ኣብ ኢትዮጵያ 50,718 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ተሓቢሩ Derived plain text from the preserved HTML. Original wording retained; layout, tables and images require the reader and originals. ኣብ ኢትዮጵያ 50,718 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ተሓቢሩ Thursday, 24 June 2010 11:06 administrator ቁጽሪ ናብ ኢትዮጵያ ዝውሕዙ ዘለዉ ስደተኛታት እናወሰኸ ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ እዋን፣ ዝበዝሑ ካብ ኤርትራን ሶማልያን ዝመጹ ምዃኖም ዝንገረሉም፣ ኣስታት 150,366 ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ከምዘለዉ፣ ትካል ስደተኛታት መንግስቲ’ታ ሃገር ገሊጹ። ብመሰረት እቲ መግለጺ፣ ኣስታት 70 ሽሕ ሶማላውያን፣ 50 ሽሕን 718 ኤርትራውያን፣ ኣስታት 24 ሽሕ ድማ ሱዳናውያን ኣብ 12 መዓስከራት ስደተኛታት ከምዘለዉ ተሓቢሩ። ዳይረክተር ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያ ኣቶ ኣያሌው ኣወቀ ከምዝገለጾ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኣህጉራዊ ተጸዋዒ ስደተኛታትን፣ ዓለማዊ ውድብ መግቢን ብምትሕብባር ነቶም ስደተኛታት ኣድላዪ ሓገዝ የበርክተሎም ከምዘሎን፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ተወሰኽቲ ክልተ ሓደስቲ መዓስከራት ከምዝሃነጸ ኣብሪሁ። ብገምጋም ኣስታት 2 ሽሕ ኤርትራውያን ወርሓዊ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰግሩ እውን ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ። Source http://erena.org/index.php?option=com_content&view=article&id=464:--50718----&catid=71:zena-ertra&Itemid=263 Author not established. ኣብ ኢትዮጵያ 50,718 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ተሓቢሩ. Date not established. EHREA archive: /library/documents/doc-6e7ff66560993fb73cf72590/ [1] ኣብ ኢትዮጵያ 50,718 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ተሓቢሩ. Original source: http://www.ehrea.org/re.php. Preserved original: /library/originals/31fa997afd9d7dac42492a304cd63b6209f7b079eb73c26339eb52ed8200accf.html. SHA-256: 31fa997afd9d7dac42492a304cd63b6209f7b079eb73c26339eb52ed8200accf