Extracted PDF page text

ዓብዱልራሕማን - ዩኑስ

Machine-extracted derivative; not a transcript or translation. Reading order, spacing and characters have not been editorially verified. PDF page numbers are file positions, not printed page labels. No OCR has been added.

Open unchanged original PDF · Download unchanged PDF

Extraction status: extracted-unverified.

PDF page 1

View this page in original PDF

 1 
ዓብዱልራሕማን - ዩኑስ 
ንትሕጃ ድዩ ወይስ ሕቡስ? 
ፍልይቲ ሕታም 
 
ብወደባት፡ ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፊሊፖ) 
ሚላኖ-ኢጣልያ 
15/01/2013 
 
ንክዕበት  መለዮ (መዳልያ) ዝሰርዕዋ ሸፋቱ ኤርትራ ኣብ ዓለም ንምፍላጡ ዝደንጎየና  ገስረጥ 
ውጥናት በብግዜኡ ከም ፊደል ትምህርቲ የስምዑና ምህላዎም ኩሉ ተግባራቶም ምስ እንዝክር  ልዕሊ 
ምግራም መስተንክር ዘብል እዩ፡፡  
 
ንሕና ድኣ!!! 
ይኣክል! በ......ስ.....ምባል ተሃዚብና ደዊና እምበር ደርሆ ሞታ ዘይተርፍ ምስ 
ተኸስተነት ፍርፍር ክትብል መንደቕ ጸየቐት እሞ ንኸይተርስሓካ ዕበጣ ቀልጢፍካ ዝብል ምኽሪ 
ኣቦታት፡  እዞም መሻምሽ ቅጥዒ ኣልቦ ስርርዕ  ሸፋቱ ብዓለም ምሉእ እተለከቱ ብድሕሪ ሕጂ ንጣር 
ጽቡቕ ከሰምዑና ከርእዩና  እዮም ዝብል ሓሳብ ወይ ትጽቢት ክህልው ዕውር ንዓይኒ ዘለዎ መንገዲ 
ከርሕው ምጽባይን ምትምናይን እዩ፡፡  
 
እዚ ማእሰርቲ!!! 
ኣያና ዓቢይ ሓውና ዓብዱልራሕማን ዩኑስ፡  ኣቦኡ ንልሳነ  ሓሶት እንጎድጓዱ ክዕበት ስርርዕ  ሸፋቱ 
ህግደፍ ኣነ  ከም ሰብ መጠን ብኣካል ዝፈልጦ ዳርጋ ስሳ ዓመት እዩ፡ ጌና እቲ ክዑብ ወዱ ሙ ላቕ 
ሽንቲ ዓሊ ከይተወለደ እሞ ኣሹንኳይዶ ኣብዚ ልዑል ዕድሜኡ ከባቢ 80 ሰማንያታት? ንሕና 
ንኣሽቱ ንሱ ዓቢይ ኮይኑ ክምህ ዘይብሎ ደፋርን ጽኑዕን ምስ ዑሱባት ማሕበር ኣንድነት  ዝጻፋዕን  
ምንባሩ ህልዋን እንፈልጦ ዕባይ ኣስመራ ብሓበን እንገልጾ  ሰብ እዩ፡፡  
 
ከም እትዝክርዎ!!! 
እቲ ብ2001 ኣብ መንጎ መሪሕነት ህግደፍ ( ብጂ-15 ዝዝከር) ዝተኣታተወ ቅልውላው ምስ 
መዛንኡን ኣያታቱን ብዓል ነፍስሄር  ቀኘዝማች ሱናባራ ንዑ ደቅና ንዑ ኣሕዋትና ብሓደ ከርቲትኩም 
ብሓደ ናብዛ ንዓመታት ዝተሃንቀውናያ ልዑላውነት በጺሕኩም ሕጂ ክትሰሓሓቡ ንመን ከተዔዝቡ ከምቲ 
ኣብ ዘመነ ገድሊ ናጽነት እሂን ሚህን ተበሃሂልኩም ተረዳዲእኩም ንዝጋጠመ ኩነታት ሰጊርኩም 
ዝፈታሕኩሙ ዎ ሕጂ እውን ተላዚብኩም እቲ ዘጋጭወኩም ፍትሕዊ ስለዝበሉ ከም እተኣስሩ ዝርሳዕ 
ኣይኮነን፡፡  
 
ካብቲ እዋን እቲ፡ 
መን እዮም ሸፋቱ ህግደፍ መን ሰላምን ምርድዳእን እንተተረኽቦ ይዕንቀፍ ንኹልና ክርድኣና እዩ 
ዝግባእ ነይሩ፡፡  
 
ተረዲኡና ንብል እንተኼንና!! 
ስለምንታይ ክሳዕ ሕጂ ንምሕምታሎም ዘየስመርና  
ንህዝብና ተስፋ ነቑርጾ  ውድብ ዕቁብ እናበልና ? 
 
እዚ ኣብ ልዕሊ ኣያና ዓብዱልራሕማን ዩኑስ ዝተፈጸመ ሳልሳይ ራብዓይ ግፍዒ እቲ ውጥኑ እዚ 
ዝስዕብ እዩ፡፡  
 
ጃንዳ ሸፋቱ ኤርትራ ከምቲ ከይሓነኹ ህዝባዊ ግንባር ኣእዳው ነዊሕ እዩ፡  ከምኡ እውን ደርሆ 
ኣንዊሕካ እንተኣሰርካያ  ዝፈታሕካያ ይመስላ፡ ንሕና እንደልዮም ምስጢር ንኽንረኽቦ ክሳዕ ኣንስቲ 

PDF page 2

View this page in original PDF

 2 
ሓዳር ከይተረፈ ኣመንዚርና ኽንረክብ ንኽእል ኢና ወዘተ... ወዘተ.... ጽያፈታት ዝምከሓሉ 
ኣብ ከብዲ ሰባት ከም ማይ ዝዓብለለ ጆሮቕሮቕ (ፍርሂ) ዘእትወሉ እንታይ ተኣማሚኑ ወይ እንታይ 
ዓሊሙ ክንመራመረሉ ካብ ዝግባእ፡  
 
1. ኣብ ዕንክሊል ዝነበሩ ሃዲምና ራዕሪዕና  ዝብሉ ስለምንታይ ቡጩ ቕ ዘይብሉ 
2. ሕጂ ባዕሉ መስኪሩዎ ዘሎ ፍሽለት ከም ምዕባሌ ክሕስዎ እንከሎ ስለምንታይ የጣቕዑሉ? 
3. ኣብ ፍቐዶ ሃገራት ንሶም ወይ ቤተሰቦም ብዑቕባ ክነብሩ ንስድራቤታትና ብመቑሕ ክኣስሩ 
ንሕና ትምሕትም እንብሎ ስለምንታይ? 
4. ንመሽሚሹ ዘሎ ኣጉዶኡ ምፍራስ ስለምንታይ ንግሆ ንግሆ ውድብ ዕቁብ ፈጢርና ሰሚርና 
ተፈንጢሕና ታቱላታት ንዝምረሉ? 
 
ሀ/ ካብ ማንታኡ መስፍን ሓጎስ ኣትሒዝካ ተፈንጢሕና ተባቲኽና ዝብሉ እሞ ምስጢሩ ምውጻእ ከምዚ 
ናይ ተባዕ ተስፋይ ተምነዎ እርይ ቁጽር ኣቢሉ ዝኸሽሖ ዘሎ ክኸሽሑ ዘይመድለይኦም እንታይ እዩ 
ኢልና ምስ እንመራመር እታ ኣብ ምዝዛም ብረታዊ ቃልሲ ናጽነት ምስጢርና ይተዓቀብ ህዝቢ 
ከይፈልጦ ኢሉ ዝገነሖም ኣብ ዝኣደኖ ምጭምላቓት ተጠላቕዮም ምንባሮም ስለ ዝስከፉ እታ እንኮ 
ምርጫኦም ኣብ ክንዲ ንስርርዕ  ሸፋቱ ህግደፍ ንኽንቃወም ዝበሉ ክዕንቅፉ ስለ ዝመርጹ፡፡ 
 
ለ/ መስፍን ሓጎስ ብተልእኾ ጠላም ኢሳያስ ኣፈወርቅ ከም ዝተዋፈረ ካብ 2002 ኣትሒዘ ብዙሕ 
ግዜን ብብዙሕ ሓባሪ ጭብጥታትን ገሊጸዮ ምንባረይ ትዝክርዎ እዩ፡፡  ሎሚ ኩሉኹም ተረዲኡኩም 
ፈሊጥኩሙ ዎ ምህላውኩም እውን ተረዲኡኒ ኣሎ እሞ ነዚኣ እትስዕብ ሕቶ ምስ ንኣያና  ዓብዱልራሕማን 
ዩኑስ ኣጋጢሙ ዎ ዘሎ ግፍዒ ኣመጣጥንዋ " መስፍን ሓጎስ ንእቶም መፋርምቱ ተሞቂሖም (ተኣሲሮም) 
ዘለው መሪሕነታት ክጠልሞም ኢሳያስ ከኣ ብልኡኹ ሙ ውት ናይዝጊ ክፍሉ ንማእሰርቲ ክትልሞም 
ንመስፍን ክሳዕ ሮማ ኢጣልያ ኣፋኒውዎ ብኡኡ ኣቢሉ ንኣመሪካ ከም ዝኸይድ ገይሩዎ፡፡  
 
መፋርምቱ ክዝንጠሉ ክእሰሩ ስድራቤታቶም ክፈናቐሉ ክድሃሉ ስድራቤት መስፍን ሓጎስ ኣይተተንከፉን  
ኣይተለኸፉን፡፡  
 
እዚኣስ ብኸመይ ትትርጎም? 
ድሕሪ ነዊሕ እዋን ምርዳእ ውዲት ኣወጻጽኣን  ተልእኾን መስፍን ሓጎስ ምስ ተቓለዔ፡ ስድራቤት 
መስፉን ሓጎስ ዓዲ ሓዲጎም ከም ዝወጹ ተገይሩ እሞ እቲ ኣወጻጽኣ! ነዊሕ ትሕዝቶ ምስጢር ከም 
ዘለዎ ኩልና ንረዳእ፡፡  
 
ከመይሲ? ከምቲ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ካብ እቲ ስርዓቱ ሸፋቱ ክሃድም ብሸነኽ ኢትዮጵያ ይኹን 
ሸነኽ ሱዳን ዝንከራተቶ ኣይተንከራተቱን ጥራሕ ዘይኮነ፡  ብላንድክሩዘር  ጫማኦም ሓመድ ከይረገጸ  
ገጾም ብንፋስ ከይተሃወጸ ንካርቱም (ሱዳን) ብኣን ብኣኣን ከኣ ብናይ ኢትዮጵያ ኣየር  መንገድ 
ንኣዲስ ኣበባ ከተፍ ኢሎም፡፡ 
 
ናይዚኣ መልሲ ካብታ እዋን እቲኣ ክሳዕ ሕጂ ስለምንታይ እቲ ሓላፋ ኢለ ሓቲተ ኣይረኸብኩን 
ስለዘለኹ ክሳዕ መልሲ ዝረክብ ብዙሕ ናይ የሰሜን ሃይል ኣፍልጦይ ጥርጠራታት ዓቂበ ከምዘለኹ 
እናሓበርኩ ወይዘሮ ገነት  ብዓልቲ ቤቱ ንማንታ ኢሳያስ ወግዓዊ ብዓል ገበን  መስፉን ሓጎስ እቲ 
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ምሁራት ኤርትራውያን ኣኼባ ተገይሩ ዝተባህለ ኣብቲ ኣኼባ ተዓዲማን 
ተሳቲፉን እሞ እቲ ምህሮኣን ሊቅነታን እንታይ ጥራሕ ዘይኮነ  ስለምንታይን ንእንታይን እቶም 
ዝዓደሙ ዋ ክምልሽዎ ክቕሰበሉ ዘለዎም እዩ፡፡  
 
ኢሳያስ ግን፡  
ተኣምኖ ልኢኽካ እንታይ ከይሕበኣካ- ንኸይልለ ግን ሸፈን እናገበርካ  ዝብል ዓላማኡ፡ ተልእኾ 
መስፍን ሓጎስ እናተቓለዔ ኣብ ዝኸደሉ ነቲ ፍደሐ (ምቅላዕ) ንኽሽን ልኡኹ እሙ ን ንክኸውን ኢሉ 

PDF page 3

View this page in original PDF

 3 
ከም ዝሃደሙ ኣምሲሉ ተሰናቢትዎም፡ እዚ ሓቂ ኾይኑ እታ ንጸራ (ሓቂ) እንደልያ  መን ተቐቢሉዎም 
ስለምንታይ ተቐቢሉዎም እዩ፡፡  ሕቶይ?? 
 
እቲ ናቶም ህድማ!!! 
ንሓድሓደ የዋሃት ኣገሪሁዎም ይኸውን ዘይንግራህ ግን ኣሎና፡፡  
 
ሕጂ ኸኣ!! 
እዛ ምእሳር ናይ ኣያና ዓብዱልራሕማን ዩኑስ፡ ብወገነይ ዝትርጉማ 
 
1. ኢሳያስ ሞይቱ ኢሎም ባዕሎም ዘውረዩዎ፡ ባዕሎም ከኣ ሓሶት ኢሎሙ ዎ ንእቲ ዝሰመዖም 
ሓጪ ጮ ም ኣንዒቖሙ ዎ፡፡ 
2. ዓሊ ዓብዱ (ወዱ ንኣያና  ዓብዱልራሕማን ዩኑስ) ሃዲሙ ኢሎም ባዕሎም ብስልታውያን 
ልሳናቶም መርበብ ኢንተርነታት ኣቃሊሓሙ ዎ፡፡ 
 
ነዚ ሓቂ ንምምሳል!! 
ጥርዘ ግፍዖምን ግዕዘይነቶምን  ዝሰሓተ ተግባራቶም ኣብ ግብጺ (ካይሮ) ሕክምና ክገብር ድሕሪ 
ምጽናሕ ንዓዱ ( ንሃገሩ ) ምስተመልሰ ኣብ ክንዲ እንቋዕ  ድሓን መጻእካ ስለምንታይ ትመጽእ 
ብዝኸድካዮ ዘይትጠፍእ ዘስምዕ ንቤት ማእሰርቲ ኣእትዩሙ ዎ እሞ፡ 
 
ነዚ ብኸመይ ንኽትርጎም? 
ንእታ ዓሊ ዓብዱ ሃዲሙ ከም ሓቂ ከተርጉሙ ዝሓለንዎ ከም ዝኾነ ፈጺሙ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡  
እንታይ ድኣ? ከምቲ!! ወዮ ድኣ ንጹር ደምበ ተቓውሞ የለን  ኮይኑ እምበር ብኸመይ ከሺሕካ 
ብኸመይ ንዘይውዳእ ሰልትታቱ ከተንበርክኽ ከተፈርሽኽ ኣገባባት  ኣሎ እሞ፡ ኣበይን ብዓል መንን 
ንፍሽለት በዓል መስፍን ክትክኡ ዝተላእኩ ኣለው ዓሊ ዓብዱ ኸኣ ኣብ ዝሃለው ሃሊው ከማእክሎም 
ከም ዝተላእከ ጭቡጥ መርትዖታት ኣሎ፡ ንየዋህ  ንምድንጋር ከኣ ዋጋ ህይወት ኣያና ዓብዱልራሕማን 
ይኸፍሎ ኣሎ፡፡  
 
 
ዓሊን ኣቦኡን!!! 
ኣያና ዓብዱልራሕማን ከም ሰጋመጠን ውላዱ ድኣ ይኹን እምበር ካብ 2001 ንመርኣይ ፍሽኽታ 
እውን ተለዋዊጦም ኣይፈልጡን እዮም፡፡  ኣብ መንገዲ ይትረፍ ሓደ እዋን ዓብዱልራሕማን ሓሚሙ 
ወሸላኽ ሙ ላቕ ሽንቲ ዓሊ ሰብ ክርእየሉ  ኢሊ ኣብ ሆስፒታል ክበጽሖ ኸይዱ ኣብ ቅድሚ ተዓዘብቲ 
ወጻእ ኪድ ያ..... ኣበይ ኣዴኻ ትፈልጠኒ ትበጽሓኒ ኢሉ ጡፍ ከም ዝበለሉ ናይ ዓይኒ ምስክር 
ዝረኣዩ ኣለው፡ 
 
እሞ!!! 
1. ዓሊ ካብቲ ስርዓት እንተሃዲሙ ኣቦይ ኣሲሮሙ ለይ ኢሉ ክምለስ ወይ ምሕረት ክሓትት ማለት 
ድዩ? 
2. ኣያና ዓብዱልራሕማን ዩኑስ ካብ ካይሮ ንኣስመራ ዝተመልሰሉ ድሕሪ ብዙሓት ማዕከናት 
ምህዳም ዓሊ ዓብዱ ምቅላሔን ኮይኑ፡  ምስ ወዱ ርክብ ነይሩዎ ባዕሉ ኣህዲሙ ንኽበሃል 
ድዩ? 
 
ጠላም ኢሳያስ ዘይሓፍር!!! 
ንመንበሪኡ ሓሶታት ዝፍሕር- ካብ ብስምባደታት ዝብህርር ሓንሳብን መወዳእታን ካብ ብስቓይ 
ዝሓርር ነብሱ ዘይፍጅር? 
 
ሰኣነዶ  ሓደ ዓርኪ ነዚኣ ዝመክር? 

PDF page 4

View this page in original PDF

 4 
ኢለ መልእኽተይ ብምትሕልላፍ፡ 
 
ኣያ ዓብዱልራሕማን መዘና ኣያታተይ 
ክብርኻ ዝሓለውካ- ክብሪ ኣቦታተይ 
ሰላምታይ ይብጻሕካ- ካብ ርሑቕ ስደተይ 
ንማእሰርትኻ- እብሎ ተስፋ ናይ ዓወተይ 
 
ሰናይ ቅነ