Extracted PDF page text

ሃይለ.pdf

Machine-extracted derivative; not a transcript or translation. Reading order, spacing and characters have not been editorially verified. PDF page numbers are file positions, not printed page labels. No OCR has been added.

Open unchanged original PDF · Download unchanged PDF

Extraction status: extracted-unverified.

PDF page 1

View this page in original PDF

 
ብቅይዱ ከይዱ!!! 
ብኸዩ ህዝብታት፣ ንብዓታት ጨርሑ 
ቖዝሙ ሰብ ሓደራ፣ ኣውያት ደርጉሑ 
ተሰለፉ ቀባሮ፣ ንቐብሪ ኣምርሑ 
ጽን በሉ ሰብ ማዕዶ፣ ኣእዛንኩም ኣስብሑ 
       ኡኡኡኡኡኡይይይይ ይባሃል ኣሎ፣ ኣውያት ሰምዑ 
      መርድእ መርድእ ይብል ኣሎ፣ ኣብ ዘለክሞ ጽንዑ 
            ይንጸ ሎ ጾግሪ፣ ጎበዝ ጠፊኡ 
            የንገርግር ኣሎ ሰብ፣ ጅግና ተሰዊኡ 
ይሕዘን ሎ ሓዘን፣ ሕዘኑ ሕዘኑ 
ይእወ ሎ ኣውያት፣ ደነኑ ድነኑ 
ይቅበር ሎ ኣፍቃሪ፣ ቅበሩ ቅበሩ 
ይፋኖ ሎ ክብሪ፣ ኣኽብሩ ኣኽብሩ። 
        ንብዓት ኣውሕዙ፣ ኣእዉዩ ኣእዉዩ 
        ሓወይ ሓወይ ብልዎ፣ ብኸዩ ብኸዩ 
        ኣይትታኣበዱ፣ እበዩ እበዩ 
       ሓመድ ድበ ኮይኑ፣ ጉየዩ ጉየዩ። 
  ኣፍንንዎዎ ጅግና፣ ስገዱ ስገዱ 
  ቅበጽዎ ሃይለ፣ ዕበዱ ዕበዱ 
  ጸሊም ልብሲ፣  ስደዱ ስደዱ 
  ይበኸ ይለቀስ ዓዲ ብዓዱ። 
          ተደነሱ ተረምሰሱ ጸሊም ልበሱ 
          ኣንገርግሩ ጾግሪ ንጸዩ ፣ ሕሰሙ ኣልቅሱ 

PDF page 2

View this page in original PDF

          ተደርበዩ፣ ተሰጥሑ፣ ብክያት ኣይትምለሱ 
          ሓዘን ኮይኑ በሎ፣ ንኣውያት ኣንግሱ።  
 ጸላኢ ኣውዲቁ፣ ሓዊ እንዶ ክሒዱ               
ድርብ ሞት ኮይኑ፣ ብቅይዱ ከይዱ 
ዝነበሮ ማዕሙቅ፣  መሊሱ ጎድጊዱ 
ሞት ብሞት በርዩ፣  ምስምዑ ከቢዱ።   
          
                                                                                   ኢስ- 20180220