ሚርይምን ዙፋንን : እተን ክልተ ብጾትን ምሓዙትን ሰብ ሓደ ዕጫ Derived plain text from the preserved HTML. Original wording retained; layout, tables and images require the reader and originals. ሚርይምን ዙፋንን : እተን ክልተ ብጾትን ምሓዙትን ሰብ ሓደ ዕጫ! written by Desta Ghebre ኣብ ገጻት ፌስ-ቡክ ብዛዕባ እታ ብልቢ ዝፈትዋ ዓባይ ሓፍተይን ብጸይተይን ዝነበረት ሚርያም ኣስረስ ክጽሓፍ ርእየ ኣለኹ:: ኣነ'ውን ንድሕሪት 40 ተመሊሰ ተዘክሮታተይን ትዕዝብታተይን ንሚርያም ንምዝካር ገለ ዘይሕንጥጥ ካብ ዝብል ሓሳብ ተበጊሰ እየ ዝጽሕፎ ዘለኹ:: ኣብ መፋርቕ 1979 ኣብ ጥሩቕሩቕ (ላዕላይ ዓራግ) ኣብ ድምጺ ሓፋሽ እንኮለና እዩ ሌላና:: ሚርያም ብመልክዓ ጠባያ ትሕትናኣ ልቦናኣን ለዉሃታን ፍልይቲ ሰብ እያ ነይራ:: ኩሉ እያ ተዓዲላ:: ከም ንእሽቶይ ሓዋ ኣብ ሕቑፋ የእትያ ርእሰይ ክትደርዘኒ ኣነ ክ ሓፍርን ይዝከረኒ:: በቲ ዘርኣየትኒ ፍሉይ ፍቕሪ ድማ ቀልጢፈ እየ ተማሓዝየያ:: እዚ ፈጣሪ ንሚርያም ፈጢሩ ደው ከብል ነይሩዎ ተብል ፍጥረት እያ ዝነበረት:: ሓደ እዋን ዓሶ ሓሚመ "ብላዕ ክጠቕመካዩ ኢላ ነቲ ቦጅቦጅ ከም ህጻን ከተኾልሰኒ ትዝ ይብለኒ;; ስለዚ ክኣ እዩ እቲ መስዋእታ ፍሉይ ዝገብሮ:: ብመስዋእታ ክኣ ኩሉ እዩ ሓዚኑ:: ልዕሊ ኩሉ ክኣ እቲ ብዓል ቃልኪዳና ኢሰያስ ወዲ ፍላንሳ:: ኢሰያስ ሓንቲ መዓልቲ እየ ርእየዮ:: ሓደ ምሸት'ዩ ንሚርያም ክርእያ ኢሉ ምስ መጸ ኣብቲ ሩባ ጉጅም ክብሉ ይሪኦምሞ ጸዊዓ " ሰብኣየይ እዩ ተላለዮ" ኢላትኒ:: ሓፊረ ጽቡቕ ጌረ ኣይጠመትኩዎን: መልክኡ እዚ'ዩ ክብሎ ኣይክእልን'የ :: ብጣዕሚ ይፋተው ብምንባሮም ድማ መስዋእቲ ሚርያም ንከርድእዎ ኣዝዮም ተጸጊሞም ከምዝነበሩ'ውን ሰሚዐ:: ሚርያም ምስ ከተተት ኩሉ ደንጊጹ እዩ:: ከምቲ ኩሉ ሰብ ዝፈልጣ ኣጻብእትኻ ሂብካያ ትናኸስ ዓይነት ሰብ ኣይነበረትን:: ኣዝያ ርህርህቲ ስለዝነበረት ንድፋዕ ሰዲድካያ ከተግድዓካ እንተዘይኮይኑ ብረት ሒዛ ጸላኢ ክትቀትል ትኽእል ሰብ ኣይትመስልን እያ:: ንሚርያም ዝኪረ ክሰግሮ ዘይክእል ዝኽሪ ናይ ካልኣይቲ ዓባይ ሓፍተይን ብጸይተይን ዙፋን ኣፈወርቂ ኣለኒ:: ዙፋን ካብ ሚርያም ብዘይፍለ መልክዐኛን ህድእትን ኩርዕትን እያ ነይራ:: ዘየኹርዕ ክኣ ኣይነበራን ብዓልቲ ቤቱ ንተኽላይ ዓደን እያ ነይራ:: ሚርይምን ዙፋንን ደቂ ሓደ መስርዕ ኮይነን ክልቲኤን ካብተን ቐዳሞት መስረትቲ ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ sound editor/ technician እየን ነይረን:: ብሓደ ይሰርሐ ጥራይ ዘይኮነ ብሓደ ይድቅሳ: ብሓደ የዕልላ: ብሓደ ይኸዳ: ጉጅም መብሃልቲ እየን ነይረን:: ኣብ መንጎአን ዝኾነ ክፈሊ ዝኽእል ነገር ኣይነበረን:: ኣብ ልዕሊ መደቀሲየይ ኣብ ኩጀት(ተሽኪል) ይድቅሳ ስለ ዝነበራ ስሓቐን ይሰምዖ ነይረ::ክልቲኤን ዕድል ኣይገበራን ሓድጊ ኣይገደፋን:: ሚርያም ወሊዳ ካብ መወለዳን (Maternity) ከይወጸት ቆልዓኣ ተጎድኣ: ዙፋን ክኣ ክትሓርስ ከይዳ ዕጫ ሚርያም ኣጋጢምዋ:: ምውት ወሊዳ! ሕማቕ ኣጋጣሚ እዩ! ቆልዑተን ሓቑፈን ክመጻ እናተጸበና ጥራይ ኢደን መጽኤናና:: ናይ ውትህድርና ነገር ኮይኑ ግን ናይ ምፍልላይ እዋን መጺኡ ክልቲኤን ከም ዝኸታ እዩ ተገይሩ: ኣይጸንሓን ክኣ መስዋእተን ተሰሚዑ ሃብቶም ጽጋይ ንመርየምብከምዚ ይገልጻ "ንመርየም ፈልማይ የ ግዘ ርእያ ኣዚ ጽብቅቲ ማራያም ከምሽማ ኣድይ ማርያ ክይተሃከየት ያ ሰሪሓታ ያ ትመስል ኣዝያ ምቅልልትን ትሕትን ብምካንና በቲ፡ፉልይ ፍሽክታኣ ገራ የቀነይለይ,ሃብቶም፡ኣሸጊረኩም ዶ፡ኢላ ተለኣልይትኒ lስውእቲ ሚርያምኣስረስi Author not established. ሚርይምን ዙፋንን : እተን ክልተ ብጾትን ምሓዙትን ሰብ ሓደ ዕጫ. Date not established. EHREA archive: /library/documents/doc-a2fc0054b3d3e8708ccee22d/ [1] ሚርይምን ዙፋንን : እተን ክልተ ብጾትን ምሓዙትን ሰብ ሓደ ዕጫ. Original source: http://www.ehrea.org/zufaa.php. Preserved original: /library/originals/1e360f2aa1989351f2ed49398e28bcfd121f7b7e3478e12ae7100a35506995e8.html. SHA-256: 1e360f2aa1989351f2ed49398e28bcfd121f7b7e3478e12ae7100a35506995e8