ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝነበሩ 42 ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም። Derived plain text from the preserved HTML. Original wording retained; layout, tables and images require the reader and originals. ካብ 1-31 ጥሪ 2012 ዓ.ም 1545 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ፡ ሱዳን ኣትዮም። ዝርዝር ናይ’ዞም ናብ ሸገራብ ዝኣተው 1545 ስደተኛታት ድማ፡ ከም’ዚ ዝስዕብ ኢዩ። ትሕቲ 5 ዓመት ካብ 5-18 ዓመት ልዕሊ 18 ዓመት ድምር ደቂ ኣንስትዮ 136 175 211 522 ደቂ ተባዕትዮ 112 308 603 1023 ድምር 248 483 814 1545 ካብ 1 ጥሪ 2010 ክሳብ 31 ጥሪ 2012 ኣብ ሱዳን፡ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ፡ ዑቝባ ዝሓተቱ ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት 48,492 (46,947 + 1545) በጺሑ ኣሎ። ← ዝናን ባህታን ናጽነትን ሱቕታን! (14) ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግኣት ከምዝተኻየደ ምንጭታት ሓቢሮም። → ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝነበሩ 42 ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም። Posted on February 11, 2012 by assenna ኣብ ጉዕዞ ንስደት እናሃለዉ፡ ብወተሃደራት ግብጺ ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲናይ ተታሒዞም ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዝነበሩ’ሞ ናብ ኤርትራ ብሓይሊ ናይ ምምላስ ሓደጋ ከንጸላልዎም ዝጸንሐ፡ 42 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብምትሕብባር ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ግብጺ፡ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኸዱ ምንጭታት ሓቢሮም። ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ስደት ብግዴታ ንምዝለሱ ኤርትራውያን ናይ ምእሳርን ምስቓይን ኣመል ስለዘለዎ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ካብ ዝምለሱ ናብ ካልኦት ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም ክዕቆቡ እዮም ዝመርጹ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ግብጺ ይኹን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ደልሃመት ንዝኣተዉ ኣማኢት ኤርትራውያን ተቐቢሉ የዕቁቦም ምህላዉ ኸኣ ይፍለጥ። Author not established. ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝነበሩ 42 ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም።. Date not established. EHREA archive: /library/documents/doc-8e9acb4a6a3f9d57327d2f11/ [1] ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝነበሩ 42 ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም።. Original source: http://www.ehrea.org/sudare.php. Preserved original: /library/originals/9a4ac0b16c6a64e37e724db2df0779e16aee1d93de1e480174c88ae6d6e9d536.html. SHA-256: 9a4ac0b16c6a64e37e724db2df0779e16aee1d93de1e480174c88ae6d6e9d536