Ethiopian students protest against Emperor Selaisse's regime, 1967-1974 Derived plain text from the preserved HTML. Original wording retained; layout, tables and images require the reader and originals. ኤርትራ፡ ማእሰርቲ ተኸተልቲ እምነት ሚስዮን ኣብ ከተማ ከረን 26 ጁን 2019 እዚ ምስ አካፍል Facebook እዚ ምስ አካፍል Messenger እዚ ምስ አካፍል Twitter እዚ ምስ አካፍል ኢ መይል ሓበራዊ ምሃብ Image copyright Mary Harper ናይ ምስሊ መግለጺ ከረን እቶም ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ከረን ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ዝተኣስሩ ተኸተልቲ እምነት ሚስዮን ቤተክርስትያን (ፌዝ ሚሽን) ኣብ ሓሽፈራይ ተወሲዶም ከም ዘለዉ ሓደ ካብ ቤተሰብ ግዳያት ንቢቢሲ ሓቢሩ። እቶም ኣዴታት ምስ ዝጠብዉ ህጻናት ደቀን፡ ዓበይቲ ሽማግለታት ዝርከብዎም ግዳያት ማእሰርቲ፡ ኣብ ሓሽፈራይን መደበራት ፓሊስ ከረንን ተዳጒኖም ከም ዘለዉ ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም። "ዕድሚኦም እንተዝነግረካ፡ ልዕሊ ሰማንያ ዓመት ሰብኣይ ኣሎ ኣብኡ፡ ዝጠብዉ ህጻናት'ውን ኣለዉ፡ ሰብሓዳር ሰብኣይን ሰበይትን ምስደቆም ተወሲዶም ኣለዉ" ይብል ሓደ ካብቶም ቤተሰቦም ተኣሲሮም ዘለዉ። "እቶም ልዕሊ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰብኣይ'ውን፡ ጓሉ፡ ሰብኣይ ጓሉን ጓል ጓሉን ተኣሲሮም ኣለዉ" ኢሉ። ኣባላት ጸጥታ ኣብ ዝሓለፈ "ሰንበት ንጉሆ ንኣምልኾ ተኣኪቦም እንከለዉ፡ በፊንስትራን ገለን ከቢቦም ኣትዮሞም"። መንግስቲ ኤርትራ ምላሽ ሂቡ እተን ካብ 18 ዓመት ንታሕቲ ዝዕድሚአን፡ ምስ ኣዴታተን ክኾና ዘየድልየን ግን ኣይተኣሰራን። እቶም ኣባላት ጸጥታ ንብረት ናይቲ ቤተክርስትያን ብመኪና ጽዒኖም ከም ዝወሰድዎን፡ ናይቲ ቤተክርስትያን ጥረ ገንዘብ'ውን ከም ዝሃገርዎ እቲ ምንጪ ተዛሪቡ። "ንመብዛሕትኦም ናብ ሓሽፈራይ ወሲዶሞም ኣለዉ፡ ፈልዮም ከኣ ምናልባት ኣብ መሪሕነት ዘለዉ'ዮም ዝበልዎም ኣብ ከረን ኣብ እንዳ ፓሊስ ሒዘሞም ኣለዉ"። ሓሽፈራይ፡ ሓደ ካብቶም ብዘይፍርዲ ሰባት ዝእሰርሉ ዝኸፍኡ ኣብያተ ማእሰርቲ ምዃኑ ኣብኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኤርትራውን ይገልጹ። እምነት ሚስዮን ቤተ ክርስትያን ሓንቲ ካብተን ዝተዓጽዋን ዝተኣገዳን እምነታት'ያ። መንግስቲ ኤርትራ 35 ናይ ሃይማኖት እሱራት ይፈትሕ ይኹን እምበር ኩለን እተን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ዝርከባ ጨንፈራት ናይታ ቤተክርስትያን፡ ዘይተዓጽወ ቤት ትምህርቲ ኣለወን። ስለዚ እቲ ምትእኽኻብ ወግዓዊ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝርከብ ቤት ጸሎት "ቻፕል" ተዓጽዯም እናጸለዩ እንከለዉ'ዮም፡ እቶም ኣባላት ጸጥታ "ወሪሮሞም"። Image copyright Mary Harper ናይ ምስሊ መግለጺ ካቴድራል ከረን ኣብ ግንቦት 2002 መንግስቲ ኤርትራ ንኹለን ኢቫንጀሊካውያን ጴንጠቆስታል ኣብያተ ክርስትያናት ድሕሪ ምእጋዱ፡ንመራሕተንን ኣባላተንን ክኣስር ጸኒሑ'ሎ። ኣብተን ዝተፈቕደለን ሃይማኖታት'ውን እንተኾነ ምትእትታው ከም ዝገብርን፡ ንገለ ኣባላተን ከም ዝኣስርን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይዛረቡ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ መንግስቲ ንትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ድሕሪ ምዕጻዉ፡ ጉባኤ ጳጳሳት ናይታ ቤተክርስትያን ኣብ ኤርትራ ከም ግብረመልሲ ናይቲ "ዘሕዝን" ዝበልዎ ስጉምቲ ናይ "ጸሎትን ምህለላን" እዋን ኣዊጆም ኣለዉ። "ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስትያንን ምእመናንን ብዝወረደ ኣደራዕ ኣብ'ዚ ዓሊበ" ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን'ዚ ድማ፡ ሓንቲ ድንግልን ካልኣያን ኣብ ሓመልማሎ፡ ዞባ ዓንሰባ ኣብ ዝርከብ ዝተዓጽወ ማእከል ጥዕና ብኣባላት ፓሊስ ተኣሲሮም ነይሮም። እቶም ጳጳሳት ኣብ ኤርትራ ለውጢ፡ ሰላም፡ ፍትሒን ዕርቅን ክረጋገጽ ክጽዉዑ ምጽነሐም ይፍለጥ። Author not established. Ethiopian students protest against Emperor Selaisse's regime, 1967-1974. Date not established. EHREA archive: /library/documents/doc-b200566fa2c4d5a8dcf95b4b/ [1] Ethiopian students protest against Emperor Selaisse's regime, 1967-1974. Original source: http://www.ehrea.org/misonet.php. Preserved original: /library/originals/045691f698906f02dfcf05db133d81d4c1bfa2d59ac588cab26883c2b2776eab.html. SHA-256: 045691f698906f02dfcf05db133d81d4c1bfa2d59ac588cab26883c2b2776eab