Extracted PDF page text

ብዛዕባ’ዚ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓሳት ሓጺር ድሕረ ባይታ ንምሃብ እዩ፣ ምኽንያቱ እዞም ዘለው መንእሰያት ኣብቲ ዝሓለፈ መድረኽ ቃልሲ ዝተሰግረ ፖለቲካዊ ሕልኽላኻት ብዙሕ ስለዘይፈልጥዎ። እዞም ሕ

Machine-extracted derivative; not a transcript or translation. Reading order, spacing and characters have not been editorially verified. PDF page numbers are file positions, not printed page labels. No OCR has been added.

Open unchanged original PDF · Download unchanged PDF

Extraction status: extracted-unverified.

PDF page 1

View this page in original PDF

 31 
ታሪኽ ኣይንረስዕ፡ ጉዕዞና ክቐንዕ 
ሓምሻይ ክፋል 
 
5.3 ዝባኑ ዝቐልዐ ተንበርካኽነት 
 
 
   ጀብሃ ኣብ ሜዳ ኤርትራ እንከላ ዝተቐላቐለ ተንበርካኺ መንፈስ፣ ተበታቲና ሱዳን 
ድሕሪ ምእታዋ፣ እናዓበየ ብምኻድ ኣብ ዘሕፍር ደረጃ ሕስረት እዩ ኣንቈልቊሉ። ኣብ 
መፋርቕ 80ታት ድማ፣ ብፍላይ ዓብደላ እድሪስ፣ ተጋዳላይ ጀብሃ ብዙሕ መስዋእቲ 
ዝኸፈለሉ ሃገራዊ ዕላማ ክሒዱ፣ እግሪ ደመኛታት ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ብምስዓም፣ 
ምስ ስርዓት ደርግ ተኸታታሊ ርክባት ብምክያድ፣ ናብ ሓሙሻይ መስርዕ ተለዊጡ፣ 
ዝባኑ ቀሊዑ ኣብ ሕሱር ንጥፈታት ዕሱብነትን ሃሱስነትን ክዋፈር ጀሚሩ። 
 
   ጉጅለ ዓብደላ እድሪስ ምስ ስርዓት ደርግ ናይ ሓፋራት ርክብ ዝጀመረ ኣብ 
መፋርቕ 1985 እዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ፣ ዓሊ እድሪስ ልባብ ዝተባህለ ተጋዳላይ ተ.ሓ.ኤ. 
ዝነበረ ድሓር ኣብ ሰራዊት ስርዓት ደርግ ዝተሰለፈ፣ ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ኮይኑ፣ ካብ 
ጉጅለ ዓብደላ እድሪስ ተወኪሉ ምስ ዝመጸ መሓመድ ኣደም ሙሳ ርክባት 
ከምዝጀማመረ፣ ሰነዳት ስርዓት ደርግ የረጋግጽ። ኣብቲ ቀዳማይ ርክብ፣ ካብ ጉጅለ 
ዓብደላ እድሪስ ዝተላእከ መሓመድ ኣደም ሙሳ፣ “ክሳብ ሕጂ ዘካየድናዮ ቃልሲ ፍረ 
ኣይረኣናሉን። ኣነ ብዝተኻእለኒ መጠን ነቶም ኣብ ሱዳን ዘለው መራሕቲ ጀብሃ ምስ 
መንግስቲ ኢትዮጵያ ርክባት ክምስርቱ ከእምኖም ክጽዕር’የ” ኢሉ ከምዝኸደ፣ በዚ ድማ 
ኣብ መንጎ ስርዓት ደርግን ጉጅለ ዓብደላ እድሪስን ፈላሚ ናይ ርክብ መስመር 
ከምእተኸፈተ ኣብ ሰነዳት ስርዓት ደርግ ሰፊሩ ይርከብ። እዚ ብታሕተዋይ ወኪል 
ስርዓት ደርግ ምስ ጉጅለ ዓብደላ እድሪስ ዝጀመረ ርክብ እናሰፍሐ ድሕሪ ምኻዱ፣ ኣብ 
ግዜ ስርዓት ደርግ፣ ኣማኻሪ ኣመሓዳሪ ኤርትራ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ዕጀል 
ዓብዱራሕማን ነቲ ርክባት ከምዝቐጸሎ ይፍለጥ።  
 
   ዕጀል ዓብዱራሕማን ናብ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ኢሰፓን ጸሓፊ ፓርቲ ኣብ 
ኤርትራን ዝነበረ ተፈራ ወንዴ ነዚ ኣመልኪቱ ዝሰዶ ዝነበረ መልእኽቲታት ተሰኒዱ 
ኣሎ። ዕጀል ዓብዱራሕማን ኣብ ሓደ ካብ መልእኽትታቱ፣ ‘ካባይ ዝሕተት ዓቢ 
ሓላፍነት ብምግንዛብ፣ ንጉጀለ ዓብደላ እድሪስ ምስ መንግስቲ ንምቅርራብ ክሰርሕ 
ጸኒሐ። በዚ ከኣ ን5 ለካቲት 1986 ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ምስ ዓብደላ እድሪስ ክንራኸብ 
ተሰማሚዕና ነይርና። እንተኾነ፣ ዓብደላ እድሪስ ክመጽእ ኣይከኣለን። ምስቲ ዝለኣኾ 
ወኪል ግን ተራኺብና ተመያይጥና” ይብል እሞ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ባይቶ ጉጅለ ዓብደላ 
እድሪስ ኣኼባ ከምዝነበሮ፣ ስለዚ ድማ እቲ ባይቶ ንሓላፊ ወተሃደራዊ ጎስጓሳትን ኣባል 
ሰውራዊ ባይቶን ናይቲ ጉጅለ ሓምድ ማሕሙድ ሓምድ ዓሊ፣ ንዓብደላ እድሪስ ወኪሉ 
ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክራኸብ ስልጣነ ከምዝሃቦ መልእኽቲ ዕጀል ዓብዱራሕማን 
ይሕብር።  
 
   ኣብቲ ርክብ ወኪል ዓብደላ እድሪስ ሓምድ ማሕሙድ፣ “ኣብ ጎላጒል ባርካ ን25 
ዓመታት ብዘይ ፍረ ዝዀብለልናዮ ይኣኽለና። ካብ ዓሰብ ክሳብ ኦምሓጀር ኣብ 
እንቈጻጸረሉ ዝነበርና እዋን፣ ሃገርና ናጽነት ክትረክብ እያ ዝብል ግጉይ ኣተሓሳስባ 
ነይሩና። ሕጂ ግን ኣብ ክንዲ ኣብ ቀጻሊ ኲናት ምንባር ምስ ኢትዮጵያ ብሰላምን 

PDF page 2

View this page in original PDF

 32 
ብሓባር ምንባር ዝሓሸ ምዃኑ ተረዲኡና ኣሎ። ስለዚ እቲ ቅድም እንጠልቦ ዝነበርና 
ሕቶ ናጽነት ሕጂ ክንጸቕጠሉ ኣይንደልን። ህዝብና ሰላም ምእንቲ ክረክብ ኣብዚ 
ሕቶ’ዚ ዝነበረና መርገጺ ከነፍኲሶ ድልዋት ኢና። ናትናን ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያን 
ቀዳማይ ጸላኢ ሻዕብያ እዩ። ሻዕብያ ንምጥፋእ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክንተሓጋገዝ 
ድልዋት ኢና። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ኣድላዪ ደገፍ ክገብረልና ንሓትት” ከምዝበለ 
ዕጀል ዓብዱራሕማን ኣብቲ ናብ ተፈራ ወንዴ ዝሰደዶ መልእኽቲ ብንጹር ኣስፊርዎ 
ይርከብ።  
 
   እዚ ብወኪል ዓብደላ እድሪስ ምስ ስርዓት ደርግ ኣብ ዝተገብረ ርክብ ዝቐረበ 
ርእይቶ፣ ጉጅለ ዓብደላ እድሪስ ነቲ መበገሲ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ሕቶ ሃገራዊ 
ናጽነትን ብምርጥራጥ፣ ናብ ኢድካ ምሃብን ምኽዳዕን ከምዝበጽሐ ጥራይ ዘይኮነ፣ ካብ 
ዝኽሓነ ጽልኢን ቅርሕንቲን ተበጊሱ፣ መሳርሒ ጸላኢ ኮይኑ ኲናት ሓድሕድ ክውልዕ 
ከምእተዓጥቀ ዘረድእ እዩ።  
 
   መልእኽቲ ዕጀል ዓብዱራሕማን ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ጉጅለ ዓብደላ እድሪስ ካብ 
ኢትዮጵያ ዝደልዮ ደገፍ፣ ኣጽዋር፣ ስንቂን መድሃኒትን ምዃኑ ብምሕባር፣ እቲ ጉጅለ 
ኣብ ከባቢ ከርከበትን ሂምቦልን ደጀን ዝኾኖ ቦታ ኣብ ምርካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ 
ክተሓባበሮ ምሕታቱ ይገልጽ። ዕጀል ዓብዱራሕማን ኣስዒቡ፣ “ካብቲ ዝገበርናዮ 
ዝርርብ፣ ጀብሃ ምስ መንግስቲ ንምትሕግጋዝ፣ ንኹሉ ሽግራት ብሰላም ንምፍታሕን 
ንሻዕብያ ንምጥፋእን ድልው ምህላው ኢና ተረዲእና። ስለዚ እቲ ጠሊቦሞ ዘለው ሓገዝ 
ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ እንተተዋህቦም ጽቡቕ እዩ ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ” ይብል። ድሕሪ’ዚ 
ርክብ’ዚ፣ ከም መተኣማመኒ ናይቲ ኣብ መንጎ ጉጅለ ዓብደላ እድሪስን ስርዓት ደርግን፣ 
ካብ ቀዳማይ ጸሓፊ ኢሰፓ ኣብ ከረን ሙሴ በኺት፣ ብመገዲ መሓመድ ኣደም ሙሳ፣ 
ንጉጅለ ዓብደላ እድሪስ ብኣማኢት ዝቚጸር ቦምባታት ኢድን ኣርፒጂን፣ ኣስታት 
15,000 ጠያይት ካላሽንን ኤም-14ን፣ 275 ፈኰስቲ ብረታትን ሸጓጉጥን ምስ ዕጥቁን 
ብራሾታቱን፣ ፒ-33 ሬድዮታት ርክብ፣ 250 ባኮ ባተሪ፣ 150 ኩንታል ሽኮር፣ 10 
ጽዕነት ኣግማል ዝተፈላለየ ዓይነት መድሃኒት፣ 100 ኩንታል ሓርጭ ፊኖ፣ 4 ካርቶን 
ቆጽሊ ሻሂ ከምእተዋህበ ሰነዳት ስርዓት ደርግ የረጋግጽ። ነዚ ንብረት’ዚ ንምርኽኻብ 
መሓመድ ኣደም ሙሳ ሓደ ግዜ ምስ ዓብደላ እድሪስ ከረን ኣትዮም ከምዝነበሩ እውን 
ይሕብር።  
 
   እቲ ኣብ መንጎ ጉጅለ ዓብደላ እድሪስን ወከልቲ ስርዓት ደርግን ዝካየድ ዝነበረ 
ርክብ “ፍሉይ ፕሮጀክት ኣውራጃታት ጋሽን ባርካን” ተባሂሉ እዩ ኣብ ሰነዳት ጸላኢ 
ዝምዝገብ ነይሩ። ሓላፊ ናይዚ ፕሮጀክት’ዚ፣ “ንኩነታት ጉጅለታት ጀብሃ ዝምልከት 
ሓበሬታ” ብዝብል ኣርእስቲ፣ ናብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኢሰፓ ብቐጻሊ ጸብጻባት 
የቕርብ ነበረ። ስርዓት ደርግ ምስ ጉጅለ ዓብደላ እድሪስ ዝግበር ርክባት ብምሕያል፣ 
ንሰውራ ኤርትራ ዝገማምዕ ኩነት ክፈጥር ልዑል ድሌት እዩ ነይሩዎ። ኣብ ከረን ሓላፊ 
ክፍሊ ስለያ ኢትዮጵያ ዝነበረ ጣናው ተፈሪ፣ ናብ ሓላፊ ድህንነትን ስለያን ኣብ 
ኤርትራ ሻለቃ ግዛው ተፈሪ ዝለኣኾ ምስጢራዊ ጸብጻብ፣ ዓብደላ እድሪስ ኣስመራ 
በጺሑ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ከምእተራኸበ፣ ኣብዚ ርክብ’ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ 
ንኹሉ ጠለባት ከማልኣሎም ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ፣ ዓብደላ እድሪስ ብወገኑ ነቲ 
ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዋህቦ ዕማም ክፍጽም ድልው ምዃኑ ብምርግጋጽ፣ ሓደ ናይ 
መራኸቢ መስመር ተኸፊቱ፣ መዓልታዊ ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥ ክህሉ 
ከምእተሰማምዐ ይገልጽ።  
 

PDF page 3

View this page in original PDF

 33 
   ኣብ ታሕሳስ 1988 ሻለቃ ግዛው ተፈሪ፣ ናብ ሓላፊ ድህንነትን ስለያን ኢትዮጵያ 
ጀነራል ተስፋይ ወልደስላሰ ኣብ ዝለኣኾ ጸብጻብ፣ ጀነራል ረጋሳ ጂማ ንወኪል ዓብደላ 
እድሪስ ሓምድ ኣድም ገብራይ ኣብ ኣቑርደት መምርሒታት ስራሕ ገዲፉሉ ከምዝኸደ 
ይሕብር። ረጋሳ ጂማ ዝገደፎ መምርሒታት፣ ጉጅለ ዓብደላ እድሪስ፣ “ንዕለታዊ 
ምንቅስቓስ ሰራዊት ህ.ግ. ዝምልከት ሓበሬታታት ብቐጻሊ ናብ መንግስቲ ከቕርብ፣ ኣብ 
መስመራት መጓዓዝያ ህ.ግ. ፈንጂታት ዝቐብሩ ሰባት ክምልምል፣ ንኣሽቱ ወተሃደራዊ 
ስርሒታት ንምክያድ ዘኽእሎ ዓቕሚ ሰብ ከዳሉ፣ ኣብ ውሽጢ ህ.ግ. ናብ ዝርከቡ 
እስላም መልእኽቲታት እናሰደደ ኢዶም ንሰራዊት ኢትዮጵያ ክህቡ ከተባብዕ” ዝብል 
እቲ ጉጅለ ኣብ ሃሱሳዊ ንጥፈታት ክዋፈር ዝእዝዝ ነጥቢታት ይርከቦ።  
 
   ኣብ ግንቦት 1989 ካብ ሰልፊን መንግስቲን ስርዓት ደርግ ዝተላእኩ ወኪላት ኣብ 
ካርቱም ምስ ዓብደላ እድሪስ ተራኺቦም ስምምዕ ከምዝፈረሙ ዝገልጽ ሰነድ እውን 
ኣሎ። እቲ ስምምዕ ዓብደላ እድሪስ ራስ ገዝ (ርእሰ-ምምሕዳር) ከምእተቐበለ የነጽር። 
ኣብ ሕዳር 1989 እውን ጉጅለ ዓብደላ እድሪስ ምስ ስርዓት ደርግ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 
ተራኺቡ ምንባሩ ዝገልጽ ወግዓዊ ሰነዳት ኣሎ።  
    
  ብወገናዊን ተጻባኢን መስመሩ ንጀብሃ ኣብ ምብትታን ብምውዳቕ፣ ንሰውራ ኤርትራ 
ዓቢ ሃስያ ዘውረደሉ ዓብደላ እድሪስ እምበኣር፣ መወዳእታኡ ብዘሕፍር መልክዕ ኣብ 
እግሪ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ደኒኑ፣ መጋበርያ ኮይኑ፣ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት 
ንምሕንኳል ዝከኣሎ ጻዕርታት ኣካይዱ እዩ። ክሰልጦ ግን ኣይከኣለን። 
 
 
 
6. ወዲተላ’ኸ እንታይ ኮነ? 
 
   ኣቐዲሙ ከምእተጠቕሰ ሕሩይ ተድላ ኣብ ጀብሃ ግምት ዝህቦ ሰብ ስኢኑ፣ ተስፋ 
ቈሪጹ፣ ንወጻኢ ምስ ከደ ኣይተመልሰን። ኣብ 1979 ከኣ፣ ነተን ሰነዳት ናይ ለበር 
ፓርቲ ሒዙ ንባቕዳድ ከይዱ። “ከምዚ ዝዓይነቱ ፕሮግራም ዘለዎ ውድብ ኣሎ” ኢሉ 
ድማ፣ በተን ሰነዳት፣ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዲናር ከምዝተቐበለ ይፍለጥ። በቲ ግዜቲ 
ብዙሕ ገንዘብ እዩ። ንሰን ሒዙ ናብ ካርቱም መጺኡ። በተን ገንዘብ ዝሰርሖ ፖለቲካ 
ግን ኣይነበረን። ምስ ኣዕሩኽቱ ኣብ ሰግሬቶታት እዩ ዝውዕል ነይሩ። ኣብ መስተን 
ካልእ ዕውልናን እዩ ኣጥፊኡወን። ነዚ ኣነዋሪ ተግባር ምስ ፈለጠ፣ ለበር ፓርቲ ንወዲ 
ተላ ንሞት እዩ ፈሪድዎ። እተን ገንዘብ ምስተወድኣ ድማ ወዲ ተላ ንስዊድን ኣምሪሑ።  
 
   ጀብሃ ኣብ 1981 ፋሕፋሕ ኢላ ሱዳን ምስኣተወት፣ ወዲ ተላ ኩነታት ንምፍላጥ 
ናብ ሱዳን መጺኡ ነይሩ። ምስ ምብትታን ጀብሃ ድማ፣ እቶም ተኣሲሮም ዝነብሩ ማጉ 
ተባሂሎም ዝፍለጡ ውሑዳት ጉጅለ ስለዝተፈትሑ ክረኽቦም ፈቲኑ። ንሳቶም ግን 
ኣይተቐበልዎን። ምስኡ ብቐጥታ ኣብ ጎንጺ እዮም ኣትዮም። ካብቶም ኣብ ሱዳን 
ዝጸንሕዎ ተጋደልቲ ሚዛን ሂቡ ዝስዕቦ ሰብ ኣይረኸበን። ሽዑ ከምቲ ኣመሉ ሓደ 
ወረቐት ጽሒፉ። ኣብ ኤርትራ “ዕርቂ ናይ ማሕበረ-ሃይማኖታዊ ጉጅለታት የድሊ ኣሎ” 
ዝብል ብዙሕ ሃለውለው ዝሓዘ ጽሑፍ ዘርጊሑ። ትሕዝቶኡ፣ “ኤርትራ ክልተ ማሕበረ 
ሃይማኖታዊ ጉጅለታት እዩ ዘለዋ። እስላምን ክርስትያንን። ስለዚ ኣብ መንጎ ክልቲኦም 
ዕርቂ ክግበር ኣለዎ” ዝዓይነቱ ዘይብሱልን ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘይብሉን 
ትንታነ እዩ። ሕሩይ ብዓንተቦኡ ኣፍልጦኡ ብዛዕባ ኤርትራ ጥምዓዊ እዩ። ሕብረተሰብ 

PDF page 4

View this page in original PDF

 34 
ኤርትራ ናይ ብሓቂ እንታይ ይመስል? እንታይ’ዩ ስምዒቱ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበሮን።  
ከም ኩሉ’ቲ ዝሓለፈ ሃለውለዋቱ ድማ፣ እቲ ሽዑ ዝዘርግሖ ጽሑፍ እውን ተገዲሱ 
ዘንብቦ ኣይረኸበን።  
 
  ድሕሪ’ዚ ወዲ ተላ ምስ ልጅና ሰውርያ ኪ ዳን ክገብር ፈቲኑ ነይሩ። ኣብኡ እውን 
ኣይሰለጦን። ኩሉ ጠንጢኑ ድማ ንስዊድኑ ተመሊሱ። ካብኡ ንድሓር ካብ ፖለቲካ 
ዓለም ጠቕሊሉ ተፋንዩ ይኸውን ዝብል ትጽቢት እዩ ነይሩ። ብዙሕ ክንቀሳቐስ 
ኣይተራእየን። ኣብ 1988 ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ንናደው እዝ ድሕሪ ምድምሳሱ ግን፣ 
ኣጽቂጡ ዝነበረ ሕሩይ “ናጽነት ቀሪባ እያ” ግዲ ኢሉ፣ ዳግም ናብ መድረኽ ፖለቲካ 
ተቐልቂሉ። ናጽነት ምስ ተረጋገጸ ገለ ስልጣን እንተረኸብኩ ኢሉ፣ “ኤርትራዊ 
ደሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ (ኢ.ዲ.ኤም) ናይ ዝብሃል ውድብ መራሒ እየ” ክብል 
ጀሚሩ። ሰለስተ ኣርባዕተ ዝኾኑ ሰባት ሒዙ ምስ ሻዕብያ ርክባት ጀሚሩ። ሰሚናራት 
ዓዲሙ ድማ፣ “ኣብዚ እዋን’ዚ ኩሉ ሃገራዊ ንሻዕብያ ክድግፍ ኣለዎ፣ ኩሉ ኤርትራዊ 
ክሓብር ኣለዎ” ዝብል ካልእ ሓድሽ ሃለውለው ኣምጺኡ። ሻዕብያ እውን ኣይነጸገቶን፣ 
ምስ ሰለስተ ኣርባዕተ ዝኾኑ ኣባላቱ ከም ፖለቲካዊ ጉጅለ ተቐቢላቶ። ነዊሕ ከይጸንሐ 
ከኣ፣ “ኢ.ዲ.ኤም ምስ ሻዕብያ ተጸንቢሩ” ዝብል ወረ ተሰሚዑ። ንወዲ ተላ ፖለቲካ 
ጸወታ እዩ፣ ንግዲ እዩ፣ ካልእ ካብኡ ንላዕሊ ዝኸይድ ዕላማ የብሉን።  
 
  ሕሩይ እቶም ውሑዳት ሰዓብቱ ሒዙ ምስ ሻዕብያ ምስ ተጸንበረ እውን እንተኾነ 
ካብቲ ሕልማዊ ዓለሙ ኣይተናገፈን። እቲ ዘገርም ኣብ ሻዕብያ ምጽእ ምስ በለ 
ንመራሕቲ ህ.ግ.፣ “ብስመይ ነዞም ምሊሻ ስርናይ ብመገዲ ድምጺ ሓፋሽ ጻውዒት 
ክገብረሎም” ኢሉ ሓቲትዎም። “ወዲ ተድላ ባይሩ ምስ ሻዕብያ ኣሎ እንተሰሚዖም፣ 
ኩሎም ንጸላኢ ራሕሪሖም ናብ ሻዕብያ ክመጹ እዮም” ዝብል ሕልሚ እዩ ሓሊሙ።  
 
   ድሕሪ ናጽነት፣ ሕሩይ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ዝኾነ ንጥፈት ኣይነበሮን። ኣባል 
ሃገራዊ ባይቶ ግን ነይሩ። ከም ቀደሙ ኣብ መስተ ተኣሊኹ ካብ ምውዓል ሓሊፉ ግዳ 
ዘበርከቶ ስራሕ ኣይነበረን። ጸኒሑ ንግዲ ፈቲኑ። ንሓደ ሱዳናዊ ድማ፣ “ብሓባር ፋብሪካ 
ነቚም” ኢሉ ብዙሕ ገንዘብ ኣደናጊርዎ። እዚ ሱዳናዊ ቅድም ካብቶም ጸጋማውያን 
ሓይልታት ናይ ሱዳን ኮይኑ ኣብ ፖለቲካ ዝነጥፍ ዝነበረ ሰብ እዩ። ብኡ እዮም 
ተላልዮም። ሕሩይ ኣብ ካርቱም ኣብ ገዝኦም እዩ ዝድቅስ ነይሩ። ስድራቤቱ 
ይፈልጦም፣ ይፈልጥዎ፣ ጽቡቕ ዝምድና እዩ ነይሩዎም። እቶም ገዛ ርኹባት እዮም። 
ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ሱዳንን ግብጺን ፋብሪካታት ነይሩዎም። እቲ ሱዳናዊ ድሕሪ ናጽነት 
ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ክገብር ይደሊ ስለዝነበረ ናብ ኣስመራ ምስ መጸ ንሕሩይ ረኺብዎ። 
ሓሳቡ ምስ ኣካፈሎ ድማ፣ ሕሩይ ብሓንሳብ ኴንና ንስራሕ ኢሉዎ። ሕሩይ ገንዘብ 
ኣይነበሮን። እቲ ሱዳናዊ ከኣ ብእምነት ገንዘቡ ኣፍሲሱ። ወዲ ተላ ወኪል ኮይኑ 
ሳንቲም ከይሓወሰ ብገንዘብ ናይቲ ሱዳናዊ ከመይ ዝበለ ፋብሪካ ኣስሪሑ። ድሓር ኣብ 
መወዳእታ ነቲ ሱዳናዊ ጠሊሙ፣ “እቲ ፋብሪካ ናይ በይነይ” ኢሉ ሞጒትዎ። ክንደይ 
ወጠጥ ተፈጢሩ። ኣብ ቤትፍርዲ ኰለል ኮይኑ። እቲ ፋብሪካ ብኡ ኣቢሉ ዋላሓንቲ 
ከይሰርሐ ደስኪሉ ተሪፉ።  
 
   ድሕሪኡ፣ ሕሩይ ናብታ ክጽገም እንከሎ መዕቈቢቱ ዝኾነት ስዊድን ተመሊሱ 
ነይሩ። ቅሩብ ምስ ጸንሐ ግን፣ ኣብ 2000 ዓ.ም. ካልእ ዝምዝመዝ ዕድል ተኸሲትሉ። 
ምስቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወራር ዝኣወጀ ወያነ ገለ መኽሰብ እንተረኽበ ኢሉ ርክባት 
ጀሚሩ። ወያነ ንወዲ ተላ ከም ሰብ ክትመዝኖ ዘጸግማ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ወዲ ተላ፣ 
ሚዛን ዘይብሉ ሰብ ምዃኑ ክትፈልጦ ግዜ ዝወስድ ኣይኮነን። መራሕቲ ወያነ ግን 

PDF page 5

View this page in original PDF

 35 
ኣንጻር ሻዕብያ ዝጉስጉሰሎም ዝኾነ ብገንዘብ ክዕደግን ክዕዘብን ዝኽእል ኤርትራዊ 
ይደልዩ ስለዝነበሩ ተቐቢሎሞ። ኣጋግይዎም ክበሃል ኣይከኣልን። “ወዲ ተድላ ባይሩ 
እዩ እሞ፣ ኮን ዶኾን ንገለ ሰባት ይጸሉ” ኢሎም ሓሲቦም ይኾኑ። ሕሩይ ከኣ ገንዘብ 
እዩ ዘገድሶ። ካልእ ዘገድሶ ነገር የለን። ኣብ ሓደ ቃለ-መጠይቕ፣ “21 ሚልዮን ዶላር 
ሓገዝ እንተረኺብና ንመንግስቲ ሻዕብያ ክንዓልዎ ንኽእል ኢና” ክብል ተሰሚዑ። በቃ 
ንመንግስቲ ኤርትራ ክንድኡ ተሚንዎ። ቅድሚ ወዲ ተላ እውን እቶም ካልኦት 
ጉጅለታት ተረፍ መረፍ ጀብሃ ምስ ወያነ ርክባት ጀሚሮም ነይሮም እዮም። 
ኩሎም’ቶም ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ነድዮም ዝተረፉ ጉጅለታት፣ ኣብ ኣዲስኣበባ 
ተራኺቦም። ሕሩይን ዓብደላን ዳግም ተራኺቦም። “ሓድሽ ኪዳን መስሪትና” ድማ 
ኢሎም። ሓዲኦም ኣቦመንበር ሓዲኦም ጸሓፊ ኮይኖም። ዓመት ኣይጸንሑን፣ ንሕሩይ 
ጉሒፎሞ። በዚ ተስፋ ምስ ቈረጸ፣ ካልእ ሃለውለው ትንታነ ኣምጺኡ። “ናይ ዓዲ 
ስትራተጂ ዝበሃል፣ ሓድሽ ፖለቲካዊ ምህዞ ፈጢረ ኣለኹ፣ ናብ ዓዲ ናብቲ መበቈላዊ 
ምሕደራና ክንምለስ ኣለና” ክብል ተሰሚዑ።  
 
 
 
7. ደርፊ ወልዴሱስ ዓማር 
 
   እዞም ዕምሮም ምሉእ ኣብ ደምበ ክድዓትን ዕሱብነትን ዘባኽኑ ሕጂ ድማ ኣብ 
ኣዲስ-ኣበባ ወዛሕዛሕ ክብሉ እንርእዮም ዘሎና ሰባት ሓደ ብሓደ እንድሕሪ ርኢናዮም 
ድሕረ-ባይታኦም ተመሳሳሊ እዩ። ናይ ንድየት፣ ፍሽለት፣ ስዕረት፣ ተንበርካኽነት፣ 
ወገንነት ታሪኽ ዘለዎም፣ ኮታ ኣሎ ዝበሃል ናይ ፖለቲካ ሕስረት ዝተሰከሙ ሰባት 
እዮም። ካብ ዓብደላን ወዲ ተላን ቅሩብ ፍልይ ዝበለ ወልዴሱስ ዓማር እዩ። ሕጂ ናይ 
ሓደ ጉጅለ ኣቦ-መንበር እየ ዝብል ዘሎ እዩ። ወልዴሱስ ዓማር፣ ስዩም፣ ወልደዳዊት 
ዳርጋ ሓደ እዩ ባህርያቶም። ዝፈላለዩ ዓይነት ኣይኮኑን። ከምዚ ብፍላጥ ኣብተን 
ጉጅለታት ፋሕ ዝበሉ እዮም ዝመስሉ እምበር ብዙሕ ፍሉይነት ዘለዎም ኣይኮኑን። 
ወልደዳዊት ምስ እንዳ ዓብደላ እዩ ነይሩ። ድሓር በታ ጉጅለ ናይ ዓብደላ ኣብ ከሰላ 
ተቐቲሉ። ስዩም ድማ ኣብ ጉጅለ ቲያር ነይሩ።  
 
   ወልዴሱስ ዓማር ምሉእ ዕድመኡ ብኢሳይያስ ኣፈወርቂ እናተዛረበ ዘሕለፎ ሰብ 
እዩ። ቀጻሊ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ክትዛረብን ብእኡ ክትሓስብን ሕማም እምበር ካልእ 
ክኸውን ኣይክእልን። ወልዴሱስ “ንኢሳይያስ ኣብ ጀብሃ ዝወደክብዎ ኣነ እየ” በሃላይ 
እዩ። “ብሓንሳብ ተማሃሮ ከለና ኣነ ወዲ ኸረን ስለዝነበርኩ ምስ ጀብሃ ምትእስሳር 
ስለዝነበረኒ ባዕለይ እየ ወዲበዮ” ትብል መዝሙሩ ምሉእ ዕድመኡ ዘሚሩዋ። ገለ ካብቲ 
ዕላላቱ፣ “ምስ ኢሳይያስ መማህርቲ ከለና፣ ሚኪኤል ጋብር ዝበሃል መማህርትና ነይሩ። 
ኢሳያይስ ንሜዳ ኣብ ዝወጻሉ ግዜ ሚኪኤል ጋብር ሓደ ትንቢት ተነብዩ ነይሩ። እዚ 
ወዲ’ዚ (ኢሳይያስ ማለቱ’ዩ) ወይ ንጀብሃ ክመቕላ እዩ፣ ወይ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ 
ክኣቱ እዩ ኢሉ ነይሩ። ከምታ ዝበላ ድማ ንጀብሃ ገማሚዕዋ” ይብል ዛንታ ወልዴሱስ 
ዓማር። ሕሉፍ ሓሊፉ ወልዴሱስ ዓማር ነዚ ሃለውለው ዛንታኡ’ዚ፣ ንMA ኣብ ዝጸሓፎ 
መጽሓፍ ኣስፊሩዎ ኣሎ።  
   
   እቲ ዘገርም ኢሳይያስ ንሜዳ ክወጽእ ከሎ ወልዴሱስ ዓማር ኣይወጸን። ንነብሱ ግን 
ከም ንኢስይያስ ናብ ሜዳ ዘሰለፈ ገዲም ተጋዳላይ እዩ ዝወስዳ። እዞም ኩሎም 
መማህርቱ፣ ንሜዳ ክወጹ ከለው፣ ወልዴሱስ ትምህርቱ ወዲኡ ኣብ ጋዜጣ Ethiopian 

PDF page 6

View this page in original PDF

 36 
Herald  እዩ ስራሕ ጀሚሩ። ኣብቲ ገድላዊ ታሪኹ፣ ንሜዳ ዘይመውጽኢኡ ምኽንያት፣ 
ምስ ጸገም ጥዕና ዝተኣሳሰረ ምኳኑ ዝገልጽ ርእሱ ዝኸኣለ ሃለውለው ዛንታ ኣለዎ። ኣብ 
1976 ናብ ጀብሃ ክመጽእ ከሎ እውን ክጋደል ኢሉ ኣይመጸን። ንወጻኢ ክሓ ልፍ ኢሉ 
እዩ መጺኡ። ግን ጀብሃ “ጋዜጠኛ እዩ፣ ክእለት ናይ እንግሊዝ ኣለዎ” ኢላ፣ ኣብ ወጻኢ 
ኣብ ዝነበረ ቤት ጽሕፈታ ኣብ በይሩት መዲባቶ። ሓደ ካብ ድኻማት ጀብሃ ከምዚ 
ዓይነት ኣመዳድባ እዩ ነይሩ። ንፍሉጣት ሰባት ወይ ደቂ ዓበይቲ እትብሎም ብኽፍሊ 
ታዕሊም፣ ብመሳርዕ ከይሓለፉ፣ ኣብ ናይ ሓላፍነት ቦታ እያ ተቐምጦም ነይራ። እዚ 
ድማ ነቶም ሰባት የጋግዮም። ብዛዕባ ነብሶም ዝተጋነነ መረዳእታ ከምዝሕዙ ይገብሮም። 
ወልዴሱስ ዓማር ውጽኢት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ግጉይ ኣሰራርሓ እዩ።  
 
   ወልዴሱስ ኣብ ግዜ ኲናት ሓድሕድ፣ ኣንጻር ኢሳይያስ ብዙሕ ትንታነታት ዝጸሓፈ 
ሰብ እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ንኣተዓባብያ ኢሳያይስ እናጠቐሰ ብዛዕባ ኢሳይያስ ስነ-
ኣእምሮኣዊ ትንታነት ይገብር ነይሩ። “ኢሳይያስ ኣተዓባብያኡ በዲልዎ እዩ፣ ኣንጻር 
እስላም፣ ኣንጻር ዓረብ ጽልኢ ከምዘሕድር ገይሩዎ’ዩ” ዝብል ጽሑፋት እዩ ዝዝርግሕ 
ነይሩ። ቀጻሊ ብዛዕባ ኢሳይያስ እዩ ዝዛረብን ዝጽሕፍን። ካልእ ኣርእስቲ የብሉን። 
ጸማም ሓደ ደርፉ ከምዝበሃል፣ ክሳብ ሕጂ እታ ፍልጥቲ ደርፉ ንሳ እያ። ወልዴሱስ 
ዓማር፣ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ቴለቪዥን ኢትዮጵያ ቀሪቡ ቃለ-መጠይቕ ክገብር ከሎ፣ 
“47 ዓመት እየ ተጋዲለ” ክብል ተሰሚዑ። እቲ ዝፈልጦ ሰብ ስሒቑ። እቲ ዘይፈልጦ 
ግን ተገሪሙ ይኸውን። ወልዴሱስ፣ ኣብ ሜዳ ንሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን 
ከምዘይተጋደለ፣ ብሜዳ ጥራይ ከምዝሓለፈ ኩልና ተጋደልቲ ጀብሃ ንፈልጦ ኢና። 
ጀብሃ ምስተበተነት ከኣ፣ “ኣባል ቲያር እየ” ይበል እምበር፣ ሰራሕተኛ ናይ UNHCR 
እዩ ነይሩ። ምሉእ ዕድመኡ ንፖለቲካ ኣብ ትርፊ ግዜኡ ጥራይ እዩ ዝነጥፈሉ ነይሩ። 
ንሱ እውን ውልቃዊ ጥቕሚ ንምርካብ። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ህዝባዊ ቃልሲ ዘበርከቶ ግደ 
ኣይነበሮን። ግን ንነብሱ ብረታዊ ቃልሲ ጅምር ካብ ዘብል ኣትሒዙ ከምእተጋደለ እዩ 
ዝኣምን። ክሳብ ሕጂ ድማ ዋላ ናጽነት መጺኣ ከላ “ንናጽነት ይጋደል ኣለኹ” ይብለና 
ኣሎ።  
 
 
 
8. እናሓደራ ዝጫጭሓ ጉጅለታት 
 
   እዞም “ተቓወምቲ ኢና” ዝብሉ ዘለው ወገናት፣ ካበይ ዝመጹ እዮም? እንታይ 
ስለዝኾኑ እዮም ዝቃወሙ ዘለው? ንዝብል ሕቶ እምበኣር፣ እዚ ዝዘርዘርክዎ ድሕረ-
ባይታኦም ጽቡቕ ገይሩ ዝምልሶ እዩ። ኣመጻጽኣ ናይተን ዘቘምወን ኣብ ፖለቲካዊ 
ንግዲ ዝነጥፋ ዘለዋ ጉጅለታት ክትጸውየሉ እንተፈተንካ መትሓዚ የብሉን። ደቂቕ 
ዝርዝራቱ ገዲፍና ግን ንምጥቕላል ብኸምዚ ዝስዕብ ክንገልጾ ንኽእል።  
 
   ኣብ 1976 ዑስማን ሳልሕ ሳበ፣ ካብ ሻዕብያ ምስ ተፈልየ ናቱ ውድብ ኣቚሙ። 
ኣንጻር ሻዕብያ ድማ ምስ ጀብሃ ኪዳን ክምስርት ፈታቲኑ። ኣብ 1978፣ ጀብሃ ኣብ 
ልዕሊ ሳበ ስጉምቲ ወሲዳ። ደፊኣ ንሱዳን ኣእትያቶ። ብድሕሪኡ ሳበ ኣብ ክልተ 
ተመቒሉ። ካብኡ እንዳ ዓጂብ ዝበሃሉ መሰረቶም ዑበል ደቂ በንዓምር ወጺኦም፣ 
“ልጅና ሰውርያ” ተባሂሎም፣ ናይ በዓስ ጽልዋ ዝነበራ ውድብ ፈጢሮም። ኣብ ከሰላ 
ቤት ጽሕፈት ከፊቶም ድማ ካብ ባቕዳድ ክምወሉ ጀሚሮም። እንተድኣ ካብ ባቕዳድ 
ገንዘብ ደንጉዩዎም ጸጥ እዮም ዝብሉ። እንድሕሪ ናይ ባቕዳድ ገንዘብ መጺአን ድማ፣ 

PDF page 7

View this page in original PDF

 37 
ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ብዙሕ ናይ መካይን ምንቅስቓሳት ይርአ። ሳበ ድማ ከምኦም በቲ 
ፍሉጥ ወገናዊን ሃይማኖታዊን ፖለቲካኡ ገንዘብ ምምእራር ቀጺሉ።  “ኣብ ሱዳን 
ንስደተኛታት ኤርትራውያን ዘገልግል ቤት ትምህርቲ፣ ሕክምና፣ ናይ ረድኤት ትካል” 
ኣለኒ እናበለ ካብ ሱዕድያን ገለ ናይ ኸሊጅ ሃገራትን ቅሩብ ቅሩብ ሓገዛት እናረኸበ 
ፖለቲካዊ ንግዱ የካይድ ነይሩ። እዚኦምን ካብኦምን ዝፈረዩ ጉጅለታትን ሓደ ደምበ 
እዮም። 
 
   ጀብሃ ኣብ ኲናት ሓድሕድ 1981 ተሳዒራ፣ ሱዳን ምስ ኣተወት፣ ብኡ ንብኡ ኣብ 
ሰለስተ ጉጅለታት እያ ተመቒላ። ሳግም ንሜዳ ስለዝተመልሰ ካብቲ ዝቐጸለ ሓሽውየ 
ወጺኡ፣ ኣብ ሃገራዊ መስመሩ ኣትዩ። ቲያርን እንዳ ዓብደላን ተሪፎም። ኣብ መንጎ’ዚ 
መስርሕ’ዚ ስሉሳዊ ሓድነት ጌርካ፣ ንሻዕብያ ዝወዳደር ሓይሊ ንምፍጣር ብስዑድያ 
ዝተፈታተነ ሃይማኖታዊ ዕላማታት ዝሓዘ ጻዕርታት ተኻይዱ ነይሩ። ጸጥታ ናይ ሱዳን 
እውን ኢድ ነይሩዎም። ግን ኣይሰርሐን። ቲያር ናብ ሳበ ኣትዮም እንደገና ድሕሪ ሓደ 
ዓመት፣ ገለ ካብ ኣባላቶም ኣብ እንዳ ሳበ ኣትሪፎም ተፈልዮም። እቲ ምስ ሳበ ዝተረፈ 
ጉጅለ ንባዕሉ ኣብ ክልተ ተመቒሉ። እንዳ ጃስርን ሳበን ተባሂሎም። ጉጅለ እንዳ 
ዓብደላ እውን ንባዕሉ ተመቓቒሉ። ሓደስቲ ጉጅለታት እናፈጠርካ፣ ኣብ ባቕዳድ፣ 
ደማስቆ፣ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ እናዘርካ ገንዘብ ምምእራር ድማ ልሙድ ፖለቲካዊ 
ንግዲ ኮይኑ። ጀብሃ ዓባይ ዘፍረየተን ትካላት ፖለቲካዊ ንግዲ እናበርከታ ከይደን። 
ከምዚ እናበላ ድማ ኣብ መፋርቕ 1980ታት 14 ወይ 15 ጉጅለታት በጺሐን ነይረን። 
እዘን ናይ ሕጂ ጉጅለታት ከኣ፣ መቐጸልታአን ኮይነን ብዝሐን ናብ 60 ተገማጊመን 
ኣለዋ።   
 
  ዳርጋ መብዛሕትአን እዘን ሕጂ ተቓወምቲ ኢና ዝብላ ጉጅለታት እምበኣር፣ 
ሰራውረን ሰውራ ኤርትራ እዩ። ኣብ ስውራ ኤርትራ ብሰንኪ ጉድለት ብቕዓትን ካልእ 
ግዕዘያቶምን ነድዮም ብዝተረፉ ባእታታት ዝተጠፍጠፋ እየን። ኣብኡ ዘይነበሩ ገለ 
ውሑዳት ምስአን ዝኣተው ክህልዉ ይኽእሉ ይኾኑ። መብዛሕትኦም ግን ካብዚ ዘሕፍር 
ናይ ንድየት ፖለቲካ’ዚ ዝተፈጥሩ እዮም። እንተ ኣብ ቲያር፣ እንተ ኣብ ጉጅለ 
ዓብደላ፣ እንተ ኣብ ካልእ ክፋል ናይ ጀብሃን እንዳ ሳበን ዝነበሩ እዮም። በዓል ዶክተር 
ሃብተ፣ ተስፋይ ደጊጋ ናይ ጀብሃ ካድረታት ዝነበሩ እዮም። ዮሃንስ ዘርእማርያም ኣብ 
ሮማ ቤት ጽሕፈት ጀብሃ ክሳብ 10 ሺሕ ዶላር ወርሓዊ ባጀት እናፈሰሰሉ፣ ብልዑል 
ሕንቃቐ ኣብ ሆቴል እናተቐመጠ፣ ወኪል ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ሰብ እዩ። መቸስ ኣብ 
ጀብሃ ይኹን ኣብ እንዳ ሳበ፣ ኦዲት ከይተገብረ ዝጠፍአ ዝነበረ ገንዘብ ብሚልዮናት 
ዝግመት እዩ። እዚ ሕጂ ብማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ክዛረብ እንሰምዖ መንግስትኣብ 
ኣስመሮም፣ ንኣብነት እንዳ ቲያር እዩ ነይሩ። ሃንጀማ ዝበሃል እውን ኣሎ። ቅድም ኣብ 
ጀብሃ ሓኪም ጋንታ ዝነበረ። ድሓር ወያነ ኣብ ውግእ በለሳ ዝማረኸቶ። ኣእሚና 
ተጋዳላይ ናታ ገይራቶ ነይራ። ክሳብ 1990 ድማ ተጋዳላይ ወያነ እዩ ነይሩ። ድሓር 
ኣብ 1990 ኣብ ድምሓኤ ኣትዩ። ተወልደን ኣማኑኤል መንግስቱን ዝብልዎም እውን 
ኣለው። ተወልደ ሕጂ ኣቦ መንበር ናይ ሓንቲ ጉጅለ ገይሮሞ ኣለው። ምስኡ ካልእ 
ዓብደላ ዝበሃል እውን ኣሎ። እዚኣቶም ኣብ 1985 ካብ ሳግም ተፈልዮም ናብ ወያነ 
ዝኸዱ እዮም። እቶም ካብ ሳግም ዝተፈልዩ፣ ናብ ወያነ ምስኣተው ከም ባክተርያ 
ተራቢሖም ኣብ ክልተ ሰለስተ ጉጅለታት ተመቓቒሎም እዮም። ኣብዚ መወዳእታ 
እዋን ከኣ፣ ካብ መሪሕነት ህ.ግ. ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኰርዮም ዝዀብለሉ ከም 
በዓል መስፍን ሓጎስ፣ ኣድሓኖምን ገብረማርያምን ዓብደላ ኣደምን ዝኣመሰሉ 
ተወሲኾሞም ይርከቡ።  
 

PDF page 8

View this page in original PDF

 38 
   ዓብደላ እድሪስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብጽኑዕ ሓሚሙ ዓራት ሒዙ እዩ ዝርከብ። ኣብ 
ዓራት እንከሎ ግን ኣቦመንበር ናይ ሓንቲ ውድብ እዩ ዘሎ። ሑሴን ከሊፋ ምስኡ 
ኣሎ። እንዳ ቲያር ድሕሪ ኣኼባ ጎንደር እንደገና ኣብ ክልተ ጉጅለ ተመቒሎም 
እዮም። በዓል ስዩምን ኣሕመድ ናስርን። ዶክተር በየነ ናይ በዓል ኣሕመድ ናስር እዩ። 
ጸኒሑ ዓብደላ ኣደም ምስኦም ኣትዩ። ንነብሶም ካብዚ ረሳሕ ናይ ምክፍፋል ፖለቲካ 
ዘየድሓኑ “ሃገራዊ ድሕነት” እትብሃል ጉጅለ ኣቚሞም። ኣየነይቲ ጉጅለ ካበይ ወጺኣ፣ 
ምስ መን ተሓዊሳ፣ ድሓር ከመይ ተፈንጪላ ክትስእሎ እንተፈቲንካ ኣዝዩ ዘገርም 
ስእሊ እዩ ዝህበካ። መወዳእታ ዘይብሉ ሕልኽላኽ ሓረግ እዩ። ንኣብነት ቲያር ጥራይ 
እንተወሰድና፣ ካብ ጀብሃ ምስ ወጹ ኣብ ሳበ ኣትዮም። ካብ ሳበ ወጺኦም፣ ቀጺሎም 
ድሕሪ ናይ ጎንደር ኣኼባ ኣብ ክልተ ተመቒሎም። ጸኒሖም ምስ በዓል ዓብደላ ኣደም 
ተራኺቦም። ሃንጀማ እውን ምስኦም ኣትዩ። በዓል ዓብደላ እድሪስ እውን ከምኡ፣ ኣብ 
ናይ ጅዳ ስምምዕ ኣብቲ ስሉሳዊ ሓድነት ዝበሃል ኣትዮም። ካብኡ መሊሶም 
ተፈንጪሎም። ዓብደላ ወጺኡ። ገሊኦም ኣብኡ ተሪፎም ስሙር ውድብ ተባሂሎም። 
እንዳ ጀላኒ ድማ ኣብ ክልተ ተመቒሎም። ሳበ ንባዕሉ ኣብ ክልተ ተመቒሉ። በቃ! 
ፖለቲካዊ ንድየትን ጥፍሽናን ዝፈጠሮ መስርሕ ምርባሕ ጉጅለታት መወዳእታ ዘይብሉ 
እዩ ኮይኑ። 
 
   እዚ ናይ ምምቕቓል መስርሕ እናኸደ ወዲ ተላ እውን መስሓቕ ቲያትሩ 
ኣየቋረጾን። ሓደ እዋን “ንሸውዓተ ጉጅለታት ኣስሚረ” ኢሉ ክጅሃር ተሰሚዑ ነይሩ። 
እቶም ኣስሚረዮም ዝበሎም ግን ጉጅለታት ክትብሎም እውን ዝከኣል ኣይኮነን። 
ውልቀሰባት እዮም። “ኣነ እየ ሕጋዊ መራሒኹም” ምስ በሎም፣ ንሳቶም እውን 
ኣባሪሮሞ። ኣብዚ መጨረሽታ ብዙሓት ጉጅለታት ኪዳን ክንምስርት ኢሎም ኣብ ኣዲስ 
ኣበባ ኣብ ዝገበርዎ ጉባኤ፣ ወዲ ተላ ገለ እንተተመርጸ ኢሉ መጺኡ ከም ተዓዛቢ 
ተሳቲፉ ነይሩ። ኣብ ማዕከናት ዜና ወያነ እውን ቃለ-መጠይቕ ኣካይዱ። ክሳብ ሕጂ 
ዕሽላዊ ኣተሓሳስባኡ ከምዘይቀየረ ድማ ኣብቲ ቃለመጠይቕ ተጋሂዱ። ወዲ ተላ ክሳብ 
ሕጂ ናይ ቆልዓ ኣተሓሳስባ ኣይገደፎን። ኣብቲ ቃለ -መጠይቕ ንመን ተድንቕ 
ምስተባህለ፣ “ኣነ ነቦይ እየ ዘድንቕ፣ ንሱ እዩ ናተይ ኣብነት (ሄሮ)” ክብል ተሰሚዑ። 
“እቲ ዝበለጸ ግዜ ኣብ ኤርትራ፣ ኣቦይ ኣብ ስልጣን ዝነበረሉ እዋን እዩ” ክብል ፍጹም 
ኣይሓፈረን። ኣብ ክንድኡ ሰብ ሓፊሩሉ። 
 
   ሎሚ ኩሎም እዞም ሰባት’ዚኣቶም ሸምጊሎም እዮም። “ሽማግለን ፎኪስን የጥፍእ” 
ይብሉ ኣቦታት፣ ኣብዚ ዕድመ’ዚ፣ ኣብ ከምዚ ዝዓይነቱ ሕስረት ክወድቁ፣ ኣዝዩ 
ዘሕዝንን ዘሕፍርን እዩ። ኣብ ትሕቲ ወያነ “ሕቡር” ዝተባህለ ካብቶም ላዕለዎት እኳ 
ዘይኮነ ካብቶም ማእከሎት ካድራት ናይ ወያነ እዩ ዝቈጻጸሮምን ዘመሓድሮምን። ወያነ 
ነዞም ሰባት ንመቐለ ከምዝነግዱን፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዓይደር ከምዝበጽሑን 
ብምግባር፣ ብዓይኒ ሕነ ምፍዳይ ጠሚታ፣ ኣብ መቓብር ናይቶም ብነፈርቲ ኤርትራ 
ተቐቲሎም እትብሎም ቆልዑ ዕምባባ ከንብሩ ምእዛዛ፣ ክሳብ ክንደይ ንሰብኣዊ 
ክብረቶም ዘዋርድ ምዃኑ ዝኾነ ተዓዛቢ ዝግምቶ እዩ። ንሳቶም ግን ብዘይካ ብጽልኢ፣ 
ብሰብኣዊ ክብረት ሓሲቦም ኣይፈልጡን። ብጽልኢን ቅርሕንቲን ዝዓበደ፣ ዕሱብ ኮይኑ፣ 
እግሪ ጸላእቲ ምስዓም ዘሕፍሮ ኣይኮነን። እቲ ዝፈልጦም እዩ “ኣንታ ሎሚ’ኸ መን 
ክሓፍረሎም እዩ” እናበለ ኣብ ክንድኦም ዝሽቑረር ዘሎ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ 
የደንግጹኻ። “እንታይ ገዲስዎም ዘይዕርፉ” ትብል። ሓንቲ ሃገራዊት፣ ኣብ ሓደ 
ኣጋጣሚ ንገለ ካብዞም ሰባት’ዚኣቶም ክምድሩ ምስ ሰምዓቶም፣ “ኣንታ ንስኻትኩም 
ድኣ እንታይ መንግስቲ ክትግልብጡ! ቀደም ኣብ ውዑይ ዕድመኹም ዘየድምዓኩም’ዶ 
ሕጂ ከተድምዑ፦ ሬሳኹም ካብ ምርሓቕሲ ዓዲ ምምላስ’ዶ ኣይምሓሸኩምን” ኢላቶም።  

PDF page 9

View this page in original PDF

 39 
 
   ንምጥቕላል እምበኣር ሕስረት ናይዞም ሰባት እዚኣቶም ዓስቢ ሕሉፍን ሕማቕን 
ታሪኾም እዩ። ብሰንኪ ጉድለት ብቕዓቶም፣ ተንኰለኛ ባህርያቶም፣ ናይ ስልጣን 
ስስዐኦም፣ ዕሸልነቶም፣ ወገናዊ ኣተሓሳስባኦም፣ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ንባዕሎም 
ነድዮም ብምትራፍ፣ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ተኣምር ክሰርሕ ዝኽእል ዝነበረ ዓቢ ሃገራዊ 
ዓቕሚ ዘባኸኑ፣ ውድብ ለኪሞም ዝጠፍኡ፣ ብግዜን ዕድልን ህዝቢ ዝተጣልዑ፣ ኣብ 
ትሕቲ ጸላእቲ ብምስጋድ ክብረት ሃገርን ህዝቢ ዘዋረዱ ገበነኛታት እዮም። ዘይፈለጠ 
እንተሎ ጽቡቕ ገይሩ ክፈልጦም!!!