Extracted PDF page text

ብዛዕባ’ዚ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓሳት ሓጺር ድሕረ ባይታ ንምሃብ እዩ፣ ምኽንያቱ እዞም ዘለው መንእሰያት ኣብቲ ዝሓለፈ መድረኽ ቃልሲ ዝተሰግረ ፖለቲካዊ ሕልኽላኻት ብዙሕ ስለዘይፈልጥዎ። እዞም ሕ

Machine-extracted derivative; not a transcript or translation. Reading order, spacing and characters have not been editorially verified. PDF page numbers are file positions, not printed page labels. No OCR has been added.

Open unchanged original PDF · Download unchanged PDF

Extraction status: extracted-unverified.

PDF page 1

View this page in original PDF

 15 
ታሪኽ ኣይንረስዕ፡ ጉዕዞና ክቐንዕ 
ሳልሳይ ክፋል 
 
2. ቅድሚ ስዕረት ዝተጋህደ ተንበርካኽነት 
 
 
  እቲ ድሓር ኣብ ገለ መራሕቲ ጀብሃ ዝተጋህደ፣ ተንበርካኺ መንፈስን ሃገራዊ ዕላማ 
ክሒድካ እግሪ ጸላእቲ ናይ ምስዓም ዘሕፍር ተግባርን፣ ገና ጀብሃ ካብ ሜዳ ኤርትራ 
ቅድሚ ምጽራጋ ዝተቐላቐለ ምዃኑ ኩሉ ተጋዳላይ ተ.ሓ.ኤ. ነበር ዝዝክሮን ዝምስክሮን 
እዩ። ድሕሪ ምብትታን ተ.ሓ.ኤ. ከኣ ን28 ዓመታት ክቕጽል ንርኢ ኣሎና። 
 
   ሓደ ካብ ዓበይቲ ጸገማት ሰልፊ ዕዮ፣ ናጽነት ናይ ኣተሓሳስባ ዘይነበሮ ሰልፊ ምዃኑ 
እዩ። ናይ ጀብሃ ለበር ፓርቲ ብኣተሓሳስባ ገስገስቲ ሰልፊታት ዓረባዊ ዓለም ኣጸቢቑ 
ዝተጸልወ እዩ ነይሩ። በዚ ድማ መራሕቲ ጀብሃ፣ ምስ ከም በዓል ጆርጅ ሓበሽን 
ሃዋትማን ዝኣመሰሉ ናይ ሰውራ ፍልስጤም መራሕቲ ክራኸቡ ከለው ንነብሶም ከም 
ተማሃሮ እዮም ዝቘጽሩዋ ነይሮም። ነዞም “ገስገስቲ ሓይልታት ኢና” ዝብሉ 
ዓረባውያን፣ ከም ዓበይቲ ሰውራውያን መራሕቲ እናጠመቱ፣ ነብሶም ደቃቕ ኮይና እያ 
ትስምዖም ዝነበረት። እዞም ገስገስቲ ኢና ዝብሉ ሓይልታት ዓረብ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ፣ 
ምስ ሕብረት ሶቭየት ጥቡቕ ርክብ እዩ ነይሩዎም። በዚ ድማ፣ “ሶቭየት ኣብ ኢትዮጵያ 
ትገብሮ ዘላ ምትእትታው ኣንጻር ሃጸይነት ኮይኑ ንረብሓ ገስገስቲ ሓይልታት እምበር 
ኣንጻር ረብሓ ሰውራ ኤርትራ ኣይኮነን” ይብሉ ነይሮም። ንነብሶም ከም ተማሃሮ 
ዝወስድዋ መራሕቲ ለበር ፓርቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከኣ፣ ሃገራዊ ረብሓኦም 
ዘንጊዖም ከይተመራመሩን ከየመዛዘኑን ነዚ መርገጺ’ዚ ከምዘለዎ ክጎስምዎ ፈቲኖም። 
ከይሓፈሩ ድማ ኣብ ውሽጢ ተጋደልቶም፣ “ኣብ ኢትዮጵያ ናይ የማንን ጸጋምን 
ሓይልታት ኣለው። ምስቲ ጸጋማይ ደሞክራሲ ያዊ ሓይሊ ክንዛተ ንኽእል ኢና” ዝብል 
ሕልና ዘዕርብ መርዛም ጎስጓሳት ክነዝሑ ጀሚሮም።  
 
   ዘተ ምግባር ጸገም ኣይምኾነን። ሻዕብያ እውን ምስ ደርግ ትዛተ ነይራ እያ። 
ሻዕብያ ግን ዋላ ትዛተ እምበር፣ ከምዚ ዝዓይነቱ ሃገራዊ ረብሓታት ኣሕሊፉ ዝህብ 
መርገጺ ኣይነበራን። ናይ መራሕቲ ጀብሃ መርገጺ፣ ብቕሉዕ ናይ ምንብርካኽ ኣንፈት 
ዝሓዘ እዩ ነይሩ። “ደርግ ፋሺታዊ ኣይኮነን። ፋሺስታዊ እንተዝኸውን ምስ ሶቭየት 
ኣይምተጸግዐን። ሶቭየት ሕብረት መራሒት ዴሳዊ ደምበ እያ። ስትራተጂያዊት 
መሓዛና እያ። ሕብረት ሶቭየት ኣብ ኢትዮጵያ ትገብሮ ዘላ ምትእትታው፣ ኣንጻር 
ሃጸይነት ዝቐንዐ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ስርዓት ደርግ ንዘሎ ጸጋማዊ ሓይሊ ንምድልዳል 
እዩ። ንሱ እንተሓይሉ ከምዚ ኪኸውን እዩ’ዶ….ከምቲ ክኸውን’ዩ” በቃ መትሓዚ 
ዘይብሉ ሃለውለው ናይ ፖለቲካ እዩ ነይሩ፣ ኣብ ውሽጢ ጀብሃ። ሶቭየታውያን ድማ፣ 
ነዚ ሰንኰፍ መርገጺ ጀብሃ ተጠቒሞምሉ እዮም። ንመራሕቲ ጀብሃ፣ “ሻዕብያ 
መሓዝትኩም ኪኾኑ ኣይክእሉን እዮም። ትምክሕታውያን (ሾቨኒስትስ) እዮም። ንስኹም 
ኢኹም ገስገስቲ” ይብልዎም። ገስገስቲ ኢና ዝብሉ ሰልፊታት ዓረባዊ ዓለም እውን 
ከምኡ ይደግምሎም። ንሳቶም ከኣ፣ ነዚ ናብ ምንባርካኽ ዝደፍእ ናእዳ ኣብ ክንዲ 
ብነቐፌታዊ ዓይኒ ጠሚቶም ዝመራመሩሉን ዝብድህዎን፣ ተተቐቢሎም ንርእሶም ናብ 
ሃለውሳ ኣትዮም ነቲ ተጋዳላይ ከህውትትዎ ይፍትኑ ነይሮም።  

PDF page 2

View this page in original PDF

 16 
 
   ኣብ 1978 ሻዕብያ ኣብ በርሊን ዘተ እናካየደት ከላ፣ መራሕቲ ጀብሃ እውን ብመገዲ 
“ኣፍሮ ኤሽያ ሶሊዳሪቲ” ንሞስኮ ከይዶም ርክባት ይገብሩ ነይሮም እዮም። ድሕሪኡ 
እውን ኣብ 1980 ተመሳሳሊ ርክባት ይፈታትኑ ነይሮም። ኩሉ’ዚ ርክባት’ዚ ግን፣ በዚ 
ዝተጠቕሰ ተምበርካኺ መንፈስ ዝተጸልወ እዩ ነይሩ። ኣብ 1979 ንኣብነት ናብ ገዳይም 
ተጋደልቲ ማለት ናብ መራሕቲ ሓይልታትን ቦጦሎኒታትን ካልኦትን ዝቐንዐ ናይ 
ካድር ትምህርቲ ተኻይዱ ነይሩ። ኣብቲ ትምህርቲ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ጀብሃ 
ዝኣተወ ፖለቲካዊ ሃለውለው፣ ሓደ ካብቲ ብዙሕ ክትዕ ዘለዓዓለን ዘሰሓሓበን ጉዳያት  
ንባህርይ ስርዓት ደርግ ዝምልከት ሕቶ እዩ ነይሩ። “ደርግ ፋሺስታዊ ኣይኮነን” 
ተባሂሉ። እቶም ተጋደልቲ “ከምኡ እንተኾይኑ ስለምንታይ ንዋጋእ ኣለና?” ዝብል 
በዳሂ ሕቶ ኣልዒሎም። “ሰውራዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት እዩ፣ ግን ናይ ንኡስ ብርጅዋ 
ካዕባዊ ዝኾነ ጠባይ እውን ኣለዎ። ስለዚ ናብቲ ኪኸይድ ይኽእል ናብቲ፣ ናበይ ገጹ 
ከምዝኸይድ ኣንፈቱ ብሕጂ ዝርአ ስለዝኾነ፣ ንሕና ቃልስና ክንቅጽል ኣለና” ዝብል 
ብዙሕ ናይ ህውተታ ትንታነታት ቀሪቡ። ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘሕፍርን እዩ። ብኸምዚ 
ዓይነት ህውቱት ፖለቲካ፣ ንሃገራዊ ናጽነት ክቃለስ፣ መስዋእቲ ክኽፈል ድልው ንዝኾነ 
ሰብ መንፈሱ ክትሰብሮ ብሓቂ ዘጒሂ እዩ። ብኸምዚ ዓይነት ፖለቲካ ሰብ ጎስጒስካ 
ንውግእ ከተዳሉ ዝከኣል ኣይኮነን። እዚ ትንታነታት’ዚ፣ ምናልባት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮፍ 
ኢልካ፣ ኣብ ባይዛንታዊ ክትዕ ኣቲኻ ክትመራመረሉ (ብረይን ስቶርም ክትገብረሉ) 
ትኽእል ትኸውን። ብግብሪ ኣብ ናይ ቃልሲ ባይታ፣ ኣብ ብርቱዕ ዓውደ ኲናት 
እናሃለኻ ግን፣ ብዘይካ ተንበርካኽነት ምዂስኳስ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን። ዋላ ኣብ 
ጽሑፋት ናይቲ ሰልፊ፣ ብዛዕባ ስርዓት ደርግ ዝቐርብ ዝነበረ ገምጋማትን ትንታነታትን 
እንተርኢኻዮ፣ ንሃገራዊ ረብሓ ኤርትራውያን ዝሃሲ፣ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ዝነበረ።  
 
 
2.1 ቀዳምነት ንግዳማዊ ጸግዒ 
 
  ፖለቲካ መሪሕነት ጀብሃ ኩሉ ሳዕ ግርምቢጥ እዩ። ኣብ መሪሕነት ጀብሃ፣ እቲ ናይ 
ደገ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈት ካብ ዝግባእ ንላዕሊ እዩ ሚዛን ዝወሃቦ ነይሩ። ብኣንጻሩ ኣብ 
ሜዳ ዝካየድ ናይ ተጋደልቲ ንጥፈት እቲ ዝግባእ ሚዛን ይወሃቦ ኣይነበረን። ናብ 
ውሽጢ ዘተኰረ ኣሰራርሓን ኣተሓሳስባን ኣይነበረን። ሓደ ካብ መሰረታዊ ድኻማት ናይ 
ጀብሃ ከኣ፣  ንግዳማዊ ጸግዒ ቀዳምነት ምሃብ እዩ። መራሕቲ ጀብሃ ኣብ ገዛእ 
ርእሶምን ኣብ ዓቕሚ ህዝቢን ተጋዳላይን ምትእምማን ኣይነበሮምን። ኣብ ጀብሃ ኣብ 
ነብስኻ ምምርኳስ፣ ብውሽጣዊ ዓቕመይ ክገብር ይኽእል’የ ምባል ከም ሓሳብ ድኹም 
እዩ ነይሩ። በዚ ድማ፣ ካብቲ ኣብ ሜዳ ዝካየድ ዝነበረ ግብራዊ ቃልሲ ንላዕሊ፣ እቲ 
ምስ ካልኦት ሃገራትን መንግስታትን ዝግበር ርክባትን ግዳማዊ ደገፍ ናይ ምንዳይ 
ዕማምን ዝያዳ ሚዛን ይወሃቦ ምንባሩ ኩሉ ተጋዳላይ ተ.ሓ.ኤ. ዝምስክሮ እዩ።     
 
   ግዳማዊ ንጥፈታት ከም ኣዝዩ ወሳኒ ጉዳይ ንኽርአ ዝደረኸ ካልእ ምኽንያት፣ ኣብ 
መንጎ መራሕቲ ጀብሃ ዝነበረ ገንዘብ ናይ ምቁጽጻር ውድድር እዩ። ምኽንያቱ ገንዘብ 
ዝተቘጻጸረ ሰብ ኣብ ፖለቲካ ናይ ጀብሃ ዓቢ ጽልዋ ክፈጥር ተኽእሎ ነይሩዎ። ኣብቲ 
እዋን’ቲ፣ ኣብ ጀብሃ ንስድራቤት ስውኣት ምርዳእ፣ ደበስ ምሃብ፣ ንተጋደልቲ ዕረፍቲ 
እናበልካ ገንዘብ ሂብካ ንዓዶም ከምዝበጽሑ ምግባር ልሙድ እዩ ነይሩ። ስለዚ ገንዘብ 
እናሃብካ ነቲ ናተይ እትብሎ ወገን ምሓዝ ጽልዋኻ ኣብቲ ውድብ እተስፍሓሉ ኣገዳሲ 
ፖለቲካዊ ጸወታ እዩ ነይሩ። በዚ ድማ እዮም፣ ኩሎም መራሕቲ ጀብሃ ነቲ ናይ ወጻኢ 
ንጥፈት ካብቲ ናይ ሜዳ ንጥፈታት ንላዕሊ ኣቓልቦ ዝገብሩሉን ዝጓየዩሉን ዝነበሩ። 

PDF page 3

View this page in original PDF

 17 
እቶም መራሕቲ ንባዕሎም ምስ ሓዳሮም ኣብ ደገ እዮም ዝነብሩ ነይሮም። ብሓጺሩ 
ደጀን ናይ ጀብሃ ከሰላ እያ ዝነበረት። ዋላ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ደጀን እንተነይሩ፣ ካብ 
ዶብ ከሰላ ዝርሕቕ ኣይነበረን።  
 
   ብወተሃደራዊ ዓይኒ ክትጥምቶ እንከለኻ፣ ባርካ ጎልጎል ስለዝኾነ ደጀን ክትምስርተሉ 
ዝከኣል ኣይኮነን። መከላኸሊ ዘይብሉ፣ ጸላኢ ብቐሊሉ ክበጽሖ ዝኽእል ቦታ እዩ። 
ኣብቲ ፈለማ ምናልባት ጸላኢ ሓይሉ ውሱን ስለዝነበረ ክበጽሖ ኣይክእልን ነይሩ 
ይኸውን። ካብ 1978 ንድሓር ግን ኣብ ባርካ ደጀን ክትገብር ኢልካ ምሕሳብ 
ወተሃደራዊ ዕሽነት ወይ እውን ነቲ ኣብ ሜዳ ብተጋደልቲ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ 
ኣትሒትካ ካብ ምርኣይ ዝብገስ ጥራይ እዩ። ካብኡ ንላዕሊ ዝምረጽ ካልእ ከባቢታት 
ብዙሕ ነይሩ እዩ። ግን እቶም መራሕቲ ካብ ከሰላ ክርሕቁ ስለዘይደልዩ፣ ደጀን ናይ 
ጀብሃ መዋእሉ ምስ ከሰላ ኣብ ዝዳወበ መሬት ኤርትራ እዩ ነይሩ። ኣብ ግዜ ምዝላቕ 
ሓደ ካብቲ ምስ ሻዕብያ ዘሰሓሕብ ዝነበረ፣ “ደጀን ሰውራ ኤርትራ ኣበይ ይኹን?” 
ዝብል ሕቶ እዩ ነይሩ። ሻዕብያ ካብ በዓል ዴባ ከርከበት ንንየው ክሳብ ሳሕል ደጀን 
ንግበር ክትብል ከላ፣ ጀብሃ እቲ ደጀን ምስ ከሰላ ኣብ ዝዳወብ መሬት ባርካ ክኸውን 
እያ ትከራኸር ነይራ። ድሕሪ ክንደይ ክትዕ ድማ እዩ ኣብ መወዳእታ እቲ ቀንዲ ደጀን 
ኣብ ሳሕል ክኸውን ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሐ።  
 
 
 
 
3. ወዲ ተላን ሕልማዊ ዓለሙን 
 
   ኣብ 1971 ቀዳማይ ጉባኤ ናይ ጀብሃ ክግበር እንከሎ ዝተቐልቀለ ሓደ ካልእ 
መገረም ወይ መስሓቕ ፖለቲካዊ ገጸ-ባህርይ (ካራከተር) ሕሩይ ተድላ ባይሩ (ወዲ ተላ) 
እዩ። ሕሩይ ኣብ መፋርቕ 1960ታት ኣቦ መንበር “ማሕበር ኢትዮጵያውያን ተማሃሮ 
ኣብ ኤውሮጳ” እዩ ነይሩ። ኣብ 1966 ኣቢሎም፣ ኣብ ኤውሮጳ ዝነበሩ ኤርትራውያን 
ተማሃሮ፣ ሕሩይ ናብ ሃገራዊ መስመር ክኣቱ፣ ንናጽነት ኤርትራ ክቃለስ ምዒዶም፣ 
“ናይ ኤርትራውያን ማሕበር ነቚም” ኢሎም ሓቲቶሞ ነይሮም። ሕሩይ ግን ንሓሳቦም 
ኣይተቐበሎን። ምኽንያቱ ኣብቲ ግዜ’ቲ፣ ብዛዕባ ዓባይ ኢትዮጵያ ይሓስብ ብምንባሩ፣ 
ኤርትራ ንዕኡ ኣዝያ ንእሽቶ እያ ዝነበረት። ክንዲ ዝኾነ ነቶም ኤርትራውያን፣ “እዚ 
ጸቢብ ብሄራውነት እዩ፣ ድሑር ኣተሓሳስባ እዩ” ኢሉ ነጺግዎም። ድሓር ግን፣ ኣብ 
1967 ኣቢሉ፣ ኣቦኡ ተድላ ባይሩ፣ ንኢትዮጵያ ገዲፉ ናብ ጀብሃ ምስተጸምበረ፣ 
መርገጺኡ ለዊጡ። ኣብ ደማስቆ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ጀብሃ ክቀላቐል ጀሚሩ። 
 
   “ንሰብ ክቡር ዝገብሮ፣ ሞያኡ እምበር ካብ ፍሉጥ ቤተሰብ ምውላዱ ኣይኮነን” 
ዝብል ጥቕሲ ኣሎ። ወዲ ተላ ምሉእ ዕድመኡ ነዚ ሓቂ’ዚ ዘይተገንዘቦ ሰብ እዩ። ካብ 
መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበረ ተድላ ባይሩ ብምውላዱ ጥራይ፣ መራሒ ክኸውን 
ከምዝግብኦ ዝኣመነ፣ ብዛዕባ ነብሱ እምብዛ ዝተጋነነ ኣጠማምታ ዘለዎ፣ ብነብሱ ምሒር 
ዝተመሰጠ፣ ብጽኑዕ ሕማም ህርፋነ ስልጣን (Megalomania) ዝተለኽፈ ሰብ እዩ። ኣብቲ 
እዋን’ቲ “ኣነ ገስጋሲ እየ፣ ማኦይስት እየ” ዝብል ዝነበረ ሕሩይ፣ ኣብ ፖለቲካ ናይ 
ጀብሃ ኢዱ ዝሓወሰ፣ ኣብ 1971 ኣብ መዓስከር ዓዋተ ኣብ ዝተገብረ ንቐዳማይ ጉባኤ 
ጀብሃ መቀራረቢ ዋዕላ እዩ።  

PDF page 4

View this page in original PDF

 18 
 
   እቲ ፍጻመ፣ ሰልፊ ዕዮ (ለበር ፓርቲ) ን መጀመርታ ግዜ ኣብ ፖለቲካ ጀብሃ ዓቢ 
ተራ ዝተጻወተሉ መድረኽ እዩ። ቅድሚ’ቲ ጉባኤ፣ እቶም ኣባላት ለበር ፓርቲ፣ ሕሩይ 
ምስኦም ኣባል ሰልፊ ክኸውን ሓቲቶሞ ነይሮም። ወዲ ተላ ግን፣ ነብሱ ክንዲ እምባ 
ስለዝወስዳ፣ ካብ ደገ ብምምጽኡን “ቀለም ዝጸገብኩ እየ” በሃሊ ብምዃኑን፣ ነቶም 
ዝሓተትዎ ሰባት ብንዕቀት፣ ከክንዲ ግዛዕ ዝኸውን ትርጉም ዘይብሉ ክልሰ ሓሳባዊ 
ሕቶታት ኣቕሪቡሎም። ሓደ ካብቲ ብዙሕ ሕቶታቱ፣ “ኣብ መንጎ ሞስኮን ቤጂንን ኣብ 
ዘሎ ስነሓሳባዊ ፍልልይ መርገጺኹም እንታይ እዩ?” ዝብል ኮይኑ፣ በዛ ነጥቢ እዚኣ 
ንነዊሕ ተኻቲዕዎም። እቶም ዝተኻትዕዎ ሰባት ዝንዓቑ ኣይነበሩን። ብፍላይ ኣዜን 
ያሲን ብትምህርቱን ፖለቲካዊ ብስለቱን ካብኡ ዝሓየለ ሰብ እዩ ነይሩ። ኣዜን ግን 
ብኣንጻር ወዲ ተላ፣ ነብሱ ኣትሒቱ ዝርኢ ዋዕ-ዋዕ ዘይብል ብዛዕባ እንታይነቱ ድምጺ 
ዘይገብር ህዱእ ሰብ እዩ። ብዝኾነ በዓል ኣዜን ያሲን ብክልሰ ሓሳብ ካብኡ ንላዕሊ 
ብምንባሮም፣ ኣፉ ዘዕጹ መልሲ ሂቦሞ። ኣብ መወዳእታ “ኣነ በዚ ኣይዓግብን እየ፣ ገና 
መጽናዕቲ ክገብር እየ” ኢሉ ነቲ ዘቕረብሉ ናይ ኣባልነት ዕድመ ኣይተቐበሎን።።  
 
   እዚ ይኹን እምበር፣ እቶም ኣባላት ለበር ፓርቲ ኣብቲ ጉባኤ ንወዲ ተላ ከም 
ሓድሽን ጸግዒ ዘይነበሮን ሰብ መጠን ኣሰናዳኢ ሽማግለ ክኸውን ሓርዮሞ። ወዲ ተላ፣ 
እቶም ኣባላት ፓርቲ፣ ኣብቲ ጉባኤ ዝነበሮም ንጡፍ ተራ ምስተዓዘበ፣ “ጽልዋ እባ 
ኣለዎም እዩ” ኢሉ ስለዝሓሰበ፣ “ኣባልኩም ክኸውን ኣእትውኒ” ኢሉ ተመሊሱ 
ለሚንዎም። ብኽብረት ዝተሓሰሞ ኣባልነት ድሓር ብልማኖ ረኺብዎ። ንሳቶም ድማ 
ኣይነጸግዎን፣ ኣባል ለበር ፓርቲ ክኸውን ተቐቢሎሞ። ምኽንያቱ ንሳቶም እውን ከምኡ 
ዝኣመስለ ምሁር፣ ወዲ ከበሳ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል ዝብልዎ ሰብ ይደልዩ ነይሮም 
እዮም። ሓደ ካብ ድኻማት ናይ ለበር ፓርቲ እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ እዩ። እቲ ሰልፊ መን’ዩ 
ኣባሉ ዝኸውን ዝመምየሉ ደቂቕ መምዘኒታት ናይ ብቕዓት፣ ሃገራውነት ኮነ 
ተወፋይነት ኣይነበሮን። “ጽልዋ ኣለዎም” ዝበሃሉ ሰባት ብቐጥታ እዩ ዝቕበሎም ነይሩ። 
በዚ ድማ ንሕሩይ እንታይነቱ ከይፈለጡ ኣባሎም ገይሮሞ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣቦ መንበር 
ኣሰናዳኢት ሽማግለ ክኸውን ሓርዮሞ። ብዘይካኡ ንኢብራሂም እድሪስ (ወዱ ንእድሪስ 
መሓመድ ኣደም ኣቦ መንበር ላዕለዋይ ባይቶ) እውን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኪኸውን 
ሓርዮሞ። ንሱ እውን ተማሃራይ ኮይኑ ከም ወዲ ተላ “ወዲ ዓበይቲ እየ” በሃላይ እዩ።  
 
   ካብዚ ከምእንግንዘቦ፣ እቲ ሰልፊ ኣብቲ እዋን’ቲ፣ ካብቲ ዝነበረ ያታዊ መስፍናዊ 
ኣተሓሳስባ ወጺኡ፣ ሱር በተኽ ለውጢ ናይ ምምጻእ ድሌት ይኹን ዓቕሚ ኣይነበሮን። 
ነቲ ዝጸንሖ ኣረጊት መስፍናዊ ኣተሓሳስባን ነቲ ሓድሽ ገስጋሲ ኣመለኻኽታን ኣተዓሪቑ 
ብሓባር ሓቚፉዎም ክኸይድ እዩ ዝፍትን ነይሩ። ነቲ ሰልፊ ኣብ መወዳእታ ኣማህሚኑ 
ዘፍሸሎ እውን እዚ ድኽመት እዚ እዩ። ከም ሰውራዊ ሰልፊ መጠን ሰውራዊ ፖለቲካን 
ናይ ለውጢ ኣከያይዳን ኣብ ክንዲ ዝኽተል፣ ምስቲ ዓቃባዊ ኣረኣእያ ተሳንዩ ክኸይድ 
እዩ ፈቲኑ። ብመንጽር ሕድገታት ተራእዩ፣ ኣብ ንጹር መትከላት ዝተመርኰሰ 
ሕድገታት ይገብር ነይሩ እንተዝኸውን ኣይምሃሰየን። ነቶም ኣድሓርሓሪ መስመር 
ዝውክሉ ባእታታት ኣብ መሪሕነት ናይቲ ሰልፊ ወሳኒ ቦታ ሂብካ ንቕድሚት 
ክትምርሽን ኣድማዒ ስራሕ ክትሰርሕን ግን ዝከኣል ኣይነበረን። ኣይተኻእለን ድማ። 
 
   ብዝኾነ ወዲ ተላ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ብዛዕባ ነብሱ ዝነበሮ ዝተጋነነ ኣጠማምታ፣ ምጽእ 
ከይበለ ማለት ተጋዳላይ ከይኮነ ፖለቲከኛ እዩ ኮይኑ። ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ 
ኮይኑ ምምራጹ ድማ፣ ኣብ ልዕሊ ነብሱ ንዝነበሮ ግጉይ ስእሊ ዝያዳ ኣጋዲድዎ። እቲ 
ናቱ ጸይቂታት ድማ ካብታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ እዩ ዝጅምር። ብኡ ንብኡ ምስ 

PDF page 5

View this page in original PDF

 19 
ኢብራሂም እድሪስ (ወዲ እድሪስ መሓመድ ኣድም) ውዲት ይገብር። በቲ ዝረኸብዎ 
ዕድል ተጠቒሞም፣ ንነብሶምን ኣቦታቶምን ኣብ ስልጣን ከምጽኡ ናይ ወራዙት ውዕል 
ገይሮም፣ ይሰማምዑ። ናይ ክልተ ስድራቤታት ኪዳን ይምስርቱ። ካብኣቶምሲ ያኢ፣ 
ከምቲ ኣብ ገለ መስፍናውያን ስርዓታት እንዕዘቦ ናይ ስድራቤታት ፖለቲካ ምዃኑ 
እዩ። እድሪስ መሓመድ ኣደም ኣብቲ ግዜ’ቲ፣ መርገጺኡ ላንጋ ላንጋ እዩ ዝነበረ። ኣብ 
መንጎ ቅያዳ ኣልዓማን ዑበልን። ዑበል ናይ ደቂ ባርካ ናይ በንዓምር ምንቅስቓስ እዩ። 
ስለዚ እድሪስ ናብኡ ክዛዙ ይደሊ ነይሩ። ዑበል ስለዝፈሸለ ግን ናብ ቦታ ቀደሙ፣ ናብ 
ጀብሃ ተመሊሱ።  
 
   ኢብራሂም እድሪስ ምስ ወዲ ተላ ድሕሪ ምስምምዑ፣ ናብቲ ኣብ ሱዳን ዝነበረ 
ኣቦኡ ደብዳበ ይሰድድ። ትሕዝቶ ናይቲ ዝለኣኾ ደብዳበ፣ “ምስ ሕሩይ ኣብ ሓደ 
ስምምዕ በጺሕና ኣሎና። ንስኻ (እድሪስ) ኣቦመንበር ክትከውን፣ ተድላ ባይሩ ድማ 
ምክትልካ ክኸውን። ሕሩይ ፖለቲካዊ ሓላፊ፣ ኣነ ከኣ ወጻኢ ጉዳያት ክንሕዝ ኢና። 
ስለዚ ኣብቲ ጉባኤ ክትመጽእ ኣለካ” ዝብል እዩ። እታ ደብዳበ ዑበላውያን ካብ ሓደ 
ተማሃራይ ምስ ረኸብዋ፣ ኣባዚሖም ኣብ ካርቱም ዘርጊሖማ። ምኽንያቱ እድሪስ 
መሓመድ ኣደም ከዲዑና ኢሎም ይሓስቡ ስለዝነበሩ። እተን ወረቓቕቲ ምስ ተዘርግሓ 
ኣባላት ለበር ፓርቲ፣ ጀብሃ ከይትኸፍእ ኢሎም ተጓይዮም እዮም ኣኪቦመን። ንሕሩይ 
ስለምንታይ ከምኡ ተሰማሚዕካ ኢሎም ምስ ሓተትዎ፣ ብዙሕ ምኽንያታት ኣምጺኡ 
ኣመሳሚሱ። ትርር ኢሉ ዝበድሆ ሰብ ድማ ኣይረኸበን። 
 
   ከምቲ ህጻን ካብ ኣቦኡ ንላዕሊ ሓያል ወይ ፈላጥ ሰብ ዘሎ ዘይመስሎ፣ ሕሩይ 
ተድላ ባይሩ እውን ብዛዕባ ኣቦኡ ዘለዎ መረዳእታ ልክዕ ከም ናይ ህጻን እዩ። ብዛዕባ 
ታሪኽ ናይ ኣቦኡ ብዙሕ ዝዛረብን ዘህተፍትፍ ምዃኑ ድማ ሓደ ካብ ዘስልኪ ባህርያቱ 
እዩ። ቀቅድሚ’ቲ ጉባኤ ብዛዕባ ኣቦኡ ብዙሕ እዩ ጎስጒሱ። ኣብቲ ጉባኤ እውን፣ 
ታሪኽ ናይ ኣቦኡ ኣልዒሉ ከምኡ ብዙሕ ኣህተፍቲፉ። ኣቦኡ ደሞክራት ምንባሩን 
ንመስል ህዝቢ ኤርትራ ከምእተቓለሰን ከረድእ ፈቲኑ። ኣቦኡ ኣብ ፖለቲካ 40ታትን 
50ታትን ዝነበሮ ኣሉታዊ ተራ ኩሉ ስለዝፈልጦ ግዳ፣ ንዘረባ ሕሩይ ዝተቐበሎ ሰብ 
ኣይነበረን። ካድረታት ቅጭ መጺእዎም።  ዓቢ ናይ ኣእምሮ ሕማም ከምዘለዎ 
እናተፈልጠ ግን ከም ወኪል ናይ ከበሳ ጠሚቶም ኣብ ምድላው ጉባኤ ዓቢ ተራ ሂቦሞ። 
ሰነዳት ናይቲ ጉባኤ ባዕሉ እዩ ጽሒፍዎ። እቲ ዘገርም ብቋንቋ ትግርኛ ወይ ዓረብ 
ዘይኮነ ብቋንቋ እንግሊዝ እዩ ጽሒፍዎ። ኣብቲ ጉባኤ ገለ 600 ዝኾኑ ተጋደልቲ እዮም 
ነይሮም። እንግሊዝ ዘይሰምዕ ብዙሕ እዩ። ሽዑ በዓል ኣዜን ናብ ዓረብ ክትርጉምዎ 
ትዒቦም። ኣቦኡ ተድላ ባይሩ እውን ኣብቲ ጉባኤ “ብጥዕና ምኽንያት ክመጽእ 
ኣይከኣልኩን” ኢሉ፣ ንጉባኤኛታት ዝንበበሎም ነዊሕ ወረቐት ሰዲዱ ነይሩ። ንሱ ኣብ 
መልእኽቱ፣ ክምረጽ ድሌት ከምዘይብሉ እዩ ገሊጹ።  
 
   ንእግረ መገድና ሓደ ከይተጠቕሰ ክሕለፍ ዘይግብኦ ንኹሎም ጉባኤኛታት ዘገረመ 
ጉዳይ ከነልዕል። ወዲ ተላ ንሜዳ ናብቲ ጉባኤ ክመጽእ እንከሎ፣ ሓንቲ “ዓርከይ እያ” 
ዝብላ ጓለንስተይቲ (ሕጂ ሰበይቱ ዘላ) ሒዙ እዩ መጺኡ። ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ሜዳ 
ከምኡ ዝዓይነቱ ባህርያት ኣይነበረን። እቶም ተጋደልቲ ኣዝዩ ገሪምዎም እዩ። እቲ 
ጉባኤ እናተገብረ እንከሎ ወዲ ተላ ምስኣ እዩ ዝድቅስ ነይሩ። ኣቕቲሩ ስለዝትንስእ 
ድማ፣ እቶም ጉባኤኛታት ይዕዘብዎ ነይሮም። ወዲ ተላ፣ ገድሊ እንታይ ማለት ምዃኑ 
ስለዘይፈልጥ፣ ባህሊ ተጋደልቲ እውን ይርድኦ ስለዘይነበረ፣ ብተግባራቱ ፍጹም ይስከፍ 
ኣይነበረን። 
 

PDF page 6

View this page in original PDF

 20 
 
3.1 ንጉባኤ ዘሸገረ ወጥሪ 
 
  ኣብ መስርሕ ቀዳማይ ጉባኤ ጀብሃ፣ ለበር ፓርቲ፣ ፈለማ ንኣዜን ያሲን እዩ ናይ 
ወጻኢ ጉዳይ ሓላፊ ክኸውን ከም ሕጹይ ኣቕሪብዎ። ሕሩይ ተድላ ከኣ፣ “እዚ ፍጹም 
ክኸውን ዘይክእል እዩ” ኢሉ ኣትሪሩ ተቓዊሙ። “ወጻኢ ጉዳይ ኢብራሂም እድሪስ እዩ 
ክኸውን ዘለዎ። ንኣዜን ያሲን እንተጌርኩሞ፣ እድሪስ መሓመድ ኣደም ኣይክቕበሎን 
እዩ፣ ‘ክስሕብ እየ’ ወይ ‘ሪዛይን ክገብር’የ” ክብል ይኽእል እዩ” ኢሉ ድማ ከፈራርሖም 
ፈቲኑ። “ከመይ ጌርካ ትፈልጥ?” እንተበልዎ፣ “በቃ ፈሊጠ ኣለኹ፣ ወጻኢ ጉዳይ 
ኢብራሂም እምበር ካልእ ክኸውን የብሉን” ኣብ ዝብል ምጉቱ ይነቅጽ። ኣባላት ለበር 
ፓርቲ ግን፣ “ኣቦኡ (እድሪስ መሓመድ ኣደም) ኣቦመንር ክኸውን ስለዝኾነ፣ ኢብራሂም 
ናይ ወጻኢ ሓላፊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ” ኢሎም ወሲኖም። ኣብቲ ጉባኤ ከኣ፣ ኣዜን 
ያሲን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሓላፊ ክኸውን ተመሪጹ። ዓብደላ እድሪስ ወተሃደራዊ ሓላፊ 
ኪኸውን እንከሎ፣ ወዲ ተላ ድማ ናይ ፖለቲካ ሓላፊ ኮይኑ ተመሪጹ። ኣብቲ ምርጫ 
ኢብራሂም ከም ምርቋሕ ተረቚሑ ነይሩ። ግን ኣይተዓወተን።  
 
  እቲ ውጽኢት ከምዚ ዝተጠቕሰ ምስ ኮነ፣ ወዲ ተላ ኣቐዲሙ ከምዘተንብሆ፣ እድሪስ 
መሓመድ ኣደም ተንሲኡ ብቑጥዐ ተዛሪቡ። “እዚ ገይርኩሞ ዘለኹም ንዓይ 
ኣይርድኣንን እዩ፣ እዚ ምርጫ’ዚ ከመይ ገይሩ እዩ ዝግበር ዘሎ ኣይፈልጥን እየ። 
ዘይንፈልጦ ብድሕሪት ካልእ ኣካል ኣሎ ማለት እዩ። (ለበር ፓርቲ ንምባል እዩ) ስለዚ 
ኣነ ካብዚ ምርጫ ስሒበ ኣለኹ” ኢሉ ወጺኡ። ወዱ ስለዘይተመርጸ።  
 
   እቲ ጉባኤ በዛ ጉዳይ እዚኣ ኣብ ወጥሪ ኣትዩ፣ ንእድሪስ መሓመድ ኣደም 
ንምልማን ንክልተ መዓልቲ ጠጠው ኢሉ። ለበር ፓርቲ ናይ ብሓቂ ሓሞት ዝነበሮ 
ሰልፊ እንተዝነብር፣ “ኪድ ባዕልኻ ትፈልጥ!” ክብሎ ይኽእል ነይሩ እዩ። ግን ከምኡ 
ዝዓይነቱ ድፍረትን ተሪር መርገጺን ዝነበሮ ሰልፊ ኣይነበረን። ብጸግኖ ጸጋግኖ ድማ፣ 
እቲ ጉባኤ ከምዝቕጽል ተገይሩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ክሳብ ሕጂ ዝዝከራ ክልተ ገባር 
ዝተዛረብወን ዘረባታት ኣለዋ። ሓደ ካብኦም፣ “ኡፍ ኢልካ ግዓት ኣይተብስልን ኢኻ” 
ትብል ናይ ትግረ ምስላ መሲሉ፣ “ብለምኖ ለማምኖስ እንታይ ኢና ንገብር ዘለና” 
ኢሉዎም። ሓደ ድማ “ብዓንተቦኡ ጓል ቅንፍዝ ብዘይ እሾኽ ኣይትውለድን እያ እንዶ 
ኣይተባህለን” ኢሉ መሲሉሎም። እቲ በዳሂ ኣረኣእያ ካብዞም ገባር እዩ ተሰሚዑ። 
ካብቶም ካድራት ኣይተሰምዐን። ናይ እድሪስ መሓመድ ኣደም ምጉት ኣዝዩ 
መስደመም እዩ ነይሩ። “ንኢብራሂም ወደይ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሓላፊ ምግባርሲ እንታይ 
ጸገም ኣለዎ? እዚ እኮ ዋላ ኣብ ዴሳውያን ይኹና ማሕበርነታውያን ሰልፍታት 
ዝዝውተር እዩ። ንኣብነት ቡርቂባ ናይ ቱኒዝያ መራሒ ንወዱ ናይ ወጻኢ ጉዳይ 
ሚኒስተር እንድዩ ገይሩዎ” ዝብል እዩ ነይሩ እድሪስ ዘቕረቦ ምጉት። ብዝኾነ ኣብ 
መወዳእታ ኣዜን ያሲን ባዕሉ፣ “ኣነ ምስ ሸኽ ኢብራሂም ውልቃዊ ምስሕሓብ የብለይን፣ 
ምእንቲ ሓድነት ናይዚ ውድብ ከኣ ስሒበ ኣለኹ” ኢሉ ካብቲ ሓላፍነት ተኣልዩ። 
ኢብራሂም ግን ንቦታኡ ኣይተክኦን። ኣብ ክንድኡ ሳልሕ እያይ ነቲ ሓላፍነት 
ከምዝሕዞ ተገይሩ። ኣዜን ኣብ ታሕተዋይ ኣካል ናይቲ ፈጻሚ ሽማግለ ናይ ዜና ሓላፊ 
ኮይኑ።  
 
   ኣቃውማ ናይቲ ሰውራዊ ባይቶ ሕልኽልኽ ዝበለ እዩ ነይሩ። ወዲ ተላ ካብ ገለ ናይ 
እንግሊዝ ጽሑፋት ከምዘለዎ ቀዲሑ ዘምጽኦ እዩ። ኣብ ላዕሊ ኣቦ መንበር ኣሎ። 
ብትሕቲኡ ቀዳማይ ምክትል ኣቦ መንበርን ናይ ፖለቲካ ሓላፊን ኣሎ። ወዲ ተላ 

PDF page 7

View this page in original PDF

 21 
ምዃኑ እዩ። ምስዚ ቀዳማይ ምክትል ኣቦመንበር ዝሰርሑ፣ ሰለስተ ሰባት እዮም 
ተመዲቦም። ካልኣይ ምክትል ኣቦመንበር ወተሃደራዊ ሓላፊ እዩ። ዓብደላ እድሪስ 
ምዃኑ እዩ። ምስኡ እውን ሰለስተ ሰባት ነይሮም። ሓደ ካብኦም ኣሕመድ ናስር እዩ። 
ምስቲ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሓላፊ ማለት ሳልሕ እያይ እውን ሰለስተ ሰባት ነይሮም። ኩሉ 
ኹላ 13 ዝኣባላቱ ሰውራዊ ባይቶ ኪቐውም ከሎ፣ ኣብ ትሕቲ ሰውራዊ ባይቶ ከኣ 19 
ዝኣባላታ ፈጻሚት ሽማግለ እያ ተመሪጻ። ጀብሃ፣ በዚ ሕልኽላኽ ኣቃውማ መሪሕነት 
ንሰለስተ ዓመት መመላእታ ተሳቕያ እያ።  
 
 
3.2 ምልሶት ወዲ ተላ 
 
 
(ኣብራብዓይ ክፋል ይቕጽል)