ፓትረያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብከቢድ ሓሚሞም Editorial display title. Derived plain text from the preserved HTML. Original wording retained; layout, tables and images require the reader and originals. Home News Editorial Human Rights Current Affairs Events About Us Media News/English News/Tigrigna Photo Gallery Documents History Uncensored Focus Contact Us Links Asmarino Alnahda Alenalki Adoulis Baden Kunama Democrasia Dekebat Eri Planet Farajat Jeberti Mai Habar Maitemenay Mekaleh Eritrea Nharenet Self Democracy Togoruba Teshamo ፓትረያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብከቢድ ሓሚሞም ካብ ዕለት 13 ጥሪ 2006 ኣትሒዙ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትረያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ። ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ወዲቖም ከምዘለዉ ምንጭታት ኤሪትረያ ዎች ሓቢሮም። ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ንዝለዓለ ሕክምና ንወጻኢ ክኸዱ እኳ እንተሓተቱ፣ እቲ ሃይማኖት ኮነ ብዓቢኡ ድማ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ቅጭጭ ዘይብሎ ስርዓት ህግደፍ ከምዝኣበዮም ተሓቢሩ። ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ኣቦኦም ገብረመድህን ደብረጽዮን፣ ካብ ኣዴኦም ወ/ሮ ኢለን ቀለታ፣ ኣብ ዞባ ማእከል ሕምብርቲ ብ1927 ተወሊዶም። ኣብ 5 ዓመት ዕድሜኦም ድማ ንገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ እንድርያስ ተወፍዮም። ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ድሕሪ ዕረፍቲ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ፣ ብዓቃቤ መንበርነት ክሰርሑ መዲብዎም ድሕሪ ምጽናሕ። የካቲት 2004 ኣብ ምኔታት ገዳማተ ኤርትራ ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት ቤተ ክህነት፣ ምእመናንን ተኣኪቦም ንምርጫ ካብ ዝቐረቡ ጳጳሳት ብዝለዓለ ድምጺ ንብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ፓትረያርክ ክኾኑ መሪጾሞም። Posted: 29/01/2009 site stats Copyright © 2008- Eritrea-watch for Human Rights and Democracy Author not established. ፓትረያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብከቢድ ሓሚሞም [editorial display title]. Date not established. EHREA archive: /library/documents/doc-90096c5bfe42ec05fc589f23/ [1] ewhrd.org. Original source: http://www.ehrea.org/patrearkt_hamimom.html. Preserved original: /library/originals/a77a0a5659b37cc37845aabd2e642168ce0a3a23527e2078f37ef6ff1a584be6.html. SHA-256: a77a0a5659b37cc37845aabd2e642168ce0a3a23527e2078f37ef6ff1a584be6