Asena - ገዲም ተጋዳሊት ሰናይት ደበሳይ ኣብ ቤትማእሰርቲ ህግደፍ ብዘጋጠማ ኣሰቃቒ ኣተሓሕዛ ተሰዊኣ። Derived plain text from the preserved HTML. Original wording retained; layout, tables and images require the reader and originals. Asena Home ትግርኛ ዜና ገዲም ተጋዳሊት ሰናይት ደበሳይ ኣብ ቤትማእሰርቲ ህግደፍ ብዘጋጠማ ኣሰቃቒ ኣተሓሕዛ ተሰዊኣ። ገዲም ተጋዳሊት ሰናይት ደበሳይ ኣብ ቤትማእሰርቲ ህግደፍ ብዘጋጠማ ኣሰቃቒ ኣተሓሕዛ ተሰዊኣ። Thursday, 29 January 2009 ኣብ ቤትማእሰርቲ ህግደፍ ንሓያለ ዓመታት ክትሳቐ ዝጸንሐት ገዲም ተጋዳሊት ሰናይት ደበሳይ ብሰንኪ ኣሰቃቒ ኣተሓሕዛ ከምእተሰወአት ምንጭታትና ሓቢሮም። እታ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ደራፊት፡ ተዋሳኢትን ሙዚቀኛን ኰይና ተጋደልትን ህዝብን ኣብ ምንቕቓሕ ድርብ ቃልሲ ዘሰላሰለት ሰናይት፡ ንዘይስነምግባራዊ ኣመላትን ስድነትን ብዓልቤታ ተቓዊማ ኣብ ቤትፍርዲ ምስ በጽሐት እያ፡ ብምትሕብባር እቲ ሽዑ ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ዝነበረ ሕጂ ኣብ ሚኒስትሪ መሬትን ማይን ኣካባብን ሓላፊ ክፍሊ መሬት ዘሎ ብዓልቤታ በየነ ርእሶምን ስርዓት ህግደፍን ምስ ሓዋ ኤርምያስ ደበሳይ ክሳብ ዕለተ መስዋእታ ተኣሲራ። ኣደ ሰለስተ ኣዋልድ ሰናይት፡ ካብ ንእስነታ ንናጽነትን መሰልን ማዕርነትን ደቀንስትዮ ዝተቓለሰት ሓርበኛ ብምዃና ንገበናት ብዓልቤታ ‘ኳ እተቃልዓቶ፡ እቲ ምስ ፕረዚደትን ኢሳያስ ጥቡቕ ዕርክነት ዝነበሮ ብዓልቤታ ገበናቱ ንምንሽፋን ግዳይ ናይዚ ህይወታ ዝለከመ ማእሰርቲ ከምዝገበራ እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም። መርበብ ሓበሬታ ኣሰና መሪር ሓዘና እናገለጸት ንቤተሰብ ሰናይት ደበሳይ ጽንዓት ይሃብኩም ትብል። ክቡራት ተኸታተልትና፡ ሓንቲ ካብ ትእምርቲ ቃልሲ ደቀንስትዮ ኤርትራ ንዝነበረት ስውእቲ ሰናይት ብዝምልከት ኣብ ራድዮ ኣሰና ዝሰፍሐ መደባት ክትከታተሉ ንዕድመኩም። Last Updated ( Thursday, 29 January 2009 ) < Prev Next > [ Back ] ትግርኛ ዜና ቃል ኣሰና ኣተኵሮ ህይወት ኣብነት ናዕታ ዕቡሳት ጋዜጠኛታት ደብዳቤታት ዋዛን ኣዋዘን ኪዳን ምስ መን? ሰነዳት Copyright © 2005 - 2009 Asena. Loading... Author not established. Asena - ገዲም ተጋዳሊት ሰናይት ደበሳይ ኣብ ቤትማእሰርቲ ህግደፍ ብዘጋጠማ ኣሰቃቒ ኣተሓሕዛ ተሰዊኣ።. Date not established. EHREA archive: /library/documents/doc-cde8737b8cb2fb7346ad6053/ [1] Asena - ገዲም ተጋዳሊት ሰናይት ደበሳይ ኣብ ቤትማእሰርቲ ህግደፍ ብዘጋጠማ ኣሰቃቒ ኣተሓሕዛ ተሰዊኣ።. Original source: http://www.ehrea.org/senna_files/a.htm. Preserved original: /library/originals/526e376d5391cb95493589e3ae80ffdd42b147501acf165e8ffaf2f5a9212354.html. SHA-256: 526e376d5391cb95493589e3ae80ffdd42b147501acf165e8ffaf2f5a9212354