Related Posts: Derived plain text from the preserved HTML. Original wording retained; layout, tables and images require the reader and originals. ቤትማእሰርቲ ኣደርሰር ተሓይሮም ዘለዉ ብኸፊል ዝበጽሓና ሰነድ ዝርዝር ኣስማት ትሕቲ ዕድመ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። source http://assenna.com/ ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ኣብ ጋሽ ባርካ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ስለያ ስርሒት ዞባ 2 ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት 372 ኤርትራውያን ተኣሲሮም ይሳቐዩ ኣለዉ። ኣተሓሕዛ ናይቶም እሱራት ኢሰብኣዊ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብቲ ቤትማእሰርቲ፡ እተን እሱራት ደቀንስትዮ ብኣባላት ሓለዋ ናይቲ ቤትማእሰርቲ ተዓሚጸን ጥንሲ ከምዘጋጥመን እቲ ሰነድ ይገልጽ። ሓንቲ ስተል መሓመድ ዓሊ ዝተባህለት ጓል 27 ዓመት እስርቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብቲ ቤትማእሰርቲ ጥንሲ ኣጋጢሙዋ፡ ሓደ እዋን ንሕክምና ባረንቱ በጺሓ ምስ ተመልሰት ብ 16 መጋቢት 2011 ኣብ ውሽጢ ሸላ ቤትማእሰርቲ ሞይታ ከምዝጸንሐት እቲ ሰነድ ይሕብር። ነቲ ዘጋጠማ ጥንሲ ሓላፍነት ዝወስደሉ ኸኣ ኣይተረኽበን። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ 2011 ዓመተ ምህረት ጥራይ፡ ሰኣን ግቡእ ሕክምና፡ ኣሮን በራኺ ተኽለብርሃን ወዲ 30 ዓመት፡ ኣድም ኣረይ፡ ከምኡ ‘ውን ሳሮን መሓሪ ጊላይ ጓል 19 ዓመት፡ ብጠቕላላ 4 መንእሰያት ሞይቶም። ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ኣብ ስም ዕለተ ልደት ዝተኣስረሉ ዓ.ም 1 ኣንገሶም ኣማኑአል 1996 2012 2 ሰምሃር ተኽለ 1995 2009 3 ሃይለ ኣለም 1998 2009 4 ሳባ ተስፉ ምሓሪ 1998 2010 5 ሄለን መንግስትኣብ 1998 2011 6 ኤልያስ ገብረወልዲ 1997 2012 7 ኣሮን ገብረወልዲ 1997 2012 8 ገርጊሽ መዓሾ 1996 2012 9 ስብሃቱ ወልደታትዮስ 1998 2012 10 ኣለም ሓድሽ 1997 2012 11 ናኦድ ዮናስ 1998 2012 12 ገብረብርሃን ከበደ - 2012 13 መልኣከ ሃብተወልዲ 1998 2012 14 ዮሃና ተስፋጽዮን 1997 2012 15 ግደይ ኣለምሰገድ 1997 2011 16 ኤፍረም ኣሸብር 1996 2010 17 ሄኖክ ዮሴፍ 1998 2010 18 ተመስገን በላይ 1996 2009 19 ሰምሃር ትካቦ 1997 2010 20 ሊንዳ ትካቦ 1994 2009 21 ላሜክ ዳዊት 1997 2010 22 ኣበባ ሰለሙን 1996 2010 23 ናትናኤል ሃይሉ 1997 2010 24 የውሃንስ ሃብተማርያም 1998 2010 25 ዳዊት ገብረመድህን 1998 2010 26 ሰናይ ተስፍኣለም 1997 2010 27 ኤርትራ ቦኽረጼን 1997 2010 28 ተስፋይ ኣሮን 1998 2009 29 ማና ሃብተ 1997 2011 30 ተወልደ መብራህቱ 1998 2010 እተን ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነተን ኣብ ስርሒት ስለያ ዞባ 2 ተኣሰኢረን ዘለዋ ድማ እዘን ዝስዕባ እየን። ምሉእ ስም 1 ወይኒ ደበሳይ 2 ኤልሳ ሃብቶም 3 ሰናይት ተወለመድህን 4 ሰምሃር ገብራይ 5 መርሃዊት የማነ 6 ስምረት መብራህቱ ደብረጼን 7 ኣልጋናሽ ካሕሳይ 8 ለምለም ተስፋይ 9 ማክዳ ሳህለ 10 ክብራ ጸሃየ 11 ኣበባ ተስፋኣለም 12 ምብራቕ መብራህቱ 13 ኤደን ፍስሃየ 14 ምብራቕ መብራህቱ 15 መብራት ዘልኣለም 16 ግደይ ስቲፋኖስ 17 ገነት ተዓረ 18 ኣለም ትኩእ 19 ራሄል ደጀን 20 ርብቓ ኣንገሶም 21 ሳሮን መሓሪ ጊላይ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ሚኒስተራትን ጀነራላትን፡ ጋዜጠኛታት፡ ሽማግለታት፡ ኣመንቲ ምስልምናን ክርስትናን ከምኡ ‘ውን ብብዝሒ መንእሰያት ዝርከቡዎም ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝፍለጡን ዘይፍለጡን ኣብያተ ማእሰርቲ ኣሲሩ የሳቕዮም ከምዘሎ፡ ብዙሓት ከኣ ብሰንኪ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ጉድለት ሕክምናዊ ክንክንን ከምዝሞቱ ይፍለጥ። ይኹን’ምበር፡ ሓደ ሓደ ብትሑት ሲቪላዊ ገበናት ዝተኣሰሩ ውልቀሰባት ኣብ ተለቭዥን “እቲ ዘለናዮ ቤትማእሰርቲ ካብ ገዛና ይጥዕም” ከምዝብሉ እናገበረ፡ ነቲ ኣብ ምስጢራዊ ኣብያተ ቤትማእሰርቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ፖለቲካን እምነትን እሱራት ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዕታት ክሸፋፍኖ ይፍትን ኣሎ። Related Posts: Author not established. Related Posts:. Date not established. EHREA archive: /library/documents/doc-260e65c53be4b5b7a4b97081/ [1] Related Posts:. Original source: http://www.ehrea.org/ersrt.php. Preserved original: /library/originals/b6274973d9f8128a5519ab5f5bdbc62d55bca8041a8eab9012bc35e8e3d6733d.html. SHA-256: b6274973d9f8128a5519ab5f5bdbc62d55bca8041a8eab9012bc35e8e3d6733d