Asena - ስርዓት ህግደፍ ኣባላት ራድዮ ባና ዝርከቡዎም ልዕሊ 30 ሰራሕተኛታት መንግስቲ በልማማ ኣሲሩ። Derived plain text from the preserved HTML. Original wording retained; layout, tables and images require the reader and originals. Skip to content Skip to main navigation Skip to 1st column Skip to 2nd column Skip to 2nd column ስርዓት ህግደፍ ኣባላት ራድዮ ባና ዝርከቡዎም ልዕሊ 30 ሰራሕተኛታት መንግስቲ በልማማ ኣሲሩ። Sunday, 22 February 2009 እቲ ብጭንቀት ተዋሒጡ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣባላት ራድዮ ባና ማለት ፈነወ ትምህርቲ ንዓበይቲ ዝርከቡዎም ልዕሊ 30 ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፡ እቲ ስርዓት ነቶም ኣብ ማእከል ኮምብሽታቶ ናይ ሎሚ ጎደና ሓርነት ኣብ ዝርከብ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ተጸጊዓ ኣብ ዝተደኮነት መደበር ራድዮ ባና ንዝሰርሑ ዳርጋ ንብሙሉኦም ኣባላታን ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ዝዓዩ ሰራሕተኛታት መንግስትን ብዘይንጹር ምኽንያት ከምዝኣሰረ ምስ ተሰምዐ ህዝቢ ደንጽዩዎ በቲ ወረ ተናዊጹ ኣሎ። ዛጊት ረኺብናዮ ብዘለና ሓበሬታ፡ ኣብ መንጎ’ቶም እሱራት፡ ገዲም ተጋዳላይን መምህርን ተስፋይ ባርያጋብር፡ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ሓላፊ ጨንፈር ባሲልዮስ ዘሞ ከምኡ ‘ውን ኣለም ዑቕባይ፡ ኢሳቕ ተስፉ፡ እስቲፋኖስ ዝብሃሉ ኣባላት ቤትትምህርቲ ሰውራ ነበር ይርከቡዎም። Last Updated ( Monday, 23 February 2009 ) < Prev Next > ትግርኛ ዜና ቃል ኣሰና ኣተኵሮ ህይወት ኣብነት ናዕታ ዕቡሳት ጋዜጠኛታት ደብዳቤታት ዋዛን ኣዋዘን ኪዳን ምስ መን? ሰነዳት Loading... Author not established. Asena - ስርዓት ህግደፍ ኣባላት ራድዮ ባና ዝርከቡዎም ልዕሊ 30 ሰራሕተኛታት መንግስቲ በልማማ ኣሲሩ።. Date not established. EHREA archive: /library/documents/doc-efa003335c79c3b761b15b7e/ [1] Asena - ስርዓት ህግደፍ ኣባላት ራድዮ ባና ዝርከቡዎም ልዕሊ 30 ሰራሕተኛታት መንግስቲ በልማማ ኣሲሩ።. Original source: http://www.ehrea.org/bannanna_files/a.htm. Preserved original: /library/originals/76f2223c85e914a8a734b114d50d65f80fec68d8b43ec6dc6b31c50cb290fb85.html. SHA-256: 76f2223c85e914a8a734b114d50d65f80fec68d8b43ec6dc6b31c50cb290fb85