Extracted PDF page text

Eritreans young women in Ethiopian refugee camps.pdf

Machine-extracted derivative; not a transcript or translation. Reading order, spacing and characters have not been editorially verified. PDF page numbers are file positions, not printed page labels. No OCR has been added.

Open unchanged original PDF · Download unchanged PDF

Extraction status: extracted-unverified.

PDF page 1

View this page in original PDF

ካብ “መሓመድ” ናብ “እስቲፈን” ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ 
ጌታቸው ረዳ (ኢትዮጵያዊ)  
እዚ ጽሑፍ እዚ ናይ’ቲ ዝሓለፈ ቀዳማይ ሕታም ዝስዕብ ካልኣይ ክፋል 
እዩ።ናብ ውራዬ ቅድሚ ምእታወይ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል ኣብ 
መርበብ ሓበሬታኦም ንክሕትም ሰናይ ፍታዎም ዘርኣዩ ንመስከረም.ኔትን 
ንኣሰና.ካም-አሰናዳእቲ-ምስጋና-የቕርብ።
 
ብዛዕባ መነባብሮ ኤርትራዊያን ‘ኣንስትዮ/ፊሜል’ ስደተኛታት ኣብ ትግራይ 
መዕቆቢ ማእከላት ዝጓነፈን ዘሎ ጸገማት (ንኣብነት ንጓል ጓለይ 
ብዘምልከት ንሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ኣበጊሰ ዘቕረብኩዎ ጥርዓንን፤) 
ብልሹዉ ምምሕደራትን ብዘምልከት ዝለኣኽኩሎም ጹሑፍ ናብ ዓይኒ 
ህዝቢ ንክበጽሕ  ሰናይ ምትሕብባር ብግባርኩም ንኣሰናዳእቲ መርበብ 
ሓበሬታ “መስከረም.ኔትን ፤አሰና.ካምን” የቐንየለይ! 
እቶም ዝስዕቡ ማለት ኣሰናዳእቲ “አስማሪኖ.ካምን፤ዓዋተ.ካምን”፤ ሰናይ 
ምትሕግጋዝ ኣየርኣዩን። ንምንታይ ከይልጥፉዎ ከምዝለገሙ፤ ሓቲተዮም፤ 
ዋላ’ኳ መልሲ ኣይሃቡን።  

PDF page 2

View this page in original PDF

 በዚ ምክንያት ድማ ኣሰናዳእቲ ኣሰናን ንኣሰናዳእቲ መስከረም.ኔትን ብሓቂ 
‘ጋዜጣዊ ፍልጠቶም’ ንዘርኣዩኒ ሰናይ ምትሕብባር ግና “የቐንየለይ” 
እብል።  
ካብ ዝገመትኩዎ ቁጽሪ ንላዕሊ፤ናይምስጋና ደብዳበ ረኺበ ኣለኹ። 
ካብ’ቶም 37 ሙሩጻት ኢለ ዝፈለኹወን፤ 35ቲአን፤ካብ ኤርትራዊያን 
ኰይነን፤ ሰፊሕ ትንታነ ዘለዎ ምስጋናን ፖለቲካዊ ሓተታ ዝሓዛ እየን። ኣብ 
‘ፌስ ቡኮም’ውን’ ዝዘርጉሑዎ ሰናይ ሰባት ኣትዬ ክርእዮ ዝዓደሙኒ 
ኣለው።  ካብተን 37 ዝመረጽኩዎን ክልቲኤን “ጸርፊ” እየን። ካብ ተጋሩ 
እውን ዝበጽሓኒ ደብዳበ ኣሎ። ንኹሉኹም ምስጋናይ የቕርብ።   
ገለ ሰባት ብዛዕባ ጓል ጓለይ እንደ ገና ከብራሃሎም፤ ‘ብኢመይል’ ዝሓተቱኒ 
ኣለዉ። ካብ ንሕድሕዶም ምግላጽ ኣብዚ ንምብራህ ቀሊል እዩ ኢለ 
ስለዝሓሰብኩ፤ ብሓጸሩ ንዘይበርሃልኩም አንበብቲ ኣሕዋት እነሆ’። 
ጓል ጓለይ  ሕዚ ኣብ “ዓዲ ሓሪሽ ኣላ”። ካብ ኤርትራ ሃዲማ ናብ ትግራይ 
ናብ’ቲ ላጂን ክትኣቱ እንከላ፤ ናይ ወላዲታ ሽም ብናይ ኣጻዋ 
ስድራቤት/ኒክ ኔም እያ አመዝጊባታ (ክፋእ ከስዕብ እዩ ዘብል ግምት 
ኣይነበራን)። ይታአረመለይ እንተበለቶም እውን፤ አይኮንን ኢሎማ! 
ወረቐታ ከዐርዩላ ድልየት ስለዘይብሎም፤ “ን ቪዛ ኢምግሬሽን” 
ኢንተርቪው ክትገብር ናብ አሜሪካ ኤምባሲ/ኣዲስ ኣበባ ክትከይድ 
እንተደለየት እውን ወረቐታ ስለዘባላሸውላ ክትከይድ ኣይትኽእልን። “ኬላ” 
ዝባሃል ኣብ ተከዘ ኣሎ፤ ‘ኬላ’ ማለት “ተፍትሽ” ዝካየደሉ ማለት እዩ። 
ካብኣ ወስ ክብላ ኣይክእላን። “ሆሰተጅ” ማለት እዩ። 
ክትወጽእ እውን ኣይፍቀደላን (ንሳ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዙሓት ኣለዋ)።ኣብቲ 
ላጂን ክትወጽእ ኣይትኽእልን። ኣቡኣ ሙሉእ ብሙሉእ ኤርትራዊ እዩ። 
ኣዲኣ ድማ ፍርቂ ጎና ኤርትራዊት፤ ፍርቂ ጎና ድማ ባአይ ኢትዮጵያዊት 
እያ። 

PDF page 3

View this page in original PDF

 ኣዲኣ ኣብዚ ኣብ አሜሪካ ትነብር። ናብ ኣሜሪካ ከምጻኣ ከለዅ፤  ነታ ጓል 
ጓለይ “ምስተወልደት፤ ጓል ሓደ ዓመት” ከላ እያ ኣብ ኤርትራ ገዲፋታ 
መጺኣ (ኣብ ሱዳን ከለኹ እታ ጓል ጓለይ ስለዘይተወልደት፤ኣብ ናይ 
ስደተኛታት ስድራ መእተዊ መዝገበይ ኣየመዝገብኩዋን ነይረ)።  ስለዚ፤ 
ሎሚ፤ ኣዲኣ እያ እተምጻኣ ዘላ። 
 ንጓላ ክተምጽኣ፤ ካብ 2005 ዝጀመረ እዩ። ስርዓት ኢሳያስ አፈወርቂ 
ሓሪጉ ከይትወጻእ “ወታሃደራዊ ኣገልግሎት እንዳበለ፤ ዓጊቱዋ”።  ንብዙሕ 
ዓመታት ዝወደአ ሳሓቦ ጉቶቶ “ናይ ኣሜሪካ መእተዊ ሰነድ” ገይርናላ። 
ኣዲኣ፤ በቲ ሕጋዊ ናይ ቤት ትምህርታ ሽም ስለተመዝገበ፤ ናብ’ቲ ዘላቶ 
ናብ ዓዲ ሓሪሽ፤ ክልተ ሽም ከምዘለዋ ዘራጋግጽ በ1993 ( ብፈረንጂ) 
ብኖታሪ ዝተሓትመ ካልኣዊ ‘በርዝ ሰርትፊኬት’ ተሓቲትና፤ ኣብኡ 
ዝተጠቕሰ ሽማ’ውን ብብራኬት/ሓጹር “ተጠቒሱ’ ብኖታሪ ሰነድ ሕጋዊ 
ማህተም/ክታም ዘለዎ፤  ዓዲ ሓርሽ ንዘለዉ፤ኮነ ንዝምልከቶም መኳንንቲ 
ንከተርእዮም ‘ዝልኣኽናላ’ ናይ ወላዲታ ‘ናይ ቤት ሽም’ እንተርኣየቶም 
እውን፤ ናይ ”ኣሜሪካ… ገለመለ…” ዝባሃል ማሕተም ኣይንቕበልን ኢሎማ። 
(እቲ ትዕቢት ራኣይዎ) 
ካብ ናይ ኣሜሪካ  ኢሚግረሺን ዝተልኣኸ ምስ ኣዲኣ ንክትራኸብ 
ዝሰደድናላ ሰነድ ፤ ክቲኡ ሽም ኣይቃዶን ኢሎም “ባዕልኺ ቤት ፍርዲ 
ጎተት ኢልኪ፤ገንዘብ ከፊልኪ፤ ቀይርዮ”፡ ኢሎም፤ ዓጊቶም፤ ናብ ኣሜሪካ 
ዕድላ የባላሹዉላ ኣለዉ። ዕድሚኣ “ኣዳልት” ንክትከውን “ወርሒ ቀርያታ 
ኣላ። ኣዳልት ኤጅ እንተዳአ በጺሓ፤ “ናብ ኣሜሪካ ክትመጽእ 
ኣይትኽእልን”። ኣብ ዘየእትዎም ኣትዮም፤ ዕድል መንእሰያት የባላሹውለን 
ኣለው/ {ክራይም!} ።  
ምስ ከምኣ ዝባላ መሰለን ተጋሂሱ ንዓመታት ኮለል እንዳበላ “ፍትሓዊነት 
ዝጎደሎ ፎራኦናዊነት” ኣብ ልዕሊ ህጻውንቲ “ቱራማቲክ” በሰላ ንከጥርያ ፤ 
ከም ‘እንሰሳ ዘቤት’ ተዳጒና፤ ኣብ ዓዲ ሓርሽ ብንብዓት ትነብር ኣላ። 
ታሪኹ ብሓጺሩ እዚ ይመስል።  

PDF page 4

View this page in original PDF

ነቶም መኳንንቲ ብሰብ ኮነ፤ ብኣካል ንምርካብ ንእግዚሄር ምርካብ እዩ 
ዝቐልል። ነዚ እውን እዩ፤ ኣብ ኢንተርኔት ብቐሊሉ ክርእይዎ ዝዝርግሖ 
ዘለኹ ምኽንያት። ብድሕሪ እዚ፤ ምናልባት ፍታሕ ከምዝገብሩላ ተስፋ 
ንገብር። ኣዶን ጓልን ‘ብንብዓት’ ዝህንዝሕ ማዓልታዊ ብኽያት እዩ።  
ንሳ’ውን ተስፋ ትቖርጽ ስለዘላ፤ ኣነ እሰግእ። ስለምነታይ፤ ብዓቕሊ ጽበትን 
ብልሽዊ ምምሕዳርን፤ ተመሊሰን ናብ ኤርትራ ንክኸዳ ብወታሃደራት 
እንዳተትሓዛ፤ ናብ ‘ቲ ላጂን ከምዝምለሳ’ውን ይግበር ከምዘሎ፤ እዛ ቪዲየ 
ራኣዬ። ከምኡ’ውን ኣዋልድ ውሕስነት ከምዘይብለን ካብ ኣንደበት ሓንቲ 
ንእስቲ ጓል ትዛረቦ ዘላ “መረረት” ኣብዚ ኣድምጹ።   
MaximsNewsNetwork: ETHIOPIA - ERITREAN CHILDREN 
LIVING in MAIANI REFUGEE CAMP (UNHCR) 
https://youtu.be/Lcd0mG6ZF_M 
ሕዚ፤ናብ’ቲ ዘሓንጸጽኩዎ ርዕሰ ውራይ ሒዘኩም ክኣቱ።ኣብ ትግራይ 
ኣጽሊሎም ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዘጓንፎም ዘሎ ጸገም 
ብምግላጸይ’ ፡ኤርትራዊ ኣይኮንካን፤ ብዛዕባ ሃገርካ እምበር ብዛዕባ ህዝብና 
ኣየእትወካን‘፤ ኢሎም ዝጸሓፉለይ መሳኪን ውልቀሰባት፤ መበገሲ 
ጹሑፈይ ኣድቂቖም ስለዘይተረድኡዎ፤ የዕይንቶም ቋሕ ከብሉ፤ ናይ 
ክርስቶስ “ሰፒቱል”/ “ ጡፍጣፍ/ሳላይቫ’ ኣብ የዕይንቶም ንምልካይ 
ኣይካአልን። ነቶም መበገሲየይ ዝርዱኡኑ ግና እዚ ካልኣይ ክፋል እነሆ። 
                      ስብሓት ነጋ ኣብ ጀርመን 
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መሪሕነት ወያነ ’ስብሓት ነጋ” ኣብ ሃገር ጀርምን 
“ኤርትራዊያንን ተጋሩን” ኣኪቡ ከምዘዛራረቦም ሓበሬታ ረኺበ። 
ንምንታይ ንክልቲኦም ማሕበረሰብ ጸዊዑ፤ ንኢትዮጵያዊያን ፈልዩዎም 
ንዝብል ሕቶ፤ ክምልሽዎ ዘለዎም “መራሕቲ ወየንቲ” እዮም። ኣነ ግና እታ 
ብእንግሊዝ ዝተላዕጠጠት ‘ብራእሲ ተሰማ አስመሮም’ ተሓሲያ ክትምጠቕ 
ተሓሲባ ዝነበርት ውጥንቲ “ሕማም ትግራይ ትግርኚ” ንምትግባር ዝካየድ 

PDF page 5

View this page in original PDF

ውዲት ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ጥርጣረ ርዕይቶ ኣለኒ። (ኣይትጠርጥር 
ኣይባሃልን። ሓቀይ ዶ?) 
ስለምንታይ፤ እቲ ውጥን ኣብ ትግራይ ቅድሚ 5 ኣመት ይመስለኒ ካብ 
ኤርትራዊያን ዝተዋጻጽኡ ንምሳለ፤ ካብ ስድራ እኒ ራዕሲ ተሰማ አስመሮም 
ዝውለድ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብር ዶ/ር ፍስሃጽየን መንግስቱን፤ 
ከምኡውን ካብ ትግራይ ድማ እኒ ገረኺዳን ደስታ፤ዶ/ር ሰለሞን ዑንቋይ፤ 
እኒ መለስ ዜናዊ (ቅድሚ ምዕራፉ፤- ውሽጡ ብዝፈልጡ ሰባት 
ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ)…..ዝመርሑዎ “ማሕበረሰብኣዊ  ቤተሰብ  ብሐረ 
ትግርኛ  ትግራይ ትግርኚ” ዝብል ማሕበር መስሪቶም ከምዝነበሩ፤ 
ባዕሎም ካብ መቐለ ናብ ኢንተርኔት ዝዘርጉሑዎ ሓበሬታ ከምዝነበረ ኣብ 
ናተይ ብሎግ ሕዝቢ ንኽፈልጦ ለጢፈዮ ምንባረይ እዝክር። ስለዚ’ውን 
ናይ’ታ ኣኼባ ውዲት ቀስ ኣቢልካ እታ እትባሃል ዘላ ‘ማሕበረሰብ ብሄረ 
ትግርኛ ትግራይ ትግርኚ” እንዳረኸብካ እታ ትልሚ ንምጥጣዕ ዝገበሩዎ 
“ዘይታአወጀ ወፍሪ” እዩ ዝብል ርዕይቶ ኣለኒ።  
ኣብ’ቲ ዝገበሮ መደረ፤ ክልተ ነገራት ከምዝተዛረበ ተሓቢሩኒ። (1) ከም’ቲ 
ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ “ዕላማ መተከል ወያነ”፤ ብሄር፤ ብሄረሰባት ‘ርዕሰ 
ውሳነ፤ ክሳብ ምንጻል’’ ብዝምልከት ኣብ ከሉ ሃገር ከምእትሰርህ 
እንዳተበጥረነ ከም’ተዛረበ። (2) ኣብ ትግራይ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝርከቡ 
ኤርትራዊያን ነፍጢ/ኣጽዋር ኣልዒሎም ንመላኺ ኢሳያስ ንክቃለሱዎ 
‘ድልየት’ ከምዘይብሎም “ብረት ዝባሃል ኣይተስምዑና እዮም ዝብሉ” ኢሉ 
ከም’እተዛረበ እየ ሰሚዐ። ሓቂ እንተዳኣ ኰይዩ በዚ ዝብሎ ኣሎኒ። 
ብሄራት ዝባሃላ መሰለን ክሳብ ምንጻል’ ዝኸይድ ሙኻኑንን፤ እቲ መትከል 
ካብ ኢትዮጵያ ተሳጊሩ ናብ ከባቢ ሃገራት ከምኡ’ውን ናብ ኣፍሪቃ ክጥጥዕ 
ሙኻኑ ምዝራቡ ሓዲሽ ኣይኮነን።ኩሉሳዕ፤ ንዓና ንኢትዮጵያዊያን እውን 
ሰጥ ኢልኩም ተግዝኡ ፤ተዚኣለ ኢትዮጵያ ክትፈርስ እያ፤ “ነናብ 
ድርኹኺትና ክንባታተን ኢና” ፤ እንዳበለ ንሳ እንዳጨረሐ ከምበትሪ  
‘ዘዋጣውጠልና’ መፋራርሒትና ጉዳይ ስለዝኾነት፤ ንኤርትራዊያን’ውን  

PDF page 6

View this page in original PDF

“ሓድነትኩም ንክሰምር’ “ክሳብ ምንጻል” እትብል ማርክሳዊ/ለኒናዊት 
መትከል  “ፈውስኹም” እያ፤ ስዓብዋ! እንዳበለ ከምዝዛረብ ርግጻኛ እየ። 
ሕዚ በታ ናይ ቀዳመይቲ ነጥቢ ገለ ምስበልኩ ናብታ 2ይቲ ነጥቢ 
ብምእታው ‘ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብረት ዝባሃል ኣይተስምዑና እዮም 
ዝብሉ’፤ ናብታ ዝበላ ዘረባ ንምንታይ ከምኡ ክብሉ ከምዝተገደዱ ናብታ 
“ካብ መሓመድ ናብ እስቲፋኖስ” ኢለ ዝሰየምኩዋ ጽሕፍተይ መበገሲት 
ስለዝኾነት ብሰፊሑ ክንርእያ ኢና። ሎሚ እውን ካብ’ታ ዝሓለፈት 
ጽሕፍተይ ብዛዕባ ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከይወጻእኩ እዬ 
ዝዛረብ ዘለኹ። 
ቅድሚ ናብታ 2 ነጥቢ ምእታወይ፤ ስብሓት ነጋ፤ ብዛዕባ ብሄራት ክሳብ 
ምንጻል ንኤርትራ ኰነ ንኢትዮጵያ ፈውሲ ስምረት ሙኻኑ ኣብ ጀርመን 
ንኤርትራዊያንን ተጋሩን ኣኪቡ ተዛሪቡ፤ናብ ዝብል ናብታ ቀዳመይቲ 
ነጥቢ ክኣቱ። መሰል ምንጻል ብሄራት ካብ ትግራይ ተሳጊሩ ናብ 
ኤርትራ’ውን ከምዝሰገረ፤ ከም እኒ ሳሆ፤ዓፋር ኩናማ፤ ወድባት ስዒበንኦ 
እየን። 
ብ2008 (ፈረንጂ) ሓደ ናይ ‘ግምባር ሃገራዊ ሓርነት ኤርትራ’ (ግሃሓኤ) 
መራሒ ውድብ (ህዚ ሽሙ ክዝክሮ ዘይካኣልኩን፤ ረዘነ ይመስለኒ; (? ) 
ካብ ኣሜሪካ ተበጊሱ ናብ ኣዲስ አበባ ከምዝኸደ እቲ ዜና እካታተሎ 
ነይረ። እቲ መራሒ ከም’ቲ ብእዋኑ ዝሃቦ ቃል እንተዳኣ ኮይኑ፡ 
ንመበገሲኡ ምኽንያት ምሰቶም 13 ኪዳን ዝመስረቱ ተቓወምቲ 
ኤርትራዊያን ብሓባር ተማያይጡ ሓባራዊ ስራሕቲ ንምውዳድ ከምዝኾነን 
፤ ብኡ፤ብኡ’ውን ፤ካብ እቶም አብ ኣብ ኣሜሪካ  ዝተጣየሱ “American 
Eritrean Organization for Justice Democracy and 
Development (AEOJDD) ዝብል ‘ስቪክ ማሕበር’  ምስቶም ኣብቱ 
ሃገር ዝርከቡ ‘ገባሬ ሰናያት’/NGO’ ፤ ነቶም ኣብ ትግራይ (ሽመ ልባ 
ይመስለኒ) ተዓቒቦም ዘለው ኤርትራያን ስደተኛታት ብኸመይ ከምዝረድኡ 

PDF page 7

View this page in original PDF

መጀምርታ ንቶም ሱዱዳት ክርኢ ፈቓድ ከምዝደሊ (እንተዘይተጋግየ) 
ንምዝርራብ ከምዝኾነ መበገሲኡ ይገልጽ። 
ነታ ካልአይቲ ነጥቢ ልዑኽቶ ሒዙ ናብ ናይ Administration for 
Refugee and Returnee Affairs (ARRA) ዝባሃል ወያነ ዘካይዶ 
‘ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ስደተኛ’  ብምኻድ፤ ነቲ ናይ ‘ሕግን 
ፕሮቴክሽንን’ ባዓል ስልጣን  ሓላፊ፡ ‘ሃይስላሴ ገብረማርያም’ ንዝተብሃለ 
ሰብ ከምዘዛራረበን፤ ንሱ’ውን ግርም ሰብኣዊነት ዘለዎ ሰብ ሙኻኑ 
ይሕብር።  ብኡ..ብኡ ኣቢሉ ንሃይለስላሴ ገብረማርያም ብዛዕባ ዝውክሎ 
ፖለቲካዊ ውድብ ሒዝዎ ዝመጸ ‘ፖለቲካዊ ዛዕባ” ምስ ሰበ ስልጣን ወያነ 
ክዛራረብ ምእንታን ሓገዝ ክገብረሉ ንሃይለስላሴ ይሓቶ። ንሱ’ውን ‘ሕቡር’ 
ናብ ዝባሃል ናይ ‘ሰንዓ ፎረም’ (ወያነ ዝቋጻጸሮ ናይ ኤርትራዊያን ዛዕባ) 
‘ኣቦ መንበር’ ደዊሉ እቲ ጉዳይ የዛራርቦ። “ካብ ወያነ ሓገዝ” ንምርካብ 
እንተዳኣ ደሊኻ፤ “እታ ማዕርነት እትባሃል ናይ ብሄር ብሄረሰባት፤
ህዝብታት፤ ክሳብ ምንጻል” እትብል መትከል እንተዳኣ ኣሚንካ ኣብ ግብሪ 
ከተውዕላ እንተዳኣ ተሳማሚዕካ፤ ‘ከምቶም ንካልኦት ንገብረሎም ዘለና 
ሓገዝ፤ ንዓኻትኩም እውን ክንገብር ዱሉዋት ኢና” ዝብል ኪዳን/ውዕል 
ንክኣቱ መልሲ ካብ ሑቡር ተውሃቦ። ንሱ’ውን ‘ኣነ ሕዝቢ ኤርትራ 
ንከፋናጭል ኣይፈቅድን’የ ብምባሉ፤ ናብ ሽመልባ ስደተኛታት ከይዱ 
ክርእይ ከምዘይፍቀደሉን፤ ቀልጢፉ’ውን ብህጹጽ ናብ ኣሜሪካ ክወጽእ 
ትእዛዝ ከምዝተውሃቦ ብቃሉ ዘረጋገጾ ከምዘንበብኩን ኣብ ናተይ ብሎግ 
እውን ብ2008 ከምዝሓተምኩዎ እዝክር።  
እቲ ብህጹጽ ዝተሰጎ’ገ መራሒ ‘ግምባር ሃገራዊ ሓርነት ኤርትራ’ (ግሃሓኤ) 
በቲ ዝተጓነፎ ካብ ልቡ ዝሓዘነ ሙኸኑ ይግለጽ ዳኣ’ምበር፤ ዘገርም ግና፤  
ካብ እቲ ኣኼባን ካብ’ቲ ክዋሃበና ዝሓተትናዮ ሓገዝ ስሒብና ናብ ኣሜሪካ 
መጺእና” ኢሉ ኣብ ራዲዮ ክገልጾ ከሎ ግና ፤ “እቲ መርገጽ ናይ ሕቡር/ናይ 
ውልቀሰብ/ አምብር መርገጽ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከምዘይኮነ ኣትሪሩ 

PDF page 8

View this page in original PDF

ክግጽ ምስ ሰማዕኩዎ፤ “ናይ ወያነ መትከል” ሙዃኑ ንምንታይ ክርስዖ 
ከምዝኻኣለ፤ ብኡዋኑ ናዓይ ገሪሙኒ።     
ስለዚ ስብሓት ኣብ ጀርምን ንተጋሩን ኤርትራዊያንን ኣኪቡ ‘መትከል 
ወያነ” ንኤርትራን ንካልኦት ሃገራትን ዝሰርሕን ዝጠቅምን እዩ ክብል ኮሎ 
፤ካብ ልቡ እዩ። ህዝቢ ንምብታን ካብ ባዕዳዊያን ኰነ ተባሂሉ 
ዝተውሃቦም መደብ ከምዝኾነ፤ ካብ ሃገርና ካብ ኢትዮጵያ ክትማሃሩ 
ኣለኩም። ኢሳያስ ጥራሕ ነልግሶ እምብር፤ ኣበይ ከይበጽሑ ኢልኩም 
‘መርገጽ ወያነ’ ዕሽሽ ኢልኩም ‘ፖለቲካዊ ክትዕ” ከይገበርኩም ፤ምስቶም 
ልዑኽቶ ወያነ ሒዞም ዝስጉሙ ተቓወምቲ እንተዳኣ ውሒዝኩም፤ 
“ኤርትራ፤ ኣይ ንዓኩም፤ ኣይ ንዓና’ ኣጉል ተዘሪጋ ሶማል ከም’እትኸውን 
ከራጋግጽልኩም እፈቱ። 
ምኽንያቱ እቶም ብብሄር ተጠርኒፎም ክሳብ ምንጻል ዝብሉ ባእታታት፤ 
“ክልተ በትሪ ሒዞም እዮም” (ረኺቡኩም ዘሎ ፈተነ ሰፍ ዘይብል ረዚን 
እዩ)።  እታ ሓንቲ በትሪ፤ እታ መትከል ወያነ ኣብ’ቲ መጻኣይ ‘ህንጻ ሕጊ’ 
(ኮንስትቲዩሽን) ክትትከል እዮም ዝሓቱኹም ዘለው። እያኣይ 
አንተበልኩም ድማ “ናብ ትግራይ ተሓዊስና፤ ምስቶም ኣብ ትግራይ ዘለው 
“ሳሆ፤ ዓፋር፤ ኩናማ….” ክንጽምበር ኢና እዮም ዝብልኹም ዘለው 
(ኢትዮጵያ ክንከውን ኢና እዮም ዝብሉኹም ዘለው)። እቲ ዝሓቱዎ ዘለው 
ብሕጊ መትከል አንተዳኣ ሰፊሩ (ኣፍቂድኩሙሎም)፤ ኣብ ቃሕ ዝብሎም 
እዋን፤ ናባና ክአትው መሰል ኣለዎም ማለት እዩ። እዚ ድማ ንመደብ 
“ትግራይ ትግርኚ” ዘስብሕ እዩ ማለት እዩ። ሰብ ‘ማይ ባሕሪ/ሰብ ወደብ’፤ 
ሰብ ‘ስቡሕ መሬት’ እዮም (ዓፋር፤ሳሆ፤ኩናማ….)። እያእ እንተተብሃሉ 
ድማ “ብረት ዓሚሮም’ ናብ ‘ሃልኪ ውግእ’ ኣትዮም፤ ሓገዝ ካብ ወየንቲ 
ረኺቦም ሕዚውን ናብ ትግራይ ትግርኚ ምጽምባሮም ዘይተርፍ እዩ 
(ቅድሚ ሕዚ ኣብ 80ታት *ንጀብሃ ብኸምይ ከምዝረጉዋ ክትፈልጡ 
ኣለኩም)። ምስ እዚ ኹሉ ግርጭት ብኸመይ መኪትኩም “ክትፍትሑዎ 
ትኽእሉ”፤ ንዓይ እውን ይገርመኒ። ወያነ ኣብ ኢትዮጵያ ተኺሉዎ ዘሎ ናይ 

PDF page 9

View this page in original PDF

ጎተቱ “ኒው ወርልድ ኦርደር” ወፍሪ ሉዑኽቶ፤ ናባኹም እውን ዘዋጣውጦ 
ዘሎ በትሪ፤ ሰምብራት ፈጢሩ ንርእዮ ኣለና። ኣብኡ ኣብ ኤርትራ አውን 
ስድራ ስለዘለውና ናዓና’ውን የጨንቐና ኣሎ።   
“ኤርትራ ኣይ ንዓኹም ኣይ ንዓና” ዘበለኒ እዚ እዩ። እዚ ፈተና እዚ 
ኣፍኲሶም ዝርእዩዎ ሰባት ምናልባሽ ጸገም ኢትዮጵያ ብቐረባ ዘይካታተሉ 
ዘለው ሰባት ጥራሕ ሙኻን ኣለዎም። ወሪዱኩም ዘሎ ወጥሪ መዋጽኢ 
ይሃብኩም ዘበለኒ እውን እዚ እዩ።
    
 እታ ካልኣይቲ ነጥቢ (2)፤ “ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብረት ዝባሃል 
ኣይተስምዑና እዮም ዝብሉ”፤ ናብታ ዝበላ ዘረባ “ኢሎም አንተኾይኖም 
እወን” ንምንታይ ከምኡ ክብሉ ከምዝተገደዱ ናብታ “ካብ መሓመድ ናብ 
እስቲፋኖስ” ኢለ ዝሰየምኩዋ መበገሲት ጽሑፍተይ ክትወስደና እያ ማለት 
እዩ።  
ስብሓት ከምኡ እንተበለ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ መጽለሊ 
ስደተኛታት ፈዚዞም ናብርኦም ኣብ ከርፋሕ ናብራ ክነብሩ፤ መንእሰያት 
ፖለቲካዊ ዘይኮነስ ናይ ሃይማኖት ተገዛእቲን ሰዓብቲን ኮይኖም ‘ኣብ 
መሬት ዘሎ መላኺ ከይቃለሱዎ ንሰማይ አንዳጠመቱ ክነብሩ ብመደብ 

PDF page 10

View this page in original PDF

ዝተገብረ ናይ “ኒው ወርልድ ኦርደር’ (ሰብ ኡሉሙናቲ) ዝመሃዝቦ ሰባብ 
ተንኰል ኣብ እቲ መጽለሊ ተዓቝቦም ዘለው ኤርትራዊያን መስእሰያት 
ብኸመይ ሕልናኦም ‘ተጨውይ’ ከምዘሎ ንርኣይ። 
እዚ ዝስዕብ ቪድዮ ርኣዩ።  ምስተዓዘብኩም’ መራሕቲ ፖለቲካ፤ ኣብ 
ልዕሊድኻታት ስደተኛታት ዝግበር ‘ብ ኤን. ጂ ኦ’ ብሃይማኖታዊያን 
ገበርቲ ሰናይ ወድባት “ ኣብ ልዕሊ ህጻውንቲን ኣጓብዝ መንእሰያትን 
ዝግበር ዘሎ  ጭውያ ሕልና/ “ ማይንድ ኮንትሮል” ሕጋዊነት፤”ፈየርነስ”፤
ሰብኣዊነት ዶ ኣለዎ? ዝብል እስኪ ተማያየጡሉ። እንታይ እዩ እዞም 
ገበርቲ ሰናያት ብዘይ ምንም ዓጋቲ “ካራሜላን ፤toyን፤ ነፋሒቶ ባሉንን” 
ሒዞም ናብ ስደተኛታት ምስ ኣተዉ ኣብኡ ዘሳውሩዎ ሕልናዊ ናይ 
ሃይማኖታዊ ጭውያ እንታይ ይመስል? እዚ ኣብ ኤርትራዊያን ጥራሕ 
ዝተደረተ ኣይኮነን፤ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ኣትዮም ፤ ሃይማኖት ጥራሕ 
ዘይኮነስ ‘ግበረሰዶም’ ዘካይዱ ‘ኤን ጂኦ’ ከምዘለው ብዙሕ ጊዜ ዝተሰነደ 
እዩ። ወያነ ግና እታ እትዋሃቦ ዶላር ክሳብ ዘይጎደሎቶን ፤ ኣብ ዓለም 
ቀሪቦም ‘ልምዓት የካይድ ኣሎ” ኢሎም ክሳብ ዘጋዉሑሉ ጊዜ፤ ካሊእ 
ኣይውራዩን። ንደቂ ደቅና አስማት ኣዴታትክን ቀይርክን ኢልካ ካብ 
ምሰርጣይ፤ ነቶም ብሃይማኖት እንዳኣተው ሕልና መንእስይ ዝጨውይ 
ወጻእተኛታትን ኮራኹሮምን ምክትታል ዶ ኣይንሓሸን!? 
እስኪ እዚ ንርአ። ኣብ ሱዳና ንሓያለ ጊዜ ነቢረ እየ።ኣብኡ’ውን ናይ ጆነተ 
ቮሉንታሪ ኣጀንሲ/ዩ ኤን ኤች ሲኣር “ስክሪነር” ኰይነ ሰሪሔ እየ። ኣብ 
ገደርፍ ኣብ ኡምራኩባ፤ዶኦካ ተዛዊረ ሰሪሐ እየ። ኩሉኹም ትፍልጡ  
ኢኹም ኣብ ሱዳን ዝነብር ሱዱድ ኣብ ላጂን ‘ታ ዓጊቱ/ሀስተጅ ኮይኑ፤ 
ከይወጽእ ከይኣቱ ዝተገብረሉ እዋን፤ ብጣዕኒ “ሬር” እዩ። ሓቢርና ምስ 
ማሕበረሰብ ሱዳን ተቐሚጥና ኢና። ደቆም አፍቂርናየን፤ኣፍቂረናና እየን፤ 
ምሳአቶም በሊዕና ሰቲና፤ ኣብ መረበዞም ተኻሪና ኣብ ደገ ብናጽነት 
ኗኢልለ፤ንድቅስ ንሰቲ ነይርና። መሬቶም ሓሪስናዮ ፤ዱኳናት ኣጥሪና፤ 

PDF page 11

View this page in original PDF

መምህራን ሓካይም ኮይና፤ ኮታ፤ ነፃነት ማለት ካብ ሃገርና ንላዕሊ 
ዝራአናሉ ጊዜ እዩ። ሕዚ ዳአ እንታይ ወረደ? 
ኤርትራዊያን “ስርናይ ሑሩጭን፤ በመጽበጺ ማይን” አንዳተውሃቡ፤ ካልእ 
ክሰርሑ ስለዘይካአሉ፤ ፖለቲከኛታት እውን ክነጥፉን ከጋድሉዎምን  
ስለዘይካኣሉ (አሰናዳ ኣሰና ‘አማኒኤል’  ኣብ ትግራይ መጽለሊ  
ስደተኛታት ከይዱ ግርም ብዝኾነ ዘረብኡን ኣንደበቱን ብዛዕባ መራሕቲ 
ተቓወምቲ ውድባት ዝሃቦ ‘መሬት ጥብ ዘይትብል’  ዘረባ ጋህዲ ኣብ ‘ዩ 
ቱብ’ ኣቲኹም ስምዑዎ።) መንእሰያት ፖለቲከኛታት ክኸስቡሎም 
ስለዘይካአሉ “ወረ ኩናትን፤ብረት ምሕንጋጥን ኣይተስምዑና እዮም ዝብሉ 
ኢሉ ስብሓት እንትዘረብ ሓቅነት ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ድማ ካብ’ቶም 
ፖለቲከኛታት ብዝበለጸ መንገዲ እቶም ሰበኽቲ ሃይማኖት  ናብቲ ላጂን 
እንዳተማላላሱ መንእሰያት ‘ንሰማይ አንዳጠመቱ፤ ንምድሪ ዘሎ መላኺ 
ንክርስዑዎ” ኣቐዲሞም ካብ ኢድ እቶም ፖለቲከኛታት ስለ 
ዝመንዝዑዎም፤ “ወረ ኲናት’ ኣይተስምዑና እንተበሉ መንአሰያት 
ኣይውሱን እዮም። 
ንኣብነት እዚ ዝስዕብ ኤርትራዊ ሓውና መሓመድ ዓሊ ይባሃል። ዝነብሮ 
ቦታ ድማ ኣብቲ መዕቆቢ ኤርትራዊያን ዘጽልሉሉ ላጂን ውሽጢ እዩ። 

PDF page 12

View this page in original PDF

  እዚ ናይ ሃይማኖት 
ጭውያ ጥራህ ዘይኮነስ፤ ናይ መንነት ጭውያ እውን ዝካየደሉ ሕሱም  
ግብሪ መን እዩ ሓላፍነት ዝወስድ? እቶም መንነቶም ዝተጨውዩ ሓላፍነት 
የብሎምን፤ ምኽንያቱ ድኻታት እዮም ፤ ብናይ ሕሊና ጨወይቲ ዝተዓግተ 
‘ንቩልነራብሊቲ’ ዝተቓልዑ ተመጽወትቲ እዮም። “They are 
defenseless, desperate and intentionally made to be confused .” 
መን እዩ ተሓታታይ? Imagine, you could construct a prison 
- a prison of the mind - from which those inside can 
never threaten your power and control.  እታ እትድለ’ውን 
ንሳ እያ። ሕልና ምድንዛዝ! 

PDF page 13

View this page in original PDF

እዚጥራሕ ኣይኮነን 
 ወያነ፤ 
ኣብ ትግራይ ኣብ ቤት መንግስቲ፤ኣብ ቤት ጸሎት፤ ትግርኛ እንተዘይኰይኑ 
ኣምሓርኛ ከይስበኽ ብጋህዲ ዝፍለጥ እዩ። ኣምሓርኛ ንከጥፍእ እውን 
ብብረት ተጋዲሉ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ አማህሚሁዎ ይርከብ። ማዕረ፤ 
“ኣምሓርኛ ምዝራብን ደንጎላ ምደርባይን፤ ክልኩል እዩ። በናይ ቤት 
ትምህርቲ ሕጊ ካም ምቕጻዕ ንላዕሊ፤ ኣብ ገለ ኣዲስ ኣበባ ቤት 
ትምህርቲታት (ሰብ ስልጣናት ወየንቲ ደቆም ዘምህሩሉ ቤት ትምህርቲ 
ፁጉባት/‘ዲታት”) ኣምሓርኛ ዝተዛረበ “ገጹ ናብ መንደቕ ዘይሩ ንሓደ 
ሰዓት ደው ክብል ከምዝቕጻዕ ንፈልጥ። ከምኡውን “ኣይ ኣም ስቱፕድ” 
ኢሉ 100 ጊዜ ኣብ ኳዴርኖኡ ከምዝጽሕፍ፤ እሞ ድማ “ዓው” ኢሉ ኣብ 
ቅድሚ ተምሃሮ “ስቱፒድ እየ” እንዳበለ ከምዘንብብ ኣብዝግበሮ ሓገር፡ 
ብኸመይ ምኽንያት ኣብ ላጂን ኤርትራዊያን ሃይማኖት ብኣምሓርኛ 
ክስበኽ ተኽኣለ ? ንዘብል ሕቶ ናዓይ “ሕንቅል ህንቅሊተይ” ኮይኑኒ 
ስለዘሎ እስኪ ንስኻትኩም ‘እዚ ሚስትሪ” እዚ ፍትሑዎ! 
ኣነ ኣምሓርኛ ክጥጥዕ ድልየተይን ከምዝኾነ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ፖለቲከኛ 
ኣብዝማጎቶ ፖለቲካዊ መድረኽ ይፈለጠኒ እዩ። ግና ኣብ’ዚ ከም ዒፍ ዋሪ 

PDF page 14

View this page in original PDF

‘ስትረንጅ’ ኰይኑ ዝረኸብኩዎ ክግምት ኣብዘይካኣል ከባብን ማሕበረሰብን 
ብቓንቋ ኣምሓርኛ ክስበኽን ከዝመርን ምስራኣይኩ ንዓይ ኣግሪሙለይ 
ስለዝኾነ፤ መልሲ ንክትሕቡሉ እስከ በመገሲኡ ሓብሩኒ።  
መሰል ኤርትራዊያን “ኣምሓሩ” ግሂሰሞ አንዳበለ፤ ‘መልዑል ወያነ’ 
እንትቕደድ ንነዊሕ ዓመታት ሰሚዕናዮ ኢና። ሕዚ ኣማሓርኛ ኣብ 
ዘይስማዓሉ ቤት ጸሎታት ትግራይ ፤ብኸመይ ኣብ ኤርትራዊያን መዕቆቢ 
ካምቦታት ክስበኽ በቕዔ? (ኣነ ይሓትት እየ ዘለኹ)። ከም እቲ ወያነ 
ዝሕስዎ ዝነበረ ‘ግህሰት መሰል ቋንቋ ማሕበረሰብ ‘ተዛረብቲ ትግርኛ’ 
ኣምሓሩ ብቋንቋና ከይንጽልይ፤ከይነንብብ ፤ከይንሰብኽ ኣምሓሩ 
ከልኪለሙና ዝብሎ ዝነበረ፤ ሕዚ ኣማሓራ ‘ስልጣን ኣብ ዘይብሉ’ ኣብ 
መሬት ትግራይ፤ እሞ ድማ “ኣብ ቤት ጸሎታት ትግራይ” ዘይተሰብከ ”ኣብ 
ኤርትራዊያን መዕቆቢ ብኸመይ አምሓርኛ ‘ክጥጥዕ ካኣለ?   
Refugee Camp – Ethiopia 
https://youtu.be/FQR3sUVR2nY 
 
 
*እዚ ሰባኺ፤ዚ ኣምሓራይ እዩ።እዚ ኣብ’ቲ ቦታ ከይዱ ዝሰብኽ 
ዝሰማዕኩዎ ብኣምሓርኛ እዩ) ኣነ ፍታወይ እዩ፤ ኩሉ ሰብ ብዝደለዮ 
መራኸቢ ቋንቋ ክጽልይ ። ኣምሓርኛ ናይ ተጋሩን ከበሳ ኤርትራዊያንን 
ብዘበን እን እኒ ጀሚሩ ዝነበረ ፤ዝፈጠሩዎ ‘ጥንታዊ’ ቋንቆኦም እዩ። ኣብኡ 

PDF page 15

View this page in original PDF

እውን እዩ ተማሂዙ። እታ አብ ላዕሊ ዘላ ቪዲዮ ምስራኣኹ ግና “እቶም 
መሳኪን መንእሰያት ብጭንቂ ስለዝተሳቐዩ፤ ተስፋ ስለዝሳኣኑ፤ ተኣኪቦም 
እንዳዘመሩ ድምጾም ምስ ሰማዕኩ፤ ብሓቂ ጸረር ኣቢለ ነቢዔ እየ!” 
እቶም ሰበኽቲ ከምሽሾ እዮም ፈሊሖም። ጉድ እዩ! ስደተኛታት ካብ 
ኤርትራ መህደሚኦም ፈጣሪ ስለዝስኣኑዎ ናብ ፈጣሪ  ምእላሽ ዝመጹ 
ኣይኮኑነን። 
 እቶም ጠንጠንቲ ተንኰልን ተሓባበርቶምን ግና ምድራዊ ፍትሒ ዘይኮነስ 
“ፈጣሪ” ንምእላሽ ከምዝሃደሙ ክዛረቡ ይገብሩዎም ኣለው።  እዚኹሉ 
ስቅያትን ሕልናዊ መጭወይትን ክፍጸም ዕላምኡ እንታይ’ዩ?  
ኣብ ውሽቲ እቲ ላጂን፤ ሕጋዊ ሽሞም ካብ መሓመድ ናብ እስቲፈን 
እንትቕየር ብሓቂ (ቀልዲ ዳኣ ኣይተርኣየንን እምበር) “ወላሂ አነ ኸማን 
ገሪማትላ’” ይብሉ ደቂ ሓዉቦታተና። ዋእ፤ ኣነ ንባዕለይ ብሓቂ ገሪሙኒ’ሎ! 
ንተጋሩ ኣብ ቤት ጸሎታት በትግርኛ አንዳተሰብከ ኣምሓርኛ ተአጊዱ፤
ንኤርትራዊያን አንትስበኽ? ሕዚ ኸ፤ ንመሳኪን ኣምሓሩ ዲኹም ክትወቕሱ 
ወይስ ንመን? ኣብ’ቲ ቪዲዮ ተሰኒዱ እትርእይዎ ዘለኹም ሰባኺን 
ተሰበኽቲን ኩሎም ‘ተጨወ ኣይጭወይን” አብ ሕልናዊ ግብግብ 
ከምዘለው ምስ እትዕዘቡ፤ ድኻን “ቁሉዕ/ቩልነራብል” ሙዃንን ማዕናጣኻ 
ዘሕርር እዩ። ዘሕዘን ናይ “ዴስፐረሺን” መዝሙር እንዳዘመሩ ምስ 
ሰማዕኩ፤ ኣነ በቶም መሳኪን ነቢዔ እየ።    
እዚኹሉ ናይ መንነት መለለይ ግህሰት ኣምሓሩ እንትውቀሱ እዮም ዘበን 
ዝሓለፈ። ሎሚ ኣብ ማእከል ትግራይ ኣብ ትግርኛ ዝዛረብ ማሕበረሰብ 
ዝዓቐቡ ኤርትራዊያን ፤ሃይማኖቶም ጥራሕ ዘይኮነ በቶም ካብ ወጻእ 
“ከረመለን ባንቡላን ነፋሒቶን/ባሉን” ሒዞም ሕዝቢ ኣፍሪቃ፤ ብሕሊፊ 
ኣብ መዕቆቢ ዘለው፤ ተስፋ ንዝሳአኑ ሱዱዳት ዜጋታትና፤ በቶም ጨወይቲ 
ሕሊና ዝተመነዝዑ አስማቶም እውን ካብ ‘መሓመድ ናብ እስቲፈን’ 
ተቐይሩ መንነቶም ክሳብ ዝምንዛዕ ዝግበር ዘሎ ግብሪ ናይቶም መደብ 

PDF page 16

View this page in original PDF

“ኒው ወርልድ ኦርደር” መካየድቲ ባእታታት፤ መን እዩ ክጥጥዕ መንገዲ 
ከፊቱ ኣብልዕሊ መሳኪን ዜጋታት መንነቶም ንክምንዛዕ ዝታሓባብር ዘሎ?  
ጸለምቲ ኣሜሪካ ሃይማኖቶም ጥራሕ ዘይኮነስ አስማቶም እውን 
ተመንዚዖም ናብ ስቲፈን ናብ ራበርት፤ናብ ዊልያም አንትቕየር፤ ሎሚ ኣብ 
ኢትዮጵያ፤ ብዘበን ወያነ፤ ኤርትራዊያን ኣስላም ኣሕዋትና ‘ከመይ ዓለምን 
ኣዱንያን ስለዝኸድዓትና ኢና ‘መሓመድ’ ናብ ‘ስቲፈን’ ክቕየሩ መንገዲ 
ዝፍቀድ ዘሎ? ዶስ እዞም ኣሓት ኣብ ኤርትራ ሃይማኖት ስለዘይነበሮም፤ 
ኣላህ/ፈጣሪ ስለዝሳአኑ፤ ኣብ ሽመልባ፤ኣብ ዓዲ ሓርሽ፤ኣብ ማይ  
ዓይኒ…..ንክንረኽቦ ኢልና ኢና መጻኢና ኢሎም ኣመዝጊቦም ኮኢኖም?  
ጊዜ ከዲዑዎም ጥምየትን ገጽ ሰብን ስለዝራአዩ፤ እዞም መሳኪን 
ኣሕዋትናን ደቅናን ንሕና ወለዶም ዝሃብናዮም  አስማቶምን ሃይማኖቶምን 
‘ብሑሩጭ ስርናይ’ ክጋሃስ ምግባር ብሞራልን ሕጊን ተጠያቒ ክህሉ ናይ 
ግድን እዩ። ሑሩጭ ክበካ መንነትካ ግደፍ፤ ማለት ብብረት ከየፋራራህካ 
ኣብ ልዕሊ ድኻታት (ኣግረሲቭ ዘይኮነ) ‘ጭውያ’ እዩ። (ንሓበሬታኹም፤- 
ስደተኛታት ደቅና ጸብሒ ንክሰርሃ ‘ኮሚዶሮ ድንሽ ጉዕ ….’ አንዳመታተራ 
ኣብ ቪድዮ እንተዳኣሪኢኹም፤ ካብ መንግስቲ ዘይኮነስ፤ ካብ ጁባአን 
ዝገዝኣኦ እዩ። መርከቢገንዘብ ካበይ ይመጽእ፤ ኣነ ኣብዙይ ንክዛረብ 
ነውርነት ስለዘለዎ ፤”ን ዲግንቲ” ኣሓትናን ደቅናን ክብል ኣይገልጾን’የ። እታ 
እትዋሃቦም ግና  ‘ሓርጭን ማይን’ እያ)።  
ኣነ ከም ኣክቲቪሰትን ተጣባቒ መሰል ወዲ ሰብ፤ እዞም ተጣባቕቲ 
ዘይብሎም ድኻታት፤ ከም ጉዚ/ቅርጫት ስጋ ዕስራን ገለን ሃይማኖታዊ 
ውድባት ናብ’ቲ ስደተኛታት አንዳዋሓዙ ክቃራመቱዎም ከለው፤ ብዛዕባ 
ንስርዓት ኢሳያስ አፈወርቂ ተቓሊሶም ናብ ወለዶምን መረበቶምን 
ንክምለሱ ዘይኮነስ፤ እቲ ሰብከት ፤ምድራዊ ኣጋንንቲ ከምድላዮም 
ንክዕንድሩ ሕልናኦም ጨውዮም ‘ብዛዕባ መጻአይ ሰማያዊ ዓለምን 
ናብራን” ንክጭነቑ ይገብሩዎም ኣለዉ። በቲ ካልእ ወገን፤ ንኢሳያስ ሕንድያ 
(ፌቨር/ፋቮረ) ይግበሩሉ ኣለው ማለት እዮ። 

PDF page 17

View this page in original PDF

 ሓቂ ንምዝራብ ፤ እታ ናይ ሎሚ  ዓለም ናይትማሊ ውጽኢት እያ። እታ 
ናይ ሎሚ ዘለናያ  ዓለም ድማ ነታ እትመጽእ ዓለም ኣብ ህንጸታ ግደ 
ኣለዋ። እቶም ውድባት ሃይማኖት ግና ናይ ሎሚ ገዲፍኩም ካብ ሰማይ 
ንዝመጽእ ዓለም ተጨነቑ፤ እንዳበሉ ሕልናኦም ክሓጽቡዎም ምፍቃድ ፤ 
ኮሎኒ ‘ብፕሮክሲ’ (ብቐላጤ) ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያወያንን 
ዜጋታትና ኣይጣላዕን ዘሎ ኢልኩም ዶ ትግምቱ?  ዋእ! ኣነ ገሪሙኒ’ሎ። 
 
እዚ ስዕብ እውን ኣግሪሙለይ! 
 
ንሙዃኑ ኢትዮጵያዊያን ፤ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ኤርትራ ማእከ ል 
ኣትዮም  ‘ካርዲ ስተኛታት’ ተዋሂቡዎም ኣብ ሞን ጎኣኦም ክነብሩ ምግባር 
እንታይ ማለት እዩ? መቸም እቶም ከምኡ ኢሎም ዝጠርዑ ዘለው 
“ይሕስዉ አለዉ ምባል ኣይካአልን”። ተጋሩ፤ ብስም ኤርትራዊያን ናብ 
ወጻእ ንከወጹ ንምትግባር ድዩ ወይስ ንስለላ? እዚኣ እስኪ ራኣ ዩዋ።ተጋሩ 
ኣሕዋትና እሞ ድማ “ደገፍቲ ወያነ” ዝኾኑ  ተራኢዩ ብዘይፈ ልጥ ብዝሒ 
‘ቁጽሪ ተጋሩ’ ኣብ ሙሉእ ዓለም በብዝሒ ይራአዩ ኣለው። ካበይን 
ብኸመይን ናብ ወጻእ ክመጹ ካአሉ? 
 
ኣብ ታሕቲ ለጢፈልኩም ዘለኹ ‘ቪዲዮ’ እቶም እትርእዩዎም ዝጠርዑ 
ዘለው ኤርትራዊያን ብቑጽሪ ‘ሙሉእ ሃገር እዩ ተሰሊፉ ዘሎ”። ካብ እዞም 
ኩሉ ኣሻሓት “ኣቕሽቲ” ተይቀረዩ፤ ኣለው። መቸም እዚ ኹሉ ተኣካባይ 
ብሻዕብያ ተላኢኹ “ሁወከት” ንከልዕል ተሰሪዑ እዩ ንምባል ኣይካአልን። 
እቲ ጭ ርሖ ከምዚ  ይብል “ኣብ’ዚ ማዓስከር ምሳና ተሓዊሶም ካርዲ 
ተዋሂቡዎም ዝነብሩ ዘለው ኢትዮጵየዊያን ካብ’ዚ ማዓስከር ይውጽኡ!” 
ይብል። ዋእ! እዚኣ’ውን  ገሪማትኒ’ላ እስከ መርምሩዋ?   eritrean 
refugee at maiainey standes 4 its right ( Ethiopia}  
https://youtu.be/J2yhldbm1YA  የቐንየለይ ፤ ጌታቸው ረዳ (ኣሳናዳኢ 
Ethiopian Semay) getachre@aol.com