ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ 80 ኤርትራውያን እቶም 75 'ሞይቶም' ዝብል ከቢድ ስግኣት የንጸላሉ። 5 ካብኣቶም ግን ከምዝደሓኑ ተረጋጊጹ። Derived plain text from the preserved HTML. Original wording retained; layout, tables and images require the reader and originals. me [External image reference] ትግርኛ [External image reference] ዜና [External image reference] ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ 80 ኤርትራውያን እቶም 75 'ሞይቶም' ዝብል ከቢድ ስግኣት የንጸላሉ። 5 ካብኣቶም ግን ከምዝደሓኑ ተረጋጊጹ። ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ 80 ኤርትራውያን እቶም 75 'ሞይቶም' ዝብል ከቢድ ስግኣት የንጸላሉ። 5 ካብኣቶም ግን ከምዝደሓኑ ተረጋጊጹ። Friday, 21 August 2009 01:08 Print PDF [External image reference] ዝተፈላለያ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና እንተላይ ቢቢሲን ድምጺ ኣመሪካን ከምዝተቐሳኦ፡ ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ 80 ኤርትራውያን እቶም 75 'ሞይቶም' ዝብል ከቢድ ስግኣት ከንጸላሉ ኸሎ፡ ሓደ ህጻንን ሓንቲ ሰበይትን ዝርከቦም 5 ካብኣቶም ግን ድሒኖም ኣብ ደቡባዊ ጥልያን ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ክንክን ይርከቡ ኣለዉ። እቶም ካብ ሞት ዝደሓኑ ኤርትራውያን ከምዝዝሓበሩዎ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ (ቅድሚ 20 መዓልቲ) ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ንምስጋር 80 ኤርትራውያን ኣብ ጃልባ ከምዝተሳፈሩ ንጋዜጠኛታት ሓቢሮም። እቶም ኣብ ጣቓ ሞት ቀሪቦም ኢጣልያ ዝበጽሑ ግን ሓሙሽተ ጥራይ እዮም። ሓደ ካብቶም ኣብ ምድሓኖም ዝተሳተፉ ሰራሕተኛ ናይ ገበርቲ ሰናይ፡ እታ ዝደሃነት ጓልኣንስተይቲ፡ "ናብ ኣስከሬን ተለዊጣ፡ ኣዒንታ ንሂሉ፡ መልኣከሞት" ትመስል ከምዝጸንሓቶ ገሊጹ። ኣብ ኢጣልያ ዝመደበራ ኣፈኛ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ሎራ ቦልድሪኒ ነቲ ትራጀዲ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ቓል " እዞም ሰባት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ክንድዚ መዓልታት ጸኒሖም ቀልጢፎም ረዲኤት ክረኽቡ ዘይምኽኣሎም ዘሰምብድ እዩ" ክትብል ጓሂኣ ገሊጻ። እቶም ብባሕሪ ተሳጊሮም ናብ ኢጣልያ ዝኣትዉ ዘለዉ ኤርትራውያን ካብ ናይ ዓዶም ሓደጋ ሃዲሞም ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ምዃኖም ድማ ገሊጻ። ትግርኛ [External image reference]ዜና [External image reference]ቃል ኣሰና [External image reference]ኣተኵሮ [External image reference]ህይወት [External image reference]ኣብነት [External image reference]ናዕታ [External image reference]ዕቡሳት ጋዜጠኛታት [External image reference]ደብዳቤታት [External image reference]ዋዛን ኣዋዘን [External image reference]ኪዳን ምስ መን? [External image reference]ሰነዳት ADVERTISEMENT www.assenna.com Voice of Asena Fund Raising! www.geezsoft.com geez word 7.1.0 is compatible with MS Office, including Adobe Illustrator, Photoshop, InDesign and more. Author not established. ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ 80 ኤርትራውያን እቶም 75 'ሞይቶም' ዝብል ከቢድ ስግኣት የንጸላሉ። 5 ካብኣቶም ግን ከምዝደሓኑ ተረጋጊጹ።. Date not established. EHREA archive: /library/documents/doc-7b2582143ae101b59e8c5872/ [1] ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ 80 ኤርትራውያን እቶም 75 'ሞይቶም' ዝብል ከቢድ ስግኣት የንጸላሉ። 5 ካብኣቶም ግን ከምዝደሓኑ ተረጋጊጹ።. Original source: http://www.ehrea.org/mas.php. Preserved original: /library/originals/19ae376fcf70a71299dc0f85247f16422e226f13c0e48c5d0f7d22a536b17a07.html. SHA-256: 19ae376fcf70a71299dc0f85247f16422e226f13c0e48c5d0f7d22a536b17a07