| ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ስርዓት ህግደፍ ዝኣሰሮም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣዝዩ ወሲኹ። |
|
|
|
| Wednesday, 25 February 2009 | |
|
እቲ
ብጭንቀት ተዋሒጡ፡ ፈታዊኡን ጸላኢኡን ምልላይ ስኢኑ፡ ንዝረኸቦ ብጃምላ ምእሳር ተተሓሒዙዎ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝኣሰሮም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ቁጽሮም ካብቲ ኣብ ዜና ዝጠቐስናዮ ቁጽሪ ከምዝበዝሕ ምንጭታት
ሓቢሮም።
ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፡ ኩሎም ኣባላት ራድዮ ባና (ራድዮ ትምህርቲ
ንዓበይቲ)፡ 14 ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና፡ 10 ኣባላት ኢሚግሬሽን፡ ከምኡ ‘ውን ዛጊት ቁጽሮም ብልክዕ
ዘይተፈልጠ ኣባላት ሚኒስትሪ ፋይናንስን ቱሪዝምን ተኣሲሮም ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ። እቶም ነብሰ ጾራትን ጠወብቲ ህጻናት ኣብ ገዛ ገዲፈን ንስራሕ ምስ ወፈራ ብኡ ኣቢለን ዘይተመልሳ ኣደ ቖልዑ ዝርከባኦም ግዳያት ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብጅምላ ኣብ መካይን ተጻዒኖም ናብ ማእሰርቲ ከምርሑ ኸለዉ ኣብ ጎደና ሓርነት ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ህዝቢ ነቲ ኩነታት ብኣንክሮ ተዓዚቡዎ ይብሉ እቶም ምንጭታት። ኣብቲ ዝቐደመ ዜናና ገዲም ተጋዳላይን መምህርን ተስፋይ ባርያጋብር፡ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ሓላፊ ጨንፈር ባሲልዮስ ዘሞ፡ ኣለም ዑቕባይ፡ ኢሳቕ ተስፉ፡ እስቲፋኖስ ገረኺዳን ዝብሃሉ ኣባላት ቤትትምህርቲ ሰውራ ንበር ኣብ መንጎ እቶም እሱራት ከምዝርከቡ ጠቒስናልኩም ኔርና። ሃይለሚኪኤል ዑቕቡ ዝብሃል ተጋዳላይ ኣባል ቤትምህርቲ ሰውራ ነበር ምስኣቶም ተኣሲሩ ከምዘሎ ‘ውን ድሒሩ ዝበጽሐና ሓበሬታ የመልክት። እቲ ህዝቢ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲሩዎ ዘሎ ጽልኣት ተፈሊጡዎ፡ ሎሚ ዶ ጽባሕ ኣንጻረይ ይለዓል እናበለ ምዩቕ ዝብል ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ንምስንባድን ንምድሃልን ጸጸኒሑ ተመሳሳሊ ናይ ራዕደን ሽበራን ኣመል ከምዘዘውትር ይፍለጥ። |
|
| Last Updated ( Wednesday, 25 February 2009 ) |
| < Prev | Next > |
|---|