ) ዝተበገሰ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓራካ) እንተዘይብገስ ነይሩ ማሕበር ሸውዓተ ምስ
ተወለደዶ ነይሩ? በሉ ደጊም ይኣክል ኤርትራ ወይ ሞት ኢልና ብትና ነልዕል ምስ ተባህለዶ ነይሩ?
ዘዋለደካ ዝወለዳካ ሓዲግካ ረሲዕካ ምስ ዘሻፈተከ?
ናህዳ ኤርትራ!
ኤርትራውያን ድዮም ኣይኮኑን?
ብጽሒቶም መሰል ክሓቱ ይኽእሉዶ ኣይክእሉን?
ክቡራት ክቡራን!
ቅድሚ ነዛ ክፋል እዚ ዓጽየ ኣብ እትቕጽል ክፋል እንታይ ንግበር? እትብል ጽሕፍቲ እንራኸብ ኩሉኹም
ኣንበብተይ ርእይቶኹም ምርምርኩም ክትገብሩ እናተማሕጸንኩ፡ ዓይኒ ሓቂ ንጽድቂ ቅልጽ ምልጽ ንስርቂ
ምስላ ዘክሩ እሞ እታ ሓቂ ተቢዕካ ምስ እተውጽኦ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ሕማም ስለ እተራግፋ ሕማምና ሰኣን
ሓቂ ተቢዕና ምዝራብን ንሕሉፍ ጌጋ ኣብ ምእራም ምልዛብን እቲ ብዘልዓለም ክዝከሩ እንሕበነሎም
ስውኣንና ዝተዋህበና ሕድሪ ንነባሪ ቅሳነት ምርግጋጽ ንሕሉፍ ጌጋታት ድሓን ኣይዘከር ኢልካ ምሕላፍ
ንመጻኢ ወለዶ ሕሱምን ክፉእን ሃጓፍ መእተው ዘይምቅድዳው መስኮት ምግዳፍ እዩ እሞ፡ ንዓመታት
ሰውራ ኤርትራ ንብሄር ኩናማ (መሰረት ኤርትራውነት) ክኸስሮም ዘብቅዖ እንታይ ስለ ዝኾነ ዘኪርና ናህዳ
ከይንኸስሮም ዕቱብ ጥንቃቐ ይሓተና ከም ዝኾነ ኣይንዘንግዕ ኣበይን ሰለምንታይን ከም እንኸስሮም ርእይቶይ
ንራኸብ፡፡
ይቕጽል
ሰናይ ቅነ