እቲ ብጭንቀት ተዋሒጡ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣባላት ራድዮ ባና ማለት ፈነወ ትምህርቲ ንዓበይቲ ዝርከቡዎም ልዕሊ 30 ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ብመሰረት
‘ቲ ሓበሬታ፡ እቲ ስርዓት ነቶም ኣብ ማእከል ኮምብሽታቶ ናይ ሎሚ ጎደና ሓርነት ኣብ ዝርከብ ቀንዲ ቤትጽሕፈት
ሚኒስትሪ ትምህርቲ ተጸጊዓ ኣብ ዝተደኮነት መደበር ራድዮ ባና ንዝሰርሑ ዳርጋ ንብሙሉኦም ኣባላታን ካልኦት ኣብቲ
ከባቢ ዝዓዩ ሰራሕተኛታት መንግስትን ብዘይንጹር ምኽንያት ከምዝኣሰረ ምስ ተሰምዐ ህዝቢ ደንጽዩዎ በቲ ወረ ተናዊጹ
ኣሎ። ዛጊት
ረኺብናዮ ብዘለና ሓበሬታ፡ ኣብ መንጎ’ቶም እሱራት፡ ገዲም ተጋዳላይን መምህርን ተስፋይ ባርያጋብር፡ ኣብ ሚኒስትሪ
ትምህርቲ፡ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ሓላፊ ጨንፈር ባሲልዮስ ዘሞ ከምኡ ‘ውን ኣለም ዑቕባይ፡ ኢሳቕ ተስፉ፡ እስቲፋኖስ
ዝብሃሉ ኣባላት ቤትትምህርቲ ሰውራ ነበር ይርከቡዎም። |