3 ውልቀ ሰባት ተኣሲሮም Editorial display title. Derived plain text from the preserved HTML. Original wording retained; layout, tables and images require the reader and originals. line decor line decor Links Asmarino Alnahda Alenalki Adoulis Baden Kunama Democrasia Dekebat Eri Planet Farajat Jeberti Mai Habar Maitemenay Mekaleh Eritrea Nharenet Self Democracy Togoruba Teshamo 3 ውልቀ ሰባት ተኣሲሮም ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከባቢ ገሉጅ ሰለስተ ሰባት ኣሲሩ። እዞም ብኣባላት ጸጥታት ተሰነይ ብዕለት 26/12/08 ዝተኣስሩ ሰባት ሃንደበት ሰዓት 3 ናይ ለይቲ ከካብ ገዝኦም ዝተወስዱ እዮም። እዞም ካብ መንጎ ስድራቤቶም ብዘይተፈልጠ ምኽኒያት ዝተወስዱ ግዳያት፦ ኣቶ መሓመድ ዓሊ ኣረይ ኣቶ ክፍለዝጊ ሃብተ ኣቶ ድራር እዞም ሰለስተ ውልቀ ሰባት ቅድሚ 14 ዓመታት ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ናብ ሃገሮም ብሰላም ክነብሩ ዝ ኣተዉ እዮም። ስድራቤት እሱራት ንክርእዩዎም ኣብ ዝሓተቱሉ እዋን፡ ካብ ሓላፊ ጸጥታ ተሰነይ ዝተዋህቦም መልሲ ''ንሕና እዞም ትብሉዎም ዘለኹም ሰባት ኣይኣሰናን፡ ኣይንፈልጦምን ኢና" ዝብል እዩ። በዚ ዘይሓላፍነታዊ መልሲ ዘንጸርጸሩ ስድራቤታት ጥርዓኖም ናብ ምምሕዳር ገሉጅ ኣቕሪቦም። ካብቲ ምምሕዳር ዝተዋህቦም መልሲ'ውን ካብ ኡ ዘይሓይሽ '' ብዛዕባዚ ትብልዎ ዘለኹም ዝኾነ ኣፍልጦ ይኹን ሓበሬታ የብልናን'' ክብል ሸለልትነት ኣይትብሎ ንዕቀት ዝመልኦ መልሲ እዮም ረኺቦም። Copyright © 2008- Eritrea-watch for Human Rights and Democracy Author not established. 3 ውልቀ ሰባት ተኣሲሮም [editorial display title]. Date not established. EHREA archive: /library/documents/doc-b88a21a70e742159f34cd963/ [1] ewhrd.org. Original source: http://www.ehrea.org/3_sebat_teasiromu.html. Preserved original: /library/originals/59f46651b724c1a2a864effbefa40098c9b54696ce7079f9040196a66c3c0caf.html. SHA-256: 59f46651b724c1a2a864effbefa40098c9b54696ce7079f9040196a66c3c0caf